ደምዳሚ መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ

ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ  ካብ ዕለት 30 ሰነ ክሳብ 5 ሓምለ 2011 ኣብ ዘሰላሰሎ 2ይ ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ኣብ ህልዊ ዓለማዊ፣ ከባብያዊ፣ ሃገራዊ፣ ውድባዊ፣ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሕቶ ብሄራትን ብሄረ ሰባትን ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርና ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣመልኪቱ ብሰፊሑ ተመያይጡ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላልፉን።

ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ  ዞባዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ፡ ዞባና ኣብ ገለ ሃገራት ተስፋ ዝንበረሉ ናይ ሰላም ደሞክራስን ቁጠባዊ ዕቤትን መሰረት ዝተነጽፈሉ ኩነታት’ኳ እንተሃለወ ብሓፈሻ ግን ፖለቲካውን ጸጥታውን ዘይምርግጋእ ዝረሓቖ፡ ዓሚቕ ቁጠባዊ ድኽነት ዝሰፈኖ ሃዋህው ከም ዘሎ፡ መዚኑ። ጠንቂ ናይ’ዚ ድማ ውልቃውን ጉጅላውን ጠቕሞም ቅድሚት ዝሰርዑ፡ ከም መንግስቲ ህግደፍን ዝኣመሰሉ መለኽቲ መንግስታት  ዘሳውርዎ ጽልእን ኲናት ከም ዝኾነ፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ህዝብታት ናይ’ዚ ዞባዊ ንከቢድ ሓደጋ ተሳጢሖም ከም ዝርከቡን መዚኑ። ውጹዓት ህዝብታት ብዘይካ ፈተውቶምን ጸላእቶምን ኣለልዮም ዘካይድዎ ዝተወደበ ቃልሲ ካብ መቑሕ መለኽቲ ክወጹ ከም ዘይክእሉ፡ ኣብ ሽሾ ሰራዊትን ኩምራ ኣጽዋርን ዝተኣማመኑ  ውሑዳት መለኽቲ ክዓግትዎ ከም ዘይኽእሉ፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ህዝባዊ ተቓውሞታት ጭቡጥ መርኣያ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ ካብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ከይወጸ ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ኣሕዋት ንነዊሕ ግዜ ክካየድ ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ፡ መንግስቲ ሰሜን ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብመሰረት ኣብ ኬኒያ ኒፋሻ ብ2005 ዝበጽሕዎ ስምምዕ ኣብ ጥሪ 2011 ህዝበ ውሳነ ኣካይዶም ውጽኢቱ ብጸጋ ምቕባሎምን ንሰላምን ምርግጋእን ዞባና ብሓፈሻ፡  ነቶም ንነዊሕ ዓመታት በቲ ሃልሃልታ ሓዊ ክልብለቡ ዝጸንሑ ህዝብታት ሰሜንን ደቡብን ድማ ብፍላይ ዘለዎ ትርጉም ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ኣመጒሱ። ንቕድሚት’ውን  ንዘሰሓሕብዎም ጉዳያት ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ክፈትሕዎ  ጸዊዑ።

ጀጋኒ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ማእከላይ መሪሕነት ደምክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪቱ ኣብ ዝረኣየሉ ድማ፡ ዋላ’ኳ መንግስቲ ህግደፍ ሓቂ ብሓሶት ቀቢሩ፡ ሓላዪ ህዝብን ተኸላኻሊ ሃገርን ንምምሳል ከደናግር ይኽእል’ዩ ዝበሎ ሜላታት ኩሉ ተጠቒሙ ክሳብ ነቲ ኣብ ልዕሊቶም ወሰንቲ ኣካላት ጥራሕ ዘነጻጸረ እገዳ  ባይቶ ጸጥታ ንምቅዋም ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ናይ ፌርማ ምትእኽካብ የካይድ ኳ እንተሃለወ፡  ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ’ዚ 20 ዓመታት  ዘሕልፍዎ ዘለው ሂወትን ግን፡ ኣይኮነን ምስ’ቲ ዝኸፈልዎ ከቢድ ዋጋ ዝዳረግ ሞሳ ክረኽቡ፡ ኣብ ሕሉፍ ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ’ውን ዘየጋጠሞም ሕሰም ይሪኡ ከም ዘለው ተመልኪቱ፡ እዚ ንህዝብታት ኤርትራን ዞባናን ዝሕምስ ዘሎ መንግስታዊ ግብረ ሽበራዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊኡ ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣግአዳ ተሪሩ ኽቅጽልን ተግባራዊ ክኽውንን ንባይቶ ጸጥታ ኣማሕጺኑ። ጃንዳዊ ውዲታዊ መሪሕነት ህግደፍ፡ ትምክሕታዊ ባህሪኡ ብዝዓደሎ ክኽተሎ ብዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ፖሊሲ ካብ ህዝብታት ኤርትራ እምነት ስኢኑ፡ ካብ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተነጺሉ፡ ማይ-ቤቱ ተነቓኒቑ ኣብ ናይ ስልጣን ዓራርቦ ኮይኑ፡ ኣቓልቦ ህብዝታት ኤርትራ ጠምዚዙ ግዳዩ ንምግባር ኣብ ዝመሃዞ ኤርትራ 20 ዓመት ሓበን ብዘጠመቖ ወፍሪ ምድንጋር፡ ብዘይካቲ ሓለፍቲ ዝተፈላለየ ኣብያተ ጽሕፈታት ዝሃብዎ ሕድሕዱ ዝላተም መግለጺታት፡ ርእሰ ኲናት ናይ’ቲ ስርዓት  ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ነጻነት ንከመይነት ንጥፈታት ዝተፈላለዩ ጽላታት መንግስቲ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እንታይሞ ኣለና እንታይሞ ሰሪሕና ክብል ዕርቃኑ ከም ዘውጸኦ፡ እዚ ድማ ብልክዕ ንባዶነት ህግደፍ ዘረጋግጽ’ዩ ምዃኑ መዚኑ።

ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላውን ዘስደምም ዋሕዚ ስደትን፡ ስእነት ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ከም ዝኾነ፡ እንኮ ተሓታቲ ናይ’ዚ ድማ ገዛኢ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑን ኣስሚርሉ። ብሰሪ’ዚ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ገባትን ባርባራውን ኣገዛዝኣ፡ ማሕበራዊ ሂወት ኤርትራውያን ተናጊዑ፡  ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ምሉእ ንምሉእ ተረጊጹ፡  እከለ ካብ እከለ ይሓይሽ ዘይበሃለሉ በብእብረ ኩሎም ማሕበራዊ ክፍልታት ኤርትራ ግዳይ ዓማጺ ፖሊሲ ኮይኖም ይሳቐዩ ከም ዘለው፡ ኣምላኺ ሓውን ዓረርን ዝኾነ ናይ ውሑዳን ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መንእሰያት ብዝኣወጆ ግዱዱ ዕስክርናን ወፍሪ ባርነትን፡ ዕድመ ንእስነት ኣብ ክንዲ ዘሕጉስ ህያብ ተፈጥሮ፡ ዘሽቑርርን ብገበን ዘሕትት ስለ ዝገበሮ፡  ኤርትራዊ መንእሰይ ከም መግለጺ ተቓውሞኡ ብዝረኸበ ይርከበኒ ክስደድ ከም ዝተገደደ ገምጊሙ። መርኣያ ናይ’ቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህብዝታት ኤርትራ ዝትግበሮ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲን  ምህሙን ኣተሃላልዋኡን ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ተኸተልቲ  ሃይማኖት ዝምርሕሉ ሕግታትን ንኽገብሮ ዝጸንሐን ዘሎ ኢደ-ኣእታውነት ኮኒኑ። ሃይማኖታዊ ሕግታት ካብ መንግስታዊ ሕግታት ዝተፈልየ ክነሱ፡ ንዝተፈላለዩ ምእመናን ንሰባት ዘምህርሉን እምነቶም ዘስፍሕሉ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ገዲፎም ኣብያተጸሎቶም ዓጽዮም  ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሲዶም ካላሽን ክሕንገጡን  ንዝገበሮ ግዱድ ግፋ ዘለዓዓሎ ዘስምዕዎ ዘለው ምረት ዝተሓወሶ ቁጠዐን ግብራዊ ንጥፈታትን  ቅኑዕን ናይ መሰል ሕቶን  ብምዃኑን ኩሉ ግዱስ እቃልቦ ሂቡ ኣብ ምፍትሑ ክረባረብ ይግባእ ኢሉ።

በዚ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓለምን ጾታን ዕድመን ዘይፈሊ ጃምላዊ ግፋን ማእሰርትን ዝሰክሑ ኤርትራውያን ብደረጃ ስድራ ቤት ገዛ ዓጽዮም ጥሪቶም ሽይጦም ዝወስድዎ ዘለው ምርጫ ስደት፡  ኣብ ጉዕዞ ስደቶም  ካብ ሕጽረት ማሕበራዊ ቀረባት ጀሚሩ፡ ዝተፈላለዩ ኣሰቀቕቲ ሓደጋታት ይብጽሖም ከም ዘሎ እቶም  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጃምላ ዝሃለቑ  ናይ ቀረባ ዘሕዝን ተረኽቦ ምዃኑን ብምንጻር ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ።  ኩሉ ውጹዕ ኤርትራዊ ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ስደትን ናይ ስደት ኣበሳን ሓንሳእን ንሓዋሩን ከብቅዕ ዝኽእል ነቲ ጠንቂ ዝኾነ ስርዓት ተቓሊሶም ከወግዱ መተካእታ ዘይብሉ ምዃኑን ኣብሪሁ። ከምኡን ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ  ናቱ ግደ ከበርክት ተማሕጺኑ።

ውጹዓት ተቓለስቲ ህብዝታት ኤርትራ!

ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ መላኺ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ገምገም ውድቀት ኣብ ዝርከበሉ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ እቲ  ቅኑዕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝበጋገስ ዘሎ ውደባታት ዝተባባዕ ምዃኑ፡ እዚ  ሓድሽ ውደባታት ናህሪ ወሲኹ ኣንፈቱ ኣስተኻኺሉ ህዝቢ ናይ ምድሓን ዕማሙ መታን ብግቡእ ክዋጻእ፡ ካብ ኩሉ ደገፋት ከም ዘድልዮ፡ ኣብ ክንዲ ንበይኖም ምስ ካልኦት ተቓለስቲ ወገናቶም ተሓባቢሮም ክሰርሑ፡ ንሕቶ ናይ ኩሎም ውጹዓት ወገናቶም ኣብ ግምት ከእትውን  እቲ ዝሓሸ መንገዲ ዓወት ምዃኑ ብንቕሓት ተረዲኦም ክዋስኡ ከም ዝግባእን ኣገንዚቡ።

ተቓወምቲ ውድባት ብሓፈሻ፡ ነዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ስፍሓትን ዕምቆትን እንዳወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብምጥርናፍ ኣንጻር ጨፍላቒ መንግስቲ ህግደፍ ዓሲሉ  ሓኒኑ ክቃለስ ኣብ ምግባር፡  ኣብ እዋናውያን  ሃገራዊ ሕቶታት ማለት ሕቶ ሰላም ሕቶ ደሞክራስን ፍትሕን ቀዳምነት ብምሃብ፡  ህዝብን ሃገርን ንምድሓን  ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝሰኣሎ ምግባር ሃገራዊ ጉባኤ ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት  ማለት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፡ ስቪኽ ሶሳይቲ፡  ውድባት፡ ምንቅስቓሳት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ገዳይም ተጋደልቲ ምሁራን ካላኦትን ኢድን ጓንትን ብምዃን ንምዕዋቱ ብዘይዝኾነ ተጎላባነት ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣነጺሩ። ማእከላይ መሪሕነት ደሓግኤ ከም ወትሩ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቀዳምነት ንዝወሃቦም ቀዳምነት ብምስራዕ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ ብምሕባር፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ምዕዋት ዝሓዞ መደብ ብጽፈት ንምስልሳል ካብ ዝሓለፈ ዋዕላ ትምህርቲ ረኺቡ፡ ብዝሓሸን  ኩሉ ደላዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝሳተፈሉን ኣድለይቲ መሳርሒታት ዝቐረጸሉን  ደምበ ተቓውሞ ካብ ዘለዎ ዘሐይል እንኮ መንገዲ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ዓቢ ዕማም ምዃኑ ብምግዛብ ብሓላፍነታዊ ስምዒት ንምስልሳሉ ክጽዕት ተላቢዩ።

ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ውድባዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ፡ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ምስ ለውጣዊ ምንቅስቓስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዝተበጽሐ ሓድነታዊ ጉዕዞ ኣብ መደምደምታ ምብጽሑ ብምምጓስ ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ እምነት ዘለዎም ውድባትን ምንቅስቓሳትን ዝተበገሰ ቀጻልነት ረኺቡ ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ክጽዕት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ድሕሪ መስመሪ ጉባኤኡ ኣብ ዘሎ ግዝያት ክዕመሙ ንዝሓዞም መደባት ስራሕ ንከመይነት ኣፈጻጽምኦም ሓደ ብሓደ ብምድህሳስ ኣብ ኣፈጻጽማ ንዝነበርዎ ሕጽረታት ኣነጺሩ። ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ እዚ ዘለናዮ ህሞት ኣዝዩ ተሃዋሲ ከም ምዃኑ መጠን ኣባላት ውድብ ከም ወትሩ ህዝባዊ ደምክራስያዊ ዕላማታት ውድቦም፡  መደባት ኪዳንን ሃገራዊ ጉባኤን ንምዕዋት ብኹሉ ሸነኻት ከይተሓለሉ  ከካይድዎ ዝጸንሑን ዘለውን ምዑት ቃልሲ ብዝሓየለ ክቕጽልዎ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ፡፡ ከምኡ’ውን ዕጡቕ ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳን ኣሃዱታትና ኣብ ቅድሚ ግንባር ተሰሊፎም ብጽንዓትን ተወፋይነትን ንዘይካይድዎ ዘለው ህዝባዊ ቃልሲ መጒሱ።

ኣብ መወዳእታ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብኹሉ መዳያት ንዝገብርዎ ዘለው ምድግጋፍ ብምምስጋን ንቕድሚት’ውን ደገፋቶም ከሐይሉ ተላብዩ። ኣብ መወዳእታ ማእከላይ መሪሕነት ካብ ውሽጡ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ፈጻሚ ኣካል ብምምራጽ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ።

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ማእከላይ መሪሕነት

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

5 ሓምለ 2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5318

Posted by on Jul 8 2011 Filed under Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net