ዘተን ተሳትፎ ሕዝብን – መሳለጥያታት ደሞክራስያዊ መስርሕ

ብፍስሃ ናይር

ዘተ እቲ ቀንዲ መሳርሒ ኩሎም ተዋሳእቲ ንደምክራስያዊ ለውጢ ብሓንሳብ ሓቢሮም ነቲ ህልዊ ሕጽረታትን ዕድላትን ዝመያየጡሉ ከምኡ ድማ ነዚ ሕቶታትዚከመይ ገሮም ከምዝገጥምዎም ስትራተጂ ንምውጻእ ዝሕግዞም መገዲ ኢዩ። ዘተ ዕዉት መታን ክኸውን ኣብ ሓቀኛ መትከላት ዝተመስረተ ኮይኑ ነቲ ልዝብ መምርሕን ቅርጻን ይህብ።

ኣብዚ ሓተታዚ ከመይ ገርካ ሓደ ቅጠዓዊ ጽንሰ-ሓሳብ ንትግባረ ዘተ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምርማር ኣድላይነቱን ጥቅሙን ነቲ መሪሕ መትከላት ከም መንጸፍ ገርካ ዘተ ከመይ ገሩ መሳርሒ ደሞክራስያ ክኸውን ይኸእል ብዝብል ብዓቅመይ ክገልጽ ክፍትን ኢየ። መጀርያ ግን ዘተ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ? ዘተ ማለት ሓስባትካ ብነጻ ምግላጽ ማለት ኢዩ። ልምምድ ዘተ ናይ ሓደ ጉዳይ ሓቀኛ ትርጉሙን ጥቅሙን ንምፍላጥ ይሕግዘና፣ ብዘተ እቲ ባሕርያዊ ኣእምሮና ነፍሱ ክፍልጥ የኽእሎ፣ ስብኣውነትና ንነፍሱ ናይ ምፍላጥ ኣኽእሎ ኣለዎ፣ ዘተ ንዝተፈላለየ ጥቅምታት ዘለዎም ሰባት ንግርጭታቶም ብስላም ንምፍታሕ ዕድል ይህቦም፣ዘተ ንብዙሓዊ ኣተሓሳስባን ርእይቶታትን ዘተባብዕ እምበር ዝነጽግ ኣይኮነን።

ኣብ ዘተ ክትቀርብ ከሎኻ ቅደመ ኩነታት ኣይተቀርብን ኢኻ እዚ ኢዩ ድማ ንዘተ ካብ መደረ ዝፈልዮ፣ ኣብ መደረ ንርእይቶኻ ተቀባልነት ክትረክብ ብዝከኣለካ መጠን ንተቃዋሚ ሓሳባት ከተሽንፍ ትጽዕር፣ ኤርትራውያን ንዘተን መደረን ስለዝሓዋውስዎ ክሳብ ሎሚ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ክበጽሑ ኣይከኣሉን ኣለዉ። ኣብዚ ዓንቀጽዚ ነዚ ክልተ ዝተፈላላየ ሓሳባት ንምንጻር ክትንትን ክፍትን ኢየ።

አብ ትግባረ ዘተ ናይ ሓደ ወይ ናይ ገሊኣቶም ርእይቶን እምነታትን ኣብ ልዕሊ ናይቶም ካልኦት ቀዳምነት ክዋሃቦ የብሉን እዚ ማለት ኣብ ማዕረ ዝኾነ ባይታ ይካየድ፣ ኣብ ኤርትራውያን እዚ ልምዲ እዚ ሰለዘየሎ እቲ ዝካየድ ብቅደመ ኩነታት ሰለ ዝካየድ ነዊሕ ከይከደ ይፈሽል፣ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ብዋጋ ናይ ካልኦት ክድለ የብሉን፣ ንዘተ ከም ንጸገማት ንምፍታሕ ክትጥቀሞ ከሎኻ፣ዝኾነ ኣካል ናይታ ሃገር ውድብ ድዩ ስርዓት ምሕደራ፣ ምሉእ ኣፍልጦ ናይታ ሃገር ሕዝብን፣ ኩነታቱን ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ቀጺልካ ድማ መሃዚ ዝኾነ አተሓሳስባን ውደባን ናብ መጻኢ ኣዕጋቢ ኣሰራርሓ ዝምርሕ ምስ እትፈጥር ኢዩ፣ እዚ መስርሕዚ መስርሕ ንንሕድሕድካ ትኹንነሉን ትፈርደሉን መስርሕ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ናይ እሂን ምሂን ናይ ጽን ኢልካ ምስማዕን መድረኽ ኮይኑ ሰፊሕ ኣፍልጦን ተረድኦን ናይቲ ዝተፈልለየ ሕዝብታት ኤርትራ እንታይ ኢዩ ጠለባቱን ደልየቱን ምልላይ ኢዩ። እዚ ምስ ኣለልኻ ኢዩ ናብ ቅድሚት ገጽካ ንሽግራትካ እናፍታሕካ ትስጉም።

