ደምዳሚ መግለጺ 2ይ- ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

15-21 መጋቢት 2011 አዲስ አበባ

 

ህዝቢ ኤርትራ አብ ዝሓለፈ ክፍሊ ዘመን ምስቲ ኹሉ አህጉራዊ ሽርሕታት አንጻር ባህግታቱ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት፡ አብነታዊ ዝኾነ ህዝባዊ ሓርነታዊ ኩናት ብምክያድ እስትራተጂካውን ማእከላውን ዕላምኡ አብ ምሕራር መሬቱ ካብ አርዑት መግዛእቲ ዝተጎናጸፈ ይኹን ደኣ’ምበር፡ ስርዓት ኢስያስ አፈወርቂ ነዚ ክቡር መስዋእቲ’ዚ ብምኽሓድ አንጻር ንጹህ ህዝብና ኩሉ መልክዓት ጨቖናን ዓፈናን አብ ልዕሊኡ ጥራይ ዘይኮነ ንሃገራት ዞባን ዓለምን ግብረ-ሽበራዊ ተግባራትን ቕርሰና ባሕርን አብ ጉዳያት ካልኦት ጣልቃ ምእታውን ጉሁድ ዝኾነ ሓቂ ኢዩ፡፡

ብፍላይ ድማ አብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማ/ምብራቕን ተቓውሞ ህዝባዊ ማዕበል ካብ ምልካዊያን ስርዓታት ሓራ ንምውጻእ አብ ዝራኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ካልአይ አኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ኣብ ትሕቲ  ‘’ሎሚ’ውን ብርእሰ-ምትእምማን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና!!  ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝተጋበኤ  ኮይኑ፡ ነዞም ዝስዕቡ አርእስታት አልዒሉ ተመያይጡ፡-

1-      ካብ ፈጻሚ አካል ዝቐረበ ጸብጻብ ዝምልከት፡፡

2-      ብፖሎቲካዊ ሽማግለ ዝተደላወ ሰነዳት ሃገራዊ ጉባኤ ዝምልከት፡፡

3-      ንድፊ ምሕጻይን ከመይነት ውክልና ፖሎቲካዊ ውድባትን ስቪካውን ቀጸላውን ማሕበራትን ባእታታትን ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝምልክት።

4-      ህዝቢ ኤርትራ አብ ትሕቲ ስርዓት ኢስያስ አፈወርቂ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ባህግታቱ አብ መጻኢ መድረኽ ንምርግጋጽ ዘኽእል እስትራተጂ ምሕንጻጽ፡፡

5-      ሃገራዊ ጉባኤ አብዚ ውሽጢ ዓመት’ዚ ንምግባእን አብ ዝተፈላለዩ መዳያት ከመይነት ምድላውን ዘኽእሉ ዕድላት ምጽናዕ፡፡

6-      ምምራጽ ጸሓፊ ፈጻሚ አካል፡፡

እዚኦምን ካልኦትን አገደስቲ  አጀንዳታት አልዒሉ ኮምሽን ልዑል ሓላፍነታዊ ብዝመለኦ ክትዓት ብምክያድ ጉዕዞ ኮምሽን አብ መጻኢ መድረኽ ብልክዕ አንፈቱ ንምትሓዝ አገደስቲ ሃገራዊ ውሳኔታት አመሓላሊፉ፡ ከምኡ’ውን ኮምሽን ስርዓት ኢሰያስ አንጻር ህዝብና ዝኽተሎ ዘሎ አዕናዊ ፖሊሲታት ብዓሚቕ ገምጊሙ፡፡

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡- ዕማም ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ብቐንዱ ኣብ ዝባን ህዝብናን፣ ፖሎቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ዝተጻዕነ ምዃኑ ብምእማን፡ ኣበርክቶኦም ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ከዕዝዙ ጻውዒቱ ኣመሓላሊፉ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ሃገራዊ ጉባኤ ዝጋብኣሉ ግዜ ብምውሳን፡   ነዚ ሃገራዊ ዕማም’ዚ ንምዕዋት ናይ መላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራውያን ሓባራዊ ውራይ ብምዃኑ፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝቦኸሩ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን ኣገደስቲ ሃገራውያን ውልቀ-ሰባትን ተሳትፎኦም ከረጋግጹ ደጊሙ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ ህዝቢ ኤርትራ ንጸረ ሰላምን ምርግጋእን ዞባና ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ንዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ክድግፍን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብቁጽሪ 1907 ኣብ ልዕሊ ጸረ ሰላምን ምርግጋእን ዞባና ዝኾነ ስርዓት ኢሳይያስ ዝበየኖ ማዕቀብ፡ ኣብ ተግባር ከውዕል እጃሙ ከበርክት ጸዊዑ። ከምኡ’ውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቆም ንዝርከቡ ዜጋታትና ንምድሓን ብግዱሳት ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ብምንኣድ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ድማ ግዲኡ ንክጻወት ተማሕጺኑ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ህዝብና ካብቲ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ኣህዛብ ዝኸፍአ ወጽዓታትን ሕሰምን የሕልፍ ምህላው ብምስትውዓል፡ 24 ግንቦት 2011 ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝግበረሉ ዕለት ኮይኑ ክውዕል ይጽውዕ። መንእሰይ ድማ ኣብዚ ተወሲኑ ዘሎ ዕለት ሰላማዊ ሰልፍታት መሪሕ ተራኡ ከም ዝጻወት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣብ መደምደምታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ሎሚ’ውን ንኹሎም መሓዙት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ብፍላይ ድማ ምትሕብባር ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፡ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈና ኤርትራ ምህናጽ፡ ንረብሓ ክልቲኡ ኣህዛብ ምዃኑ ብምስትውዓል፡ ኣብ ሃገርና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውጋድ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዝገብሩልና ዘለዉ ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ኣሞጊሱ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ!!

ሞት ንዲክቶታርያዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

21 መጋቢት 2011

www.encdc.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3909

Posted by on Mar 24 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net