ኣገባብ ምቕርራብ ሃገራዊ ዋዕላ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

27 መጋቢት 2010

መወዳእታ ሳልሳይ ክፋል

ሃገራዊ ዋዕላ ክሳብ ሕጂ ዘይተተግበረሉ ናይ ባዕሉ ምኽንያት ኣለዎ። ሃገራዊ ዋዕላ ክሳብ ሕጂ ኣይተገብረን’ሞ፡ ግዜ ስለ ዝሓለፎ ንሰማማዕ ኣይንሰማማዕ ግድነት ሎሚ ክኸውን ኣለዎ ማለት ከኣ ካብ’ቲ ሃገራዊ ዋዕላ ከይተገብረ ዝሓለፈ ዝሓሸ ሃለዋት ከምጽእ’ዩ ዝብል እምነትን ዘለዎ ከምኡ ክኣምኑ መሰሎም’ዩ።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ ኣገባብ ኣቀራርባ ሃገራዊ ዋዕላ፡ በቲ ኣብ ቻርተር ይኹን ኣብ ቅዋም ኤ.ዲ.ኪ ሰፊሩ ዘሎ ስምምዓትን ውሳኔታት ሓደ እቲ ስልጣን ንህዝቢ ክወሃብ ኣለዎ ዝብል ክዛረበሉ ከም ዝደሊ ኣመልኪተ ነበርኩ። እወ፡ እቶም ኩሉ ኣባላት ውድባንት ኣብ ኪዳን ዝተሰማምዕሎም ነጥብታት ኣብ ሰነድ ሰፊሮም ኣለዉ።

ኣብ’ዚ ሕጂ ንርከበሉ ዘሎና መስርሕ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ኤርትራ፡ ቀጥታዊ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ብኣተሃላልዋናን፡ ማለት ኣብ ደረጃ ምቕዋም ዘሎ ሓይልታት ኣብ’ቲ መቐያይሮ ስልጣን ከይበጽሐ፡ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት እንዳሃለወ፡ ሃገር ትመሓደረሉ ቅዋም ኣብ ዘይሃለወሉ፡ ንህዝቢ እዚ’ዩ ስልጣንካ ምባል ዘሸግር’ኳ እንተዀነ፡ ንህዝቢ ኣብ ነካይዶ መስርሕ ቃልሲ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ፡ ሓሳቡ ከስፍርን ክገልጽን፡ ሓበሬታ ክረክብን፡ ኣብ ውሳኔ ክበጽሕ ካብ’ቲ ዘየካትዕ  ምስት’ቲ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ከከም ናህሩ ክጓዓዝ መሰሉ እዩ።

ናብ’ቲ ጽባሕ ንሰጋገረሉ፡ መድረኽ ደሞክራስን ፡ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ድማ ሎሚ እምነ ኵርናዕ ዘቐመጠ፡ ሰረት ዘንበረን፡ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ምስ ህዝቢ ከራኽበናን ሓያል ዝምድናን ምትእስሳርን ከረጋግጸልና ዝኽእል ከኣ እቲ ቅንዕናን ግሉጽነት እነዘውትሮ መሪሕ ግደታታና’ዩ።

እቲ ሕቶ ሕቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ገቢሮም ዝወስድዎን፡ ወይ ከኣ እቲ ጉዳይ ብኡ ደረጃ ክንበብ ዝደልይዎ ኣለዉ። እዚ ግን ጌጋ’ዩ። ህዝቢ’ውን ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ እንተዝሕተትስ፡ መዓስ ፈሊጡ በየን መንገዲ ተሓቢሩ ተሓቲቱ መልስ ክህብ እንተዝግበር ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ።

ብኤ.ዲ.ኪ ዝተማእከለ፡ ካብ ህዝቢ ንዝቀረቡ ሓሳባት ጠርኒፉ ብሰነዳዊ ንድፊ፡ ንኣባላት ውድባትን ግዱሳት ሃገራውያንን ሰሚናራትን ኮፈረንስ ክሳብ ዘይተኻየደ፡ ንህዝቢ ኣፍሊጠ፡ ኣዊጀ ክበሃል ኣይከኣልን’ዩ። እሞ እቲኦም ጡርምባ ሃገራዊ ዋዕላ ዝነፍሑ ዘለዉ፡ ተገዳስነቱን ዕብየቱን ብኸመይ መንገዲ ዝተተኽለ ሽማግለን ዋዕላን’ዮም ከዕብይዎን ከተዓባብይዎን ዝደሊዩ ?

