ፍልልያትና ከም ጸጋ እንተዘይሪእናዮ ሓደጋ’ዩ!

ሳልሳይ ክፋል

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ውድባት ኤርትራ ብሓፈሻ ወይ’ውን ብተናጽል፡ ኣብ ኣብ ከባቢኤን ንዝጋሃድ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ብናተን ርእይቶ ክገልጻ መሰል ኣለወን። ኣብ ዘድልየን ወይ’ውን ኣገዳስነት ኣለዎ ኢለን ዝኣምናሉ ጉዳያት’ውን ካብ’ዚ መሰላት ዝተኸልከላ ኣይኮናን።

ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ ከባቢና ዝተራእዩ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ ብዝተነጸረ እኳ ድኣ ኣዋጅ እንተኣድለዮስ፡ ብመልከዕ ኣዋጅ ንህዝቢ ክግለጸሉ ጸኒሑ እዩ። እዚ ዝዀነሉ ጉዳያት ከኣ ኣብ መብዛሕትኡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዝትንክፍ ፖለቲካዊ ተርእዮ ምስ ዝኽሰት፡ ህዝቢ ክፈልጦ ተደላይነት ምስ ዝህልዎን እዩ።

ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ገና ኣብ ደረጃ ግንባር ተጥርኒፉ እንዳተቓለሰ፡ ምዕቡል ኣገባብ መስመር ዲፖሎማሲያዊ ምትእስሳር ዘጥረየ ዓቓል ውድብ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ። ፕሮፌሶር ተስፋጽዮን መድሃኔ’ኳ ዝወዓለሉን ዝሓደረሉን ብቀረባ ዝፈልጦ ጉዳይ’ውን’ዩ።

ሎሚ ከኣ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብክንደይ ቃልሲ ዘጥረዮ መትከላዊ፡ ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሕኡ፡ ብዝያዳ ከዕብዮን፡ ኣብ ዘይተነጸረ ጉዳያት ንጹርነት ኣቐሚጡ ዝጓዕዝ ሰልፊ ክኸውን በቒዑ’ዩ።

ካብኡ ሓሊፉ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እንዳማቱ ጣልቃ ፖለቲካ ኣቲዩ ኣይፈልጥን ክኣቱ’ውን ኣይደልን። ዝምድና ሰልፊ ህዝቢ ናይ እንካ ሃባን ጠለባቱ ኣብ ጠረጴዛ ኣንቢሩ፡ ናይ ርሑቕ ዕላማታት ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዝምስረት ሰላማዊ ጉርብትናን ዕብየትን ዘተዀረ’ዩ።

ክቡር ፕሮፌሶር ተስፋጽዮን

ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝጠቐስክዎ፡ ክሳብ’ቲ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ምስ ህዝብኻ ብምክፍል ዝገበርካዮ ጻዕሪ ተቐቢልናዮ፡ ወዮ ሓደ እዋንስ እንተዘከርካዮ ተስፋጽዮናት ተባሂልና’ውን ከም ዝተጸዋዕና ከዘክረካ እፈቱ።

ንሕና ኣብ ሕሉፍ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ደሪቕና ዝምድና ምምስራት ኣይተኸልከልናን፡ ብኣንጻሩ ካብ’ቲ ሕጹር ዝምድናታት ወጺና፡ ካብ’ቲ ኣብ ቅርሕንቲ ዝምስረት ዝምድናታት ወጺእና፡ ኣብ ሓባርዊ ጉዳያት፡ ኣብ’ቲ ንህዝብናን ንሃገርናን ዘርብሕ ክንሰርሕ፡ ሰላምን ርጉእ ፖለቲካ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንክረጋገጽ ዝይዳ ከም ዘኽስበና ዝምድናታትና ዝተመስረተሉ ርኢና።

