ስሉሳዊ ምርጫታት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ብሩስለስ ክካየድ ን ዕለት 9-10 ሕዳር 2009 ዝተመደበ ኮንፈረንስ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣትኵሩ ዝዝቲ ምዃኑ ምስ ተፈለጠ፡ ብዙሓት ዝመስሎም ርእይቶ ክጽሕፉ ጀመሩ። እቲ ርእይቶ ኣዝዩ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

እቲ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ርእይቶታት ዝብሎ ዘለኹ ፡ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ይኹን ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኤውሮጳ ብኮንፈረንስ ተዳልዩ ንጉዳይ ኤርትራ ንኽዝቲ ተባሂሉ ዝተዘርበ ወይ ዝተጻሕፈ ኣይኮንኩን። ብዛዕባኡ ጌጋታት ኣረዳድኣ ክፍጸም’ኳ ዝኽእል እንተዀነ እዚ ሓደ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ። ብዓብዩ ከኣ ኣቶ ሃብቶም ዮውሃንስ ነቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ።

ንዓይ ከም ዝርድኣኒ፡ ግን እቲ ጉዳይ ኣውራ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤውሮጳ ንምውቓስ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ነቶም ተሳተፍቲ ንምውቓስን ንምጽላምን ኮነ ኢልካ ዝገብረ ይመስል’ዩ። ዋላ’ውን ባይቶ ኤውሮጳ ኣዳልይዎ እንተነበረ።

እዚ ዋዕላ ብሩስለስ ግን ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝመርሖ ከም ዘይኮነ፡ ካብ ዝተፈልጠሉ ሰዓት፡ እቶም ብጌጋ፡ ሓሳቦምን ነቐፈቶኦምን ዘቕረቡ፡ ንዕለቱ ብዘገበርዎ ግጉይ ነቐፌታ መእረምታ ክገብሩ ይግባእ ነይሩ እመስለኒ ጥራሕ ዘይኮነ ግቡእ’ውን እዩ። እንተዀነ እቲ ዝወረደ ክስን ጸለም ኤውሮጳዊ ሕብረት ይምርሓዮ ኣይምራሓዮ ፡ ነቲ ብዝዀነን ብዘይዀነን ከጸልምዎን ክነቕፍዎ ታሪጌት ክገብርዎ ዝደለዮ ኣፍደገ ዝኸፈተሎም ስለ ዝመሰሎም ነቲ ጉዳይ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓላፍነት በብሸነኾም ርእይቶ ሂብም ኣለዉ። በቲ ዝሃብዎ ርእይቶን ሓሳብን ከኣ መእረምታ ዘይምሃቦም ወይ ዘይምቕራቦም ሕጉሳትን ዕጉባትን ዘምስሎም’ዩ፡ እንሆ ንመቃልስቶም ከም ዝተጋገዩ ክእመኑ ዘይምድላዮም’ዩ።

ምርጫ

ኤ.ዲ.ኪ

እዚ ጉዳይ ኮንፈረንስ ኣብ ብሩስለስ ዝተጋብኤ ካብ ዝተፈልጠሉ ዕለት ንደሓር፡ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኪዳን ብተገዳስነት ቀዳምነት ንናይ ቀረባ መሳርሕቱን፡ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ንዝተባህሉ ወይ ብርጉጽ እንተተፈሊጡ ከኣ ተሳተፍቲ ንዝዀኑ ኣባላት ውድባት ኣብ ኪዳን፡ ሓቲቱ ብፍላይ በቶም ናይ ቀረባ ተሳተፍቲ እኹል ሓበሬታ ክረክብ ከም ዝኽእል ምንባሩ ርዱእ’ዩ።

