ደሞክራስያዊ ዘይምእኩል ምሕደራ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ

ብፍስሃ ናይር

አብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ኣቋቁማ ኣወድድባን መንግስታት ኣብ ዓለም ብፍላይ እተን ብብዝሓ ባህልን ቋንቋን ሃይማኖትን ሕዝብታት ዝነብሩለን ሃገራት ብሰላምን ማዕርነትን ብሓንሳብ ክነብራ ምቋም መንግስቲ እቲ ዝለዓለ ሃገራዊ ውደባ ስለዝኾነ ኩለን ብሔራት ኣብ ውሳነታት ሃገራውን፣ ኣውራጃውን ቦታውን ማዛጋጃውን ብዝተዛመደ ምስዝሳተፋ እቲ ፍልልያት እናተቃረበ ይኸይድ፣ብሓጺሩ ውሽጣዊ ግርጭታት እናሃድኤ ይኸይድ እዚ ድማ ብተመክሮታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝምስከር ኢዩ።

ኣቀዲመ ብዛዕባ ምእኩል ምሕደራን፣ ምምሕዳራዊ ዘይምእኩል ክገልጽ ክፍትን ኢየ፣

Centalisation /ምእኩል ምሕደራ- ኩሉ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ላዕሊ ይውሰን፣ እቲ ሕዝቢ ብላዕሊ ዝተውሰነ ኣብ ግብሪ ከውዕል ይግደድ፣ ኣብቲ መዓልታዊ ኣነባብራኡ ናይ ምውሳን ዕድል የብሉን፣ እዚ ምሕደራ እዚ ከይዱ ከይዱ እቲ ስልጣን ኣብ ኢድ ውሑዳት ይኸውን ኣብ መጨረሽታ ድማ ኣብ ምልካውነት የምርሕ ሰዒቡ ድማ ነታ ሃገር ኣብ ሁከት የእትዋ።

Administrative Decentralisation/ ምምሕዳራዊ ዘይምእኩል ዝበሃል ውሳነታት ብላዕሊ ናብቶም ታሕተዎት ክፋላት መንግስቲ ይምደብ፣ እቶም ነዚ ውሳነታት ዝቅበሉ ተሓተቲ በቶም ላዕለዎት ይኾኑ፣ እቲ ላዕላዋይ ስልጣን መንግስቲ ነዚ ቢሩክራስያዊ ቅርጻ ኣብ ዝኾነ ግዜ ከልዕሎ ይኽእል፡፤ ከምዚ ዓይነት ኣመሓዳድራ ኣብተን ሓውሲ ደሞክራስያ ዝኾና ብሓደ ሰልፊ ዝውነን መንግስታት ዝርኤ ከይዱ ከይዱ ኣብ ውሽጣዊ ግርጭታትን ሁከትን ዝመርሕ ከም ኣብ ግብጽን ቱኒዝያን ዝጸንሔ መንግስትታት ኢዩ።

Democratic Decentralisation

 

ደሞክራስያዊ ዘይምእኩል ማለት ስልጣን ናብቶም ብሕዝቢ ዝተመርጹ ምትሕልላፍን ዝዓበየ ስልጣን ጉዳያቶም ኣብታ ዝቅመጡላ ቦታ ባዕላቶም ዘማሃድሩሉን ኣብ ቅዋም ብምስፋር፣ እቶም ዝተመርጹ ብሕዝቢ ተሓተቲ ይኾኑ። እምበኣር ድሕሪ ሓጺር ትርጉም ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝገልጽክዎ ቀጺለ ኣብቲ ቀንዲ ሓተታ ናይ ሎሚ ብዓቅመይ ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

ደሞክራስያዊ ዘይምእኩል ምሕደራ መንግስቲ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ

 ኣብ ሰነዳት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዋዕላ እዚ ዓንቀጽ ስፊሩ ይርከብ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ንድፍታት ኮሚስዮን ንደምክራስያዊ ለውጢ ኣብቲ ሃገራዊ ቻርተር ኣሎ፣ ስለምንታይን ንምንታይን ኢዩ ከምዚ ዓይነት ምሕደራ የድልያ ንኤርትራ ዝበልና ናይ ግድን ክበርህ ኣለዎ፡፤

መጀመርያ ዘይምእኩል ምሕደራ ንመንግስቲ ምስ ሕዝቢ ብቀረባ ዘራኽብን ዘሳትፍን ንውሳነታት መንግስቲ ጽልዋ ከምዘሕድሩን ዝገብር ስልጣን ኣብ ሕዝቢ ዘመቃርሕን፣ ነቲ ፖሊቲካዊ መስርሕ ድማ ዝያዳ  ጭቡጥን ግብራውን ኮይኑ ግሉጽነትን ውሕስነትን ዝኸፍት ምሕደራ መንግስቲ ኢዩ። ዘይምእኩል ምሕደራ ነቲ ብዉሑዳት ፈሊጣውያን ዝውነን ምእኩል ምሕደራ ዝቃወም፣ ነቶም ንመሰሎም ዝቃለሱ ውሑዳት ብሄራትን ብሄረሰባትን ፖሊቲካዊ ስልጣን ዝህብን፣ ንውሽጣዊ ግርጭታት ዘህድእ፣ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ መንጎ ሕዝብታት እታ ሃገር ዘስስን ስርዓት ምሕደራ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣመሓዳድራ ሎሚ ከም ፍታሕ ናይ ውሽጣዊ ግርጭታት ናይተን ብብዝሓ ብሄራት ዝቆማ ሃገራት እቶም ንሕና ኢና ብዙሓት እናበሉ ነቶም ውሑዳት ከይውጹዑን ከይፈልዩን ብብዙሓት ተመራመርቲ ዝተመስከረ ኣምር ኢዩ።( Lijphart, 1977, World Bank 1997, Grindle, 2000, Hadenius, 2001)

