ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ

– ደምዳሚ ኣዋጅ –

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ካብ11 ክሳብ 13 መጋቢት 2011 “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ጉባኤ ጸብጻባት ኣቦ መንበርን ሓለፍቲ ክፍልታትን ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ጸብጻባቶም ተሞርኪሱ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያንን ህሉው ተራ መንእሰያትን፡ ኣብ መጻኢ ክህሉዎም ዝግባእን ዝኽእልን ተራን፡ ኣካይዳን መጻኢ መደብን ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኣመልኪቱ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ።

ጉባኤ፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ድሮ ቀዳማይ ጉባኤኡ፡ ካብ ናይ ከባቢያዊ ምትእኽኻብ ናብ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ዝንቃሳቐስ ሓያል ማሕበር መንእሰያት ከምእተሰጋገረን፡ ኣብ ድሮ ካልኣይ ጉባኤኡ ድማ ኣብ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ብፍላይ ድማ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ህላውኡ ዘረጋገጸ ዱልዱል ማሕበር ክኸውን ከምዝበቕዐን ገምጊሙ። ብድሕሪ ሕጂ ዝገብሮ ንጥፈታት ድማ ንህላወኡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝጠመተ ኣገባብ ክሰርሕ ከምዘለዎ ተረዳዲኡ።

ንምምሕያሽን ምህዳስን ዓንደ ሕጊ ማሕበር ዝተገብረ ጻዕሪታት ዓብይ ምዃኑን፡ ዕዉት ምንባሩን ብምዝካር፡ እቲ ዓንደ ሕጊ ሕጂውን ዘይፍጹምን ምህዳስን ዘድልዮ ምዃኑን ዘየታሓትት እኳ እንተኾነ፡ ጉድለታቱን ግድፈታቱን ብጉባኤ ስለዝመሓየሽ፡ ክሳብ ሽዑ፡ በቲ ዘሎ ሕጊ ተማእዚዝካ ምኻድን እዋናዊ ውሳኔታትን ውጥናትን ብዲሲፕሊን ዝመልኦ ኣገባብ ምፍጻምን፡ ካብ ኩሎም ኣባላት ማሕበር ዝጥለብ ግደታ ምዃኑን ንኩሎም ኣባላት ኣዘኻኺሩ።

ጉባኤ፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ሳሃራን ሊብያን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምስርን ካልኦት ሃገራትን ይሳቐዩ ንዘለው ኤርትራውያን፡ ምሕጋዝ ዝክኣሎ ክገብር ሓላፍነቱ ምዃኑ ተገንዚቡ ከይተሓለለ ክሰርሓሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ብፍላይ ኣብ በረኻታት ሲናይ ብኢድ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ጅሆ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ምድሓን ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ጉዳይ ሰለዝኾነ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ሓገዞም ከበርክቱ ኣጽኒዑ ይላቦ። ኣብ ምድሓን ህይወት እዞም ኤርትራውያን እዚኦም፡ ኢዱ ክሕውስ እናኸኣለ ግና’ኸ ዘጽቀጠ፡ ብታሪኽ ዘሕትቶ በሰላ ይገድፍ ከምዘሎ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ንግዳያት ሰደትን ከርተትን ዝኾኑ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ዓብይ ተራ ይጻወቱ ንዘለዉ ኩሎም ድማ ንኢዱ።

ጉባኤ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ሃገራት ኣዕራብን ዝካየድ ዘሎ ብመንእሰያት ዝተደረኸን ዝተቐለሰን ናይ ለውጢ ማዕበላት፡ ብኣወንታ ድሕሪ ምግምጋም፡ መንእሰያት ኤርትራ ካብዚ ተመኩሮዚ ዝመሃሩሉ ባይታታት ምፍጣር እዋን ዘገድዶ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ጉባኤ ውሑዳት ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ስደት ዑቕባ ሓቲቶም ከብቅዑ፡ ተመሊሶም ናይ ጣዕሳ ወረቐት ብምፍራም፡ ኣብ ጎኒቲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ዝስለፉ፡ ምስላፍ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ከምኦም ስደትኛታት ናይ ታህዲድን ምፍርራሕን ተዋፊሮም የገልግሉ ንዘለዉ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ትም ኢልካ ዝሕለፉ ከምዘይኮኑን፡ ምስ ዝምልከቶም መንግስታውያን ኣካላት ብምትሕብባር ኣድላይ ዝበሃል ሕጋዊ ስጉምታት ከምዝወስድ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።

ጉባኤ ኣብ ዝመጽእ ዓመት፡ ቁጽሪ ብከባቢ ብሞያን ብኻልእን ዝቖማ ጨናፍር ምውሳኽ፡ ኤለትሮኒካውን እተሓትሙን መምሃሪ ጽሑፋት ምዝርጋሕ፡ ኣብ ጉዳይ ምትሕግጋዝ ስደተኛታት ዝያዳ ንጥፈታት ምክያድ፡ ምስ ዝተፈላለያ በርጌሳውያንን ፓለቲካውያንን ማሕበራት እናተሓባበርካ ምስራሕ፡ ፊናንሲያዊ ዓቕሚ ማሕበር ክብ ምባል ኣብ ዝብል ነጢፉ ክሰርሕ ወሲኑ። ብተወሳኺ ንዝተፈላለዩ ናይ ውሽጢን ናይ ደገን ውድባትን ውልቀሰባትን፡ ሓቀኛ ድልየት ኤርትራውያን መንእሰያት እንታይ ምዃኑ ብዘይዋላውልን ብንጹርን ንምግላጽ፡ ህዝባዊ ጻውዒታት (ፐቲሽን) ምቕራብ መድረኽ ዝጠልቦ ብምኻኑ፡ ብወገን ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ፡ ምስ ካልኦት ዝተፈላለዩ ማሕበራት ብምትሕብባር ነዚ ጻውዒታትዚ ከቕርብ ምዃኑ ገሊጹ።፡

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ፡ ንስራሓት ናይ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብወከልቱ ዓለምለኻዊ ምሕዝነት ኤርትራውያን ኣቢሉ ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎን፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝኾነ ካብኡ ዝሕተት ምሉእ ምድግጋፍ ክገብር ከምዝኾነን ኣረጋጊጹ።  

ኣብ መወዳእታ ጉባኤ ንዝሓለፈ ዓመት ንማሕበር ዘካየዱ ሓላፍነቶም ድሕሪ ምርካብ፡ ንዝመጽእ ዓመት ንማሕበር ዘካይዱ ሸውዓተ ዝኣባላቱ ፈጻሚ ኮሚቲ ምሕደራ፡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝኣባላቱ ቦርድ ወከልቲን መዚዙ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ፡ መንእሰያት ላስ ቨጋስ ነዚ ዕዉት ታሪኻዊ ጉባኤ ሓላፍነት ወሲዶም ስለዘአንገዱዎ፡ ማሕበር ዜጋታት ንሰላም ሎም’ውን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ንመካየዲ ጉባኤ ዝኸውን ሓገዝ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ስለዘበርከቱሉ፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ – በይ ኤርያ፡ ነዊሕ ተጓዒዞም ኣብ ጉባኤ ብምስታፎምን ምሉእ ደገፎም ንጉባኤ ብምግላጾምን፡ ምስጋንኡ ይገልጽ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ፡

መጋቢት 13 2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3915

Posted by on Mar 25 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net