አብ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ እቶም ተዋሳእቲ ኣብ ነንሕድሕዶም ምንእኣስን ምቁንጻብን፣ ምፍርራድን ምኹናን ይርከቡ ኣለዉ፣ ኣብ ከምዚ ሃለዋት ኣብ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ብዛዕባ ኣቀላልሳ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓትን ሕንጸት ደሞክራስያ ድሕሪ ውድቀት መላኺ ሰርዓት ንጹር ራእይ የብሎምን።

አብ ደንበ ተቃውሞ ገለ ንጽገና ገለ ድማ ንመስረታዊ ለውጢ ስለዝቃለሱ ከምዘለዉ በቲ ዝካየድ ዘሎ ተረኽቦታት ብሩህ ኢዩ፣ ንጽገና ዝቃለሱ ኣስፊሖም እቲ ጽገናታት እንታይ ምዃኑ ኣይገልጹን፣ሓደ ካብ 40 ዓመታት ዝጸንሔ ምልካውነትክ ክጽገን ይከኣልዶ? ኣብ ዓለም ብጽገና ዝተኣረሙ ውልቀ መለኽቲ ኣለዉዶ? እቶም ንጽገና ዝማጐቱ እንታይ ክሰርሕ ዝጸንሔ ቅዋማትን መንግስታዊ ትካላትን ክጽግኑ ኢዮም ዝደልዩ ከረድኡና ይኸእሉዶ?

ኣብ ኤርትራ ብመሰረቱ ድሕሪ ናጽነት ይኹን ቅድሚኡ ብዛዕባ ኣቋቁማ መንግስትን ሃገርን ናይ ሓባር ኣረዳድኣን ናይ ሕዝቢ ድልየታትን ትጽቢታትን ዝተኻየድ ሕዝባዊ ዋዕላ ኣይነበረን ኣይተኻየደን፣ ቅዋም ኣሎና ክትብል ክሰርሕ ዝጸንሔ ክኸውን ኣለዎ እምበር ኣብ ወረቀት ኣሎና ምባል እኹል ኣይኮነን።

ጸገንቲ ሓይልታት ንምልካዊ ስርዓት ምውዳቁ ብሰላም እንተዘኮይኑ ብካልእ ወስ ከይትብሉ እናበሉ ነቶም መሰረታዊ ለውጢ ዝደልዩ ይኹንኑ፣ ጽንሕ ኢሎም ድማ ንመሰረታዊ ለውጢ ንዝደልዩ ወገናውያን ሃይማኖታውያን እናበሉ ይኸሱን የዋርዱን፣ ብካልእ ሽነኽ ድማ ብዘይካኦም ለውጢ ከምዘይመጽእ የረጋግጹ፣

ነቲ ብ 1997 ብህግድፍ ዝተነድፈን ብሓልዮት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝተፈቅደን ቅዋም ድማ ብሓይሊ ፍተዉ ጽልኡ ተቀበልዎ ይብሉ ኣለዉ፣ እሞ እዚ ድኣ ከመይ ገሩ ኣብ ዘተ ከብጻሓና ይኽእል?

እቲ ዘገርም እቲ ቅድሚ ዓመታት ሱር- ነቀል ክብል ዝጸንሔ ተሓኤ-ስባ እውን ሎሚ ተጸንቢርዎም ይርከብ። እቲ ዘገርም እዞም በዚ ንሕና ኢና ደሞክራስያውያን ንሕና ኣብ ዘተ ንኣምን፣ ንሕና ኢና ሊበራላውያን እናበሉ ብተግባር ግን ኣንጻሩ ዝሰርሑ እንታይ ክንብሎም ንኽእል?

