ዘይምእኩልነትን ጥዑይ ምሕደራን ሰለምንታይ ኣብ ኤርትራ?

ብፍስሃ ናይር

ኣቀዲመ ብዙሓት ኣንበብተይ ብትግርኛ ጽሓፈልና ስለዝበሉኒ እቲ ኣገዳሲ ቅዋማዊ ሕቶታት ብቋንቋ ትግርኛ ክጽሕፍ እጅምር ኣሎኹ እሞ መኤርምታትኩም ምስ ትሰዱለይ ዝያዳ ክመሃር እኸእል ስለዚ ንኽትሕግዙኒ ድምብርጽ ኣይትበሉ። ኣብ ናይ ሎሚ ጽሕፍተይ ብዛዕባ ዘይምእኩልነትን፣ ጥዑይ ምሕደራን ብዝብል ኣብ ኣርባዕት ክፋላት መቂለ ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

  1. መእተዊ
  2. ናይ ዘይምእኩልነት ትርጉምን፣ ትግባረን መስረታዊ መትከላቱን
  3. ኣተገባብራ ዘይምእኩልነት

ሕጋውን ፖሊቲካውን መስረታት ናይ ዘይምእኩል ቅዋም

ክኽበር ዘለዎ መትከላት

  1. ዕላማታት ናይ ዘይምእኩል ቅዋም

1. መእተዊ

አብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ኣቋቁማ ኣወድድባን መንግስታት ኣብ ዓለም ብፍላይ እተን ብብዝሓ ባህልን ቋንቋን ሃይማኖትን ሕዝብታት ዝነብሩለን ሃገራት ብሰላምን ማዕርነትን ብሓንሳብ ክነብራ ምቋም መንግስቲ እቲ ዝለዓለ ሃገራዊ ውደባ ስለዝኾነ ኩለን ብሔራት ኣብ ውሳነታት ሃገራውን፣ ኣውራጃውን ቦታውን ማዛጋጃውን ብዝተዛመደ ኣገባብ ምስዝሳተፋ እቲ ፍልልያት እናተቃረበ ይኸይድ፣ብሓጺሩ ውሽጣዊ ግርጭታት እናተፈትሔ ይኸይድ እዚ ድማ ብተመክሮታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝምስከሮ ኢዩ፣

ንኣብነት ኣብ ንድፊ መስጋገሪ ቅዋም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ

ቀዳማይ ክፋል ዓንቀጽ 1 መልክዕ ሃገር/ State Structure ከምዚ ይብል፣

”ኤርትራ ነጻን ሉዑላዊትን ደሞክራያዊትን ሃገር ኢያ፣ ዘይምእኩል ቅዋማዊ ስርዓት ትኽተል ባህላውን ቋንቋውን ሃይማኖታውን ብሄራውን ብዙሓውነት ተንጸባርቅ ህዝባ ነንሕድሕድ ተኸባቢሮም ዝነብሩላ ሃገር ኢያ።”

እዚ ዓንቀጽ እዚ መንቀሊኡ ካብ ኣህጉራዊ ውዕል ብዛዕባ ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን መሰላት፣ ብ 16 ታሕሳስ 1966 ብውሳነ 2200 A ( xx1) ሓፈሻዊ ባይቶ ዝጸደቀ ኣብ ክፍሊ 1 ዓንቀጽ ዝርከብ ከምዚ ዝስዕብ ካብ ዝብል ኢዩ፣

”1. ኩሎም ህዝብታት ንርእሰ-ውሳነ መሰል ኣለዎም በዚ መሰልዚ ፖሊቲካዊ ቦታኦም ብሓርነት ይውስኑ ከምኡውን ቁጠባዊ፣ ማህበራውን፣ ባህላውን ምዕባለኦም ብሓርነት ይከታተሉ።”

እዚ ጽሑፍዚ ብዛዕባ ኣድላይነት ናይ ዘይምእኩል ቅዋማዊ ስርዓት እንታይ ማለት ኢዩ፣ ትርጉሙን ኣገባብ ኣተርጓጉማኡን፣ዕላማታኡን ንምብራህ ኢዩ፣ ሰናይ ንባብ።

