ዕልመናዊ መንግስቲ እንታት ማለት ኢዩ ?

ብፍስሃ ናይር

መንግስትን ሃይማኖትን ክፍለ ኣለዎ፣ ሃይማኖት እምነት እምበር መሳርሒ ናይ ፖሊቲካውያን ከይከውን ምጥንቃቅ ዘድልዮ ሕቶ ቅዋም ኢዩ፣ ዕልመናዊ መንግስቲ ክበሃል ከሎ ፖሊቲካን ሃይማኖትን ፈልዩ ዝርኢ ካብ ሃይማኖት ነጻ ኮይኑ ንመሰል ሃይማኖታት ድማ ዘኽበር ሰርዓተ መንግስቲ ኢዩ።

ሓይልታት ተቃውሞ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሕቶ ሃይማኖትን መንግስትን ብንጹር ኣብ ሰነዳቶም ከስፍርዎ ኣለዎም።

ዕልመና ዝብል ቃል ብቋንቋ ላቲን ”ናይዚ ዓለም ኣነባብራ” ማለት ኢዩ ንሱ ድማ ተጻራሪ ናይ ሃይማኖት ምዃኑ ኢዩ። ከም ልሙድ ዕልመና ኣብ ዝኾነ ፍልስፍና ተመርኲሱ ናቱ ሰነ ምግባር ኣብ ሃይማኖታዊ ኣምር ከይተመርኰሰ ንሰብኣዊ ጥበብን ስነፍልጠትን ዘማዕብል ኣተሓሳስባ ኢዩ።

ብመስረቱ ኣምር ዕልመና ብ 1841 ብ ጆርጅ ያቆብ ሆሊከ ዝተጸንዔ ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ ድማ ጽቡቅ ሰነ ምግባር ኣብ ነጻ ኣተሓሳባ ምዝውታር ማለት ኢዩ ኢሉ ሰመዮ። ሆሊክ ዕልመናን  ኢ- ሃይማኖትን ከምዝዛመዱ ኣይኣመነን እንተኾነ ግን ኣብቲ ግዜቲ ቻርለስ ብራድላፍ ዝበሃል ኢ-ሃይማኖት ቅድሚ ዕልመና ከምዝነበረ ስነ- መጎተኡ የቅርብ። ከም ኣበሃህላ ሆሊክ ዕልመና ብመሰረቱ መምርሒ ናይ ሕይወትካ ካብ ጥዑይ ሰብኣዊ ግምታት ዝምንጩ ናይቶም ንኣምር ተዮሎጂ ከም ዘይእኹልን፣ዘይንጹርን ዘይእመንን ዘይጭቡጥን ገሮም ዝርእዩ ኢዩ ይብል። ናይዚ ኣምር ኣገደስቲ መቆምያታት ድማ፣

  1. ዕብየት ናይ ሕይወትካ ብማተርያላዊ ኣገባብ ምዕዋት
  2. ፍልጠት እቲ ሓደ ተረካቢ ህያብ ምዃኑ ምፍላጥ
  3. ጽቡቅ ምግባር ተደላዪ ምዃኑ ምእማን

 

ካልእ ጽቡቅ ኣሎዶ የለን ዘይኮነ፣ እቲ ሕጂ እትነብሮ ሒይወት ጽቡቅ ምዃኑን ነዚ ጽቡቅዚ ምድላይ ኢዩ ድማ እቲ ዘገድስ፣ ቪርጂሊዩስ ፈርም ዝበሃል ኣብ ናቱ ኤንሳይኮልፐድያ ናይ ሃይማኖት፣ ከምዚ ይብል፣

”ዕልመና  ናይ ዝተፈላለየ ጥቅምታት ማሕበራዊ ሰነ-ምግባር ኣብ ሃይማኖት ከይተጸግዔ ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባን ፍልጠትን ውደባን ተመርኲሱ ንሰብኣዊ ዕብየት ዝእምት ኣምር ኢዩ።”

ብከምዚ ኣገባብ ኣገላልጻ ዕልመና ምስ ዘመናዊ ፍልስፍና ዝተኣሳሰረ ኢዩ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ኢዩ ብዙሓት ሃይማኖታውያን ንዕልማና ዝቃወሙ ትሪኢ፣ እቲ ሓደ ንስብኣዊ ኣተሓሳስባ ዘዕሪ ብናትካ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ስርዓት ምዃኑ ስለዝኣምኑን ውሁብ ገሮም ስለ ዝርእይዎ ኢዩ።

