መርገጺ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

1. መእተዊ

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ውሽጣዊ ቅዋሙ ዘስፈሮምን ብግብሪ ዝቃለሰሎምን ዓበይቲ ዕላማታት፣

  1. ፓለቲካዊ ስልጣን ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ ምቅላስ
  2. ሃገራዊ ስኒትን ድሕነትን ንምርግጋጽ ምጽዓር
  3. ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ኣብ ምትካል እጃም ቃልሲ ምብርካት ዝብል ይርከቦ።

ካብዚ ዓበይቲ ዕላማታት ተበጊሱ ለውጢ ንምምጻእ ምስ ናይ ፓለቲካ ውድባትን ሰልፍታትን ከምኡውን ምስ ሲቪላዊ ማሕበራት ናይ ሓባር ቃልሲ ከምዘድሊ ኣሚኑ ብመርበብ ደረጃን ብኣባላቱ ዝኾና ማሕበራትን ንዓሰርተ ዓመታት ዘይሕለል ቃልሲ ኣካይዱ። ዘይጥርኑፍ ቃልሲ ደምበ ተቓውሞ ከዕውት ከምዘይክእል ብዕምቆት ብምርዳእ ካብ 2003 ጀሚሩ ሃገሪዊ ዋዕላ ኣብ ግብሪ ንምትርጋም ክቃለስ ጸኒሑ። ኣብ 2008 ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሓድነት ጉባኤ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ብትብዓት ብምስታፍ መርበብና ምስ ካልኦት ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት ብምትሕብባር ኪዳን ሓድነቱ ዓቂቡ ንኽወጽእ ዘይነዓቕ ተራ ተጻዊቱ። ንሃገራዊ ዋዕላ ክውን ዝገበሩ ኣብ ናይ 2009 ኣኼባታትን ዓውድታት መጽናዕትን ተኻፊሉ ። ኣብ 2010 ዝተጋበኤ ሃገራዊ ዋዕላ ተሳቲፉ።

 

ሕጂውን ኣብ መወዳእታ 2011 ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኣብ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ቃልሱ የካይድ ኣሎ።

 

2. መርበብና ሰለምንታይ ንሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ይድግፍ

 

ህጹጽ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ንምሕዋይ እቲ ፍታሕ ብመሰረቱ ኣብ ኢድ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ይርከብ። ብቐዳምነት ግን ነቶም ኢድናን እግርናን ዘይተኣሰርና ኣፍና ዘይተዓበስናን ኣብ ደገ ንርከብ ኤርትራውያን እዩ ዝምልከት። ንሱ ድማ ኣብ መኣዲ ዘተ እዩ ዝጅመር። ዘተ ንለውጢ ! ዘተ ንሓድነትን ንድሕነትን ሃገርን ህዝብን ።

 

ህዝቢ ዘይተጸንበሮ ፓለቲካዊ ቃልሲ ክዕወት ኣይክእልን። ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ንፓለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ጥራይ ዝግደፍ ኣይኮነን ህዝቢውን ወሳኒ ግደኡ ተኣሚኑሉ ክሕወሶ ኣለዎ ዝብል ዕግበት ሰለዘለዎ እዪ ድሞ መርበብና ንሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝድግፍ። ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ህዝቢ ዘካፍል ናይ ለውጢ መስርሕ ሰለዝኾነን ናይ ሓባር ቃልሲን ጥርኑፍ ደንበ ትቓውሞ ኣብ ምፍጣርን ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍን ርጉእ መሰጋገሪ መድረኽ ኣብ ምሕንጻጽን ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ሰለዝኣምን እዪ።

 

3. መርበብና ካብ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ እንታይ ይጽበ

 

3.1 መዝነት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

  • ተቓወምቲ ሓልታትን ህዝብን ምጥርናፍ
  • ንለውጢ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዝመርሕ ኣካል ምምራጽ
  • ንመሰጋገሪ መድረኽ ዘድሊ ምቅርራባት ምግባር እዩ።

 