ፍተዉ- ጽልኡ ኣባሃህላ ናይ ደሞክራስያ ኣዘራርባ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ናይ ሓይሊ ኢዩ፣ እዞም ሰባትዚኦም ገና ኣብ ናይ ቀደም ኣተሓሳስባ ስለ ዘለዉ ሒዞም ዘለዉ መገዲ ባዕሉ ኣብ ደልሃመት ከውድቆም ኢዩ፣

ኣብ ዓለምና ሎሚ ሃያል ዘሎ ጽባሕ ድኹም ክኸውን ይኽእል፣ ሎሚ ሃብታም ዘሎ ጽባሕ ክደኪ ይኽእል እዚ ድማ ብታሪኽ ሕዝብታት ዓለም ዝተራእየን ዝተመስከረን እዩ፣ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ፖሊቲካ ናይ ጃህራን ሓሶትን ብፍጹም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣይሰርሕን፣ከምቲ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ደጋጊሙ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጽታትን ቃልው-መሕትትን ዝብሎ ሕዝቢ ኤርትራ ዝተፈላለየ ስለዝኾነ ብሓይሊ ክትሕዞ ኣሎካን ጸገንቲ ሓልታት ኣብ ደንበ ተቃውሞን ዝብልዎ ዳርጋ ሓደ ኢዩ፣

ጥቅሲ ”ሱር – ነቀል ለውጢ” ካብ ስዉእ ስዩም ዑቁባሚካኤል ኣቦ ወንበር ተሓኤ-ስባ ነበር ኣብቶም ንመሰረታዊ ለውጢ ዝደልዩ ከም ኣብ መሰረታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ- ክፋል ተሓኤ-ሰባ ከምኡ እውን ኣብ ኩሎም መስረታት ተቃወምቲ ፖሊቲካዊ ውድባትን መስረታት ብርግሳዊ ማሕበራትን ሕያው ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

መንቀልታት  ሱር-ነቀል እንታይ ኢዩ

መንቀልታት ሱር-ነቀል ለውጥታት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ክጽገን ዘይከኣል ስርዓት ምዃኑ ዘረጋገጸ ብሂል ኢዩ፣ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሕገ-ኣልቦነት፣ ዘይቅሳነት ኣብ ውሽጥን ደገን፣ ዝዓነው ማሕበረ-ሰብ፣ ዝፈርስ ዘሎ ዓድታት፣ ዝሓልቅ ዘሎ ወገናት ሕዝብና፣ ዝህደን ዘሎ መንእሰያትና፣ንኤርትራ ህዝባን መረታን እናሽጠ፣ ንሕዝቢ ከም ባርያታቱ ዝገዝእን፣ ዝፈርድን ዝቀትልን እንታ እንኮ ፍታሕ ምስዚ ስርዓት ሱር መሰረቱ ደምሲስካ ኣብ ዑናኡ ንሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ሕግን- ደሞክራስያን ሰር ዓት ምምላስ ኢዩ፣ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ክእለ ዓለም ብዓለሙ ዝምስክር ዘሎ እዞም ሎሚ ጽገና ዝብሉ ዘለዉሲ ንሓደ ገበነኛ ሰርዓትሲ ኣብ ክንዲ ሕዝቢ ኤርትራ ኮይኖም እቲ ንሱ ዝፈጸሞ ገበናት ምሕሪናዮ ክብልዎድዮም?

ኦ ጸገንቲ ሓይልታት! እንተድኣ እዚ ስርዓትዚ ብጽገና ኢዩ ትብሉ ኾንኩም እንታይ ኣብ ደገ ኣስፈረኩም? ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ኣቲኹም ቅዋም ኣብ ግብሪ ይውዓል ዘይትብሉ፣ ሕቶኩም ቅዋም ጥራሕ እንተ ድኣ ኮይኑ።

ሕቶ ሱር -ነቀል ለውጢ ዝደልዩ ግን ሕቶኦም ኩሉንትናዊ ኢዩ፣ እዚ ማለት ድማ እቲ ናይ ለውጢ መስርሕ መጀመርያ ምልጋስ ውልቀ -መላኺ ስርዓትን፣ ኩሉ ናይ ገበናት ትካላቱን መስርሕታቱን ኣልጊስካ ነቶም ገበን ዝፈጸሙ ኣብ ህዝባዊ ፍርዲ ምቅራቦም ኮይኑ እቲ ካል ኣይ ድማ ካብ ብሕጂ ተቃውምቲ ተመሲሎም ነቲ ደሞክራስያዊ መስርሕ ክጥምዝዙ ዝደልዩ ሓይልታት ብኣጉ ምልላዮምን፣ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ምክሽሖምን ምክንያቱ ናብ ካልኣይ ግዜ ናብ ሓዲሽ ምልካውነት ከይመልሱና፣እቲ ሓደገኛ ድማ ንሱ ኢዩ፣ መስርሕ ንደሞክራያዊ ለውጢ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን ናይቶም ሓቀኛ ለውጢ ዘይደልዩ ጐሊሁ ይርኤ ኣሎ፣  እዚ ድማ ኣብ ዝመጽእ ለውጢ ነብሰ- ምትእምማን፣ ምስኣንን ፍርሓትን ሰለዘሎ ኢዩ፣ እቶም ኩል/ግዜ ኣብ ነብሶም ዘይተኣማመኑ ኣብ ፍርሓት ዝተዋሕጡ መራሕቲ ደምክራስያዊ ለውጢ ክኾኑ ኣይበቀዑን ኢዮም።

