ሓባራዊ ቃል ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ

ዝኸበርኩም ኣባላት ፖሊቲካውን በርጌሳውን ማሕበራት!
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!
ዝኸበርኩም ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጻእኩም ዕዱማት ኣጋይሽ!

ኣቐዲመ ብሽም ኣዋሃሃዲት ሽማግለ፤ ፖለቲካውያን፤ በርገሳውያን ማሕበራትን፤ ውልቀሰባትን፤ ኣባላት ኤርትራዊ ሕብረት ኣብ ሽወደን ሃገራዊ ሰላምታ የቕርብ።

ዮሃና ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ!
ዮሃና ኣብ ምክልካል ሃገር ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ሰራዊት ኤርትራ!
ዮሃና ኣብ ፈቖዶ መዓስከራት ወጻኢ ሃገራትን ኣብ ከርተር ዝርከብ ሕብረተሰብ ኤርትራን!
እንቋዕ ንመበል 20 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ኣብጸሓና እብል።

ቀጺለ ዕድሜና ኣኽቢርኩም ነዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ብሓባር ከነብዕል ኣብዚ ምርካብኩም ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጻሕኩም።

ሎሚ መበል 20 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ከነብዕል ከሎና፤ ኣብ ኣእምሮና ብዙሓት ነገራት ቅጅል ኢሎም ይረኣዩና እሞ ፡ ስለምንታይ ኢዩ እዚ ኩሉ ዝብል ዓቢ ናይ ሕቶ ምልክት ብምቕማጥ ነውርዶን ነደይቦን፤ እስከ ገለ ካብኦም ክንርኢ ክንፍትን።

ብቀዳምነት ነዚ መዓልቲ እዚ ህያው ንምግባር መዳርግቲ ኣልቦ ቅያን ጅግንነትን ዝፈጸሙ ምእንቲ ነጻነትን፤ ፍትሕን፤ ግዛኣተ ሕግን፤ ሰብኣዊ መሰልን ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉ፤ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምስባር፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ብቅሳነትን፤ ርህዋን ከይተሰከፈ ዝነብረላ ሃገር ህያው ንምግባር በጃ ዝሓለፉ ክንዝክር ከሎና፤

ሎሚ መዓልቲ ህዝብና ን20 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፤ ሰብኣዊ መሰሉ ተገፊፉ፤ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ሕሰምን፤ መከራን፤ ግፍዕን፤ በዚሕዎ ካብ ዶብ ናብ ዶብ ክሰግር ብጥይት ኣብ ዝርሸነሉን ስደተኛታትና ብጅምላ ኣብ ባሕሪ ዝሃልቁሉን ብነጋዶ ኣብ ሲናይ ዝሕረዱሉን ዝእሰርሉን መዓልቲ ተቃውሞናን ጽንዓትናን ነሕደሰሉ እምበር መዓልቲ ታሕጓስን ሳዕሳዒትን ኣይኮነን።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ምልካዊ ስርዓት እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝገብሮ ኢሰብኣዊ ተግባራት ከይኣኽሎ ድማ ኣብ ዞባና ብሕሱም ትዕቢትን ድርቅናን ፡ ዕሱብ ናይ ካልኦት ሃገራት ኮይኑ መሳርያታትን ካልእ መሳለጥያታት ነቶም ብኣህጉራዊ ማህበረ ሰብ ዝተወገዱ ናይ ራዕዲ ሓይልታት እናዓደለ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ዞባና ከሊኡ ይርከብ።
ነዚ ኩሉ እከይ ተግባራቱ ሓቢኡ ድማ ኣብ ወጻኢ ነቶም ደገፍቱ ዝኾኑ ኤርትራውያን ርድኡንን ሓግዙንን እናበለ ኣብ ዝግዕረሉ ዘሎ ከንቱ ፈተነ ከምኡ እውን፣ ነዚ እኩይ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ፤ ሕብረተሰብ ዓለም ክጉህየሉን፣ ክዛረበሉን ከሎ፣ እቲ መበቈሉ ኤርትራዊ ዝኾነ መብዛሕትኡ ኣብ ወጻኢ ዝቅመጥ፣ ስቅያት ሕዝቡ ርእዩ ከምዘይረኣየ፤ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ፣ ንጨቋኒ ስርዓት ካብ ማዕቀብ ንምድሓን፣ ኣብ ከተማታት ዓለም ዝገብሮ ዘሎ ኣነዋሪን ዘሕፍርን ስላማዊ ሰልፍታት፣ እንርእየሉን እንምስክረሉን፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፣ 400 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጅምላ ኣብ ባሕሪ ክሃልቁ ከለዉ፣ ዘርኣዮ ኢስብኣዊ መልሲ ፡ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ብሓደ ኣረመናዊ ስርዓት ተታሒዛ ከምዘላን ሕዝቢ ኤርትራ ቅልጡፍ ረድኤት ከምዘድልዮ ተገንዚብና።

ኩቡራትን ኩቡራንን!