  1. 2. ትርጉምን፣ ኣገባብን መሰረትን መቆምያታትን ናይ ዘይምእኩልነት

ቅድሚ ትርጉም ዘይምእኩል ምሕደራ ቅሩብ ብዛዕባ ምእኩል እንታይ ምዃኑን ከመይ ከምዝመስልን ከብርህ እፈቱ፣

Centalisation /ምእኩል ምሕደራ- ኩሉ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ላዕሊ ይውሰን፣ እቲ ሕዝቢ ብላዕሊ ዝተውሰነ ኣብ ግብሪ ከውዕል ይግደድ፣ ኣብቲ መዓልታዊ ኣነባብራኡ ናይ ምውሳን ዕድል የብሉን፣ እዚ ምሕደራ እዚ ከይዱ ከይዱ እቲ ስልጣን ኣብ ኢድ ውሑዳት ይኸውን ኣብ መጨረሽታ ድማ ኣብ ምልካውነት የምርሕ ሰዒቡ ድማ ነታ ሃገር ኣብ ሁከት የእትዋ።

Administrative Decentralisation/ ምምሕዳራዊ ዘይምእኩል ዝበሃል ውሳነታት ብላዕሊ ናብቶም ታሕተዎት ክፋላት መንግስቲ ይምደብ፣ እቶም ነዚ ውሳነታት ዝቅበሉ ተሓተቲ በቶም ላዕለዎት ይኾኑ፣ እቲ ላዕላዋይ ስልጣን መንግስቲ ነዚ ቢሩክራስያዊ ቅርጻ ኣብ ዝኾነ ግዜ ከልዕሎ ይኽእል፡፤ ከምዚ ዓይነት ኣመሓዳድራ ኣብተን ሓውሲ ደሞክራስያ ዝኾና ብሓደ ሰልፊ ዝውነን መንግስታት ዝርኤ ከይዱ ከይዱ ኣብ ውሽጣዊ ግርጭታትን ሁከትን ዝመርሕ ከም ኣብ ግብጽን ቱኒዝያን ዝጸንሔ መንግስትታት ኢዩ።

Democratic Decentralisation

ደሞክራስያዊ ዘይምእኩል ማለት ስልጣን ናብቶም ብሕዝቢ ዝተመርጹ ምትሕልላፍን ዝዓበየ ስልጣን ጉዳያቶም ኣብታ ዝቅመጡላ ቦታ ባዕላቶም ዘማሃድሩሉን ኣብ ቅዋም ብምስፋር፣ እቶም ዝተመርጹ ብሕዝቢ ተሓተቲ ይኾኑ። እምበኣር ድሕሪ ሓጺር ትርጉም ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝገልጽክዎ ቀጺለ ኣብቲ ቀንዲ ሓተታ ናይ ሎሚ ብዓቅመይ ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

ደሞክራስያዊ ዘይምእኩል ምሕደራ መንግስቲ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ

ኣብ ሰነዳት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዋዕላ እዚ ዓንቀጽ ስፊሩ ይርከብ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ንድፍታት ኮሚስዮን ንደምክራስያዊ ለውጢ ኣብቲ ሃገራዊ ቻርተር ኣሎ፣ ስለምንታይን ንምንታይን ኢዩ ከምዚ ዓይነት ምሕደራ የድልያ ንኤርትራ ዝበልና ናይ ግድን ክበርህ ኣለዎ፡፤

