ነቢያታት ኣብ ተቃውሞ ኤርትራ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

ቀዳማይ ክፋል

ኣብ ቀዳምይ ክፍሊ ብሕጽር ዝበለ ብዛዕባ’ቲ ጻሕታሪ ዝዀነ፡ ኣብ ምፍልልያን ምንጻል ሓሳብ ዘድሃበ ወገን ተቃዋሚ’የ በሃሊ ዝቐረበ መግለጺ ኣቅሪበ ነይረ። ኣብ’ዚ ቀጺሉ ዝቐርብ መግለጺ’ውን ካብ’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋሊ ዝተገልጸ ዘይውሕድ፡ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ጸለም ንዝምልከት እዩ።

እዞምክልቲኦም ናይ ጸለመ ኣካላት፡ ፖለቲካዊ ኣድራሽኦም ብዘየገድስ፡ ኣብ ሓደ ናይ ዕንወት ስርሓት ተዋፊሮም፡ ኣንጻር ሓድነታዊ መስርሕ፡ ኣንጻር መስርሕ ሃገራዊ ድሕነት ዘካይድዎ ዘለዉ ዘመተ ንኩሉ ብሩህ እመስለኒ።

እዚ ጸለመ እዚ ካብ ትማሊ ናይ ዕለት 9 ሕዳር ዝጀመረ’ውን ኣይኮነን። ናይ ዕለት 9 ሕዳር መቀጸልታ ናይ’ቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ክኸይድ ዝጸንሐ ምትንዃላትን ምሕንኳልን ኣብ ቃልሲ’ዩ።

ናይ’ዚ ድሕሪ ወርሒ ዝውለድ ናይ ኣርባዕተ ውድባት ሓድነት ዘንቐሎ ተጻብኦ’ውን ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ተጻብኦ ናይ ውድባት እንተዀይኑ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ደንበ ተቃውሞ ብተምሳል ናይ’ዚ ሓድነት መስርሕ ተኻይዱ ነይሩ’ዩ። እንተዀነ ከም’ዚ ናይ ሕጂ ዝመስል፡ ከም’ዚ ናይ ሕጂ ገምጋም ዝገበረ ጸለመን ነቐፈታን ኣይነበረን።

እቲ ሕቶ ንጹር ይመስለኒ፡ ሓደ ካብ’ቲ መሰረት ትሕዝቶ ናይ’ቲ ሓድነትን፡ ግሉጽነት፡ ህዝባዊ ተሳትፎን ኣብ ዘሎ ፍልልይ ዝተመርኮሰ ኮይኑ እስማዓኒ። ምኽንያቱ ኣብ ሓድነት ናይ ዝቀርቡ ኣካላት ፍልልይ ብዘይምህላዉ፡ ናይ’ቲ ነቐፈታ ጉዳይ ኣብ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ሓድነትን፡ ቀጻልነቱ ዝምልከት ኮይኑ እስማዓኒ።

ለ/ ካልኣይ ጫፍ

እዚ ካልኣይ ጫፍ ቁሩብ ውርዝይነት ዘለዎ ተመሲሉ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ሕቶታት ዘልዓለ፡ ነቲ ጉዳይ ብፍልይ ዝበለ ሜላ ክቐርቦ ዝደሊ፡ ኣብ ክብደት ሓላፍነቱ፡ ናይ ጸለም ዘመታቱ ብዘይውሕድ ምስ’ቲ ምስ’ቲ ቀዳማይ ጫፍ ካብ ዘቀርቦ ሓደጋ ብዘይውሕድ ሓላፍነት፡ ኣብ ገገለ ሸነኽ’ውን ናይ ሓባር ክስን ዘመተ ጸለም ዘካይድ’ውንዩ።

ናይ’ዚ ካልኣይ ጫፍ ክስታት ብዝለዓለ ምስ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ 1982 ኣትሒዙ ዝነኸሰ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ክቕየር ዘይደልን፡ ኣብ ኣጉል ክስታት ዝነብር’ዩ። ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ካብ 1982  ክሳብ 2009 ኣብ ዘካየዶም ቃልስታት ብንጹር፡ ብእውጅ ክንደይ ሰጉምቲ፡ ክንደይ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ፡ ናይ ግርጭታት ኣፈታትሓ ምስ ህዝቡን፡ ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ባይታ ኣቐሚጡ፡ ገገለ ንነባር ጽልእን ቒምን ክፈትሕ፡ ፈቲኑ’ዩ። ክፈትሕ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ደረጃ ፍታሕ ኣብጺሑ ኩሉ ናይ’ቲ ሓሳብ ደጋፊ ዝዀነ ሓይልታት ኣብ ጉዳዩ ብሓብር ቀጻልነቱ ከረጋገጽ ጽዒሩ’ዩ።

ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ሎሚ ታሪኽ ደኣ ይኹን’ምበር፡ እቲ ከም ግንባር ናብ ሰልፊ ንምስግጋር ዘጋጠሞ ታሪኽ ዝሰገሮ ማሕለኻታትን፡ ዘቐመጦም ሃገራዊ ጉዳያት፡ ተደላይነት ምስ ዝህልዎ ከም’ዚ ሕጂ ከልዕሎ ግድነት’ዩ።

ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ከም ግንባር ኣባላት ደምበ ተቃውሞ፡ ክዓብይን ክሰፍሕን እንተዀይኑ፡ ብቀዳምነት እቲ ውድብ ክልወጥ ኣለዎ፡ እቲ ውድብ ክልወጥ ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል’ቲ ውድብ ናይ ኣተሓሳባን፡ ናይ ውሳኔ ምትግባር ሞራል፡ ናይ ውሳኔታት ናይ ምትግባር ዲሲፕሊን፡ ምስ ከባቢኡ ብምዝማድ ክሰርሕ ከም ዘለዎን፡ ንውሳኔታቱ ንምትግባር ከኣ ጽንዓንት ተወፋይነት ከርኢ ከም ዘለዎ ጽዒሩ፡ ዘት’ዩ፡ ኣብ ምወዳእታ ከኣ ተዓዊትሉ። ነዚ ጉዳይ ብቁጠባን ብውድባዊ ዕብየት ጥራሕ ዝራኣዮ ኣይነበረን፡ ናይ መጻኢ መስርሕ ቃልሲ፡ ሓድነታዊ ቃልሲ፡ ትጽቢት ህዝብናን፡ ኩነታት ሃገርን እውን ኣብ ግምት ዝኣተወ ብምንባሩ፡ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ ግንባር ናብ ሰልፊ ዝሰጋገረሉን ዝነበረ እዋን፡ ንኩሉ ነዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ብኣዋጅ፡ ብዘይ ሕለል ናይ ኩሉ ናይ ሓበሬታ ማዕከናት፡ ካብ ውድባት ክሳብ ውልቐ ሰባት ክባጻሕ ገበረ።

እቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ተተሳትፎ ዝብል ጭርሖ፡ ተሰማዕነት ረኺቡ፡ ኣብ ክሊ ምትእኽካብ ናይ ዝተፈላያየ ፖለቲካዊ ተምክሮታት ተበጽሐ። ነዚ ክውን ዝገበረ ከኣ ዘይለል ጻዕርን ጽንዓትን ኣባልት ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰዋርዊ ባይቶ ከም ዝነበረ ኣይክሓድን። ይኹን’ምበር ኣብ’ዚ ናይ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ንዝነጸጎ ሓይሊ፡ ወይ ተራ ዜጋ ኣይነበሮን።

ብኣንጻሩ እቶም ነዚ ኣገዳሲ ውድባዊ መስርሕ ለውጢ፡ በቲ ሓደ ወገን ዘይከን’ዩ ዝብሉ ዝነብሩ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ክኸውን ይከኣል’ዩ ግን ብናቱ ዓቕምን ክእለትን ክረጋገጽ ዝኽእል ኣይኮነን ዝብሉ ኣተሓሳስባ፡ ኣፎም ዝሓቦም ዘመተ ጸለመታት ከካይዱ ጀመሩ።

ኣብ ድሮ ምምስራት ሰልፊ ብፍላይ ድሕሪ ሓምለ 2006 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻይደ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብሓባርዊ ጡርንፉን ውሳኔ ምምስራት ሰልፊ ምስ ተደምደመ፡ ናይ’ዞም ካልኣይ ጫፍ ውርዙያት ብርዒ ክጽረብ፡ ብራና ክቅረብ ጸለመ ክጻሓ ተዋደደ።

እቲ ጉባኤ ግን ንባዕሉ ወሲኑ ደኣ’ምበር ተሳታፍነት ህዝቢ ክፉት ብምግባር፡ ብእውጅ መንገዲ ስርሑ ጀመረ። ማዕረ እቲ መባእታዊ ስርሓት መስርሕ ሰልፊ ከኣ …. እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ኣድላይነት ዘይብሎም ሕቶታት ክቕለቐሉ ጀመሩ

1 ኣድላይነት ሰልፊ ቅድሚ ምውዳቕ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ስለምንታይ

2 ንኪዳን ንምብትታን ዝግበር ምስረታ ሰልፊ

3 ናብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምእታው ዝግበር ምቕርራብ ምስረታ ሰልፊ ዝብሉ ነበሩ።

ካልእ ምስ’ዚ ሕቶ ዝመስል፡ ግን ናይ ጸለምን ክስታትን ሕቶ፡ ኣብ ገገለ መጋባእያ ኣባላት ተቃውምቲ ውድባት ምስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝሰርሑ ኣለዉ ክግለጹ ከኣ ኣለዎም ብማለት፡ ብፍላይ ነዚ ብዓወት ምስረታ ሰልፊ ዝወጸ ጉባኤ ክኸሱ ተራእዩ።