ሃናጺ ርእይቶኻ ኣሞጎስና፡ ነቐፈታዊ ርእይቶኻ ጸይርና ከኣ ተጓዒዝና’ና፡ እዚ ንዓኻ ምረት ፈጢርሉካ፡ ብፍላይ ኣብ’ቲ 1997 ዘልዓልካዮ ጉዳይ ሓድነት ፡ ኣብ’ቲ ትሕዝቶ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብፍላይ ንሰውራዊ ባይቶ ስለምንታይ ብእንግሊዝኛ ተውጽእዎ፡ ኣነ ብትግርኛ እንድየ ተዛሪበ ክትብል፡ ዓመት ሙሉእ ተጽቢኻ ነቲ ጉዳይ ኣብ 1998 ኣውጺእካዮ። ብሓቂ እዚ ብሂል ካባኻ ክወጽእ ዘይግበኦ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ እቲ ኣብ ውሻጠ ምስና ትገብሮ፡ ኣብ ቃልዕ ከኣ ጠጠው ክትብለሉን፡ ብትርኛ፡ ብዓረብ፡ ብእንግሊዝ ተጻሒፉ ተተርጕሙ ይዘርጋሕ ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ ፕሮፌሶር ተስፋጽዮን ዝሃቦ ቃል ምዃኑ ክረጋገጽ  ዝነበሮ’ዩ።

ፕሮፌሶር ተስፋጽዮን ኤርትራውያን ብትግርኛ ክትዛረብ’ምበር፡ ብትግርኛ ክትጽሕፍ ዝረኣየካ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣነ ከም ዝርድኦ’ውን ብግዜ ሕጽረት ብልክቲኡ ቋንቋ ማለት ትግርኛን እንግሊዝኛን ክትጽፍ ግዜ ከም ዘይብልካ’ዩ እቲ ጉዳይ’ምበር ካልእ ጸገም ከም ዘይብሉ ኣብ ብዙሕ ዘጋጥመካ ሕቶታት ክትምልስ ስሚዔ።

ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ሎሚ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ማለት በተን ዕላውያን ቋንቋታት ኤርትራ ትግርኛን ዓረብን ብተወሳኺ ብእንግሊዘኛ ሓበሬታ ተጻሒፉ ንህዝቢ ክዝርጋሕ ከም ዝጸንሐ ዘተሓታት ኣይኮነን። እዚ ጉዳይ መሰታ’ቲ ቃልስና’ዩ። እዚ ጉዳይ ነቲ ነቐፈታዊ ርእይቶኻ ውዱቕ ኣብ ልዕሊ ምግባሩ ብእንግሊዝኛ ተሓቲሙ ብምውጽኡ ከም ጽልኢ ቆጺርካ ናብ ጸለመን ቅርሕንት ኣምራሕካ፡ ነቲ ብኽብሪ ጸይሩካ ዝኸይድ ዝነበረ መሰረታት ኣብ ዘጓነፎ ናይ ምፍንጫል ሓደጋ እንተዀነ’ውን ኣብ ክንዲ ንምትዕራቑ ምጽዓር፡ ኣብ ክልተ ደምበ መቒልካ፡ ቅኑዕን ዘይቕኑዕ ውድብን ክትብል ጀሚርካ። ክሳብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ ተሰኪምዎ ዝነበረ እጃም ሃገራዊ ሓላፍነት ኣብ ምስልሳል እንከሎ፡ ኣብ ፈስቲቫል 2004 ንምፍሽላ ብፍሉይ ዝተዓጠቕካሉን፡ ነቲ ባዕልካ ትመርሖ ዝነበርካ ኣኼባ ምስ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ከይተኣሳሰርን ከይዛመድን ሓሳብ ቅሪብኻ፡ እንተዀነ ኣይሰለጠካን።

ፕሮፌሶር ተስፋጽዮን፡ ንስኻ ቅድሚ 1986 ዝነበረ ዓመታት ኣትሒዝካ ብተደጋጋሚ ክሳብ ሎሚ’ውን፡ ብፍላይ ኣብ ድሮ ነጻነት ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ብዛዕባ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣልዒልካ ክትዛረብ ዝጸናሕካ ባእታ ኢኻ። ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ተሊቪዝን ኢትዮጵያውን ቀሪብካ ብዛዕባ’ዚ ርእይቶኻ ዝሃብካ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ከኣ ኣብ ቀሪን ኣፍሪቃ ብፍላይ ንኤርትራ ኢትዮጵያን ዝምልከት ናይ ፈደረሽን ጉዳይ ጽሒፍካ።