ቀዳማይ

ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንብር ኪዳን እዚ ኣይገበረን። እዚ ዘይምግባሩ ከኣ እታ ቀዳምይ’ቲ ምርጫ ሓሪራ፡ ምኽንያቱ ቤት ጽሕፈት ኪዳን ብዘለዎ ሓላፍነት ሓበሬታ ክረክብን፡ ምስ ኣባላት ውድባት ኪዳን ኣብ እምነት ዝተሰረት፡ ግሉጽን ቅኑዕን ዝድምና ክግበር ግዱድ’ዩ። እቲ ኣብ እምነት ዝተመስረት ዝምድና ዘየሎ እንተዀኑ ድማ፡ ክህልውን ክስርሓሉን ዘለዎ ኣገዳሲ ዕማም ናይ’ቲ ኣቦ መንበርን መሳርሕቱን’ዩ።

ቤት ጽሕፈት ኣቦ ምነበር ኪዳን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንዝቐርቡ ወርሓዊ ይኹኑ ዓመታዊ ጸብጻባት ምጽባይ ዘይኮነ፡ ምትእስሳር፡ ዝምድናታት፡ ደረጃ ምትእምማን፡ ደረጃ ምትሕግጋዝ ኪዳን ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡ ባዕሉ ክፍትሽ፡ ንኩሉ ንኩሎም ኣባላት ውድባትን ፍላይ እቶም ኣብ ጉዳይ ስራሓት ኪዳን ዕማም ተዋሂብዎም ዘሎ፡ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝገለጽክዎ ብቅንዕናን፡ ብግሉጽን ክራኸብ ካብ ናይ ባዕሉ ሓቐኛ ዝድናን ምትእስሳርን፡ ክሳብ ናይ መላእ ኪዳን ዝምድናን ምትእስሳር ናብ ዝሓሸ ባይታ ከምጽእ ክጽዕር ይግባእ። ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ናብ’ዚ ኣንፈት ገጹ ክሰርሕ፡ ነዚ ዓብይ ዘመተ ዝተበገሰ ዀይኑ እንተዝነብር እዚ ሕጂ ኩሉ ዝተዓዘቦ ፍሽለት ኣይምስኣጋጠመን።

ኣይትሓዙለይ ሕጂ’ውን ንኪዳንን ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንብር ንዝምልከት፡ ካብ ኣርእስቲ ደኣ ከየውጽኣኩም’ምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ደምበ ተቃውሞ ብሓደ ህቡብላ ዝዀነ፡ ሰራም ሃገራዊ ጉዳይ ብመርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝቓነ ጉዳይ ተላዒሉ ቀኒዩ። ኣብ’ቲ ዝኸደ ሰራም ዝዀነ ንሃገርን ህዝብን ዝጎድእ ርእይቶታት፡ ከም ርእይቶ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዓበይቲ ናይ ኣብ ቃልስና ዓብይን ብዝሕን ተምክሮ ዝቐሰሙ ዝተሳተፍዎ ጉዳይ ብምንባሩን፡ ኣብ መወዳእትኡ ድማ ገገለ ኣባላት ኤ.ዲ.ኪ ዝዀና ሰልፍታትን ውድባትን ዝኽሰሳሉ ዝነበረ’ዩ።

ቤት ጽሕፈት ኪዳን፡ ነዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣብ ምድሪ ቤቱ ዘሎ እሾኽ ዘይኮስተረ፡ ኣብ ካልእ ኣህጉራዊ ዘሎ ጉዳያት ዘረኻክበሉ ኣይመስልን፡ ኪዳን ክሕይልን ክዓብን እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣብ ባላት ውድባት ጽንጽያ ዓይኒ ዘንፍ’ውን፡ ኣይፋልካን ዓገብ ክበሃል ክከኣል ኣለዎ፡ ካልእ እንተዘይተኻእለ። ኪዳን ነዚ ክገብር ዓቕሚ ብቕዓት ኣየርኣየን።

ብኣንጻሩ እቶም ብዝዀነን ዘይኮነን፡ ነቕወፈታ ዝወረዶም ኣባላት ውድባት፡ ብናይ ገዛእ ርእሶምን ዓቕምን ንቕሓትን፡ ነቲ ዝበሃል ዝነበረ ግጉይ ሓበሬታን ጸለምን፡ ብትብዓት፡ ብንቕሓት፡ ብኽብረት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወጺኦም ክብድህዎ ፈቲኖም፡ ፈቲኖም ጥራሕ ኣይኮኑ፡ ቀጺሎም። ኣድላይነት ረብሓ ሃገርን ህዝብን ክሳብ ዘልዎ ከኣ ነቶም ክፋእ ዝምነዩ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክሳብ ዝኣምኑ ክምጕቶም ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ።

