ፍልልያትና ከም ጸጋ እንተዘይሪእናዮ ሓደጋ’ዩ! ራብዓይ መወዳእታ ክፋል

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

9 ሕዳር 2009

ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ብማዕረ’ቲ ሕብረ ብሄራዊ መበቆሉ፡ ሃይማኖታቱ ፡ ክፈላለ ዝኽእል ነይሩ እንተዝኸውን፡ ተነጻጺሉ ክመሓደር ምርጫ እንተዝነብሮ በቲ ዝሓለፎ መሪር ተምክሮ ንሓድነቱ፡ ፈታኒ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ክበታትን ምስ ተበታተነ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውልዶ ታሪኽ ብቝሊ ሃገር ብእምነት ዝሰረቶ፡ ነቲ ሰረት እምነት ሃገራውነት ንዕቓብ ዝወረዶ ዓቐብ ቁልቝለት፡ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ ንሃገራውነቱን ሓድነቱ ዳግማይ ኣመስኪሩ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እንተዝሕተት ብዘይካ ሰላም ካልእ ሓንቲ ጠለብ ከም ዘይብሉ ርጉጽ ነገር’ዩ። ነዚ ሰላም ክውን ንምግባር ድማ ሓድነቱ ዓቒቡ ጥራሕ ከም ዘረጋግጾ፡ ናይ ትማሊ ናይ ቀረባ ዝኽሪ’ዩ።

ገገለ ናይ ምንጽጻልን ምፍልልያን ፍልስፍና ዝጠዓጠቁ፡ ህዝቢ እንተተፈላልየ ሰላም ከም ዝርክብ፡ ቅሳነት ራህዋን ከም ዝጓናጸፍ ገቢሮም ትንተና ዘቕርቡ ኣይተሳእኑን። እቲ ሓቒ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ኣብ ምንጽጻልን ምፍልልያን፡ ምድኻም ከም ዘሎ፡ ሕጽረት ከም ዘሎን፡ እቲ ዝደኸመ ከኣ ናይ’ቲ ዝሓየለ ኣገልጋሊ ምዃን’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ በዚ ሎሚ ዓለምና በጺሕዎ ዘሎ ምዕባሌ ፖለቲካውን ምጣነ ሃብታውን ቅልውላው፡ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ክምክት’ውን እተኺእሉን ዓቕሚ እተኣጥርዩን ጥራሕ’ዩ ክዕወትን፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ሓደጋ ክድሕን ዝኽእል።

ኤርትራዊ ፍልልይ ከም ጸጋ ደኣምበር ከም ዘገም ተቆጺሩ ክረአ የብሉን። ኤርትራ ምስ’ዚ ዝጸንሓ ታሪኻዊ ብሄራዊ ሃይማኖታዊ ፍልልያት፡ ሰልጢና፡ ማዕቢላ፡ ላዕሊ እንተብጽሐ’ኳ እቲ ታሪኻዊ መንነት ፍልልያት ካብ ኤርትራ ዝሕከክ፡ ዝጠፍእ ኣይኮነን።

ምንጽጻል፡ ምብትታን እንተሃለወ ግን፡ ሰረት፡ መንነት ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ጠንቒ ናይ’ቲ ምፍልላይ ዝዀነ ሕቶ ይኹን እቲ በዓልቤት ከም ሳዕቤን ይደኻም፡ ይስንኩፍ፡ መስል ምንጻል ንምባር ኣብ መወዳኣትኡ ከኣ ንጥፍኣቱ ዘቐላጥፍ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ መዋእል ታሪኽ ከም ሓደ ህዝብን ሓንቲ ሃገርን ኮይና፡ ሓድነትና ናይ ምሕያልን ምድልዳል፡ ንጥለበሉ እዋን ሕጂ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ክምርሓሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ስትራተጂ ፡ ሓድነት ተጸዋርነት፡ ምክብባር፡ ሓድሓዳዊ ኣብ ማዕርነት ዕብየት ናብራ ክምስርት ክሓስብ ምግባሩ ጥራሕ’ዩ። ምንጪ ሓይሉ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ጸጋታት ዕለታዊ ናብራ ዝረኽበሉ  መኽሰብ ከኣ ሓደን ኣውራን ካብ’ዚ እዩ። ብኣንጻር ናይ’ዚ ግን ብተመክሮ ኣብ ከም ኤርትራ ናይ እርቶም ኩሎም ነጸልትን ፈላልይትን ፍልስፍናን ሓሳብን ከስርሕን ብሰላም ከናብር ዝኽእል ኣይኮነን።