ኣነ እዚ ርእይቶኻ ጎዳኢ’ዩ ኣይብሎን ምኽንያቱ ከም ሰብ መጠን፡ ከም ናይ ሕግን ፖለቲካን ምሁርን በዓል ሞያ መጠን ርእይቶ ክትህብ ስለ እትኽእል፡ ግን እንተደኣ እቲ ሓቐኛ ኣብ መሬት ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ህዝቢ ዘይምፍላጥን፡ ምስ’ቶም ዋናንታት ብቀረባ ነዚ ጉዳይ ይኹን ኣይኹን ንምትግባሩ ጽን ኢልካ ርእይቶ ካልኦት ናይ ምስማዕ ዕድል እንተዘይሂብካ እቲ ጉዳይ ኣብኡ የብቕዕ። እቲ ኣውራ ሕቶ እቲ ንስካ ተቅርቦ ሓሳብ ጥራሕ ዘኮነ፡ ህዝቢ እንታይ ይብሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓጋዚ ኩነታት እንታይ ምጽናዕን ምዝርራብ የድሊ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ነዚ ግዙፍ ጉዳይ ከተዕውት ከም ዕዱም ጋሻ ጥራሕ ዘይኮንካ ኣብ’ቲ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ መሪሕ ግደ ክትጻወት ምስ ትኽእል ጥራሕ ምዃኑ ካባይ ምኽሪ ትደልየሉ ኣይኮነን።

ፕሮፌሶር ተስፋጽዮን መድሃኔ ብሳላ ትምርህትኻ፡ ነዚ ዓቕሚ ኣጥሪኻ ከም ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካ ኣተሃላልዋኻ ከም ውልቀ ሰብ፡ ንተበግሶን ርእይቶን ናይ እኩብ ዝተወደበ ሓይሊ ርእይቶይ እንተዘይሰምዔ ወይ’ውን እዚ ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ርእይቶ’ዩ ቅኑዕ እንዳበልካ፡ ንገዛእ ርእሱ ርእይቶታትካ ንኽተስምር ክትከዶ ዘሎካ መስርሕ፡ ክትምስርቶ ዘሎካ ዝምድናታት ኣገዳስነት ከም ዘለዎ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ደረጃ ዝምድናታትካ ምስ ኤርትራውያን ውድባት ብንጹር ዘመስክሮ ‘ዩ።

ኣብ’ዚ ኣብ’ቲ ብሽም ፈስቲቫል ካስል ግን ካብ’ቲ ፈቲቫል ካስል ወጻኢ ዝተቐረጸ ቪዲዮ ዝተባህለ ናይ ሓደ ሰዓት መደረ ገዲፈ፡ ኣብ ፍሉይ ናይ’ዚ ዘልዓልክዎ ጉዳይ ክዛረብ እፈቱ።