መተሓሳሰቢ

ኣባላት ኪዳን ዝዀን ውድባት ንቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኪዳን ንዝምልከት ጸብጻብ ከ ደኣ ናበይ ተጎስዩ ዝብል ሕቶ ክመጽእ ይኽእል’ዩ። ሓደ ውድብ ብኪዳን ክሳብ ዝተላእከ፡ ጸብጻብ ንቤት ጽሕፈት ከቕርብ ጉዱድ እዩ። እንተዀነ ኣብ ኪዳን ኣባልነት ዘለወን ውድባት ብዛዕባ ዘካይድኦ ውሽጣዊ ውድባዊ ጉዳያት ዝምድናታት ስርርዕ ፖለቲዊ ንጥፈታት ዜናዊ ንጥፈታት ንዝምልከት ጸብጻብ ዝህባሉ ጉዳይ ኣይኮናን፡ ግን ኪዳን ኣብ’ቲ ኣብ’ቲ ብውድባት ንህዝቢ ዝዝርጋሕ ኣገዳሲ ሃገራዊ ጉዳይ ንህዝቢ ዝምልከትን ዘርብሕን ናይ ሓደ ውድብ ከም ኣብነታዊ ተምክሮ እንተርእዩ ንውልቀ ውድብ ሓቲቱ፡ ነቲ ተምክሮ ናይ ኪዳን ኣሰራርሓ ክቕይሮ መሰል ዘለዎ ኮይኑ ይስማዓኒ። እዚ ግን ኣብ ኪዳን ብሓደ ውድብ ዝተፈጸመ ሃብታም ተምክሮ ንጸለምን ነቐፈታን’ምበር፡ ንሓድነታዊ መስርሕ ዘተግብር ኮይኑ ኣይተራእየን ዘ።ሎ

ምርጫ ኤ.ዲ.ኪ

ካልእይ

ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንብር ኪዳን፡ በቲ ክህልዎ ዝግባእ ዝነበረ መራኺቢ መስመራት ብግቡእ ተጠቒሙ ሓበሬታ ረኺቡ እንተዝነብር፡ ነቶም ኣብ’ቲ ዋዕላ ንዝተሳተፉ ባእታታት፡ ንኣብነት ከም ኣቦ መንብር ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣቦ መንበር ሓባራዊት ሽማግለ ሓድነት ኣርባዕተ ውድባት ብጻይ ወልደየሱሱ ዓማርን ካልኦት፡ ብዛዕባ ኪዳን ክህልዎ ዝኽእል ርእይቶ ከስንቕዎ ዘኽእል ዕድል ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ዕድል’ውን ሓሪሩ።

ኣብ’ቲ ክምስረት ዘለዎ እምነት ምትሕልላይ፡ ሓንቲ ኣባል ኪዳን ዝዀነት ውድብ ኣብ’ቲ ብሓላፍነት እትኸዶ ዋዕላ፡ እትገብሮ ኣኼባ ይኹን ፈስቲቫል ንኪዳን መሲላ ክትኸይድ ሓሳብን ኣካይዳ ኪዳን ክትገልጽ ይግባእ።

ኣብ ደምበ ተቃውሞ፡ ነዚ ዝኣመሰል እምነት ንምትግባር፡ ካብ ውድባዊ ረብሓን ጥቅምን ምንዳይ፡ ጉዳይ ምሕዝነት ኣብ ግዜ ብኣቦ መንበር ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ነበር ብስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ክንደይ ቃልሲ ተኻይድ’ዩ። ሕጂ’ውን ኣሰሩ ዘይሰሓተ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ ግንባር ናብ ከም ሰልፊ ምስ ቆመ፡ ካብ ጉባኤ ጀሚሩ፡ ኣባላት ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚት ኣካላትን፡ ኣቦ መንበር ሰ.ህ.ኤ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ነዚ ጉዳይ ኪዳን፡ ኣብ ፍታሕ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ብሜላ ዘይኮነ ክህሉ ዘለዎ ዝምድናታት ብስትራተጂያዊ ዝምድና ብምርኣይ ዝቃለሱን፡ ዘቃልሱን መራሕቲ’ዮም። ዝኣምን ይእመን ታሪኽ’ዩ።

