ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ ደግሓኤ/

ፈጻሚ ኣካል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ካብ 5-8 ሚያዝያ 2011 ኣብ ዘሎ ግዜ  ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ። ፈጻሚ ኣካል ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ  ንህልዊ ዓለማዊ፡ ከባብያዊ፡ ሃገራውን ውድባውን ኩነታት ብዕምቆት ብምግምጋም መጻኢ መደባት ሰሪዑን ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉን።

 

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ፈጻሚ ኣካል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዘካየደሉ ወቕቲ፡ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ክወርድ ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዕታትን ቅንጸላታትን  ብሓፈሻ፡ ህዝብታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ፡ መጻኢ ዕድሎም ጸልሚቱ ሰላምን ቅሳነትን ክረክብን ብነጻ መጻኢ ሂወቱ ክመርሕን ስለ ዘይከኣለ ሃገር ክቦ ደርብዩላ ካብ መንጎ ዝተሰደዱ ዜጋታትና ልዕሊ 300 ዝኾኑ ወለድን መንእሰያትን ህጻናትን ብብዝሒ ኤርትራውያን ዜጋታት ከምኡ’ውን ኢትዮጵያውያን  ዝሓዘት መርከብ  ካብ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠሞም  ሓደጋ ሂወቶም ሓሊፉ። እዚ ጃምላዊ ህልቂት’ዚ ዝዓበየ ደኣምበር ናይ መጀመርያ’ኳ እንተዘይኮነ፡  ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንፈታዊ ሰላምን ደሞክራስን ዝኾነ ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ዘሕዘነ ጥፍኣት’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ፈጻሚ ኣካል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ በዚ ሓደጋ’ዚ ሂወቶም ንዝሰኣኑ ስድራ-ቤታት  ፈተውትን ኣዕሩኽን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

 

ጀጋኑ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሓይሊ ብረት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ካብ ዝደየበሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ 20 ዓመታት’ዚ ብውሽጥን ብደገን ብዝኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ፖሊሲታት፡ ናይ ህዝብታትና  ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ጭቆናን ዘስካሕክሕ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታትን ኣብ ዘለዓለ ጫፍ በጺሑ፡ ዋሕዚ ስደትን ሓደጋታቱን መግትኢ ተሳኢንዎ ህዝቢ ክበታተን ከም ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ህግደፍ ህዝብታት ናይ’ዚ ዞባ’ዚ ብተኸታታሊ ሓደ ድሕሪ ሓደ ንጸረ-ህዝቢ ጨቆንቲ ምልካውያን ስርዓታት፡ ብህዝባዊ ናይ ተቓውሞ ሰውራዊ ማዕበል ኣብ ዝድርብይሉ ዘለው ወቕቲ፡ እዚ ኣወንታዊ ሰውራዊ ምዕብልናታት’ዚ ኣብ ኤርትራ ክፈጥሮ ዝኽእል ጽልዋ ብምስጋእ፡ ነዚ ንምዕጻፍ “ ህዝቢ ኤርትራ 20 ዓመት ሓበን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጓንጓ መደረታትን ጭርሖታትን ተኸዊሉ፡ ንህዝቢ ብከንቱ ናይ ተስፋ እንጀራ ክጥብርን ናብ’ቲ ሰውራዊ ምዕብልናታት ዝካየደሉ ዘሎ ቆላሕታ መታን ከይገብር፡  ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ጉዕዞ 20 ዓመት ናብ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ኣቓልቦ ሂቡ ክጽመድን ሽርሕታት ኣብ ምእላም ተሸኺሉ ከም ዘሎን ፈጻሚ ኣካል ገምጊሙ።

 