  1. ፕሮፌሶር ተስፋጽዮን ይብል ” እተን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምፍላይ ኢለን ኣጥቢቐን ዝጣበቓ ውድባት ኤርትራ ይዕበያ ይንኣሳ፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ክዛመዳ ዝጸንሓ ውድባት ጽግዕተኛታት’ምበር ብዕብየት ይኹን ብዓቕሚ ዝዛመዳ ኣይኮናን። ጽግዓተኛታት’ምበር ብማዕርነት ክብረትን ዝረኣያ መጻምድቲ ህ.ወ.ት ዝዀና ኣይኮናን ኣይኮነናን። ካብ’ዚ ተገበጊሶም ብዙሓት ኤርትራውያን ተዓዛቦ፡ እዚ መሰል ምፍላይ ብሄራት ዝብል ኣምር ዝጽቐጠሉ ዘሎ፡ ምስ’ቲ መደብ ወያን ዝሳነ ስለ ዝዀነ ጥራሕ’ዩ ይብሉ”።
  2. በዚ ሎሚ ኣፍ ኣውጺኡ ንሃገራዊ ዋዕላ ዝጻረር ኣካል እንተዘየልቦ’ኳ፡ ኩሉም ውድባት ኣይኮኑን ሓቀኛ መስርሕ ዋዕላ ዝደልዩን ዝድግፉን፡ እቶም ቀንዲ ተቓወምቲ ሓቐኛ ዋዕላ እዞም ሕጂ ሓድ ውድብ ንምዃን ዝቃራረቡ ዘለዉ፡ ወረ ዳርጋ ኮይኖም እዮም ማለት ሰውራዊ ባይቶ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሰልፊ ዲሞክራስን፡ ህዝባዊ ምንቕስቓስ ኤርትራን፡ እቲ ኣብ ኩነታትና ጽፉፍን ኣድማዕን ዝዀነ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ እቲ ሽማግለ ኣብ ማኒፈስተሽን ካስል ብንጹር ኣስፊርዎ ዘሎ እዩ። እዚ ሰንድ ወይ መጽናዕቲ’ዚ መንግስቲ ኢሰያስ ካብ ስሩ ተምሕዩ ክድረበ ኣለዎ ዝብል ዕላም ዝተመስረተ’ዩ። ምስ መንግቲ ኢሰያስ ዘተ ዶ ዕላል ዶ ዝብል የልቦን።እዞም በዓል ሰልፍ ህዝብን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ግን መሰረታዊ ለውጢ ዝደልዩ ኣይመስሉን። ቃልስና ብሰላምዊ መንገዲ ኢሎም’ዮም። እዚ ከይዱ ከይ ምስ መንግስቲ ኢሰያስ ወይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ መኣዲ ዘተ እንካ ሃባን ዝእትዎምዩ። ትጽቢቶምን ድሌቶም እዚ ምዃኑ ዝእመት እኩል ምልክታት ኣሎ። ሓደ ከንስተብህለሉ ዝግባእ ነዞም ውድባት ዝምልከት ኣሎ፡ እዞም ውድባት’ዚኦም ምስ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ጽኑዕ ዝምድና ዝምስርቱ ዘለዉ ይመስሉ፡ እቶም ሰልፊ ዲሞክራስን ህዝባዊ ምንቅስቓስን’ኳ ካብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝመጹ ኮይኖም ምስ ህዝባዊ ወያነ ዝጸንሖም ዝምድና’ዮ። እቲ ዝነበሮም ጥራሕ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ። እቲ ዝገርም ናይ’ቶም ቀረባ እዋን ዝተጸንበርዎም ውልዶ ጀብሃ ዝኸኑ ሰውራዊ ባይቶ፡ ሎሚ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝባሃሉ’ዩ። እዚ ውድብ’ዚ በዚ እዋን እዚ ብዘስደምም መጠን ንመንግስቲ ህዝባዊ ወያን ክውድስ ይርከብ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንታሪኽ ወያነ ኣብ ሰውራ ኤርትራ የሞግስ ኣሎ። ንኣብነት ምስ’ቲ ሰራዊ ባይቶ ንምቀለ ዝገብርዎ ዑደት ዝተተሓሓዘ  ናይ ዜናን ባህሊ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ብግዜ ብረታዊ ገድሊ ደዊ ትግራይ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ብጅግነንት ዝተሰውኡ ኣሞጉሱ ጥራሕ ዘይኮነ እዚ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዘመስከረ’ዩ ክብል ጸቒጥሉ ኣሎ። ነቶም ብግንባርን ወያን ዝጠፍኡ ሰማእታት ጀብሃ ጠሊምካ ንግደ ወያነ ወይ ከዓ ብቋንቋ ሰውራዊ ባይቶ ንግደ ደቂ ትግራይ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ምቅንጃው ፈጺሙ ሕሱር ብምዃኑ ብምዃኑ ብቶም ዝነኣዱ ዘለዉ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ’ውን ለቕላቒ ዘብለካን ዘንዕቐካን’ዩ። ገለ ካብ ካድረታት ስውራዊ ባቶ እሞ ከኣ መግስቲ ኢ/ሃ/ዲ/ግ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝትግብርዎ ፖሊሱ ከይሓፈሩን ይድግፍዎን የድንቕዎን ይብል