3.2 መርበብና መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከመይ ክኸውን ይጽዕር

  • ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ህዝባዊ ምኻኑ ብጭቡጥ ከመስክር
  • ተሳትፎ መላእ ደምበ ተቓውሞ ፓለቲካዊ ውድባትን፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን፡ ማዕከናት ዜናን፡ ልኡኻት ህዝብን ዘረጋግጽ ንኹሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝሓቁፍ
  • ዲሞከራሲያዊ ኣሰራርሕሓን ግሉጽነትን መለለይኡ
  • ኣብ ትሕዝቶን ኣገባብ ቃልሲን ዓይነታዊ ለውጢ ምብትእትታው ኪኢላዊ ዓቕሚ ዜጋታት ዘሳትፍ
  • ካብ ዝኾነ ናይ ደገ ጽልዋ ነጻነቱ ዝሓለወ
  • ንፈተውቲ ህዝብናን ደገፍቲ ቃልስና ንለውጢን ዲፕሎማስያዊ ሓገዞም ከበርክቱ ዘተባብዕ

 

3.3 ውጺኢት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

  • ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራያዊ ለውጢ ጭቡጥ ዝኾነ ለውጢ ናይ ቃልሲ ክትልም
  • ዋና ናይ ስልጣን ህዝቢ ምዃኑ ንምእማን ዝነጥፍ
  • ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራያዊ ለውጢ ዘሕልፎ ውሳኔታትን ዝሕንጽጾም ስትራተጂን መደብ ስራሕን ዘተግብር ኣካል ክቐውም
  • ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንዓለም ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይካይ ካልእ ከመሓድር ዝኽእል ኣካል የለን፡ ብድሕረይ ባዶነት ክፍጠር’ዩ እንዳበለ ንዝገብሮ ዘሎ ናይ ብድዐ ጎስጓስ ዝብድህ
  • ብኹሉ እንተናኡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ብዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብኣሰራርሕኡን ኣመራርሕኡን ዝእመንን ተቐባልነቱ ዘስፍሕን ሓያል መሪሕ ኣካል ክፍጠር
  • ጎድኒ ጎድኒ ናይዝቐውም ፈጻሚ ኣካል ናጽነቱ ዝሓለወ ተሓታትነት ዘሎዎ ንስልጣንን ሓላፍነትን መሪሕነት ዝቆጻጸሮ ኣካል ጉባኤ ክመዝዝ

 

4. መርበብና ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተመርጸ ኣካል እንታይ ከማልእ ይጽበ

  • ዋና ሓላፍነቱ ስርዓት ህግደፍ ምልጋስን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዝመርሕን ዘበራብርን
  • ብጠቕላለ ተቓውሞ ንለውጢ ዝመርሕ
  • ድሕሪ ለውጢ ርጉእ መስጋገሪ መድረኽ ንምውሓስ ዝጽዕት
  • ዲሞከራሲያዊ ኣሰራርሓን ግሉጽነትን መለለይኡ
  • መደባቱ ብግዜን ብዕላማታትን ዝተሰነየ ክኸውን
  • ዓቕሚታት ናይ ኤርትራውያን ክኢላታት ንምርካብ ርክባት ዝገብርን ጊዜያውን ምዕቡልን እሰራርሓን ዝኽተል

 

5. ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ክኣምነሎም ዝግባእ ኣገደስቲ ነጥብታት

  • ኣብቲ ድሕሪ ለውጢ ዝቐውም ጊዜያዊ መላግቦ መንግስቲ ይኹን ብድሕሪኡ ዝመጽእ መሰጋገሪ መንግስቲ ብናይ ደገ ተቓወምቲ ሓይልታትን ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዝጸንሐ ደላይ ለውጥን ኣካል ህዝቢ ኤርትራን ዝቖመ ክኽውን ምዃኑ
  • ኣብ ደገ ዝርከብ ደንበ ተቓወሞ በይኑ ከቑሞ ዝኽል መላግቦ ይኹን ግዚያዊ መንግስቲ ከምዘየለ
  • ውድድር ውድባትን ሰልፍታትን ግዜኡ ሕጂ ከምዘይኮነን፣ መድረኹ ድሕሪ ምውዳቕ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ
  • ኣብ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ከመይነት ክንበኣስ ፍጹም ከምዘየድሊ ምኽንያቱ ምስ ህዝብና ምልዛብ ከድሊ ስለዝኾነ፡ መሰረት ናይ ስልጣን ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ብእኡ ኢና ድማ ‘’ፍትሓውን ደሞክራስያዊን ስርዓት’’ ክንተክል ንቃለስ
  • ጉዳይ ምንዳፍ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቅዋም ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ሕንፍሽፍሽ ከይከውን ተሓሲብሉ ክጸንሕን ነቲ መድረኽ ህዱእ ክገብሮን ክሕግዝ ይኽእል። ንድፊ ቅዋም ክበሃል ከሎ ከም መወከሲ እዩ ጥራይ ክኸውን ዝኽእል እምበር ንህዝቢ ኤርትራ እዚ ቅዋምካዩ ብኡኡ ኸኣ ትግዛእ ክብል ዝኽእል ሓይሊ የሎን። ነቲ ንድፊ ህዝቢ ኤርትራ ክቕበሎን ከይቅበሎን ልኡላዊ መሰሉ እዩ። ዝመሓደረሉ ቅዋም ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ዘጽደቖ ጥራይ እዩ ዝኸውን።

