ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንተወሳኺ ማዕቀብ ኢጋድ ደገፉ ይገልጽ!!

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጨበጠሉ ዕለት ኣትሒዙ ንክብሪ ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ስውኣቱን ረጊጹ፡ ነቲ ብመሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትነትን ዝተረጋገጸ ነጻነት ጨውዩ፡ ኣብ ሃገርና ብቀንዱ ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዓጊቱ ሰላማዊት፡ ምዕብልትን፡ ፍትሓዊትን፡ ቅዋማዊትን ሃገር ንምምስራት ዝነበረ ብርቱዕ ባህግታት ኮሊፉ ምልካዊ ስርዓት ኣንገሰ፡፡ ከምውጽኢቱ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዝኸፍአ ሓድሽ መግዛእትን ባርነትን ደቂ-ሃገር ምውዳቑ ጥራይ ከይኣኽል፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዕለት ናብዕለት ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣህዛብን ብዘካይዶ ተደጋጋሚ ኲናትን ንግብረ ሽበራ ንዝጥርጠሩ ጉጅለታት ብቅሉዕ ዝገብሮ ደገፋትን ምርኩስ ብምግባር ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ብ23 ታሕሳስ 2009 ብውሳኔ ቁጽሪ 1907 ማዕቀብ ምብያኑ ዝዝከር’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ ውሳኔ ማዕቀብ ኣብዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ነጥብታት ዝተኮረ ምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

 

  1. ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣጽዋር ከይሽምት ምእጋድ፡፡
  2. ምድስካል ንብረትን ሃብትን ሰበ-ስልጣን ህግደፍን ደቂ-መዛምርቶምን ታሓባበርቱን፡፡   
  3. ምንቅስቃስ ሰበ-ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ንወጻኢ ምእጋድ።

 

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ውሳኔ ቁጽሪ 1907 ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ብዘይዝኾነ ተቃውሞ ምሕላፉን፡ እቲ ማዕቀብ ምሉእ ደገፍ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝነበሮ ምንባሩን ብምዝማድ ክስመረሉ ዝግባእ ቁም-ነገር ምስ ዝህሉ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሊሉ ንኣህዛብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ፡  ንማሕበረሰብ ዓለም ድማ ብሓፈሻ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ባእታ ኮይኑ ምህላዉ ብንጹር የረድእ። ስለዝኾነ እቲ ማዕቀብ ብቀንዱ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ኣሳሰይቱን ዝኽተልዎ ጉጉይን ኣዕናውን ፖሊስታት ንምቁጻይ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ጉጉይን ኣዕናውን ፖሊስታቱ ተቖጢቡ፡ ምስ ጎረባብትን ማሕበረሰብ ዓለምን ሰላም ንምፍጣር ኣብ ክንዲ ዝጽዕር፡ በቲ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ብናህሪ ክቕጽል ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ እዚ ማዕቀብ’ዚ ኮነ ተባሂሉ ንህዝቢ ኤርትራ ንምቕጻዕ ዝውሰድ ዘሎ ሸርሕታትን ስጉምትታትን ብምምሳል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝርኸቡ ኤርትራውያን ኣንጻር እቲ ውሳኔ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበሩ ብርቱዕ ወፈራታት ዝገበረሉ ኩነታት ምንባሩ’ውን ዝፍለጥ’ዩ። ብግብሪ’ውን ካብቲ ጻሕታሪ ኲናት ባህርያቱን ግብረ-ሽበራዊ ተግባራቱን ኣይተቆጠበን።  

 

 

እቲ ከም ነፋሒቶ ሕብሩ እናቀያይረ ንብዙሓት ሃገራውያን ተቓለስትን ህዝብን እናታለለ ኣብ ኮረሻ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝደየበ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ በቲ ብ23 ታሕሳስ 2009 ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ዝተበየነ ማዕቀብ ልቢ ገዚኡ ነቲ ባዕሉ ምስ ዝተፈላለየ ኣካላት ዝፈጠሮ ኩሉ መዳያዊ ጸገማት ንምፍታሕን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝሕድረሉ ከቢድ ተጽዕኖታት ንምንጋፍን ብርቱዕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክገብርን’ዩ ዝብል ትጽቢት ብዙሓት ግሩሃት ኤርትራውያን ምንባሩ’ውን ዝኸሓድ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ጉጉይን ኣዕናውን ፖሊስታቱ ይኹን ጸረ ሰላም ተግባራቱ ክመሃር ፍጹም ዘይተዓደለ ስርዓት ብምዃኑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ዞባውን ኣህጉራውን መጋባኣያታት ንነብሱ ኣግሊሉ ናብ ከቢድ ጸለመታት ተዋፊሩ ይርከብ። ካብ መንገዲ ጥፍኣት ንምምላስ ከኣ ሰናይ ድሌት ከርኢ ብዘይምኽኣሉን ከም ኣመሉ ነቲ ዝተገብረሉ ጻውዒትን ማዕቀብን ብሰንኪ ጸማም እዝኒ ምሃቡን: ኢጋድ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተወሰነ ማዕቀብ ቁጽሪ 1907 ምሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክኸውንን ኣብ ልዕሊኡ’ውን ተወሳኺ ቁጠባዊ ማዕቀብ ክብየነሉን ንሕብረት ኣፍሪቃን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታትን ምሕታቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ድማ የጠቃልል።