መጀመርያ ዘይምእኩል ምሕደራ ንመንግስቲ ምስ ሕዝቢ ብቀረባ ዘራኽብን ዘሳትፍን ንውሳነታት መንግስቲ ጽልዋ ከምዘሕድሩን ዝገብር ስልጣን ኣብ ሕዝቢ ዘመቃርሕን፣ ነቲ ፖሊቲካዊ መስርሕ ድማ ዝያዳ  ጭቡጥን ግብራውን ኮይኑ ግሉጽነትን ውሕስነትን ዝኸፍት ምሕደራ መንግስቲ ኢዩ። ዘይምእኩል ምሕደራ ነቲ ብዉሑዳት ፈሊጣውያን ዝውነን ምእኩል ምሕደራ ዝቃወም፣ ነቶም ንመሰሎም ዝቃለሱ ውሑዳት ብሄራትን ብሄረሰባትን ፖሊቲካዊ ስልጣን ዝህብን፣ ንውሽጣዊ ግርጭታት ዘህድእ፣ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ መንጎ ሕዝብታት እታ ሃገር ዘስስን ስርዓት ምሕደራ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣመሓዳድራ ሎሚ ከም ፍታሕ ናይ ውሽጣዊ ግርጭታት ናይተን ብብዝሓ ብሄራት ዝቆማ ሃገራት እቶም ንሕና ኢና ብዙሓት እናበሉ ነቶም ውሑዳት ከይውጹዑን ከይፈልዩን ብብዙሓት ተመራመርቲ ዝተመስከረ ኣምር ኢዩ።( Lijphart, 1977, World Bank 1997, Grindle, 2000, Hadenius, 2001)

ዘይምኩልነት ንተሳታፍነትን ምኽትታልን ናይቲ ዝተፈላለየ መንግስታዊ ክፋላት( State, Provinces, Local/ villages and Municiplaities) ዘማዕብልን ዘማሓይሽን ንኩሉ ዜጋ ዘሳትፍ፣ ብኣሳላጢ ኣስራርሓኡ ድማ ንጹር ደሞክራስያዊ ብልጫታት ዘለዎ ስርዓት ምሕደራ ኢዩ። ከምዝፍለጥ ኣብተን ዝምዕብላ ሃገራት ስሉስ ዓለም እቲ ሓቀኛ ዓቅምታት ኣብ ህዝባዊ ምሕደራ ድኹም ኢዩ፣ በቲ ምእኩል ምሕደሮኦም ኩሉግዜ ብብዝሒ ሰብ ዝልለ ብግብሪ ግን ዘይሰርሕ መንግስቲ ከምቲ ገለ ተመራመርቲ ኣፍሪቃ ዝብልዎ፣ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሃገራት እቲ መንግስቲ ከም ኣብ ሰማይ ዘንጠልጥል ምስ ሕዝቡ ምንም ርክብ ዘይብሉ፣ ንዜጋታቱ ምንም ዋጋ ዘይህብ፣ ብህዝቢ ክሕተት ዘየፍቅድ፣ ንሕዝቢ ከም ኣገልግልቱን ገሩ ዝርኢ ኣቋም መንግስታት ኢዩ ዘሎ ይብሉ፣ እዚ ድማ ሓቂ ኢዩ ከምቲ ንሕና ኤርትራውያን ንርእዮን፣ ንምስከሮን ዘሎና ኢዩ።

መንግስታዊ ኣካላት መታን ተቀባልነት ናይ ሕዝቡ ክረክብ ተሳታፍነት ናይ ዜጋቱት ኣብ ውሳነታቱ ከተኣታቱ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንዓቅምታት መንግስታዊ ምሕደራ የደልድል፣( Bhattacharyya; 1994) ዘይምእኩል ምሕደራ ስልጣን ናብቶም ነበርቲ ከባቢ ንመንነቶምን ልምድታቶም ብዝያዳ ስለዝፈጥዎ ብኦም ክመሓደር ይመርጽ ክንዲ ካብ ላዕሊ ዝመጹ ሰብ ሙያ ዘማሓድሮም፣ እቶም ወሰንቲ ተቀማጦ እቲ ኣከባቢ ክኾኑ ኣለዎም ምክንያቱ ጸገማቶም ባዕላቶም ክፈትሑ ይሓይሽ፣( Ostrom, 1990)

ብተወሳኺ ዘይምእኩልነት ናይ ስራሕ ኣሳልጦ የዕዝዝ፣ ንቅዋማዊ ኣሰራርሓ ድማ ብዝለዓለ ደረጃ የገልግል፣ ንዝተፈላላዩ ተበግሶታት ዕድል ዝኸፍት ሰርዓት ምሕደራ ኢዩ፣ በዚ ምክንያትዚ ድማ ኢዩ ብገለ ተመራመርቲ ከም ነጻ ዕዳጋ ዝግለጽ።( Oates, 1999, Manor, 2000)