ሎሚ ደንበ ተቃውሞ ንደምክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዓበይቲ ብድሆታትን ፈተነታትን ይርከብ ኣሎ፣ እቲ ብድሆታት ካብ ውሽጡን ደገን ኢዮም፣ እቲ ብውሽጡ ዝርኤ ካብቲ ክልተ ኣራእያታት ዝመጽእ- ጽገናዊ ኣራኣእያን፣ ሰዓብቱን፣ እቲ ሓደ ድማ ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ህግድፍ ኢያቶም፣ ደንበ ተቃውሞ ብዘተ ኣብ ሃገራዊ ሓድነት ገጹ ክሰርሕ ከሎ ኣብ ውሽጢ እቶም ተዋሳእቲ ብፍላይ እቶም ኣካየድቲ ንዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምትዕንቃፍ ኣብ መስረታዊ ዘይኮነ ትንትናታት ኣትዮም ጽባሕከም መህደሚ ክጥቀሙሉ ዝጓየዩ ሓይልታት ኣለዉ፣ ኣተሓሳስቦኦም ድማ ናይ ቀደም ናይ ኣርባዓታት ኢዩ፣ እቲ ዘገርም ከኣ እቶም ንሕና ኢና ምሁራት ንሕና ናይ ኤርትራ ጋሊልዮን ኮፐርኒኩስን ዝብሉ ናይ ሓሶት መማህራን ኢዮም፣ ፖሊቲካዊ ሰነ-ፍልጠት እኳ ናይ ዲግሪ ኣሎኒ ዘይኮነስ ጠለባትን ድልየትን ሕዝብኻ ከመይ ተማልእ ኢዩ።

ዘተ ንሓስባትካ ንምፍሳስ ናይ ካልኦት ሓሳባት ጽን ኢልካ ምስማዕ ድሕሪኡ ብብቅሩብ ኣብ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ንምብጻሕ እትጥቀሞ ደሞክራስያዊ ዓውዲ እምበር ናይ ምክሳስን ምፍርራድን ኣይኮነን።

አቱም ምሁራትና እቲ ንስኻትኩም ተንብብዎ ዘሎኹም መጻሕፍቲ ናይ ደሞክራስያዊ ብእንታይ ቋንቋ ዝተጻሕፈ ኢዩ፣ እንተ በቲ ሎሚ ቋንቋ ዓለም ኮይኑ ዘሎ እንግሊዘኛ ኮይኑ፣ ብዘይኻኹም ቋንቋ እንግሊዝ ዝኽእል ኣብ ኤርትራ የለን ዲኹም ትብሉና ዘሎኹም፣ ቀደም እውን ግዜ ሃይለስላስ ብዘይካና ኣምሓርኛ ዝኽእላ የላን ትብሉና ነርኩም ውጺኢቱ ድማ ርኢኹሞ።

ግድፉ እባ ነዛ ፖሊቲካ ናይ ጃህራን ትዕቢትን፣ እዚ ኣተሓሳስ እዚ ንሕዝቢ ብሓንሳብ ብሰላም ከነብር ኣይኸእልን ዎ ንርዮ ኣሎና ኩነታት ሕዝብና ኣብ ትሕቲ ናይ ጃህራን ትዕቢትን ኣመራርሓ ይሳቀ ኣሎ፡ ነዚ ንክቅጽል ዝግበር ዘሎ እከይ ተግባራት ኣብ ደንበ ተቃውሞ ብሕጂ ክእለ ኣለዎ።

ዘተ ንተሳትፎ ሕዝቢ ከምዘዕዝዝ ብቀረባ እቲ ዓሚ 2010 ኣብ አዲስ ኣባባ ዝተኻየደን ውጺኢታቱን ቀጺሉ ድማ እቲ ሕጂ ዝካየድ ዝሎ ንጥፈታት ኮሚስዮን ጭቡጥ ምስክራት ናይ ዘተ ኢዩ ስለ ዝኮነ ድማ ኢዩ ከም ባህጊ ሕዝብታት ንደምክራስዊ ለውጢ ከም መሳርሒ ኮይኑ ዝውሰድ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5278

Posted by on Jul 4 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net