ፈጻሚ ኣካል ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ እቲ ጭቡጥ ወድዓዊ ናይ ምንቁልቃል ክስተት ናይ ሃገርና፡ ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት ኣብ ዘለወሉ ተሃዋሲ ወቕቲ፡ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ወሽጣዊ ሓድነቱ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍን ብመንገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ኣቢሉ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሰጋገረሉ ዘሎ መስርሕ ቃልሲ፡ ብጣዕሚ ዝተባብዑን ብሩህ መጻኢ ዘመላኽቱን ይኹኑ ደኣምበር፡ እዚ ኣወንታዊ ምዕብልናታት’ዚ ዛጊት ምስ’ቲ ሃገርና ኣትያቶ ዘላ ሓደጋ ክመዛዘን እንከሎ፡ ገና ኣብ ዘይተመጣጠነ ናይ ሓይሊታት ሚዛን ኣሰላልፋ ብምህላውና፡ ነዚ ንምዕጻፍን ሃገርና ካብ ብርሰትን ምብትታንን ንምድሓንን  ብኹሉ ኣገባብ ቃልስን ከለ-መዳያዊ ንጡፍ ዕማማትን ጽኑዕን ሓያልን ዝኾነ፡ ሓባራዊ ቃልሲ ይጠልበና ምህላው ተገንዚቡ። በዚ መሰረት ድሮ ተረጋጊጾም ንዘለው ደሞክራስያዊ መኽሰባት ብምዕቃብ፡  ዝሰፍሐ ምጥርናፍ ብምርግጋጽ ኣብ ሕቶ ሓድነት ተሪፉና ንዘሎ ዕማም፡ ብመንገዲ ሃገራዊ ጉባኤ መሊኡ ንምዕዋትን ውሑስ ንምግባርን ንመድረኻዊ ዕማማት ሃገራዊ ኮሚሽን  ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ደግሓኤ፡ ናቱ ተራ ክጻወት ምዃኑ ፈጻሚ ኣካል በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ነዚ ሃገራዊ ዕማም’ዚ ንምዕዋት ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ በብዓቕሙን ክእለቱን ኣስተዋጽኦ ክገብር’ውን ጸዊዑ።

 

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ናይ 2011 ጠቕላላ ጉባኤኡ ምስ’ቲ ኩሉ ወድዓውን ባዕላውን ጸገማት ብናይ ሓባር ቃልሲ ብዓወት  ዝተዛዘመ ይኹን ደኣምበር፡ ከም ናይ ሓባር ልፍንታዊ ስሙር ግንባር ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት መጠን፡  ነብስ ወከፍ ውድብ በብዓቕሙ ኣመራርሓ ንምሃብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ነንሕድሕድካ ኣብ ምቅብባልን ምትሕግጋዝን  ናይ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ  ሓባራዊ ኣመራርሓን  ኣሰራርሓን ባህሊ፡ መሊኡ ንምጉባት ልዑል ጻዕሪን ቃልስን ዝሓትት ምዃኑ፡ ፈጻሚ ኣካል ደግሓኤ ሕጂ’ውን ንዝጸንሐ እምነቱ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

 

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ፈጻሚ ኣካል ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ ኣብ ዞባና ዝተራእዩን ዝቕጽሉ ዘለውን ሓደሽቲ ናይ ለውጢ ምዕባለታት ብዕምቆት ገምጊሙ። ኣብ ሰሜን ኣፍሪቓን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከብ መንእሰይ ወለዶ ልዑል ተራ ዝተጻወተሉ ጽኑዕን ውፍይን ናይ ተቓውሞ ህዝባዊ ማዕበል ተረጋጊጹ ዝቕጽል ዘሎ ኣወንታዊ መበገሲ ዝኸውን ዝተረጋገጸ ጽገናዊ ለውጥታትን ኣብ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝብታት ናይ’ዚ ዞባ’ዚ  ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝሕዝ’ዩ። ጅግና ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሖ ናይ ሓደ ዘመን ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ሓርበኛዊ ተጋድሎን ናይ 20 ዓመታት ንጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ተጋድሎን ምስ ጭቡጥ ወድዓውን ባዕላውን ኩነታቱ ኣጠዓዒሙ፡ ካብ’ዚ ናይ ዞባና ህዝብታት  ሰውራታት’ዚ ተወሳኺ ተመክሮ ክቐስም ከምዝኽእል ዘተሓትት ኣይኮነን። ናይ’ዚ ዞባ’ዚ ውጹዓት ህዝብታት ዓወት፡ ከም ናይ ጎረባብትናን መሓዙትን ወጽዓ መጠን፡  ኣብ ሓባራዊ ምዕባለን ርግኣትን ዞባና ኣገዳሲ ረቛሒ ብምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዓወቱ ርእዩ ዝሕጎሰሉን ዝሕበነሉን’ዩ። እዚ ዘዕለቕልቕ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብታት’ዚ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፈሉ መልእኽቲ ምስ ዝህሉ፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ጸረ-ህዝቢ ምልካውያን ጨፍጨፍቲ ስርዓታት ክንዲ ዝኾነ ዝተራቐቐ ዘመናዊ ኣጽዋር ክሳብ ዓንቀሮም ተዓጢቖም ምህላዎም ብዘየገድስ፡ ድምጺ ህዝቢ ካብ ኩምራ ኣጽዋርን ሰራዊትን ናይ ስለያ ምሓውራት ከም ዝሕይልን እዚ ሓይሊ’ዚ ናብ ረብሓ ህዝቢ ብጥሙር ድምጺ ህዝቢ ክልወጥ ከም ዝከኣል ዘመላኽት’ዩ። ብብቑዕ እስትራተጂን ታክቲክን ወድዓዊ ናይ ውደባ ጥበብን ኣገባብ ቃልስን ንርሑቕ ዝጥምት ብቑዕ  ፖለቲካዊ ኣመራርሓን እንተረኺቡ ከኣ፡  ጽገናዊ ለውጥታት  ዘይኮነስ፡  ናይ ሰውራ መሰረታዊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሕቶታት፡  ኣብ ምፍታሕ ዝከኣለሉ ባይታ ዘመልክት’ዩ።

