ጻውዒት ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ምንቅስቃስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ)

ሎማ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ሕሰምን ኣደራዕ መከራን እንዳወርዶ ይርከብ፡፡ እዚ ዘበን እዚ ድማ ካብ ዝኾነ ይኹነ ህዝቢ ወይ ግለሰባት ንርእሰ ኩናት ኢሳያስን ህግደፋውያንን ጥዒሙዎም ኣሎ፡፡ እንብአርከስ እዚ ውልዶ ምንቀስቓስ መንአስያት ኤርትራ፡፡ ምደፍኤ ካብ ዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናየን ክልተ ዘይሳነያ ጫፋት ተበጊሱ ዩ ዘበነ ህግደፋውያን ንኽብቅዕ ዘበነ ህዝቢ ድማ ንክጥጥዕ ብምሕሳብ ንህግደፍ ብናይ ሓይሊ ስነሞጎት ንምድምሳስ ተዳልዩ ይርከብ፡፡ 

 

ውድብና ምደፍኤ ህዝብና ካብ ዘለዎ ጸገምን ስቓይን መከራን መታን ክድሕንን፡፡ ካብ ዝዘንቦ ዘሎ ሕሰም መከራ ንክናገፍ ብዜካ ቃልስን ቃልስን ጥራ ድኣምበር ካልእ መፍትሒ ወይውን መማረጺ የብሉን ኢሉ ይኣምን፡፡ ስለዚ ዩ እንብአር ውልድ ምንቅስቃስና ምደፍኤ መንእስይ ኣብ ቃልሲ ዘለዎ ትርጉም ብምሕሳብ መንእስያት ብመንእስያት ዝተሃንጸ፡፡

 

እቲ ዓቀበት ዝድይብ እቲ ቁልቁለት ዝወርድ እቲ ንድሽካ ዝትኩስ እቲ ጎዩ ዝማርኽ እቲ ዘጥቅዕ ዝሃልኽ መንእሰይ ዮ፡፡ ከምዚ ስለዝኾነ ድማ እቲ መንእሰይ ናህተይ ዩ ዝብሎ ባዕሉ ዝመስረቶ ካብ ዝኮነ ይኾን ድሑር ቀይድታት ነጻ ዝኾነ ሓዱሽ መንፈስ ሓዱሽ ራኢ ሒዙ ተበጊሱ ይርከብ፡፡

 

ኣመሰራርታ መንእስያዊ ምንቅስቃስና ካብ መዓስከር ስደኛታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ተባህለ ቦታታትን ካብ ካልኦት ከባቢታት ዝመጻእና መንእስያትን ክንከውን ከለና ኣብዘን መዓስከራት ዝርከባ ዝነበራ ናይ መንእስያት ማሕበራት ግለሰባትን ብምትሕብባር ናብ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክንልወጥ ከምዝግባእ ብምትእምማን ኣብ መስከረም ሓደ 2009 ኣብ ዝተገብረ ዓብዩ እኼባ ምደፍኤ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ፖለቲካ ወድብ ኮይኑ ክቕጽል ተሰማሚዕና፡ በዚ መሰረት ድማ ውድብና ምደፍኤ መንእስያት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ፖለቲካዊ ተሳትፎኦም ከረግጽሉ ዝኽእሉ ውድብ ኮይኑ ተመሰረተ፡፡ ኦ ሓፍሽ ህዝብና፣ ኦ አሕዋትን አሓትን መንእሰያት ኤርትራ ውድብና ምደፍኤ ኣብቃልሲ ምጥፍእ ንስርዓት ህግደፍ ክረአ ንዝጸንሐን ዝረአን ዘሎ ጸገማት ንምብደህ ዝተላዕለ ካብሑሉፍ ታሪኻዊ ወቀሳ ነጻ ዝኾነ ኣብዚ ናይ ሕጂ ዝግበር ቃልሲ ድማ ኣወንታዊ አስተዋጽኦ ክገብር ኣሎኒ ኢሉ ዝተበገሰ ምንቅስቃስ  ምኻኑ እንዳሓበርና ኩሉ ሓፍሽ ህዝብናን መንእስያትናን ድማ ኣብ ጎንና ክስለፉ ጻዊዒትና ነቕርብ፡፡ ውድብና ምደፍኤ ስርዓት ህግደፍ ብሐይልን ብሓይልን ጥራይ ተወቒዑ ክእለ ዘለዎ ስርዓት ዩ ኢሉ ይኣምን፡፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ድሮኳ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ እንጅምር እንሆ ካባቢ 5ተ ወርሒ በጺሕና፡፡ ብመሰረት ውድባዊ እምነትና ድማ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከም ቀንዲ ዕማማት ጌሩ ክሰርሐሎም ምኻኑ ክንሕብር ንፈቱ፡፡