ኣብ’ዚ ቃል ፕ.ተስፋጽዮን መድሃኔ ኣብ ፖለቲካዊ ትንታነ ከይኣቶና፡ እተን ብሕቶ መሰል ብሄራት  ክሳብ ምንጻል ተኸሲሰን ዘለዋን፡ እተን ኣርባዕተ ውድባት ኣብ ሓድነት መስርሕ ክዕወት ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት እንተወጺኤን፡ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ውድብ ኣይክህሉን ማለት’ዩ። ምኽንያቱ እተን ውድባት ሓድሕደን ዝተኣሳሰራን ዝደጋገፋን ብምዃነን። ምእንቲ’ዚ እቲ ዘዛርብ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ በየኖት ሓቐኛታት ውድባት ክካየድ ምዃኑ ዘነጸረ ኣይኮነን። ገገለ ውድባት ክሳብ ናይ ምንጻል መሰል ርእሰ ውሳኔ ሕቶ ኣልዒለን ኣለዋ፡ እዚ ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን ውድባት ንዘልዓልኦ ሕቶ ካብ ንመናጨተሉን መፍቶ ምልካዊ ስርዓት ንኸውን፡ ስለንታይ ኣብ ፍርዲ ኣብ ህዝቢ ዘይንቐርብ ዝብል ሓሳብ፡ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ኪዳን ተመስሪቱ። እቲ ሃይማኖታዊ ሕቶ’ውን ብተመሳሳሊ ነዚ ናይ ብሄራት ሕቶ ዝምልከት መጎተ ስለ ዘጋጠሞ፡ ብመጀመሪያ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምእላይ ኣብ ሓደ ጽላል ሓቢሩ ክቃልስ፡ ብዝተሓተ ስምምዕ ተጠራኒፉ ከኣ ቃልሱ ክቅጽል ከም ዘለዎ ስምምዕ ተበጺሑ። እቲ ሓቂ እዚ’ዩ። ሎሚ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ጋሽ ሰቲት ነዚ ሕቶኻ ስዒርዎስ ኣብ ፍጹም ሓድነትን ምንጽባራትን ደረጃ በጺሑ ይርከብ ኣሎ።

ሃገራዊ ውዕላ ዝነጸገ ውድብ ዘሎ ኣይመስለንን፡ ኣብ ኣተገባብርኡ ግን ብሓቂ ክልተ ዝተፈላልየ ኣገባብ ክካየድ ይኽእል ዝብል ሓሳብ ኣሎ። እንተዀነ ንምእንቲ ነቲ ንስኻ ትመርሖ ጫለዳ ሽማግለ ፈስቲቫል ካስል ከተማዕርግን ከተኽብርን፡ ነቲ ውድባትን ሰልፍታትን ዝህብኦን ዘቕርብኦን ርእይቶ ግዲ ዘይምሃብካ፡ ማዕረ ክንደይ ናይ ሰባት ርኡቶ ክትቕበልን ከተኽብርን ጸገም ከም ዘሎ ዘረጋግጽ’ዩ። እቲ ሰልፊ ህዝቢ ከም ክፍታሕ ዝግባእ ኢሉ ብዓይብይ ተገዳስነት ዝሓዞ ሕቶ ብሄራት ይኹን ካልእ ፕሮፌሶር ተስፋጽዮን ነቲ ፍልልያት ከም ጸጋ ዘይኮነስ ከም ሓደ ጥፍኣት እትርእዮ ምዃንካ እቲ ናይ ብሄራት ሕቶ ከም መቐጸልታን መደልዲ ህዝባዊ ወያነ ትግራይ ርኢኻዮ። ብወገነይ ጉዳይ ተቃወምቲ ሓይልታት ብኸም’ዚ ናትካ ሓሳብ ርእይቶን ዝፍታሕ ኣይመስለንን። ብቀዳምነት ነቲ ትምክሓሉን ትወራዘየሉን ዘሎኻ ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ሓውና ነጸረ ገብረመድህንን፡ ኣቶ ቀለታ ኪዳነ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እዋኑ ዝሃብሉ ርእይቶ ኣንቢብካ እንተዀይንካ ንዓይ ክምልሰሉ ዘድለይኒ’ውን ኣይኮነን።

