ደምዳሚ መግለጺ

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ጽኑዕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ !

ኵሉ ፈታው ነጻነትን ዲሞክራስን ሰላምን !

ኣብ ሃገርና ዘሎ ተኣፋፊ ኵነታት ንዓኻትኩም ስዉር ኣይኰነን፡፡ እቲ ዘሎ ሽግራት ኣብ ቊጠባዊ ምዝመዛን፣ ኣልቦነት ሕገ መንግስትን፣ ምጭፍላቕ መሰላትን ወ.ዘ.ተ. ጥራሕ አይተሓጽረን፡፡ የግዳስ ኵኔው ጭብጥ ጸገም ሓሊፉስ ኣብ መሰረታዊ ዝኾነ ሕቶ ህላወ ሃገራዊ ሓድነት አንጸባሪቑ፡፡ እዚ ሽግር’ዚ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እንዀነ’ውን ብቐጥታ ክመዓራረ ዝኽእል ጉዳይ ኣይዀነን፡፡ ናይዚ ምኽንያት ከአ፣ ሓደ ካብቶም መሰረታዊ ዓንድታት ህዝቢ ስለ ዝተሃርመ፡፡ ብኡ መሰረት ድማ ኣድላይነት ሃገራዊ ዋዕላ ንዅሎም ክፍልታት ህዝብና፡ ማለት ፖለቲካውን ብሔራውን ሃይማኖታውን ባህላውን እንዳውን ጉጅላውን ምልአቱ ዕዙዝ ይገብሮ፡፡ ዋላ’ኳ ሓደ ናይ ሓባር ሃገራዊ ቻርተር ኣድላይነት ከም ዘለዎ ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ መግለጺታትን ማሕበራዊ ርክባትን ብተደጋጋሚ ካብ ዓሰርተታት ዓመታት አትሒዙ ከም ሕቶ እንተተላዕለን ካብ መጋቢት 1999 ኣትሒዙ ምምስራት ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ እንተተረጋገጸን ትግባሪኡ ብዝተፈላለየ ኵነታት ብርሃን ክርኢ ኣይከኣለን። ሎሚ ግን እንሆ በዚ መግለጺ’ዚ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ተግባር ንኽውዕል ተበጊሱ ኣሎ። ነዚ ንምፍጻሙ ድማ ገለ ሒዶት ኣዋርሕ ዝተሪፎ ይመስል፡፡ ነዚ ንምስልሳል ከአ እንሆ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካብ ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪካውያን ማሕበራትን ብመሰረት ለበዋታት ኣብ ሓምለ 2009 ዝተገብረ ሓፈሻዊ ዓውደ መጽናዕቲ (work shop) ቆይማ’ላ፡፡ ድሮ ድማ ቀዳማይ ኣኼባ ምስንዳኣ ኣካይዳን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2010 ዋዕላ ከም ዝጋባእ ወሲናን።

ዎ ውፉይ ሓፋሽ ህዝብና!

 ኣማኢት ኣሽሓት መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ሃገር ህልውንኡን ሓድነቱን ምርግጋኡን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ኣይምተገብአን፡፡ ኮይኑ ግን ብሰንኪ ጭቆና ምልካዊ ስርዓት ባህልን ታሪኽን ሃገራዊ ረብሓታትን ክኽበር ኣይተኻእለን። ህልዊ ምልካዊ ስርዓት አብ ኤርትራ ግና ብሕሳባት ስልጣን ተዋሒጡ ብዝኾነ ዋጋ ብሕማቕ ተግባራቱ ክቅጽል ስለ ዚመረጸ፣ ንሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ንሓደጋ ክሳጥሕ ገይሩዎ፡፡ ካብዚ ንምግልጋል ድማ’ዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪካውያን ማሕበራትን ብህጹጽ መንገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ክሰርሕ ተደፋፍአ፡፡ መድረኽ ሃገራዊ ዋዕላ ከአ ኣብ ዲሞክራሲ ዝኣምኑን ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ  ዝጽዕዱ ሃገራዊ ሓይልታት ዘጠቓልል ኴይኑ፣ እዘን ሓይልታት እዚአተን እቲ ዋዕላ ምቹእ ቀጥታዊ ዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክፍልታትን ኮማት-ሕብረተሰብናን ኣገዳስነት አለዎ፡፡ እዚ ድማ ሓደ ስጉምቲ አብ ስጕምቲታት ሕቶ-ሃገራዊ-ሓድነት ኴይኑ፡ ንምስራጽ ኵሉ ዝሰማማዓሉ ዲሞክራስያዊ መንግስትን ሃገራዊ ትካላትን ኣብ ግምት ዘእቱ ይኸውን።

ዎ ጽኑዕ ህዝብና!

እዚ ዋዕላዚ ብደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝኣምኑ ዝተፈላለየ ሃገራውያን ሓይልታት ዝሓቊፍ ኴይኑ፡ ዕላምኡ ከኣ ኣብዚ መድረኽዚ ሃገራዊ ቻርተርን ናይ መጻኢ ዲሞክራስያዊ  መልክዕ ዝሓዘ ቅዋምን ንምጽዳቕ እዩ። ብተወሳኺ ኵሎም ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝኾነ ተቓወምቲ ክሳብ ምውዳቕ እቲ ስርዓት ኵሉ ዓቅምታቶም ብምውህሃድ ክሰርሑ፣ ንድሕሪኡ ዚኸይድ ዕማማት መሰጋገሪ መድረኽ ከጣጥሑን ይግባእ፡፡ ክሳብ ህዝብና ንዕኡ ዚውክሎ መንግስቲ ዝመርጽን ናይ ስልጣን ባዶነት ከይህሉን – እሞ ድማ ብሰንኩ ልዕላውነትን ሓድነትን ሃገርን ህዝብን ከይትንከፍ – እሞ ብሰንኪ’ዚ ከአ ክቡር መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ሃገር ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ከይወርድ፡ ታሪኽ ሓላፍነት አሰኪሙና አሎ፡፡

ዎ ውፉያት ክፍልታት ሕብረተ-ሰብና!