እቲ ፍልልያት ኣብ መንጎ ኪዳንን፡ ኣባላት ውድባት ኪዳንን ከኣ እዚ’ዩ። ኤ.ዲ.ኪ ሓደ መተካእታ ዘይብሉ ኤርትራዊ ጽላል ተቃውሞ’ዩ። እንተዀነ ነዚ ጉዳይ ክመርሕ ዝኽእል ኣካል ሓይሊ ከጥርየሉ ዝክእል፡

ሀ/ ኣብ ሓድሕድ ዝርከብን ክህሉ ዘለዎ ግድነታዊ እምነት

ለ/ ኣብ  ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ሓድሕድ ዝርከብ ዓወት

ሐ/ ኣብ  ምውንጃል ሓድሕድ ዝረአ ጥብቕና ተኸላኻልነት

መ/ ኣብ ስርሓት ሓድሕድ ዝረአ ምብርራይ ምብጃው ምስ ዝረአ እዩ።

ኤ.ዲ.ኪ ብዛይካ እቲ ካብ ኣቦ ሓጎታትና፡ ኣቦታትና፡ መራሕቲ ሰውራና ዘርኣይዎ ሓልዮትን፡ ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ ስሩ ምሒና ከንልግሶ ክሕግዘና ዝኽእል፡ ሕግታት ዝሓገግና እንተሓገግና ብዘይካ ኣብ ሓድሕድና ክምስረትን ክረኣይን ዘለዎ፡ እምነት፡ ምትሕብባር፡ ምክልኻል፡ ምትሕልላይ፡ ከነስምሮ ዝካኣል ኣይኮነን። እቲ ሓቐኛ ክረጋገጽ ዘለዎ ኣተሃላልዋ ኪዳን ብኣውራ ኣብ’ዚ ዝተመስረተ ምስ ዝኸውን ጥራሕ’ዩ።

ሳልሳይ ምርጫ ኤ.ዲ.ኪ

ኪዳን፡ ንኣባላት ውድባት ኪዳን ነጻ ናይ ምውሳእ፡ ነጻ ናይ ምዝማድ፡ ተጽዕኖ እንተዘይብሉ ብመሰረት ነጻነት ህላውነት ውድባት፡ ዝምምዕ ኣብ መንጎ ኣባላት ውድባት ኪዳን፡ ክሳብ ንሃገራዊ ህዝባዊ ረብሓ ዘይጎድእን ዘትጻባእን፡ ኪዳን ዓቢ መኽሰብ ከም ዘለዎ’የ ዝርድስእን ዝግንዘብን። ኣብ መንጎ ኣባልት ውድባት ኪዳን ንዝግበር ፍልይ ዝምድናን ሓድነት ግን ብጥርጠራን ካልእን እንተ ክግመትን ክምዘንን ኮይኑ ተመሊሱ ንሓይሊ ኪዳን ዝጎድእን ዘዳኽምን እንተዘይኮይኑ ካልእ ከምጽኦ ዝኽእል ረብሓ የብሉን።