ዕብየትን ክብርን ሃገራዊ ዋዕላን፡ ኣብ ኢድ ብዝተጨበጠ፡ መስርሕ ዘተን ዝርርብን፡ ናይ ኣባላት ውድባት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናይ’ቲ እኵብ ድምር ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ህዝብን’ዩ። ነዚ ከኣ ይጽንሓለይ ዘይበሃል በብሃገሩ ኣብ ዝካየድ ንኡስ ዋዕላታት ከም ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ሰሚናራትን ኣኼባታትን’ዩ። ክሳብ ሕጂ ብዘሎኒ ሓበሬታታት ብኤ.ዲ.ኪ ዝተማእከለ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተኻየደ ሰሚናራት የልቦን። ክግበር እንተጽንሐ ከኣ ግዱሳት ደቂ ሃገር ከልዕልዎ ዝጸንሑ’ዮም። ይኹን’ምበር ዋላ በቶም ግዱሳት ኣባላት ኪዳን ይኹን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝተኣከበ ሓሳባት ከም ንድፊ ክቀርብ ኣይተራእየን። እቲ ሓሓሊፉ ክወጽእ ዝጸንሐ፡ ሓጺርን ከም’ቲ ዝግባእ መግለጺ ትሕዝቶ ዘይብሉ እዩ።

ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ክለዓሉ ዘለዎም ሕቶታት፡ መልሲ ናይ’ዚ ሕጂ ዋዕላ እንተዘየተገይሩ’ሉ ዝፍክርን ዘፈራርሕን ዘሎ ወገን’ዩ።

ሀ/ መሪሕነት ኤ.ዲ.ኪ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽዕወት፡ ብዕላዊ ሰሚናራት ኣቢሉ ንህዝቢ ክገልጽን ከለዓዕል ዝገበሮ መስርሕ ብሰነድ ከቕርብ ይኽእል’ዶ ?

ለ/ ሰሚናራት ዝተኻየደ እቲ ዝቀረበ ንድፊ እንታይ ነይሩ ?

ሐ/ ነቲ ንድፊ መን ኣቕሪብዎ

መ/ እቲ ንድፊ ተቐባልነት ረኺቡ ዶ ?

ሰ/ እታ ኣብ መንጎ መሪሕነትን ህዝብን ተራኽብ ሽማግለ በዚ ሰሚናራት ዝዝሓለፈትን ዝበሰለት ድያ ?

ረ/ ካብ ኣባላት ውድባት ኪዳን ወጻኢ ዝርከቡ ህዝቢ፡ ሲቪል ማሕበራት፡ መርበብ ሓበሬታታት፡ ናይ ሬድዮ ማዕከናት ብኽመይ ኣገባብ ኣብ’ዚ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፉ ቀጥዒ ተገይሩ፡ እዞም ኣብ’ዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ትካላት ብቐጥታ ካብ ኪዳን ሰነድ ንድፍን፡ ውክልናን ተቐቢሎም ዶ ? ንውክልንኦም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ብኸመይ ተሳማሚዖ ?

ኤ.ዲ.ኪ ነዚ ዝጠቐስክዎን ካልእ ዘይተላዕለ ሕቶታት ዘይመለሰ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ሰጊሩ እንተደኣ ሓሊፉ፡ ናይ መስርሕ (Procedure) ጌጋ ጥራሕ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን፡ መሰረታዊ ጌጋ ዘለዉ’ዩ። ግዜ መምህር’ዩ። ሰውራዊ ባይቶ እንተደኣ ተላዒሉ ብዘይተፈልጠ ምኽንያቱ ርእሶም ዝሓሙ ብዝሓት እዮም። ሎሚ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ካልእ መድረኽ ተሰጋጊሩ ከም ውድብ ኣብ ዘይሃለወሉ፡ ክሳብ ሕጂ ብኡ ዝብህርሩ ኣይተሳእኑን።