ካልእ ንሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ መዳይ፡ ብምጽላም ቀዳማይ ኣብ ኣህጉራዊ መደረኻ ከተቅርቦ ዝፈተንካ ጉዳይን፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰውራዊ ባይቶን መንግስቲ ትግራይ ዘሎ ዝምድና ዝምልከት’ዩ።

ብሸነኽ ኣህጉራዊ ጉዳይ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣፍሪቃ ሕብረት፡ ኢጋድ ካልኦት መንግስታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ደጊፎሞ ዝተኻየደ ወራር ኢትዮጵያ ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ንወራር ወያነ መሪቆምሎም ክትብል ኣብ’ቲ መዓልታዊ ትሰርሓሉት ትካል ክትብሎ ዘይትደፍር ጉዳይ ብኸመይ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ኩነታት ብሰልፊ ህዝቢ ከም ዝስራሕን ዝውጠንን ዝትለምን ተምሳል ተቕርብ ?

እዚ ግጉይ’ዩ ሓበሬታ’ዩ። ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውን ሶማልን ዘጋጠመ ዕንወትን ጥፍኣትን ብርሰትን ኮኒኑ’ዩ። እንተዀነ ግን ኢትዮጵያውን ኣብ ናይ ገዛእ ጉዳዮም በቲ ንሳቶም ዝመሰሎም ኣገባብ ክፈትሕዎ ኣብ ገዛእ ኢዶም ዘሎ ውሳኔ’ዩ ምባል ሕጂ’ውን ንኢትዮጵያውን ዝምልከት’ምበር ንማን ዝምልከት ኣይኮነን። እዚ ክልተ ሓቂ ሒዙ ዘሎ መልሲ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ሶማል ክዛረበሉ፡ ኣብ ጉርትናዊ ኵናት ዘለዎ ኣረእእያ ሓሳቡ ሂቡ። ውሳኔ ኢትዮጵያውን ከኣ ናይ ኢትዮጵያ’ዩ ኢሉ። ብዛዕባ ኵንታ ኢትዮጵያን ሶማልያን ፍርዲ ክህብ ዝኽእል ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን’ዩ።

ይትረፍ ናይ ሶማል ጉዳይና፡ እቲ ዶባዊ ኵናት ክሳብ ዝንጸር ንህዝብና፡  ይኹን ዓለም ኣብ ምድንጋር ኣእትዩ ከም ዝጸንሐ ፕሮፌሶር ትፈልጦ’ዃ። እንተዀነ ኣብኡ ጠጠው ኣይበልን፡ ነቲ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ወያነ ዘለዎ ዝምድናታት ዝበለጸን ዝሓየለን’ዩ ናብ ዝብል መደረ ንምብጻሕን ከምኡ ንምባል ክጥዕመካን’ዩ። ዝገርም’ዩ። ኣብ 1992 ዝነበረ ኩነታት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ትፈልጥ። ኣብ 2003 ዝነበረ ትፈልጥ፡ እንተዀነ በቲ ዘይሕለል ጻዕሪ እቲ ዝምድና ቀስ ብቀስ ኣብ ንቡር ክምለስ ኪኢሉ። ሎሚ ምስ ዲሞክራሲያዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ መንግስቲ ትግራይን ካልኦትን ዝግበር ዝምድናታት ከኣ ብእውጅ ዝኸይድ ዝምድና’ዩ። ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢእዎ ዝኸይድ ኣጀንዳ የብሉን።