 

  1. ናይ ቀዳማይ ቀዳምነት ንህቦ ጉዳይ እንተድኣ ሃልዩ ኮይኑ ንጸረ – ህዝብን ጸረ-ድሞክራስን ስርዓት ህግደፍ ምእላይ ዩ፡፡
  2. ስርዓት ህግደፍ ክእለ ዝኽእል ድማ ብተግባርን ኣብተግባርን ብምስራሕን ጥራይ ዩ ኢልና  ንኣምን፡፡
  3. ስርዓት ህግደፍ ወታደራውን ዴክታቶርያውን ጸረ-ህዝብን ጸረ-ዲሞክራስን ዩ ኢልና ብምእማን ንኸምዚ ዝበለ ሓይሊ ድማ ብዘይካ ብጎነጽን ብሓይልን ብካልእ መንገዲ ክትቃወም ምፍታን ንነብስኻ ናብ ሐደጋ ምእታውን ንዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ምንዋሕን ካብ ምኻን ሓሊፉ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ ኣሎ ኢልና አይናአምንን ስለዝኾነ ድማ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ብረት ተጸፈዑ ክጠፍእ ዝግበኦ ስርዓት ዩ ዝብል ተሪር ዘይዕጸፋ መርገጺና ዩ፡፡
  4. ካልእ እቲ ንህዝብና ይኹን ንገለ ክፋል ሕብረተሰብናን ገዳይም አባላት ጀብሃን ህዝባዊ ግንባርን ከም ድላዮም ተኣማሚኖም ከይቃለሱን ነንሕድሕዶም ከይሰማምዑን ገይሩ ቀይዱ ሒዙ ዝርከብ ዘሎ እቲ ሑሉፍ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዮ ኢልና ንኣምን፡፡ ንሱ ድማ ጀብሃ ነበርን ሻዕብያ ነበርን እንዳተባሃሃልካ ምፍልላይ ከምዘሎ ርእሰ ግሉጽ ሐቂ ዩ፡፡ እንብኣር ውልደ ምንቅስቃስ መንእሰይና ምደፍኤ ሑሉፍ ታሪኽ ንጸሓፍቲ ታሪኽን ሰነድትን ዝግደፍ ድኣ እንበር ታሪኽ ውድዕነት ኮይኑ ቀያድን ሓላኽን ክኸውን የብሉን ኢልና ናአምን፡፡ ብመንጽር እዚ ድማ ውልዶ ምንቅስቃስና ሁሉውን ወደዓውን ኩነታትና ዝጠመተ ተግባራዊ ስራሕትታት ከነድህብ ይግባእ እንደበልና፡፡ እቲ ኣብ ገለ ክፍል ሕብረተሰብና ዝረአ ጸገም ንዓና ንመንእስያት ከምዘይትንክፍና ብግልጺ ክንዛረብ ንፈቱ፡፡

 

  1. ምስተን ቅድሜና ዝጸንሓ ውድባት ዝኾነ ይኹን ቂምን ባእስን የብልናን፣ እኳድኣስ ብኣንጸሩ ምስቲ ቅድሜና ጀሚሮም ምጽንሖም ሃብታም ልምድን ክእለትን ከምዘለዎም ብምእማን ምስኩሎም እያታትናን ኣሕዋትናን ተሳኒና ንስርዓት ህግደፍ ንወግደሉ ኩነትት ክንፈጥር ልባዊ ድልዩትና ዩ፡፡

 

