ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብምኽንያት 20 ዓመት ዘቁጸረ መሪታዊ ነጻነት ኤርትራ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎድኒ ሕዝቢ ኤርትራ ደዉ ብምባል ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከዛይድ ዝጽዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ብምድላዉ ብድሙቕ ኣገባብ ሎሚ 18 ግንቦት ኣማስይኡ ኣብ ኣፍደገ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ተኻይዱ፡፡


ኣብ ሽወደን ዝመደበሮም ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ዜጋታትን ብዝቖመ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ሓባራዊ ጽላል ብዝተባህለ ማሕበር ዕስራ ዓመት ዘቁጸረ መሬታዊ ነጻነት ኤርትራ ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ዝጸነሐን ዘሎን 20ዓመታት ናይ ዉርደትን መከራን መዋእል ንምዝካር፡ ከምኡ እዉን ኣቓልቦ ሕዝብን መንግስትን ሽወደንን ብኡ ኣቢልካ እዉን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎድኒ ሕዝቢ ኤርትራ ደዉ ብምባል ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከዛይዱ ዝጽዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ብምድላዉ ብድሙቕ ኣገባብ ሎሚ 18 ግንቦት ኣማስይኡ ኣብ ኣፍደገ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ተኻይዱ፡፡

እዚ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሽወደን ብዝመጹ ቆልዑ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ኤርትራዉያን ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ 20 ዓመት ብቓልሱን ብዝኸፈሎ መስዋእቲን ካብ ገዛእቲ ሓይልታት ሓራ እኳ እንተወጸ፡ ነቲ ቃልሲ ተሞኽልዮም ንዓዲ ብዝኣተዉ ህግደፋዉያን ካብቶም ዝተሳዕሩ ገዛእቲ ብዝኸፈኤ መንገዲ ኣብ እንግዳዓ ህዝብና ተቖይጦም መዳርግቲ ዘይብሉ ናይ ግፍዒን ጭቆናን ምሕደራ ተኺሎም ሃገርና ብኽብ ዝበለ ግህሰት ሰብኣዊ ክብሪን ብዓፈና ኩሎም ደሞክራሲያዊ መሰላት ዝተፈልጠት ቀዳመይቲ ሃገር ኣብ ቅድሚ ሙሉእ ዓለም ዝተላለየት ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ዜጋታታ ዋላ ዉን ሂወት ዘኽፍል መገዲ ስደት እንዳተጠቀሙ ካብ ምሕደራ ህግደፍ እንዳምለጡ ኣብ ዓለምና ብዝላዓለ ዸረጃ ስደተኛታት ትፍብርኽ ሃገር ኮይና ከምዘላ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ዝተጸባረቑ ኣገደስቲ ጉዳያት ኔሮም፡፡
ሰለማዊ ሰልፊ ልክዕ ኣብ ዝተመደበሉ ሰዓት ማለት ሸዓት 17፡00 ድሕሪ ምጅማሩ ብመራሕቲ መደብ ኣሕዋት ኣልኣዛር ሓጎስ፡ዓብደልከሪም ሙስጦፋ፡ ዮውሃንስ ዮሴፍ ዕላማን መደባትን እቲ ሰለማዊ ሰልፊን ብቛንቋታት እንግሊዝኛ ትግርኛ ሽወደን ዓረብኛ ንተሳተፍትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣላልዮም። ብድሕሪ እዚ ካብ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ባይቶ ሽወደን ዝላዕለ መናብር ዘሎወን ዓበይትን ጸለዉትን ዝኾና ሰልፍታት ሽወደን ማለት ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ልፍንታዊ መንግስቲ መሪሕ ዝኾነ ሰልፊ ሞደራት ከምኡ እዉን ካብ ሰልፊ ሶሻል ደሞክራት፡ሰልፊ ሓምላይ፡ሰልፊ ህዝቢ ተረኺቦም ህዝብን