 

 

  1. ኣብ ልዕሊ እተን ቆፎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምምላእ ቁጠባዊ ኣታዊታቱ ዘካዕብታ ዘለዋ ኩባንያታት ዕደና ማዕቀብ ክግበር።
  2. ምንጪ እቲ ሂወት ዝዘርኣሉ ዘሎ 2% ካብ ዲያስፖራ ዝረኽቦ ኣታዊታት ምድራቕ።

 

መልእኽቲ ኢጋድ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሰላምን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዝራግ ካብ ክጻወቶ ዝጸንሐ ኣሉታዊ ተግባራቱ ደው ከብል ፍጹም ፍቃደኛ ኮይኑ ብዘይምርካቡ፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣብ ሶማል ዝርከብ ብግብረ ሽበራ ዝፍለጥ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ብሞራልን ገንዘብን ብረትን ዝገብሮ ዝነበረ ደገፍ ብዝለዓለ ደረጃ ይቕጽል ምህላዉ መርቶዖታት ኣቅሪቡ።  ብተወሳኺ’ውን ምስ ጅቡቲ ኲናት ብድሕሪ ምፍጣሩ፡ ነቲ ዝተገበረ ስምምዕ ተግባራዊ ክገብር ድሌት ከምዘይብሉን ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት ንምፍጻም ዝካይዶ ዘሎ ምንቅስቓስ ብናህሪ ይቕጽል ምህላውን እዩ ዝገልጽ።     

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተወሰነ ማዕቀብ ውሳኔ ቁጽሪ 1907 ክጸንዕ ምጽውዑ ብድሕሪ ምዝክኻር፡ ኢጋድ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተወሳኺ ማዕቀብ ክብየን ምሕታቱ ዝድገፍ ተበግሶ ምዃኑ የረጋግጽ። ብርግጽ’ውን እቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነን ክብየን ዝሕተት ዘሎ ተወሳኺ ቁጠባዊ ማዕቀብን ካብቲ ጻሕታሪ ኲናት ፖሊስታቱ ጥራይ ዝብገስ ይኹን ደኣምበር፡ ክሳብ ሕጂ ብክንድ’ቲ ዝድለ ተግባራዊ ዘይምዃኑ ይግንዘብ። ስለዝኾነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ነቲ ብኢጋድ ዝቐርብ ዘሎ ተወሳኺ ቁጠባዊ ማዕቀብ ተቐቢሉ ኣብ ተግባር ክውዕልን ክጸንዕን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መጸዋዕትኡ የቕርብ።

ምስዚ ብምዝማድ ኢጋድ ወይ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ንጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ ቆላሕታ ብምሃብ ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ዝግባእ ኣገዳሲ ነጥቢ ከነዘኻክር ንፈቱ። ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ሰላምን ርግኣትን ዝብህግ ኣካል ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን’ዩ። ይኹን ደኣምበር ብስንኪ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኲሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ተጋሂሱ፡ ዘይተኣደነ ሕሰምን ኣደራዕን የሕልፍ ምህላው፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ማንም ስዉር ጉዳይ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ኣካሉ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ደሞክራስን ፍትሕን ክጓናጸፍ፡  ንህዝቢ ኤርትራ ንምሕጋዙ ሞራላዊ ግዴታ ከምዘለዎ ከስተውዕል ንላቦ። ስለዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ግብራዊ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ማዕቀብ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊስታቱ ጥራይ ከይተሓጸረ፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ግህሰታትን ብምግንዛብ፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ንምህናጽ ብዝሕግዝ ኣገባብ ክኸውን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ደጊሙ ምሕጽንትኡ የቕርብ።     

 

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

አብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

 ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

25 ሓምለ 2011

www.encdc.com        

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5461

Posted by on Jul 27 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net