  1. ምስ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ዝኾነ ጫፍ ዓለም ዘለው ማሕበር መንእስያት ይኹን ሲቪክ ማሕበራት ሐቢርናን ተሓባቢርናን ንምስራሕ ድልዋት ኢና ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እዛ መግለጺ እዚኣ ካብ ዘውጻእናላ ዕለትን ሰዓትን ጀሚሩ ንዘተ ድልዋት ኢና፡፡

 

  1. ልዑላውነት ህዝባን መሬታን ዝተሓለወት ኤርትራ ንምርግጋጽ ንቃለስ፡፡

 

  1. ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት መታን ክህሉ ንቃለስ፡፡

 

  1. ልዕልና ሕጊ ዝተረጋገጸላ ህዝባ ብሰላምን ብስኒትን ብሕድሕድ ምክከባርን እንነብረላ ኤርትራ ንክትሁሉ ንቃለስ፡፡

 

  1. ናይ ምሕሳብ ናጻነት ዝተረጋገጸላ ሃገር ማለት ናጻ ፕሬስ (ናጻ -ሐሳብ ነጻ-መንፈስ) ዘለዋ ሃገር ክትህልወና ንቃለስ፡፡

 

 እዘም ካብ ቁጽሪ ሓደ ክሳብ ቁጽሪ ዓስርተ ዝጠቐስናዮም ነገራት ካብቶም ዕላማታትና ከም ኣብነት ዝጠቀስናዮም ድኣ እንበሪ ንሙሉእ ውድባዊ ዕላማና እንተድኣ ደሊኹም ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና ተዓዘቡ፡፡

 

  • ኦ! ኣሕዋት መንእስያት፡- ሎሚ ሃገርና ከም ሃገር ክትጸንት ኣብ ትቃረበሉ ዘላ ሰዓት ኣለኹ ክንብላ ይግባእ እሞ ሃየ ግዚኡን ሳዓቱን ሕጂ ስለዝኾነ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ምስ ውልዶ መንእስያዊ ምንቅስቃስኩም ምደፍኤ ኢደይ ኢድካ ብምባል ንህዝብና ካብ ምጽናት ንሃገርና ድማ ካብ ምብትታን ነድሕና፡፡

 

  • ኦ! ኣብ ውሽጢ ሃገር ትርከብ ሓፍሽ ህዝብና ክሳብ ለይቲ ሎሚ ተጸቒጥካን ተበዲልካን ኢኻ ድሕሪ ሕጂ ግን ጀጋኑ መንእሰያት ደቅኻ ንመጸልካ ኣሎና ሞ ኣጆኻ ቅሰን ነዚ ጨቋንን ጨፍጫፍን ጸረ-ህዝብን ጸረ-ዲሞክራስን ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ሚሒና ክንድርብየልካ ኢና፡ ብሳላ ናይ ተግባር መንእስያት ደቅኻ ድማ ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ክትርኢ ኢኻ፡፡ ምስ ውልዶ መንእስያት ወድብካ ብምትሕባበር ድማ ንስርዓት ህግደፍ ናብ ሓመድ ድበ ከተብጽሖ ተዳሎ ንብለካ፡፡

 

  • ኦ! ኣብ ደገ ትርከቡ ህዝብና ምስ ዲሞክራስያዊ ውድብኩም ምደፍኤ ተሰሊፍኩም ጭንቅን ጸበባን ህዝብኹም ይአክል በልዎ ንብለኩም፡፡ ውድብና ምደፍኤ ስርዓት ህግደፍ ክጠፋእ እንተድአ ኮይኑ ብዘይከ ብተግባር ብምውቃዕ ብጽሎት ስለዘይጠፍእ ኩሉኹም ኣብደገ ትርከቡ ህዝብና ብገንዘብ ይኹን ብንያት እንተድኣ ሓጊዝኩምና ንስርዓት ህግደፍ ብተግባርን ብሰራሕን ብምእላይ ስልጣን ንህዝቢ ከነረክቦ ምዃና ዋላ ንካልኢት ውን ስለዘይንጠራጠር ሃየ በሉ ኢደይ ኢድካ ንበል ንጠራነፍ ንብለኩም፡፡ ቅድሚ ምውደእና ድማ ሓንቲ ግጥሚ ከነዘኻኽሪኩም፡፡