ግን ከኣ ሓቂ ሰጊርካ ስለ ዘይሕለፍ ብሕጽር ዝበለት ሓንቲ መስርሕ ተምክሮ ክጠቕስ እፈቱ።፡ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ’ዚ ደምበ ተቃውሞ ሸንኮለል ዘብሎ ዘሎ ጉዳይ ሓደ መዋጽኢ ክገብር ክሳብ ውድቡ ኣፈሪሱ፡ ፍታሕ ንቃልሲ ፡ ፍታሕ ንሓድነት ሃገራውያን ሓሳብ ኣቕሪቡ፡ ንህዝቢ ኣዊጁ፡ ሰሚናራት ኣዳልዩ፡ ንውድባት ዓዲሙ ኣዘራሪቡ፡ ሓሳባቶም ክገልጹ ሓቲቱ፡ ንሲቪል ማሕበራት ብተመሳሳሊ ሓቲቱ፡ ንዝርርብ ዓዲሙ፡ ንውልቀ ሰባት ገዝኦም ኳሕኵሑ ሓሳባቶም ርእይቶኦም ኣረዳድኦም ሓቲቱ። ደገፍ ረኺቡ ሰኒዱ፡ ነቐፈታ ረኺቡ ሰኒዱ፡ ዕቓበታት ረኺቡ ሰኒድዎ ከኣ። እቲ ደገፍ ስለ ዝሓየለ ግን መስርሑ ቀጺሉ ተዓዊቱ። ናይ ሕሉፍ ጽልኢ ቕርሕንቲ፡ ሕነ ናይ ታሪኽ ንታሪኽ ገዲፉ ብሓዲሽ ተበጊሱ፡ ኣብ ጉዕዞ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ጉዕዞ ከኣ ምስ ካልኦት ውድባት ሰልፍታት ኣተሓቋቝፍዎ። ተቐባልነት ረኺቡ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ክዋሳኣሉ ዘለዎ መድረኽ ፈጢሩ፡ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ተወሊዱ እቲ ዘይሕለል ድኻም ስራሕ ቃልሲ ናይ ኩሎም ነቲ ሰልፊ ክውን ክገብሩ ዝደልዩ ሓይልታት ከኣ እዩ ነይሩ።

ምእንቲ’ዚ እቲ ሕቶ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ’ቲ ሕሉፍ ተምክሮ ክዓብን ክሰፍሕን፡ ክዝረበሉን ዘለዎ ጉዳይ’ዩ። መሪሕነት ተኣኪቡ ጥራሕ ከይዀነ ገዛ ገዛ ክዅሕዃሕ ክገብር ዘኽእል መምርሒ ኢዩ ክእወጅ ንስለ ዘለዎ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ሕቶ’ዩ።

መደምደምታ

ሃገራዊ ዋዕላ ሕቶ ወልደየሱሱ ዓማር፡ ኣምባሳር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም ጥራሕ ኣይኮነን። ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ንሳቶም’ውን ነቲ ጉዳይ ከኣ ከም ውልቃዊ ሕቶታቶም ዘይኮነስ ከም ንህዝቢ ከርብሕ ዝኽእል፡ ንዓወት ሃገራዊ ዋዕላ ብዘጣዓዕም ርትዓዊ ኣገባብ ክፍጸም ከም ዘለዎ’ዮም ሕቶ ዘቕረቡ።

ጉዳይ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብሕሪያ ኣይኮነን፡ ብምድሌትም ምርጫን’ዩ። ስለ ዝዀነ ከኣ ሓድነት ተቃወምቲ ሓይልታት ብፍላይ እዞም ሕጂ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝተኸሱ ሰባት ብዝለዓለ ዝጽዕርሉ ዘለዉ እዮም።

ከም ምስክርን ከም መጎተን ግብረ መልስን ነቲ ናይ ሓሶት ወፈራ ፡ እዞም ባእታታት እዚኣቶም፡ ንኪዳን ዝኸላኸሉን ዝጣበቑን እዮም። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኪዳን ከሕይል ዝቃለስ ሰልፊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ድፊኢት መራሕቱ ኩሉ ግዜ ኣሎ።

ካብ’ቲ ዝገርመኒ ስለምንታይ እዞም ሰባይ ኣንጻር ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ መደባት ኤ.ዲ.ኪ ይኽሰሱ ኣለዎ መረዳእታ ከቅርበሉ ይሽግረኒ። መንግስተኣብ ኣስመሮም ከም ሕጹይ ንመሪሕነት ኤ.ዲ.ኪ ንኽቀርብ ዘይፍትሓዊ ተቃውሞ ኣጓኒፍዎ፡ ወልድየሱስ ዓማር ንዘቕረቦ ሕጹይ ብዘይብቕዕ ምኽንያት ተቐባልነት ብዘይምርካቡ ካብ ኣኼባ ወጺኡ፡ ይኹን’ምበር ኣባላት ውድባት ኤ.ዲ.ኪ ይዀነና ዝብልኦ መሪሕ ተቐቢሉ ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጹ።