ሓደ ናይ’ዚ ኣብነት ዝዀነ ኣገዳሲ ጉዳይ ክለዓል ይክእል’ዩ። ቅድሚ 20 ዓመት ኣቢሉ ድሕሪ ምርፋስ መንደቕ በሊን፡ እቲ ካብ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝጸንሐ ሓደ ፖለቲካዊ ራእይ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ሓደ ሊበራልዊ ዓቓባዊ ፖለቲካዊ ነፋፍስ ክነፍስ ጀመረ። ህዝቢ ነዚ ፖለቲካዊ ምቕይያራት ከም ዓቢ ጸጋ ተቐቢሉ ካብ’ቲ ዝሓለፎ ናይ 50 ዓመት ምልካዊ ምሕደራታት፡ ካብ ስለላን ግዱድ ሃገርራዊ ኣገልግሎትን፡ ካብ ማእሰርትን ተናጊፉ ሂወት ክመርሕ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ብፍላይ ኣብ ባልካን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝኸነ ህዝቢ ዘይጠፍአ ግርጭት ተኸሲቱ።

ኣብ ዩጎስላቪ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኮሶቮ፡ ሰርቪያን፡ ቦስኒያ ሃርሶጎቪና፡ ሞንተ ኔግሮ፡ ኣልባኒያ ካብ’ቲ ብሰላም ክበጽሖው ዝነበሮም ዕብየትን ስልጣነን፡ በቲ ብሰላምን ዘተን ክረኽብዎ ዝነበሮም ረብሓ ተሪፉ፡ በዚ ዓመታት ይትካዩ’ዩ ዘይብሃል ሂወት ሓደ መጻኢ ወለዶ፡ ትሕተ ቅርጻ ንብረትን ጠፊኡ ክሳብ ሕጂ ገና ብጉዳዮምን፡ ብኣህጉራዊ ፖለቲካውን ምጣነ ሃብታዉን ቅልውላዋት ይሳቐዩ ኣለዉ። ውዮ’ኳ ድኣ እዝስ ኣብ ከብዲ ምዕብልቲ ኤውሮጳ ስለ ዝዀነ፡ ብቅልጡፍ ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ኵናት ምዝሕሓል ዝተወስደ ስጉምቲ በቲ ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ጥፍኣትን ካልእ ክንዱእ ከይለከም ጠጠው ክብል ክኢሉ’ምበር ፡ ኣብ ከም ድኻ ሃገር ኣብ ከም ኣፍሪቃ፡ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ኩነታት መምለሲ ዘይብሉ ጉዳይ ኮይኑ ጥራሕ’ዩ ዝተርፍ።

ሓደ ኣብ ሰርቪያ ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ኣብ ሽወደን ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝነብር፡ ከም ናይ ዮቶቦሪ ትያትር ዳርክተር ኮይኑ ዝሰርሐን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ሓደ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኣብ ሽወደን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤክስፕረሰን ዝጸሓፎ ሓተታ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ሓተታ ዘስፈሮ ኣገዳሲ ተምክሮን ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ ከኣ፡ ኣብ ሓንቲ ብዙሕነት ባህሊ ተዘውተር ሃገር ብደረጃ መንግስቲ፡ ናይ ኣውራጃን ወረዳን ምምሕዳር፡ መንግስታዊ ትካላት፡ ከም ኣብየተ ትምህርቲ፡ ናይ ስልጠናን ማእከል፡ ባህላዊ ማእከል፡ ንኩሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ናይ ስራሕ ዓለም ከኣ ኩሉ ኣብ ዜጋ ብማዕረ መሰል ናይ መሰረታዊ ትምህርቲ ፍልጠት ክቐስም፡ ዕድላት ስራሕ ንኩሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ክኸውን ኣለዎ ይብል… ቀጺሉ