ካብዚ ጠመተ እዚ ድማ ኢዩ ደሞክራስያዊ ዘይምኩልነት ኣብዚ ግዜዚ ኣብ መንግስታዊ ኣወዳድባ ዝድለ፣ብሓቂ መድሃኒት ናይ ዝምዕብላ ሃገራት እንተተባህለ እውን ምግናን ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ኤርትራ ድሕር ምውዳቅ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ዝትከል መንግስታዊ ቅርጻ ደሞክራስያዊ ዘይምእኩል ምሕደራ ኮይኑ ንስልጣን ብማዕረ ዘዕድልን ንመንግስቲ ኣብ ደረጃታት ብምምቃል፣ ነፍሰ ወከፍ ደረጃ መንግስቲ ነብሶም ከማሓድሩን ናይ ቦታዊ ምንጭታቶም ከማዕብሉን፣ ቅዋም ብዘፍቅዶ መገዲ ድማ ተጠቀምቲ ናይ ቦቶኦም ክውንኑን ኣብቲ ሃገራዊ ልምዓት ድማ ብማዕረ ምስቶም ካልኦት ክካፈሉን ዕድል ዝህብ ቅርጻ መንግስትን ሃገርን ክምስረት ካብ ብሕጂ ክጽናዕ ዘለዎ ቅዋማዊ ሕቶ ኢዩ።

  1. 3. ትግባረ ዘይምእኩልነት

ቅዋማዊ ዘይምእኩል ስርዓት ብስለስተ መገድታት ክትግበር ይከኣል፣

ንሳቶም ድማ ነቲ ስልጣን

–         ብምዝርጋሕ / deconcentration

–         ብምውካልን/Delegation

–         ብምትሕልላፍን/ Devolution

ይኸውን፣ ብምዝርጋሕ ማለት እቲ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ሓደ ወይ ውሑዳት ተጻዒቁ ክንድዝተርፍ ናብ ኩላቶም ማእከላውን ዞባውን ቦታውን ይዕደል፣ እቲ ውክልና ድማ እቲ ብማእከላይ መንግስቲ ተባሒቱ ዝጸንሔ ስልጣንን ስራሓትን ናይ ሕዝቢ በቶም ውከልቱ በቲ ቅዋም ዝፍቅዶ ኣብ ግብሪ ይውዕል፣ ኣብቲ ምትሕልላፍ ዝብሃል ድማ ስልጣንን፣ ሓልፍነትን ስራሓትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ምንጭታቱን ከምቲ ኣብ ቅዋም ዝሰፈረ ነቶም ብሕዝቦም ዝተመርጹ ውከልቶም ይውሃብ፣ ምውህሃድ ናይዚ ስለስተ መገድታት ናብቲ ፖሊቲካውን ቁጠባውን ምምሕዳራውን ኣካይዳ ንሓድነትን ዕርቅን ሕዝብታት ኤርትራ ንምሕያል ይሕግዝ። እቲ ብምዝርጋሕን ውክልናን ዝዕደል ሓላፍነት ኣብ ዝኾነ ግዜ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ከልዕሎ ይኽእል፣ በቲ ማእከላይ መንግስቲ ድኣ ተሓተቲ እምበር ብሕዝቢ ኣይኮኑን፣ ኣብ ደቮሉሽን/ ምትሕላላፍ ግን እቲ ናይ ምውሳንን ሓላፍነትን ብሕዝቢ ተሓተቲ ይገብሮም ስልጣን ድማ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኢዩ።