 

ካልእ ኣብ ጎረቤትና ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝቢ ሱዳን፡ ካብ ዝተራእዩ ምዕብልናታት እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መንጎ ደቡብን ሰሜንን ዝጸንሐ ጎንጺ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ናብ ፍታሕ ምብጽሑ’ዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኣቶም ኣሕዋት ህዝብታት፡ ብሓደ ሸነኽ ብመንግስቲ ሱዳን፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን፡ ኣብ ኬንያ ንፋሻ ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ብመንገዲ ረፈረንደም ኣቢሉ መሰል-ርእሰ ውሳኔኡ ብምርግጋጽ፡ ነቲ ዘተበጽሐ ናይ ምንጻል ምርጫ መንግስቲ ሱዳን  ብጸጋ ተቐቢሉ ሓቢሮም ተሓጋጊዞም ዝነብርሉ ባይታ ክውን ኣብ ምግባር ምጉዓዞም፡ ንርግኣትን ሰላምን ሱዳን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንከባቢና’ውን ኣወንታዊ ምዕባለን ኣስተዋጽኦን ብምዃኑ ደግሓኤ ንክልቲኦም ህዝብታት መጎሱ ይገልጽ። ህዝቢ ሰሜን ሱዳን ከኣ ንዝተርፍዎ ጸገማት ንርግኣቱን ሓባራዊ ምዕባለኡን  ብዘረጋግጽ መንገዲ ክፈትሕ ንምነየሉ።

 

ጀጋኑ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ፈጻሚ ኣካል ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ፡ ንህልዊ  ኩነታት ውድብና ኣመልኪቱ  ብድሕሪ ዕወት ሓድነታዊ ጉባኤ ዝተሰላሰሉ ኩለ-መዳያዊ ስራሓት ብዕምቆት መዚኑ።  ነቶም ብኣወንታ ዝማዕበሉ ብምዕቃብ  ነቶም ዝጸንሑ ድኽመታት ብምንቃፍ፡ ተመዓራርዮም ክፍጸሙ ብምርኣይን መጻኢ መድረኻዊ ዕማማቱ ሰሪዑ። ኣብ ሕቶ ሓድነት ዘለዎ መትከላዊ እምነት መሰረት ብምግባር ምስ ዝተፈላለዩ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ከከም’ቲ ክበጽሖ ዝኽእል ርሕቀትን እምነትን ማእከሉ ገይሩ በብድረጅኡ ሕጂ’ውን ንምርግጋጾም ጻዕርታቱ ክብ ከብል ወሲኑ።

 

ፈጻሚ ኣካል ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ ስደተኛ ህዝብና ኣብ ፈቖዶ ምድረ-በዳን  ባሕርን ዝጠፍእን ዝመውትን ጅሆ እናተታሕዘ ብኣሽሓት ዶላራት ክኸፍል ኣብ ዝግደደሉ ዘሎ ኩነታት፡ ኣብ መደበራት ስደተኛታት ናይ ስደተኛ መሰላቱ ስኢኑ ብፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ልዑል ቆላሕታ ክገብረሉ ይጽውዕ። በብግዚኡ ኣብ ሲና ጅሆ እናተታሕዙ ክሳቐዩ ዝጸንሑን ዘለውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሊቢያ ተበታቲኖም ዘለውን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ቆላሕታ ሂቡ መጻኢ ዕድሎም ክመርሕሉ ናብ ዝኽእሉ ከመሓላልፎም ምሕጽንትኡ የቕርብ።

 

 

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዋኣትና!

 

ፈጻሚ ኣካል

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

8 ሚያዝያ 2011

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4116

Posted by on Apr 12 2011 Filed under Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net