ኣምባሳድሮ ኣድሓኖም ገብረማሪያም’ውን፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዘለዎ ርድኢት ጽኑዕን፡ ንምእንቲ ህላወ ኪዳን ዝቃለስ ምዃኑ፡ እፈልጥ። እዚ ናይ’ዞም ሰለስተ ሰባት ውሁድ ሓሳብን’ሞ ኣብ ሓደ ሰልፊ ምህላዉ ከም ሓይሊ’ምበር ከም ድኻምን ንዘይጠቕም ክሲ ዝሳጣሕ ዘይኮነስ ብድሕሪኡ ነዊሕ ተምክሮ ዘለዎ መሪሕ ኣካላት ምኻኑ ኩሉ ዝፈልጦም፡ ንሙሉእ ግዜኦም ዝቃለሱ ሰባት እዮም።

ሃገራዊ ዋዕላ ሕማም ርእሲ ኮይኑና ኣይፈልጥን፡ እቲ ዝገርም ንምእንቲ ፍትሕን ሰላም፡ ንምእንቲ ሓድነትን ጥርናፈን እቶም ሓደ ሰልፊ ክቐውም ውድባቶም ክፈርስ፡ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ከይፈስ፡ ከይጠፍእ፡ ከይዳኸም ዝተቃለሱን ዝጽዕሩን’ዮም። እዋኑ ግን ኮር ተገልበጥ ኮይኑ።

ወልደየሱሱ ዓምር ጊላ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡ እቲ ዝሕፍር ከኣ ኣቦ መንበር ኮይኑ እሞ ናይ መጊላ እዩ ክኸውን። እሞ ኣቦ መንበር ከም ጊላ ክጽዋዕ እንተኾይኑ ኩሎም ኣብ ቦታ ኣቦ መንበራት ዘለዉ ጊሎት’ዮም ማለት እዩ። ጸሓፊ ትርጕም ጊላ ከተጽንዕ ይግብኣካ።

ኣምባሳር ኣድሓኖም ገብረማሪያም ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ዝጸንሓሉ ኣብ ፈቐዶ ግንባራት ኣብ ኵናት ዝጸንሐ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ኣቛሪጹ ንሜዳ ዝተሰለፈ ባእታ፡ ካብ ናይ ኣምባሳድር መዓርግ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንደምበ ተቃውሞ ዝመረጸ፡ ኣባል ጉጀል 15 እዩ፡ ቁርብ እንተተሰከፍካ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም ካብ ኣዲስ ኣበባ ዪኒቨርሲቲ፡ ንሜዳ፡ ካብ ስቶክሆልም ዪኒቨርሲቲ ንሙሉእ ግዜኡ ቃልሱ ክወፈ ዝመረጸ፡ ክሳብ ወጻኢ ኸይዱ ካብ’ቶም ኣብ ፖለቲካዊ ዝቐሰመ፡ ኣብ መስመር ህዝባዊ ቃልሲ ንእስነቱ ዘብለይ ንምዃኑ ንእግረ መንገደይ ክገልጽ እፈቱ።

እዞም ባእታታት ካብ’ቲ ዝነበሮም ናይ ማሕበራዊ ናብራ ሂወት፡ ናብ’ቲ ዝኸፈአ ናይ ሞትን ስንክልናን፡ ናይ ጥሜትን ጽምእን ሃላኽ ናብራ ገድሊ ዝመሩጹ’ምበር፡ ካልእ ኣይነበረን። እዚ ቅዱስ ተግባራት ከውቕሶም ከኣ ኣይግባእን።

ካልእ ክውስዀ ዝደሊ ሕጽር ዝበለ ግን ዓቢ ጉዳይ ኣሎ፡ እዞ ባእታታትን ንዖኣኦም ዝመስሉን፡ ዕድሎም ጥራሕ ኣይኮኑ ሰቢሮም ወይ ቆጽዮም፡ ትጽቢት ክቡራት ወለዶም፡ ነቶም ክቡራት ኣሕዋቶምን’ውን። ነቲ ቆራጽን ተባዕ ስጉምቲ ካብ ስድራ ቤቶም ናብ ትጽቢት መላእ ህዝቢ ክኸውን ዝመረጽዎ፡ ሎሚ ክኽሰስሉ ግቡእን ርትዓውን ኣይኮነን።

