ሰላማዊ ሰልፊ ብምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን እትረከብ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህይወትካ ተሕልፎ ዘለኻ ተቃላሳይ ህዝብና!

ናብ መንፈስ ስውኣትናን፡ ደቂ ስውኣትን ስድራቤት ስውኣትን!

እንሆ ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ካብቲ  ብዕለት 25 መጋቢት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዘመዝገብናዮ ዓወታት ነበስረኩም።  እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ኩሉ ካተማታት ዓዲንግሊዝ ዝተሳተፎ፡ ካብ ሳዓት 10፡00 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ሳዓት 5፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዝቀጸለ አንጻር ብስርዓት ኢሰያስን ጭፍራታቱን ናብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስቅያት ዘንጸባርቕ በብዓይነቱ ጭሮሖታት ብሓደ ድምጺ “ሕቶ ህዘቢ ስርዓት ክዕሎ “ዝብል እዩ ነይሩ ።

ሰለማዊ ሰልፊ፡ ብቃል ኣባል ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፍን ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታን እዩ ተኸፊቱ። ኣብ መደራኡ፡ ንኹሉ ተሳታፊ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም መውቅ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ስቅያት ህዝብና ብኹሉ ማኣዝናቱ፡ ምግሃስ መሰል ዜጋታት፡ መወዳእታ-ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና፡ ምእሳር መምሃራን፡ ኣባለት ፓለቲካውያን ውድባትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ከምኡውን  ናብ  ዋሕዚ ስደት ዘምርሑ ዘለው ኣደዳ ምድረ-በዳን ቀላያት ሜድትራንያን ዝኮኑ ዘለዉ መንእሰያትና  ጠቐሱ።

እዚ ብምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ዝተዳለወ ሰለማዊ ሰልፊ ንመጀመሪያ ግዚኡ ኮይኑ፡ መንእሰያትን ካልእ ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብናን ብሓደ ተጠርኒፉ ፡ ስርዓት ህገደፍ ስጋብ ዝዕሉ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሱ ክቅጽል ጸዊዒት ኣቕሪቡ።

ቀጺሉ እቲ ንኣእዛን ኣምባሳደርን  ሰራሐተኛታት ኤምባሲ ኣጽሚሙ ዝዋዓለ ዝተፈላለየ መደረን ጭሮሓታት መንእሰያትን ህጻናትን፡ ከምኡውን ንጡፋት ፓለቲካውያን ውድባትን ኣባላት ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ክፍኖ ውዒሉ።  ብወገኖም ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ከም ኣመሎም በቲ መስኮት ናይቲ ኤምባሲ ኣሳእል እንዳወሰዱ ንህዝቢ ከፈራርሑ ፈቲኖም።

ኣብ መንጎ ጭሮሖታትን መደረን፡  እቲ ወናም ደረፋይ ሑሴን መሓመድ ዓሊ በብዓይነቱ ሃገራውን ሳውራዊ መዝሙራት ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣድሚቐዎ ውዒሉ።  ሼኽ መሓመድ ጅምዓ ብወገኑ ንመንእሰይ ወለዶ ዓቲቡ ክሰርሕ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣስላማይን ክስታናይን ፓለቲካውያን ውድባትን ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ንሓድነታዊ ግንባር ምሕያልን ዓወትና ንምቅልጣፍን ብሓደ ክሰርሑ ዕቱብ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኦ፡ ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣዚዩ ደኺምሎ ዘሎ አዋን ብፍላይ ድሕሪ ሰንሰለታዊ ውድቀታት ስርዓት ቱንስያን ግብጽን፡፡   እዚ እቲ ፓለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራተ ዘበርከታኦን ገና ዘበርተኦ ዘለዋ ግደን ርኡይን ዝምጉስን ኮይኑ፡ እዚ ህዝባዊ ምልዕዓል እዚ ግን ካብ ዝኾነ ፓለቲካዊ ዝንባለ ነጻ ኮይኑ፡ ቀንድን ዋና ዕላምኡን ንለውጢ እዩ። ነዚ ምትእኽኻብ እዚ ድማ ኩሉ ዓይነት ምትሕብባር ከምዘድልዮ መግለጺ ዘድልዮ ነገር ኣይኮነን።

ክቡር ተቃላሳይ ህዝብና!

ናይ ዕለት 25 መጋቢት ሰላማዊ ሰልፊ ካብቲ ካልኦት ሰለማዊ ሰልፊ ፍልይ ዘብሎ፦

  • ቅድሚ ሕጂ ተራእዪ ዘይፈልጥ ብዝሒ ካብ ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብና ተኻፊልዎ፡
  • ምውህሃድ ኣብ ስደት ዝተወልዱን ሓደስቲ ስደተኛታት መንእሰያትን፡
  • ብኣልጀዚራን ቢ.ቢ.ሲን ከምኡውን ፌስ ቡክን፡ ዩቱዩብን ዝተሰነየ ሰለማዊ ሰልፊ ብምንባሩ፡

 

ኣብ መጨረሽታ፡ ነዚ ሰለማዊ ሰልፊ ንምዕዋት ተሳትፋኡ ዘበርከተ ብዙሕ እንዳመስገንና፡ ኣብ ካልእ ንጥፈታት ክሳብ ንራኸብ ኩሉ ካላኣዊ ፍልልያቱ ገዲፉ ብሓደ ክሰርሕ ጻውዒትና ነቕርብ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ!

ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ

ዓባይ ብሪጣንያ

25/03/2011

Eym4change@yahoo.co.uk

UK

Pictorial report

Eritrean Embassy

96, White Lion Street

London

N1 9PF

ዕለት፡ 25 መጋቢት 2011

ዛዕባ፡ ናይ ዕለት 25 መጋቢት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ሎንደን

ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ዝኣክል፡ ምእንቲ ስትራተጅካዊን መሰረታውን ሃገራዊ ዕላማ ጽኑዕ ሓድነቱ ኣርእዩ እዩ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ አብቲ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ዘካየዶ ሰለማዊ ቃልሱን፡ ከምኡውን ስዒቡ ኣብቲ ብ1961 ብስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን ዝፈለመ ብረታዊ ገድሊ ዘርአዩ ሓድነት ዓቢ ምስክር እዩ።  ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ብ24 ግንቦት 1991 ተዛዚሙ ኤርትራ ነጻ ሃገር ኾነት።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ናጽነት እዚ ከቢድ መስዋእቲ ክኸፍል እንኮሎ ግን ምእንቲ ዲምክራሲን፤ ብህንጻ-ሕጊ እትማሓደር፤ ማዕርነትን ፍትሕን ዝነገሳ፤ መሰል ደቂ ሰባት ዝኽበረላ፤  ሰላምን ራህዋን ዝዓሰላ ኤርትራ እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ውፉይ ህዝብና ጣዕሚ ናጽነት ከይሰተማቐረ በቲ መግለጺ ዘይርከቦ ኣረሜናዊ ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስን ጉጅለኡን  ተጨውዪ  ህዝብና እንደገና ኣብ ስቃይ ይርከብ።

ቁሩብ ከም አብነታት ንምጥቃስ፡

  • ን20 ዓመታት ዝኣክል ቤት ማእሰርትታት፡ ብፓለቲካውያን፡ መምሃራን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ጋዜጠኛታት፡ ሰላማውያን ዘየጋታት ብዘይ ገለ ፍርዲ ኣዕለቐሊቖም ይርከቡ፡
  • ን20 ዓመታት ዝኣክል ብህዝቢ ዘይተመርጸ ስርዓት ብሓይሊ ሃገርን ህዝብን ይገዝእ ኣሎ፡
  • ን20 ዓመታት ዝኣክል ሃገር ብዘይ ቅዋም ትማሓደር ኣላ፡
  • ን20 ዓመታት ዝኣክል እስረት ኩሉ ዓይነት ነጻነት ኣብ ኤርትራ ይረኣ፡
  • ን20 ዓመታት ዝኣክል ዓሰርታት ኣሻሓት በጃ ዝተደፍእሉ ትርጉም ኣልቦ ዝኾነ ውግእ ምስ ጉሮባብቲ ሃገራት፡
  • ን20 ዓመታት ዝኣክል መጨረሽታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት (ምግልጋል ጀነራላት ህግደፍ)፡
  • ን20 ዓመታት ዝኣክል ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ውጹዓት ኣሓትና ብጀነራላት ህግደፍ፡
  • ን20 ዓመታት ዝኣክል መሬት ካብ ዋናታቱ ምምንዛዕ፡ ደቂባት ካብ ቦቶኦም ኣዘናቢሉ ሓዲሽ ቅርጻ-ክውንነት ምፍጣር፡
  • ን20 ዓመታት ዝኣክል መንእሰያትና ናብ ስደትን ሐደጋታት ሞት ምድረ-በዳን ቀላያትን ምምራሕ፡፡ በዚ ኣጋጣም፡ ነቶም ከቢድ ጸገማት ዘሕልፉ ዘለዉ ኣብ ልብያ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ውጽኢት ናይዚ ስርዓት ጉጉይ ፓሊሲ ሙዃኑ ትንታኔ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ፡፡

 

ኣውያት ህዝብና ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።  በዚ ናይ ሉሚ 25 መጋቢት 2011 ሰላመዊ ሰልፊ ኣቢልና ድማ፡ ንሕና ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንአሰይ ንለውጢ፡ ስርዓት ኢሰያስን ጉጅለኡን ካብ ስልጣን ንኸልግሱ ሰላማዊ ቃልስና ንጅምር ኣለና።

ክብሪ ንስዋኣትና!

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ!

ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ

ዓባይ ብሪጣንያ

25/03/2011

Eym4change@yahoo.co.uk

UK

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3981

Posted by on Mar 29 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net