ኣብ’ዚ ከኣ ኣብ’ቲ ጉዳይ ስለ ዝነበርኩ፡ ብመጀመሪያ እቲ ርክብ ብደረጃ ክልተኣዊ ህዝቢ ዝተኻየደ’ምበር ብደረጃ ውድብን መንግስቲ ትግራይን ዝተኻይደ ኣይነበረን። ብግሉጽ ግን ነቲ ንትግራይ ዝተኻየደ ምብጻሕ ዝፈጸሙ ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ምንባሮም ዝኻሓድ ኣይኮነን። እቶም ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ከኣ ብነጻ ድሌቶም፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ናይ መጓዓዓዚ ወጻኢ መቀለ ብምኻድ ነቲ ናይ ሰላም ድሌቶም ክውን ዝገበሩ’ዮም።

ኣብ’ዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ግን ህዝቢ ትግራይ፡ ካብ ትጽቢትና ንላዕሊ ናይ ሰላም ድሌት ከም ዝነበሮን፡ ንታሪኽና ካብ ቃላትና ንላዕሊ ዝገለጽ ህዝቢ ምዃኑ ብናተይ ቃላት ዘይኮነ፡ ባዕላቶም ከም ዝበልዎ ኣብ  www.youtube.com/kerkebet  ኣቲኻ ክትሰምዕን ነቲ ዘሎካ ትምህርቲ ክትውስኸሉን፡ ትኽእል፡ ካብኡ ብዝተረፈ ህዝቢ ብዘይገበሮ ካብ ምኽሳስ ከድሕነካን፡ ንባዕላዊ ክብረትካን ክሕልወካ ይኽእል’ዩ እሞ፡ ኣንፈትካ ካብ ካስል ንላዕሊ ክድህስስ ይግባእ በሃሊ’የ። ነቲ ታሪኻዊ ቦታ ካስል ብዝዀነ ዘይኮነን ፖለቲካዎ ተርኽቦ ኣይትዓፍኖ።

መደምደምታ

ብዛዕባ ፕ.ተስፋጽዮን መድሃኔ በዚ ዝስዕብ መልእክቲ ክድምድም ይፈቱ፡

1 እቶም ሰልፊ ህዝቢ ኢና ዝብሉ ዝብል ኣዘራርባ ፕ.ተስፋጽዮን  ናይ ንዕቀት ምዃኑ ክእረምን፡ ንሕና ሎሚን ጽባሕን ሰልፊ ህዝቢ ስለ ዝዀና ኩሉ ፈታዊ ይኹን ጸላኢ ኣፉ መሊኡ ብኡ ክጽውዓናን ክሰምየናን ኣብ ጉባኤ ዝሕለፍናዮ ውሳኔ ምዃኑ ምፍላጥ።

2 ሰልፊ ህዝቢ ብፖለቲካዊ ጸብጻብ ንህዝቡ ክሳብ ዝኣወጀ ቅኑዕ እዩ ዝብሎ ምስ ዝደለዮ ዝምድና ክፈጥር ከም ዝኽእል ክእመነሉ።

3 ሰልፊ ህዝቢ ናይ ግዜ ቦታን ሕቶ እንተዘይኮይኑ ሃገራዊ ዋዕላ ከም ዘይጻረር ክፍልጥ።

4 ተቃውሞ ብሰልማዊ መንገዲ ምባል ንሰልፊ ህዝቢ ምስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ናይ እንካን ሃባን ዘተን ልዝብን ዘተኣሳስር ጉዳይ ዘይምዃኑ።

5 እቶም ምስ ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ሓድነት ዝኣቱ ዘለዉ ውድባት ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ብዘሎ ሓባርዊ ስምምዕ ንህ.ግ.ዲ.ፍ ብተመክሮን ኣተሓሳባን ዝውክሉ ዘይኮኑ ውድባት ምዃኑ ክእመን፡