ዘይምኩልነት ንተሳታፍነትን ምኽትታልን ናይቲ ዝተፈላለየ መንግስታዊ ክፋላት( State, Provinces, Local/ villages and Municiplaities) ዘማዕብልን ዘማሓይሽን ንኩሉ ዜጋ ዘሳትፍ፣ ብኣሳላጢ ኣስራርሓኡ ድማ ንጹር ደሞክራስያዊ ብልጫታት ዘለዎ ስርዓት ምሕደራ ኢዩ። ከምዝፍለጥ ኣብተን ዝምዕብላ ሃገራት ስሉስ ዓለም እቲ ሓቀኛ ዓቅምታት ኣብ ህዝባዊ ምሕደራ ድኹም ኢዩ፣ በቲ ምእኩል ምሕደሮኦም ኩሉግዜ ብብዝሒ ሰብ ዝልለ ብግብሪ ግን ዘይሰርሕ መንግስቲ ከምቲ ገለ ተመራመርቲ ኣፍሪቃ ዝብልዎ፣ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሃገራት እቲ መንግስቲ ከም ኣብ ሰማይ ዘንጠልጥል ምስ ሕዝቡ ምንም ርክብ ዘይብሉ፣ ንዜጋታቱ ምንም ዋጋ ዘይህብ፣ ብህዝቢ ክሕተት ዘየፍቅድ፣ ንሕዝቢ ከም ኣገልግልቱን ገሩ ዝርኢ ኣቋም መንግስታት ኢዩ ዘሎ ይብሉ፣ እዚ ድማ ሓቂ ኢዩ ከምቲ ንሕና ኤርትራውያን ንርእዮን፣ ንምስከሮን ዘሎና ኢዩ።

መንግስታዊ ኣካላት መታን ተቀባልነት ናይ ሕዝቡ ክረክብ ተሳታፍነት ናይ ዜጋቱት ኣብ ውሳነታቱ ከተኣታቱ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንዓቅምታት መንግስታዊ ምሕደራ የደልድል፣( Bhattacharyya; 1994) ዘይምእኩል ምሕደራ ስልጣን ናብቶም ነበርቲ ከባቢ ንመንነቶምን ልምድታቶም ብዝያዳ ስለዝፈጥዎ ብኦም ክመሓደር ይመርጽ ክንዲ ካብ ላዕሊ ዝመጹ ሰብ ሙያ ዘማሓድሮም፣ እቶም ወሰንቲ ተቀማጦ እቲ ኣከባቢ ክኾኑ ኣለዎም ምክንያቱ ጸገማቶም ባዕላቶም ክፈትሑ ይሓይሽ፣( Ostrom, 1990)

ብተወሳኺ ዘይምእኩልነት ናይ ስራሕ ኣሳልጦ የዕዝዝ፣ ንቅዋማዊ ኣሰራርሓ ድማ ብዝለዓለ ደረጃ የገልግል፣ ንዝተፈላላዩ ተበግሶታት ዕድል ዝኸፍት ሰርዓት ምሕደራ ኢዩ፣ በዚ ምክንያትዚ ድማ ኢዩ ብገለ ተመራመርቲ ከም ነጻ ዕዳጋ ዝግለጽ።( Oates, 1999, Manor, 2000)

ካብዚ ጠመተ እዚ ድማ ኢዩ ደሞክራስያዊ ዘይምኩልነት ኣብዚ ግዜዚ ኣብ መንግስታዊ ኣወዳድባ ዝድለ፣ብሓቂ መድሃኒት ናይ ዝምዕብላ ሃገራት እንተተባህለ እውን ምግናን ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ኤርትራ ድሕር ምውዳቅ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ዝትከል መንግስታዊ ቅርጻ ደሞክራስያዊ ዘይምእኩል ምሕደራ ኮይኑ ንስልጣን ብማዕረ ዘዕድልን ንመንግስቲ ኣብ ደረጃታት ብምምቃል፣ ነፍሰ ወከፍ ደረጃ መንግስቲ ነብሶም ከማሓድሩን ናይ ቦታዊ ምንጭታቶም ከማዕብሉን፣ ቅዋም ብዘፍቅዶ መገዲ ድማ ተጠቀምቲ ናይ ቦቶኦም ክውንኑን ኣብቲ ሃገራዊ ልምዓት ድማ ብማዕረ ምስቶም ካልኦት ክካፈሉን ዕድል ዝህብ ቅርጻ መንግስትን ሃገርን ክምስረት ካብ ብሕጂ ክጽናዕ ዘለዎ ቅዋማዊ ሕቶ ኢዩ።

ኮሚስዮን ነዚ ጉዳይ እዚ ብተማዊ ዎርክሾፕ ገሩ ንተመራመርቲ ቅዋም ብምዕዳም ኣብ ሕዝባዊ ሲምፖሱዩማት ኣውሪዱ ከካትዕን ብመራከቢ ብዙሃን ገሩ ድማ ናብ ሕዝቢ ክዝርግሕ ኣለዎ መታን ኣፍልጦ ሕዝቢ ብዛዕባ መንግስትን ኣወዳደቡን ብቅዋም ደረጃ ክፈልጥ።

References

  1. Lijphart, A, 1977 , Democracy in plural Societies, Yale University Press.
  2. Manor, J. 1997, The political economy of decentralisation, Woking paper.
  3. Crook, R, and J. Manor. 1998, Democracy and Decentralisation in South Asia, and West Africa; participation, accountability and performance, Cambridge University press, Cambridge.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5114

Posted by on Jun 17 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net