እንተኾነ ግን ዕልመና ከም ሰነ- ሓስብ መንግስትን ሕዝባዊ ቅዋማትን ክገልጽ ከሎ ዕልመና ማለት ብባሕርዩ  ሃይማኖታውን ጉጅላውን ሓሳባት ዘየንጸባርቅ ኮይኑ፣ ብንጹር ኣገላልጻ ሃይማኖት ካብ መንግስቲ ምፍላይ ማለት ኢዩ።

አብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ሕዝባዊ መንግስቲ ክትከል ከምዘይከኣል ኩሎም ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ይኣምኑን ይፈልጡን ኢዮም። ዕልመና ንኩሉ እምነታት ብማዕረ የኽብሮምን መስሎም ይሕልወሎምን፣ ዕልመናዊ መንግስቲ ማለት ጽንሰ-ሓሳብ ናይ ዕልመና ኮይኑ ሃገር ወይ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ እምነታት ኢዳ ከይተእቱን ወይ ድማ ነቲ ሓድ እምነት ክትድግፍ ነቲ ካልእ ድማ ክትቃውም መሰል የብላን፣  ዕልመናዊ መንግስቲ ንኩሎም ዘጋታቱ እምነቶም ብዘየገድስ ማዕር ሓልዮት ይገብረሎም፣ ናይ ሓደ ሃይማኖት ኣማኒ ፍሉይ ናይ በይኑ ሓልዮት ኣይህብን፣ እታ ሃገር ናይ መንግስቲ ዕላዊ ሃይማኖት የብላን።

ዕልመናዊ መንግስቲ ናጽነትን መሰልን እምነታት ዘኽበር ድኣ እምበር ኣንጻር መሰል እምነታት ኣይኮነን እዚ ድማ ካብቲ ፍልስፍና ናይ ደሳዊ ስርዓታት ዝፈልዮ። ዕልመናዊ መንግስቲ ንሃይማኖታት ኣብ ፖሊቲካዊ ጉዳይ ኢዶም ከየትዉ ይከላኸል፣ ኣብ ፖሊቲካዊ ስልጣን ወይ ድማ ፖሊቲካዊ ስራሓት ከይጽንበሩ ይከላኸል፣ ሕግታት ናይ እምነታት መሰላት ዝሕለወሉን፣ነፍስ ወከፍ ዜጋ ብእምነቱ ክንጸል የብሉን መሰሉ ዝተሓለወ ይኸውን።

ዕልመናዊ መንግስቲ ጸረ -ሃይማኖት ኣይኮነን፣ ገለ ኣመንቲ ሃይማኖታት ንዕልመናዊ መንግስቲ ከም ደሳዊ ስርዓታት ዝርእይዎ ኣለዉ እዚ ግን ጊጉይ ኣረዳድኣ ኢዩ፣

ኤርትራ ናይ ብዙሃን ሃይማኖታት ዘለዋ ሃገር ኢያ፣ ዕላዊ ሃይማኖት መንግስቲ ኢስላምን ክርስትናን ኢዩ ክትብል ወይ ድማ ኢስላም ወይ ክርስትያን ክትብል ኣይከኣልን፣ ኣብ ኤርትራ ዕላዊ ሃይማኖት መንግስቲ እዚ ኢዩ ክትብል ወድዓዊ ኣይኮነን። ኣብተን ሰልጡናትን ደሞክራስያውን ሃገራት ዕልመናዊ ስርዓታት ኣብ ግዜ ሕዝባዊ ናዕብታት ጸረ – ንጉሳዊ ስርዓታት ኣብ ሃይማኖታት ተመርኲሱ ክምዝምዝ ዝጸንሔ መንግስታት ምስ ወደቀ ትኣታትዩ፣ ኣብ ኤርትራ እውን ኣብዚ ግዜዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖታት ኢዱ ከየቱ፣ ኩሎም እምነታት ድማ ብማዕረ ክረኣያ ካብ ብሎሚ እተን ንደምክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሳ፣ ሃይማኖት ካብ ፖሊቲካ ፈልየን ኣነጺረን ንሕዝበን ከፍልጣ ኣለወን።

እተን ኣርባዕተ ሰነዳት ብኮሚስዮን ቀረበን ዘለዋ ብዛዕባ ፍልልይ እምነትን ዕልመናዊ መንግስትን ንሕዝቢ ብንጹር ክገልጽ እዋኑ ኢዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5075

Posted by on Jun 14 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net