መንግስትን ሓይልታት ፖለቲካ ሽወደን እብ ጎድኒ እቲ ንዕስራ ዓመት መሬታዊ ድኣ እንበር ሕዝባዊ ሓርነቱ ብህግደፍ ተጨዉዩት፡ ትዕድሎቱ ሞትን ማእሰርትን ስደትን መከራን ኮይኑ ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ካብዚ ንምንጋፍ ዝኻየድ ዘሎ ደሞክራሲያዊ ቃልሱን ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡፡ ኩሎም እቶም ሰልፍታቶም ወኪሎም ኣብዚ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ዝመጹ ሽወደናዉያን ሰበ-ስልጣን ብሓደ ቓል ንተሳተፍቲ ኣዳለዉትን እዚ ሰልፊ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሰይያስን ደገፍቱን ከይተሰናበዱን ዕጅብ ከይበሎምን ኣብ ጎድኒ ፍትሕን ደሞክራስን ደዉ ብምባሎም ክተባብዑን ክኾርዑን ከምዝግብእ ድሕሪ ምምካር ኩሉ ግዜ ኣብ ጎድንኹም ኢና ድሕሪ ምባል፡ ንስለ ዝተገብረሎም ዕድመ ኸኣ ንኣዳለዉቲ ኣመስጊኖም፡፡
ኣብ ናይ ሎሚ ማዓልቲ ሰለማዊ ሰልፊ ፍሉይ ተርእዮ ንሰብኣዊ ስምዒት ኤርትራዉያንን ሽወደናዉያንን ኣብቲ ሰልፊ ንዜናዊ ጸብጻብ ዝተሳተፉ ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ዝተንከፈ ካብ ግዳያት ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝኾኑ ናይ ሓንቲ ስድራቤት ቃለ ምስክርነት ዘቕረቡ ኣርባዕተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ እዩ ኔሩ፡፡ እዞም ክልተ ኣዋልድን ክልተ ኣወዳትን ኮይኖም ቅድሚ 4 ዓመት ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ወላዲ ኣባሓጎኦምን ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ጀመርቲ ሰዉራን ዝኾኑ ገዲም ተጋዳላይ ካፕተን ሸኽ መሓመድ ፈረስ ብሓልታት ጸጥታ ሕግደፍ ምስ ተጨወዩ ኣብዚኣ ኣቲዮም ከይተባህሉ ምጥፈኦም ዝምስክር ብዛዕባ ነዛ ሃገር ሃገር ንኽትከዉን ካብ ዝገበሩ ገዳይም ቀዳሞት ተጋደልቲ ሓደ ንዝኹኑ ኣባሓጎኦምን ኣገባብ ኣታዓፋፍነኦም ዝገልጽ ብዝርዝር ብቛንቋ ሽወደን ብምቕራብ ስድራቤታት ኤርትራ ዘሕልፍኦ ዘሎዋ መከራን ስቓይን ምስክርነቶም ሂቦም፡ እዞም ስእሊ ኣባሓጎኦም ገዲም ተቓላሳይ ኣቦና ካፕተን ሸኽ መሓመድ ፈረስ ኣብ ግዜ ንእስነቶምን ቅድሚ ሜዳ ምስላፎምን ናይቲ ብሞያ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያ ወታሃደራዊ ክዳንን ምስ ማዕርጎምን ለቢሶም በቲ ሓደ ወገን፡ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራን ብህግደፍ ቅድሚ ምጭዋዮምን ዝለበስዎ ባህላዊ ክዳን ዓደ-ኣቦኦም ተኸዲኖም ዝተሳእልዎ ክልተ ኣብ ታቤላ ዝተለጠፈ ስእልታት ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ ሰልፈኛታት ብምዉጻእ ታሪኽ ኣባሓጎኦም ብዘደንቕ ኣቀራርባ መስኪሮምን ንጨካን ተግባራት ህግደፍ ኮኒኖምን፡፡

ኣብ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጋዜጣታትን ብርክት ዝበሉ ናይ ሬድዮን ተሌቭዥንን ሽወደን ልኡኻትን ጋዜጠኛታትን ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ተኸታቲሎሞ።

ኣብ መወዳእታ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመበቆሎም ተወከልቲ ናይ ደገፍ ቃል ድሕሪ ምስማዕ፡ ካብ ተሳተፍቲ ሰልፊ ዝነበሩ ኤርትራዉያን እዉን መደረታት ኣስሚዖም፡ ብድሕሪ እዚ ኣዳለዉቲ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ኣብቲ ንቕዳም ዕለት 21 ግንቦት ኣብ ቤት መግቢ ኦሜጋ ብምኽንያት ባዓል ነጻነት ተዳልዩ ንዘሎ ሓባራዊ ናይ ባህላዊን ዘተን ድራርን ምሸት፡ ምስ ደሞክራሲያዉያን ሓቢሩ ከምስይ ንኩሉ ኤርትራዊ ብምዕዳም፡ ስነ-ስርዓት ሰለማዊ ሰልፊ ብዝኽረ ሰማዕታት ተዛዚሙ፡፡

መሓሪ ኣብራሃም
ዜና መርበብ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4713

Posted by on May 20 2011 Filed under News, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net