ሎሚ ነዚ መዓልቲ እዚ ኣብ እንዝክረሉ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርና ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ስርዓት ህግደፍ ዝበሃሉን ዝግለጹ ዘለዉን ገለ ንምርኣይ፤ ብሕቡራት ሃገራት ዓለም ብናይ ባይቶ ጸጥታ ዝሓለፈ ውሳኔ ማዕቀብ ኣብ ግብሪ ክውዕል፣ ከምኡ ድማ ንሕዝቢ ኤርትራ ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ሕዝባዊ ምልዕዓላትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ወፈራን ሓድነት ተቛወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓባር ስራሓት ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖሊቲካውን፣ መራኸቢ ብዙሓን፣ ከምኡ ድማ ሰሚናራትን ኮንፈረንሳትን ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያትን ደሞክራስያዊ ምዕባለን ዝተኻየደ መደባትን ፕሮግራማትን ንግፍዓዊ ስርዓት ህግደፍን ተሓባበርቱን ኣብ ምፍሻሎም ይርከብ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን።

እቲ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ሰልፍታት ሽወደን ብፍላይ ድማ ምስ ሶሽያል ደሞክራሲ ዝተገብረ ዝምድና እውን እናዓበየ ብምኻዱ፣ ዲፕሎማስያዊ ርክባትና ሓያል ጽልዋ እናሕደረ ይኸይድ ኣሎ። ዕላማ ናይ ሓባር ጽላልና ኣብዚ ከይትሓጽረ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዝምድናታትን ርክባትን ክሕይልን ቀጻልነቱ ክሳብ ዝረጋገጽን ከኣ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ኮይኑ ግን ክእለትን ዓቕምን ናይ ኵሎም ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዝሰርሑ ዘለዉ ወገናት ምትሕብባር ዘድልን ብዙሕ ጻዕሪ ድማ ዝሓትት ምዃኑ ከነዘኻኽር ንደሊ።

ክቡራትን ክቡራንን!

ጨቋኒ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ሃገርን ህዝቢን ምጥፋእ ሜላ ልዕሊ ዝኾነ ዘተሓሳስበና ከቢድ ጉዳይ ኢዩ። ምኽንያቱ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን መመላእታ ዝሰርሓሉን ዝቕጽሎ ዘሎን እከይ ተግባራት፤ ንሕና ኤርትራውያን ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን እከይ ተግባራቱ ደው ከነብሎ ዘይምብቃዕና ተውሳኺ ሽግር ኮይኑ ንረኽቦ። ስለዚ እቲ እንኮ ኣማራጺን መፍትሕን ናይዚ ሽግር ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ናይ ዘተ መኣዲ ተጸሚዱ ዘለዎ ዓቕምን ክእለትን ብምውህሃድ ስርዓት ህግደፍ ንምልጋስ ከም እንኮን ቀዳማይ ጉዳዩ ሰሪዑ ብሓባር ክቃለስ ምስ ዝበቅዕ ጥራሕ ኢዩ ህዝብና ካብዚ ሽግር ክገላገል ዝኽእል። ብርግጽ ድማ ነዚ ስርዓት’ዚ ካብ ስልጣን ምልጋስ ንጥቕሚ ኵሉ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ሞንጎና ክህሉ ዝኽእል ባህርያዊ ፍልልያት ብግቡእ ተኣሊዩ ብሓባር ክንለዓልን ክንውደብን ግዜኡ ዝጠልቦ እዋናዊ ሕቶ ምዃኑ ንኹሉ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ሎሚ መዓልቲ ከምዚ ኢልና ኵልና ኣብዚ ከባቢ እንርከብ ፖሊቲካውያንን ሲቪካውያንን ማሕበራት ብሓባር ኮንና መዓልቲ ናጽነት ምኽባርና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጥምረትን ውህደትን ህዝቢ ዘቃላጥፍን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና ናብ ዓወት ገጹ ዘምርሕን ኢዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን፣ ኩሎም ግዱሳት ደለይቲ ለውጥን ኣብ መስርሕ ምጥርናፍ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘሎ ሓጎጽጎጽ ከይሰንበዱ ፡ ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ጐድኒ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ማሕበራትን ተቓወምቲ ውድባትን ብምስላፍ ሓድነቱ ንምርግጋጽን፣ ንምድልዳሉን ዝዓለመ ተበግሶ ብምውሳድ ክደፉኡሉን ክተሓባበሩን በዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ደጊምና ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ድሕሪ ናጽነት ባህግን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣብ ውሽጡን ምስ ጎረባብቱን ብፍቕርን ሰላምን ተኸባቢሩ ዝነብረላ ሃገር ክውንን ኢዩ ኔሩ ሕልሙ፤ ስርዓት ህግደፍ ግን ነቲ ዝነበረ ናይ ብሓባር ተኸባቢርካን ተሳኒኻን ምንባር ኩቡር ባህሊ ፈጺሙ ብምፍራስ ፡ ምስ መብዛሕትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ኩናት ብምጽሕታር ምስ ሓያላን ናይ ዓለም መንግስታት ብምትህልላኽ ኣብ ዳግማይ መስዋእትን ዕንወትን ኣቃሊዑ ንህላዌ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ኣእትዩ ፡ ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኤርትራ ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ፈቖዶ ሃገራት ፋሕ ብትን ከምዝብል ስርሔይ ኢሉ ብመደብ የተግብሮ ኣሎ። ስለ’ዚ ኩሎም ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ማዕርነትን ዝቃለሱ ጥርኑፋት ሓይልታት ይኹኑ ውልቀሰባት ንውዲታት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣምኪኖም ባህግታትን ድሌታትን ህዝብና ህያው ንምግባር ቃልስታቶም ከኻዕብቱን ዕዙዝ ተርኦም ክጻወቱን በዚ ኣጋጣሚ ጻዊዕትና ነቕርብ።

ይኣክል 20 ዓመት ኣብ ባርነት!
እምቢ ንምልኪ እወ ንደሞክራሲ!

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!
ዝኽርን ክብርን ንስዉአትና!

ኣዋሃሃዲት ሽማግለ
ፖለቲካውን ብርገሳውን ማሕበራት ሽወደን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4844

Posted by on May 25 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net