ሎሚ’ኮ ንርብዒ ክፍለ ዘመን ሓፋሽ ኣብ ቃልሲ እንከላ፡ ብተቃወምቲ ዝላገጹን ዝዋራዘይን ከሳሲ ሰሚዕካን ኣንቢብካን ትኸውን፡ እሞ ነዞም ተባዓት ጀጋኑ ተቃለስቲ ብምርጭኻ ትሕቲኦም ክትሰርዕም ንምታይ ክትቃለስ ምህላውካ ፈላጢ ባዕልኻ ኢኻ። እምበር ነዚ ናትካ ሕንቕል ሕንቅሊተይ ነቐፈታ ዝፈትሖ ክህሉ ዝኽእል ኣሎ ኣይብልን።

ካልእ ከኣ ብዛዕባ ወይጦታት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝዝምርን ብዛዕባ ሓደ ምሁር ኤርትራዊ ዝምድርን ኣሎ፡ እወ ፕሮፈሶር ተስፋጽዮን መድሃኔ ብዛዕባ ሞያኡ ጽቡቕን፡ ነቐፈታዊ ሸነኹን መሚና ነቐምጦ ጉዳይ ኣሎ። ነዚ ከኣ ኣብ ግዜ ደገፍ ንዝነበራና ደጊፍና፡ ብዓኒ ነቐፈታን ዝነበረና ጉዳይ ከኣ ነቒፍና፡ ደራሲ ብፍላይ።

ካልእ ሓደ ነገር ኣሎ፡ ኣብ ኣርጀንቲና ንኣርማኖ ዲያጎ ማሮዶና ዝድግፉ ኣለዉ፡ ነቲ ደገፋቶም ካብ ስፖርት ሓሊፉ፡ ከም ሕደ ቅዱስ ክዛረብሉ ጀሚሮም ቤተ ክርስትያን ገይሮም ከም ሓደ ቅዱስ ኣሚኖም፡ ካብ ካቶሊካውያን ካብ ፕሮትስታንት ተፈሊዮም ኣብኡ ኣብ’ቲ ቅዱስ ኣርማኖዶ ዲጎ ማሮዶና ዝጽዋዕ ቤት ክርስትያን ክጽልዩ ዝጀምሩ ኣለዉ።

ኣብ ኤርትራ ብተመሳሳሊ፡ ንመራሒ ምልካዊ ስርዓይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ፍጹም ዘምልኹን፡ ኣብ ቤቶም ናይ ቅዱሳት መላእኽቲ ስእሊ ኣውሪዶም ስእሊ ኢሰያስ ዝሰቐሉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለዉ። ከም መቐጸልታ ውልቃዊ እምነት ከኣ ነሓንፍት የብሉ ነቐፈታ የብሉ፡ ኣብ ደመበ ተቃውሞ ከኣ ብተመሳሳሊ ንሞያ ገገለ ሰባት ልዕሊ ኩሉ ክሰርዕዎ፡ ካብ ስድራ ቤት ዝጀመረ፡ ኣብ ቃልሲ ቀጺሉ ንዝተኸፈለ መስዋእትን እቲ ናይ ዝተመሳሰሉ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝተኸፍለ ዋጋ ከይገደሶም ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣዛይዶም ክገልጽዎ ዝደልዩን ዝመርጹን ኣለዉ። እዚ ናይ ኣረዳድኣ ድኽነት ከኣ ከም’ቲ ብሰብ ዝሓደሮም ሕማም ነቲ ዝደልይዎ መራሒ ዝብሎ እንተዘይገቢርካ ካልእ ዝፍውሶ ዘሎ ኣይመስለንን። ህ.ግ.ዲ.ፋዊ ወይጦ እንተሃለወ፡ እቲ ዝኸፍኤ ኣድራሻ ዘይብሉ ወይጦ ‘ዩ። ብዛዕባ ሓሳብቶም ምቕባል ንዝምልከት ናይ ጉዳይ ህዝቢ ስለ ዝዀነ ንህዝቢ ዝተርፍ ሕቶ እዩ።

ሰላምን ፍትሕን ንኩሉ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=566

Posted by on Mar 29 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net