3.1 ሕጋውን ፖሊቲካውን መስረታት ናይ ዘይምእኩል ቅዋም

ዘይምእኩል ስርዓት ካብቲ ታሪኻዊ ኣቋቁማ ዝምንጩ ሕዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ዕድሉ ክውስን ንምሕያሉን ብተወሳኺ ድማ እቲ ምንጪ ናይዚ ውሳነዚ ኣብቲ ሕግታት እንዳባ ዝጸንሔ ኮይኑ ስልጣን ምዕዳል ኣብቲ ፓርለማን መንግስትን ጥራሕ ከይኮነ ነቲ ሕዝቢ እውን በብቦታኡ ንፖሊቲካውን ቁጠባውን ባህላውን መሰላቶም ባዕሎም ክውስኑ ዕድል ይህብ፡፤ ነፍስ ወከፍ ደረጃ መንግስቲ ብሕዝቢ ዝተመርጹ ናቱ ሓጋግን ፈጻምን መራሕቲ ኣለውዎ፣ ክሉ ስልጣን ካብ ሕዝቢ ይመጽእ፣ ሉዑላውነት ናይታ ሃገር ናይ ሕዝቢ ኢዩ፣ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዘይምእኩልነትን ደሞክራስያን ነቲ ዝተፈላለየ ሕዝብታት ኤርትራ ዝጠምርን ብማዕረ ዘማዕብልን ክኸውን ኢዩ።

3.2. ክኽበር ዘለዎ መትከላት

ዘይምእኩል ስርዓት ኣወሳስናን ኣተገባብራን ነዞም ዝስዕቡ እምነታት ከኽበር ኣለዎ

–         ሃገራዊ ሓድነትን ምዕሩይ ምዕባለን ዘረጋግጽ

–         ቦታዊ ነብስ-ምሕደራን፣ መንነትን ጥቅምን ናይቲ ሕዝቢ ምርርጋጽ

–         ፖሊቲካውን ምምሕዳራውን ስልጣንን ስራሕን ምፍላይ

–         ነቲ ቦታዊ ስልጣንን ነቲ ዝግብኦም ዝዋሃብ ፊናንሳውን ስብኣውን ማተርያላውን ምንጭታት ምግጣም ወይ ድማ ብዝተመጣጠነ ምዕዳል።

  1. ዕላማታት ዘይምእኩል ቅዋም

እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዘይ ምእኩል ቅዋም ንፖሊቲካውን፣ ቁጠባውን፣ ማሕበራውን ጽፉፍ ምሕደራ ንምእትታውን፣ ዓቅምታት ናይቲ ሕዝቢ ኣብ በብቦታኡ ዕድሉ ባዕሉ ክውስንን ክምድብን ክመሓደርን ንምግባር ኢዩ። እቲ ስትራተጂካዊ ዕላማታት ከምዚ ዝሰዕብ ኢዩ፣

–         ንዜጋታት እቲ ቦታ ኣብ መነባብሮኦም ከምዝነጥፉን፣ ተበግሶታት ኣብ ምውሳድን ናብራኦም ናይ ምምሕያሽ ከከምቲ ብቀዳምነት ዝጠልብዎ ስብኣውን ቁጠባውን፣ከምዝካፈሉ ዕድል ይህቦም፣

–         ተሓታትነትን ክፉትነትን ናይቲ ዝካየድ ግላውን ሕዝባውን፣ እቲ ዝኸፍልዎ ግብሪ ኣበይ ከምዝውዕልን ከመይ ከምዝምደብን ናይ ምቁጽጻርን፣ ምኽታትልን ዕድል ይህቦም፣

–         ብቀረባ ንቦታዊ ኣገልግሎታት ባዕሎም ናይ ምምዳብን ምስራሕን ዕድል ይህቦም ካብ ማእከላይ መንግስቲ ምጽባይ ድማ ኣየድልዮምን፣

References ውከሳታት

  1. Lijphart, A, 1977 , Democracy in plural Societies, Yale University Press.
  2. Manor, J. 1997, The political economy of decentralisation, Woking paper.
  3. Crook, R, and J. Manor. 1998, Democracy and Decentralisation in South Asia, and West Africa; participation, accountability and performance, Cambridge University press, Cambridge.

4. Dr. Ajay Singh, “ Federalism and Multiculturalism: The Indian Experience.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5341

Posted by on Jul 13 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net