ንኣብነት፡ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ ግንባር ናብ ሰልፊ ኣብ ዝተሰጋገረሉ ግዜ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ቦታ ጉባኤ ዝተገብረ ደገፍ፡ ካብ ጉባኤ ወጻኢ ናብ’ቲ ሰልፊ ዘቕነዐ ጸለምን ሕሜታን፡ ዘይተባህለን ዘይተግብረን ጉዳይ፡ ኪዳን ኢዱ ኣጣሚሩ ሓሊፍዎ፡ ገገለ ሰባት እምበር’ዶ ሰልፊ ህዝቢ ባላ ኪዳን’ዩ ክሳብ ዝብሉ ኮይኖም፡ ቀጺሉ ኣብ’ቲ ዝኽየድ ዝነበረ፡ ካብ 2006 ጀሚሩ ነቲ ኣብ መንጎ ተቃውምቲ ውድባት ኣባል ምሕዝነት  ወይ ኪዳን ክምስረት ዝተሓሰበ ሓድነታዊ ግንባር እማመ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ እንታ መልሲ ከም ዝተዋህቦ ኩሉ ዝጸሓፈን ዘንበብ ይፈልጥ። ሕጂ’ውን ኣብ’ዚ ብዝካየድ ዘሎ ቀዳምነት ዓቢ ጾር ሃገርን ህዝብን፡ ንካልኣይ ድማ ተቃውምቲ ሓይልታት ዘፋዀሰ ሓድነት ኣርባዕተ ውድባት ጠዊኻ ጠዋዊኻ ዝተባህለን፡ ዝተMክረ ስርሕን ጸለምን፡ ብሓቂ ዶ እዞም ኣርባዕተ ውድባት ባላ ኪዳን ነይሮም’ዩ ዘብል ኮይኑ ጸኒሑ፡ ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ባዕሉ ኪዳን ቤት ጽሕፈት ኣቦ መነብር ዝርከቦም ባ ‘ዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘሎና ዋዕላ ብሩስለስ ብቀጥታይ ክUን ብተዘዋዋሪ ዘይተኣደነ ነቐፈታ ቕሪቡ ሓሊፍዎ።

ኪዳን ንኣባልት ውድቡ ነጻነት እንተኸሊኡን፡ ኩሉ ጉዳይ ባዕለይ እንተዘይገበርክዎን እንተዘይፈጸምክዎን፡ እንተዘይለኣኹን ገብርኩን ዝብል ፍጹም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ባላት ውድባት ዝካየድ ውድብ ኣሳራርሓ ክፍጽም እንተደልዩ፡ እዚ’ውን ሳልሳይ ክሳራ ምኻኑ፡ ኣብ ሰለስቲኡ ምርጫ እምነት ዝጎደሎ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ስምምዕ ቻርተር ምዃኑ ዝገልጽ’ዩ።

መደምደምታ

ኪዳን’ኳ ከም ሓደ ናይ ሕድሪ መጋሪያ እንተወሰድናዮ፡ ነቶም ብሕድሪ ዝጠቐበሎም ጥሪት፡ ክሳብ ዋንኡ ዝምለሱ፡ ተኸናኺኑ ከጽንሖም’ምበር፡ ኣብ መጋሪያ ዘሊሎም ብዝኣትዉ ኣራዊት ዝብልዑን ዝበታተኑን ጥሪት ጓሳ ክኸውን ይበሉን።

እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ኪዳን ከኣ፡ ዘዳኽሞ ዘሎ ምኽንያት፡ ነቲ ቆይምሉ ዘሎ ሕግታት፡ ብእምነት፡ ብምትሕግጋዝ፡ ምትሕብባር፡ ብምብርራይ፡ ካብ ቀዳማይ ደረጃ ኪዳናዊ ምሕዝነት ናብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ክዓቢ ዘይምጽዓሩ’ዩ። እቲ ጻዕሪ ኣብ ሓደን ክልተን ውድባት ዘይኮነ፡ ኣብ ዕብየት ዝተሞርኮሰ ዘይኮነ ኣብ ሓልዮትን፡ ኣነ ክሰርሕ፡ ኣነ ከብሪ ናይ ዝብል ኣብ ናይ መላእ ኣባላት ጻዕርን ስርሓትን ናብኡ ዘድሃበ እንተዀነ ጥራሕ’ዩ።

ቤት ጽሕፈት ስራሕ ኣይህበካን’ዩ። ንቤት ጽሕፈት ከተስርሖ ክትክእል መሃዝነትን ተበላሕነትን ክትፈጥር ጥራሕ’ዩ ዘሎካ።

ክንዕወት’ና

ዕለት 11 ሕዳር 2009

Short URL: https://english.farajat.net/?p=46

Posted by on Nov 12 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net