ኣሰናዳኢ ሽማግለ አብ ለካቲት 16-23/2010 ኣብ ዘካየደቶ ቀዳማይ ኣኼባኣ ናይ ባዕላ ቴክኒካዊ ሽማግለታትን ብምቛም ውሽጣዊ ሕግታታን ሓፈሻዊ ናይ ስራሓታ መምርሕታትን ኣጽዲቛ፣ ስራሓታ እትመርሕ ሰክረታርያ ከአ መረጻ፡፡ ንምዕዋት ዋዕላ ከአ ኵሉ ብደሞክራሲ ዝኣምን ክፍልታት ህዝብናን ሓይልታቱን ንምሳትፍ ትጽዕር። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኵለን ውድባትን፣ ስቪካውያን ማሕበራትን፣ መላእ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብናን፣ ከምኡ ውልቀ ሰባትን ኣብዚ ዋዕላዚ ንኽሳተፉ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መጸዋዕታ ትገብር፡፡ ንሱ ድማ ኣብ መጻኢ ብእተውጽኦ መግለጽታትን ምልክታታትን ብእትገብሮ ንጥፈታትን በሪሁ ዚልለ ይኸውን። ብመትከል ከአ ዝኾነ ሃናጺ ርእይቶ ዋንኡን ቦታኡን ብዘየገድስ ኣብ ዋዕላ ቦታ ከም ዚህልዎ ነረጋግጽ፡፡ ጭርሖና ድማ ዝኾነ ይኹን ኣካል/ዜጋ ዘይምንጻልን፣ ዘይምርሓቕን፣ ዘይምስጋርን ዘይምምካሕን እዩ! በዚ መሰረት ድማ  ኩሎም ጕዱሳት ዝሓሸ ስነ ሓሳባዊ ተሳታፍነት ንኽህልዎም ንጽውዕ፤ ምኽንያቱ ህዝብናን ሃገርናን ካብዚ ንላዕሊ ኢዩ ዝግበኦ።

ዎ ጽኑዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ዎ መሓዙት ነጻነትን ደሞክራስን ሰላምን!

እዚ ዋዕላ እዚ ኤርትራዊ ይኹን እምበር ኣብ ምስራጽ ዲሞክራስያዊ ባህልን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዓለምለኸ-ልምዲ ዝተመርኰሰ እዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዞባዊ ከባቢኡ ምትእስሳርን ልዉውጥ-ሓባራዊ-ረብሓታትን ስለ ዘለዎ፡ ዞባዊ ከባቢኡ ድማ ኣብ ምዕዋት ዋዕላ ብምድጋፍ ተራኡ ንኽጻወት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካብዚ ነቒላ መጸዋዕታ ትገብር፡፡ ከምኡውን ንዅሎም አብ ነጻነትን፣ ደሞክራስን፣ ሰላምን፣ ምርግጋኣን ዝግደሱ ኣህጉራዊ መንግስታትን ኣህዛብን በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ ምርግጋጽ ፍትሓዊ ባህጊታት ህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ ምድጋፍ ውጻኢት እዚ ታሪኻዊ ዋዕላ’ዚ ተራኦም ንኽጻወቱ ኣ.ሽማግለ ትጽውዕ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ወትሩ ንመሓዝቱ ውፉይ ምዃኑ ብሓደ ሸነኽ፣ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከአ ምስ ኵሉ ኣዕናዊ ተግባራቱን፣ ባህሉን፣ መትከላቱን ንህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ከም ዘይውክል ከአ ብካልእ፣ ኣብ ግምት ክውሰድን፣ መሓዙት ህዝብና ክፈልጥዎ የድሊ።

ዎ ውፉይ ሓፋሽ ህዝብና!

ምዕዋት ዋዕላን ምርግጋጽ ዕላማታቱን ብቀዳማይ ደረጃ ኣብ ተሳታፍነት ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝምርኮስ’ዩ፡፡ በዚ መሰረት ድማ መጸዋዕታና ብሓደ ኴንና ዱልዱል ግንባር ብመንገዲ ሃገራዊ ሓድነት ብምስርጽ ንስርዓት ህግዲፍ ከነውድቕን ክንትክእን’ዩ፡፡ ኣብ ርጉእ ሃገር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል ከአ ዕላምኡ ንኩሉ ዜጋ ዝሓቁፍ ክውንነት ሓቂ ምግባር’ዩ። ስለዚ ንተዓዘብቲ ይኹን ወይ ተጠራጠርትን ደጊም ቦታ የለን፤ እምበአር ኵሉ ኤርትራዊ ኣብ ምዕዋት እዚ ሃገራዊ ዋዕላዚ ተሳትፎኡ ከረጋግጽ ግድን ክህልዎ’ዩ።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ!

ስዕረትን ውድቅትን ንዲታተርነት!

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ሃገራዊ ዋዕላ ንዘተን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

23 ለካቲት 2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=392

Posted by on Mar 6 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net