ኣነ ኣብ ዩጎስላቪያ ኣብ ዝነበርክሉ፡ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለየ መበቆል ዘለዎ፡ ናይ ዝተፈላየ እምነት ዘሎ ህዝቢ ዓብየ፡ ብዝዀነ እምነት ምኽንያት፡ እቲ ሓደ ናይ እምነት ምኽባር መሰል ዝተሓለወን ዝተኽበረን ነበረ። ሓደ እምነት ኣብ ልዕሊ ሓደ እምነት’ውን ጸቕጥን ተጽዕኖን ኣይነበሮን። ኩሉ ተኸባቢሩ፡ እምነቱ ይከተታአል ነበረ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝተራእየ ለውጢ ግን ሓደ ሓሳባት ተቐለቐለ፡ ንሱ ከኣ እቲ ብሓባር ንነዊሕ ዓመታት ብሰላም ተኸባቢሩ ዝነብር ዝነብረ ህዝቢ፡ ብዘይሓሰቦ በቶም ፖለቲካውያን’ና በሃልቲ ናይ ምፍልላይ፡ ናይ ምንጻል ሓሳብ ክሰርሓሉ ጀመረ። እቲ ናይ ምፍልላይን ናይ ምንጽጻል፡ መሰል ናይ ምንባር ከኣ፡ ናብ ጥፍኣትን፡ ሓሳረ መከራን ተቐይረን ዝብል ሓሳብ ኣስፈረ።”

እዚ ብሂል ኣብ ገገለ ሸነኻቱ ሓቂ ኣለዎ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብቀጥታ ዝዛመድ እኳ እንተዘይብሉ፡ ኣብ ብዙሕነት ባህል፡ እምነትን፡ ብሰላም ናይ ምንባር ክዛመድ ይኽእል። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣብ’ዚ ኣብ ሃገራት ባልካን ዝተራእየ ናይ ህንዱድ ወይ ህንጡይ ስምዒታት፡ ንህዝቢ፡ ንሃገር ዘርብሕ ዘይብሉ፡ ናይ’ቶም ፈላለይትን፡ ነጸልትን ሓሳብ ኣብ እዚኑ ግሩሃት ዜጋታት ብተደጋጋሚ ምስ ዝቃላሕ ከም ሓቂ ኮይኑ ክስማዕ ይከኣል። እንተዀነ፡ ናይ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት፡ ካብ ዘይትጽበዮም ዓበይቲ መራሕቲ፡ ናይ’ዚ ፈላላይን ነጻልን ጉዳያት ተጣበቕቲ ኮይኑ ክቀርቡ፡ ንርእሶም ዘይረብሕሉን ህዝቢ ዘይረብሓሉን እዩ።

ኣብ’ዚ መዳይ ሓደ ዘይተጻሕፈን ዘይተባህለን ግን ከኣ ብክልተ መዳያት ግብረ መስሊ ረኺቡ’ዩ። እቲ ቀዳማይ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ኩሉ ሕብረ ብሄራዊ ጉጅለን እምነትን ኣብ ሓደ ብዝጠርነፈን ዝሓቆፈን ህላውነት ዝኣምን ሓይሊ ህዝቢ ውድብ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ካብ ውዳበ ሰልፍታት ይኹን ግንባራት ወጻኢ ዘሎ ህዝብና፡ ናይ’ዚ ሓሳብን ኣረኣእያ ዝውከልን ዝስዕብ ብዘይምዃኑ ዘረጋገጾ፡ ምስክሩ እቲ ጉዳይ ኣብ ውስናት ባእታታት ዘዕገርገረን ዝዕግርግርን ዘሎ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣብ’ቲ ዘርብሖ፡ ኣብ’ቲ ዘዕቡዮን ሰላም ዘረጋግጸሉ መስርሕ ቃልሲ፡ ተጋድሎን ጻዕርን’ዩ ክምልከት ዘለዎ። ነቲ ዘዕብዮን ዘሰልጥኖን ቃልስን ተጋድሎን፡ ብተሳታፍነቱ መሰሉ ክብሩ ከረጋግጽ ክኽእል ኣለዎ።