ሎሚ ዘይከተተ

ኮታ ዘይ መከተ

ታሪኽ ኣልቦ እዩ ብደው ከምዝሞተ

እዚአ ግጥሚ ኣብ ቃልሲ ንነጸነት ኤርትራ ኳ እንተተገጥመት እቲ ዝገርም ግን ዋላ ሕጂ ጠለባ ወሳኒ ከይኑ ንረኽቦ እሞ የሕዋት ደቂ – ሃገር ንኩላትና ትርሓሰና ንብል፡፡

 

  • ንኩሎም ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኤርትራ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ድዮ ወይ ኩነታት ዝፈጠሮ ብዘይፍለጥ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ምስ ወጻ ብቀጥታ ናብ ወዲ ሃገር ገዛኢ ደርቢ የን

ተሰጋጊረን፡፡ ኤርትራና ድማ ዕጫ ኩሉን ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጋጢሙዋ እንሆ ድማ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሑ ብምእታው ሃገራዊ ነጻነት ድሕሪ ምርግጋጽ ቁሩብ ጸኒሑ ህግደፍ ኢሉ ስሙ ብምስያም ናብ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሩ፡፡ እቲ ኣብቃልሲ ንነጸነት ኤርትራ ዝተገብረ ቃልሲ ድማ ካብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ሓሊፉ ኪንኡ ዝጠመተ ፖለቲካዊ ሽቶ ስለዘይነበሮ ድልየትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ተጨውዩ ናብ ጥቕምን መዐንደርን ኢስያስን ኮራኹሩን ኮይኑ ተሪፉ፡፡ ኣብቃልሲ ንናጻነት ኤርትራ ንፍትሕን ንዲሞክራስን ህዝባዊ ሓርነትን ኮላይ ዘጠቃለለ ቃልሲ ተገይሩ እንተዝኾውን ነይሩ ናብዚ ሐጂ በጺሕናዬ ዘለና ሕማቅ ኩነታት ኣይምወደቅናን ኢልና ንኣምን፡፡

 

  • እንበኣር ውላድ መንእስያዊ ምንቅስቃስና ምደፍኤ ኣብዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ውን ሑሉፍ ንከይንደግሞ ምጥንቃቅ ከምዘድሊ ኣብ ግምት ብምእታው ኩላትና ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ህዝባዊ ሓርነትን እንተደኣ ንቃለስ ሃሊና ኩላትና ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኤርትራ ኣብክንዲ ምንጽጻግ ልዝብን ምክእኣልን ከነሕይል ኣለና እንዳበልና እቲ ኣብ ቃልሲ ንነጻነት ኤርትራ ዝተራእየ ኲናት ሕድሕድን ምንጽጻግን ሎሚ ኣብዚ ወለዶ እዚ ክድገም ከምዘይብሉ ናይ ኩላትና እምነት ክኸውን እንዳተማሕጸና ምስ ኩሎም  ተቃለስቲ ውድባትን ኮነ ስቪክ ማሕበራትን ከምኡ ውን ውልቀሰባት ተሓባቢርና ክንስራሕን ክንላዘብን ድልዋት ምኻና ንሕብር፡፡

 

 

ደሞክራሲያዊ ስነ-ሓሳብ  ብደሞክራሲያዊ ግብሪ ይሰነ!!

 

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

 

 

ላዕለዋይ ሽማግለ

ምንቅስቃስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ)

ነሓሰ 28, 2011

EMDJ2011@GMAIL.COM

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5666

Posted by on Sep 1 2011 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ጻውዒት ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ምንቅስቃስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ)”

  1. اني ارى تحت الرماد وميض نار…البيان مكتوب بالتجرينة ولم نفهم منه شيئ!!أم إنه خاص لفئة معينة؟ وإلا لماذا التجرنية فقط ؟شكلها الناس دي لسع ما إستوعبت الدرس .والا هذاتكريس للتهميش .!!!وجهان لعملة واحدة ونحن نرفض هذا السلوك جملةً
    وتفصيلاً.وهذا التحامل على اللغة العربية .ام إنها نسخة أخرى من تلك المشؤمة- نحنا علامانا!؟بلله نرجوا من موقعكم الموقر نشر هذا التعليق
    وشكراً.

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net