ኣብ መወዳእታ

ሀ/

እቶም ፕ.ተስፋጽዮን ዝኸሶም ዘሎ ውደባት ከም ሰልፊ ዲሞክራስን፡ ህዝባዊ ምንቕስቓስ ኤርትራን ዝመርሕዎም፡ ካብ’ቲ ኣብ ሰላምን ዲሞክራሲታዊትን ኤርትራ ክሕዝዎ ዝግብኦም ቦታ ወይ ከም ሕጹያት ክወዳደርሉ ዝግብኦም ቦታ ናይ ሚኒስተራትን ኤምባሲታንን ካልእ ሓላፍነት ጠንጢኖም ዝመጹ ምዃኖም ክስመረሉ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ እብል። ጉዳይ ናይ ስልጣን ደሊዮም ዝንል ክሲ ንዝምልከት።

ለ/ ብዛዕባ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብማዕከን ዜናን ባህል ኣቢሉ ንህዝባዊ ወያነ ትግራይ ወዲሱ ዝብል ክሲ ጽሑፍ ፕ.ተስፋጽዮን ከም ጥብቆ ከም ዝለዎ ብምስፋር ናይ’ዚ ክፋል ብዛዕባ ፕ.ተስፋጽዮን ዘሎኒ ርእይቶ እዛዝም።

ጥብቆ

ናይ ሰልፊ ህዝቢ ክፍሊ ዜናን ባህልን 19 ነሓሰ 2008

ብሕጽር ዝበለ ሕውነታዊ ጉርብትና ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሐፈሻ፣ ታሪኻዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ከኣ ብፍላይ፣ ብኹሉ ሸነኽ ዓሚቝ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፣ ብናይ መንግስታት ኮነ ውድባት ባእሲን ቂምታን ፈጺሙ ዘይሕከኽን ዘይንቕነቕን ነባሪ መሰረት ዘለዎ Iዩ። መንግስታትን ሐለፍቲ Iዮም። ናይ ኣህዛብ ምትእስሳርን ሕውነታዊ ዝምድናን ግን ንዘለኣለም ነባሪ Iዩ።

ኣብ መንጎ’ቶም ብዝያዳ ዝዳወቡና ጎረባብቲ ዝኾኑ ሃገራት፣ ብፍላይ ከኣ ኣሕዋት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ናይ ህዝቢታት ሕውነትን፣ ታሪኻውን ባህላውን ምትእስሳራትን ማንም ሐይሊ ክበትኮ እወ ኣይኽእልን’ዩ። ክልቲኦም ጐረባብቲ ኣህዛብ ኣብቲ ናይ ጸላም እዋንን፣ ኣብቲ መሪር ሃዋሁውን ተኻፈልቲ ሽግርናን ጸገምናን Iዮም። ነጻነትና ንምርግጋጽ መዕቆብትናን ሐገዝትናን ብምዃን ተኻፈልቲ ሐዘንናን ሐጎስናን ዝኾኑ ኣህዛብ እዮም። እቲ ህዝቢ ሱዳን ተቐባል ጋሻ ኮይኑ ዝገበሮ ዘይርሳዕ ውዕለታን፣ እቲ ህዝቢ ትግራይ ደቁ ክሳብ ሳሕል መጺኦም ኣብ ጐኒ ተጋዳላይ ኤርትራዊ ሓዎም ኮይኖም ዝኸፈልዎ ጅግንነታዊ መስዋእትን ከቶ ኣይርሳዕን እዩ። እቲ ተጋደልቲ ኤርትራውን ክሳብ መሬት ኢትዮጵያ ብምኻድ ዝኸፈልዎ ሰፍ ዘይብል ጅግንነታዊ መስዋእቲ ፈጺሙ ዘይርሳዕ ኮይኑ፣ ዘይንቕነቕ ነባሪ ምልክት ሓድነት ኣህዛብና ብምዃን ኣብ ምዕራፋት ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንዳተዘከረ ክነብር’ዩ።

ህዝቢ ሎሚ ፍረድ

ጽባሕ ከኣ ክትፈርድ

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=38

Posted by on Nov 10 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net