ሎሚ ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝገለጽኽዎ፡ እቲ ህዝብና ካብ ነዊሕ ዓመታት ኽተልቦ ዝጸንሐ ናይ ሓድነት ሕቶ እንዳዓበየን እንዳሰፍሐን፡ ክሳብ ኣርባዕተ ውድባት ኣብ ትሕቲ ሓደ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መሪሕነት ዝጠራነፋሉ ግዜ በጺሕና ኣሎና።

እዚ ምጥርናፍ ግን ብዋነንት ኣርባዕተ ውድባትን ኣባላት ኪዳን ዝውዳእ ኣይኮነን፡ እቶም ኣብ ሓድነት ምርጫ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ቀዳምነት ዝህቡ ኩሉ ግዜ ክፉት’ዩ። ብግደ ሓቂ ከኣ ኩሉ ሓይልታት ክሳብ ዝሰምር እቲ ኣፍደገ ጥርናፈን ሓድነት ክፉት’ዩ። እንተዀነ ቅንዕና ሓድነትን፡ ግሉጽን እውጀን ሓድነት ንህዝባን ዘሳትፍ ሓድነት ክሳብ ዝዀነ ጥራሕ’ዩ።

ናይ ዓይነት ኣካይዳን መርገንጽ ጉዕዞ ሓድነት ዘሰምበዶም ባእታታት፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ዘይሓሰቦ ኣብንፈንትን መኣዝንን ኽተውይዎ እንተሓሰቡ፡ ነቲ ጥርጣረታቶም ዘቕርቦ መጎተ ሓቂ ክብደትን ክብርን ሓቅን ስለ ዘይብሉ፡ ናይ’ዚ ንርእዮ ሓቅነት ኣብ ውልቀ ሰባት ዝረአ ምንጽርጻር እንተዘይኮይኑ ንሃገር ዝጎድእ ከም ዘይኮነ ኩሉ ዝሰማማዓሉ’ዩ።

እንተዀነ ብርእይቶይ ነቶም ነዞም’ዚ ርእይቶ ዝህቡ ባእታታት ዕድል ዝህቦም ኣንፈት፡ እቲ ጉዳይ ናይ ኣብ ውልቀ ሰባት ናይ ዝረአ ምንጽርጻ፡ ብተመሓየሸ ኣገባብ፡ ንመሰልን ክብርን ህዝባና ብሓበራ፡ ንሰላምን ሓድነታዊ ህዝባን ብዝዕቅብ ኣገባብ እንተዘቐሪቡን፡ ንዕኡ ብዝመስል ኣገባብ ናይ ቃልሲ ንያትን ድልውነት ብዝዕድም ኣገባብ እንተዝበጊሱ፡ ኣካላ ናይ’ቲ ዕብየት ኣብ ሰላም ዝብል መድረኻዊ ጭርሖ ስለ ዝዛመድን ክዋሰብ ዝኽእል ብምዃኑ፡ ነቲ ዘሎና ዝምድና ንዘይምብታኽ፡ ካብ’ቲ ዝንጽል፡ ካብ’ቲ ምርጫ ዘይብሉ ርእይቶ፡ ኣማራጺ ዘለዎ ርእይቶ ክቀርብ ፡ ሕጂ’ውን ንሕና ሓደ ህዝቢ’ና፡ እምነትና፡ ባህልና፡ ቋንቋና ብዘየገስድ ንእምነትና፡ ንባህልና፡ ንቋንቋና ክሕይል ዝኽእልን ክንዛመደሉ ዘሎና መንገድን ኣገባብ፡ ምርጫን ጥራሕ’ና ክንወስድ ዘኽእለና፡ ናይ’ቲ ንምንባር መሰል፡ ኣብ ገዛእ ነፍስና ጥራሕ ዝወሰን መሰል ከም ዘይኮነ ርኢና፡ ኣስፊሕና ክንሓስብን ኽንጥምትን ከም ዘሎና፡ እንዳተማሕጸንኩ። ኣብ’ዚ ይድምድም።

ክንዕወት’ና

ሓድነት

ህዝቢ ሃገርን ኤርትራ ይደልድል።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=41

Posted by on Nov 10 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net