ብሓቂ ግን እቲ ካብ’ቶም ኣብ ደምበ ተቃውሞ ንስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብዝተፈላየ መንገዲ ንምቅላዕ ዝበደሀ እንተነበረ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ጸኒሑ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን’ዩ ክበሃል። ይከኣል። እቲ መርትዖ በዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ክቀርብ ይኽእል።

1 ናይ ሬድዮ ማዕከን

2 መርበብ ሓበሬታ ትግርኛን ዓረብኛን

3 ወርሓዊ ጋዜጣ ትግርኛ ዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ

4 ዓመታዊ ዞባውን ኣህጉራውን ፈስቲቫልታ

እዚ ናይ ቃልሲ መድረኽ ካብ ካልኦት ውድባት ንበልጸሉን ንሕሸሉን ተባሂሉ ዘይኮነ፡ ብጭብጢ ንምቕራብ ኣብ ደምበ ተቃውም ናይ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዕማታት ጭብጢ ንምቕራብ’ዩ። ካብ’ዚ ንደሓር ናይ’ቲ ዝቃለስ ዘሎ ይዕበ ይንኣስ፡ ይሕመቕ ይዕበ፡ ይበርትዕ ይድከም ነፍሱ ከወዳድር እንተዀይኑ፡ ናይ ባዕሉ ዓቕምን ክእለትን ብምዝማድ ዘካይዶ ገምጋም ናቱ ጉዳይ’ዩ። ንሕና ግን ንቃልስና መነጸርን መሕበርን’ምበር ንዕቤትናን ሓይልናን መነጸሪ ንጥቀመሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ብመሰረቱ ዕብየትናን እንርእዮ ኣብ ጥርናፈ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ምዃኑ ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ምስርሕ ቃልሲ ዝሕብሮ ኣንፈት’ዩ።

ሎሚ ድማ፡ ብተመሳሳሊ በዚ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ዝካየድ ሓድነታዊ ኮንፈረንስ ዕግበትን ምልኣትን ናይ’ቶም ኣባላት ሓድነት’ምበር፡ ምልኣት ሰፊሕ ደምበ ተቃውም፡ ወይ’ወን ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ተባሂሉ ኣይኮነን፡ ግን እቲ መነግዱን ኣንፈቱን ናብ ሰፊሕ ደምበ ተቃውሞን ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራን ዘቕንዔ ምዃኑ ዘይሰሓት’ዩ። ኣብ’ዚ መዳይ ከኣ ፍሽለት ናይ ጸለም ዘመተ ከም ዝመክን ዘትኣማምን ፍረ ቃልሲ ኣሎ።

እቶ ነዚ ኣውራ መስርሕ ሓድነት ክሕንኩሉ ዝፍትኑ፡ ዘጸልሙን ዘናሽውን፡ ኣብ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ናይ ዝካየድ ቃልሲ ዝፍጽምዎ ናይ ምድኻም ስርሓት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ይፍትወ ይጽልኡ፡ ንስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ናይ ሞራል ደገፍ ዘብርክት’ውን እዮም።

ሰልፊ ህዝቢ ይኹኑ እቶም ንሓድነት፡ ንሙሉእ ውድባዊ ሓድነት፡ ሓድነት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ሓድነት መሪሕነታዊ ኣካልን መሰረታትን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ክሳብ ንዝቀርበሎም ሃገራዊ ጉዳይ ብግሉጽን ብቅንዕናን፡ ብሰነድ ዝተጨበጠ መልሲ ከቅርቡ ኣኽሎ ከም ዘሎ ብርጉጽ ክፍለጥ ይግባእ።

ናይ’ዚ ዝሓለፈ ሓባራዊ ሽማግለ፡ ካብ’ቲ ሓሓሊፉ ከካይዶ ዝጸንሐ ዞባዊ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ህዝባዊ ኣኼባታት ውጽኢትና ናይ’ቲ ካብ ህዝቢ ክቀርበሉ ዝክእል ሕቶታት ንምምላስ’ዩ።

ሓደ ነብሱ ኣብ ሓድነትስ ክጸምድ ይትረፍ፡ ንመስርሕ ሓድነት ሓንቲ ተግብራዊት ስጉምቲ ዘይወሰደ፡ ብዛዕባ ናይ ሓድነት ዝካየድ እኹል ሓድነታዊ መስርሕ። ብቅዑ ሓድነታዊ መስርሕ፡ እውጅ ሓድነታዊ መስርሕ ኣብ ናይ ጸለመ ዘመተ ክሰጋገር ግቡእ ኣይኮነን።

እዚ ማለት ሓደ ዝግባእ ሕቶ ክሓትት የብሉን ማለት ኣይኮነን፡ ግን ቅድሚ ሕቶ ምልዓሉ ደርጃ እጃሙ ኣብ ቃልሲ ክፈልጥ ይግባእ ኣለዎ ብማለት፡ ሓሳበይ ኣብ’ዚ ይድምድም።

17 ሕዳር 2009

Short URL: https://english.farajat.net/?p=54

Posted by on Nov 18 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net