 


6. መጸዋዕታ

 

ኣብ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተሳተፉ መንፈሳዊ መራሕቲ ዓበይቲ ዓዲ ናይ ፓለቲካ ውድባትን ሰልፍታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ግዱሳት ባእታታትን ኣብዚ ኣብ መወዳእታ 2011 ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንኽሳተፉ መርበብና ጻዊዒቱ የቕርብ።

 

ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከምቲ ጀሚርዎ ዘሎ ርክብ ምስ ዝተፈላለዩ ሰልፍታትን ውድባትን ክቕጽልን ኣብ ሓደ ምርድዳ ክብጻሕን። ከምኡውን ምስ ኩሎም ካልኦት ማሕበራት ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክሳተፉ ተመሳሳሊ ዘተ ክግበር መርበብና ይጽውዕ።

 

ተቓወምቲ ሓይልታት ዲሕሪ’ዚ ዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከምብሓድሽ ኣብ ምስሕሓብን ሸንኮለልን ክንኣቱ ፡ ብሓቂ ዘይሓለፍነታዊ ስለዝኾነ በቲ ሓደ። በቲ ካልእ ከአ ንህላወ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ደገ’ውን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱን ንተቓላሳይ ካብ ቃልሲ ዘርሕቕን ስለዝኾነን፡ ብሕድገትን ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን ክንብል ኣብ ናይ ዘተ መኣዲ ክንርከብን ኣብ መወዳእታ ኽኣ ኣብቲ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ወይ ብኣካል ወይ ብውክልና ኩላትና ክንሳተፍ ንጽውዕ።

 

7. መደምደምታ

 

ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ፍሉይ ታሪኻዊ ናይ ቃልሲ መድረኽ ይርከቡ። እቲ ምኽንያት ከኣ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ህላወ ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ኣብ ሓደጋ ሰጢሕዎም ሰለዝርከብ እዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ናይ ቃልሲ መድረኽ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ እጃሙ ከበርክት እንከሎ ከም ሲቪላዊ ማሕበር መጠን ንስልጣን ኣይወዳደርን። ሃገር ንምምሕዳርውን ፓለቲካዊ ፕሮግራም የብሉን። ነዚ ፍሉይ ፈታኒ ናይ ቃልሲ መድረኽ ህዝቢ ክሕወሶን ግቡእ ቦትኡ ክወሃቦን ከምዘድሊ እምነት መርበብና እዩ። ተሳትፎ መርበብና ኣብ ቃልሲ ድማ ብግቢሪ ዝግለጽ እዩ።

 

ቃልስና ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ምእንቲ ክዕወት እምነትናን መርገጺታትናን ብሕድገትን ዓራቒ መንፈስን ብእንካን ሃባን ብምትዕግጋብን ዝተሰነየ ምኻኑ በዚ ኣጋጣሚ ከነስምረሉ ንደሊ።

 

 

 

ልዕልነት ህዝቢ ይከበር

ዓወት ንጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

 

 

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ

 

ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሕን ንደሞክራሲን – በነሉክስ

ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን – ኖርወይ

ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላም – ጀርመን

ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራሲን – ስዊዘርላንድ

መቓልሕ ኤርትራ – ጀርመን

ኤርትራዊ ጠቕላላ ባህላዊ ሕብረት -ሽወደን

ኤርትራዊ ማሕበር ተጣባቒ ንሰብኣዊ መሰላት – ጀርመን

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ – ሽወደን

ማሕበር ስኒት ሰላም – ጀርመን

 

ነሓሰ 2011

ንዝኾነ ትዕዝብቲ ወይ ርክብ ኣብዚ ዝስዕብ ኢመይል ክጻሓፍ ይከኣል :

EritreanCivicOrg@yahoo.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5503

Posted by on Aug 3 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net