ብዛዕባ ከመይነት መስርሕ ጉዕዞ ምስንዳእ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝምልከት ትልሚ ሓሳባት

(Road Map)

I. መእተዊ:

ህዝብና ካብ ታሪኽ ተጋድሎ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣትሒዙ ክሳብ መስርሕ ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ምርግጋጽ ይኹን ድሕርኡ ናብ ከባቢ 19 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝቢ ዝዀነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ወዲቑ ሓሳረ-መከርኡ ረኺቡ’ሎ፡፡ ኣብ መስርሕ ኣብ ጕዕዞ ንዝተኸስቱ ፍልላያት ሓድነቱ መሊኹ ውሽጣዊ ዓቕምታቱ ንምጥራናፍ ዝገበሮ ቃልሲ ማዕረ-ትን ክንድ’ትን ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእትን ድሒሩ ዝቐጸለ ታሪኽን ዕድመ-ዘቑጸረ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ መሊኡ ከይተዛዘመ ዝጸንሐ ዓቢ ሃገራዊ ዕማም’ዩ። ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ካብ ዝገበሮ ምኽንያት ከኣ ሕቶ ሓድነት ንምርግጋጽ እንገብሮ ተጋድሎ ካብ ሕቶ ፖለቲካል ደሞክራሲ ንምርግጋጽ እንገብሮ ተጋድሎ ተነጻጺሉ ዘይረኤ፡ ልሙጽ ጉዕዞ ስለዘይኮነን ብከበድቲ ፈተንቲ ዝኾኑ ሓጎጽጎጻትን ጻዕርታትን ክሓልፍ ዝጸንሐን ዘሎን መስርሕ ናይ ቃልሲ ስለዝኾነ እዩ። እዞም ተነጻጺሎም ዘይከዱ መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ዝውስኑ መሰረታውን ማእከላውን ሕቶታት ናይ ህዝብና እዚኣቶም ስለዘይተፈትሑ’ዮም፡ ድሕሪ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ሓርበኛዊ ተጋድሎን ከቢድ መስዋእትን’ውን እንተኾነ፡ ነጻ ዝወጸት ልኡላዊት ሃገር ደኣ’ምበር ሓራ ዝወጸ ሕብረተ-ሰብን ደሞክራስያዊት ሃገርን ንምትካልን ንምህናጽን ዘይተበቕዐ። ኣብ ምሉእ መስርሕ ናይቲ ቃልሲ እዚኦም ፍታሕ ስለዘይረኸቡ ከኣ’ዩ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ነዞም ዘይተፈትሑ ሕቶታት ናይ ደሞክራሲ ተበሊጹ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝብና ብሓይሊ ጨፍሊቑ ብምሓዝ፡ ዳግም ሓሳረ-መከርኡ ዘርእዮ ዘሎ። እዞም መትከላዊ ሕቶታት እዚኣቶም መሊኦም ኣብ ዘይተፈትሑሉ ታሪኽ፡ ብቐንዱ ከኣ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ጎልቢቱ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ኣብ ዘይበጽሓሉ ደሞክራስያዊ መስርሕ ቃልሲ ሕቶ ሓድነት’ውን ማዕረ-ማዕሪኡ ብኡ መጠን ንምርግጋጹ ኣብ ዝግበር ተጋድሎ ናይ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ሕቶ ኮይኑ መሰረታውን ካልኣውን ጎንጽታትን ጉዳያትን ፈላሊኻ ብምርኣይ፡ ካልኣዊ ቦታ ዝሕዙ ካልኣዊ ቦታ ብምትሓዝ፡ ትኽክለኛ ግንዛቤ ተታሒዙሉ ንምዕዋቱ ቀጻሊ ናይ ተወፋይነትን ጽንዓትን ደሞክራስያዊ ቃልስታት ዝሓትት’ዩ።

ኣብ መስርሕ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕቶ ሓድነት ንምፍታሕ ብዙሓት ጻዕርታት ዝተኻየዱ’ኳ እንተኾኑ፡ ብፍላይ ኣብ መድረኽ ሰለማዊ ቃልሲ ምስ’ቲ ኩሉ ሽዕኡ ዝገጠሞ ውሽጣውን ግዳማውን ከበድቲ ዕንቅፋታት ብሓርበኛታት ወለዲ ብ1949 ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ትሕቲ ቀጽሪ ነጻነት (Independence Block) ብሽዱሽተ ውድባት (ሰልፍታት) ዝተመስረተ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ደምበ-ተቓውሞ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ እውን እንተኾነ፡ በብግዚኡ ጻዕርታት ዝተገብረሉ ኣወንታዊ ተበግሶታት’ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ መሪር ከቢድ ተጋድሎ ባዕላዊ ጻዕርታትን ንሓድነት ዘቀላጥፍን ዝድግፍን ውድዓዊ ምቹእ ናይ ምድግጋፍ ጉዕዞ መስርሕ ናይ ፈተውትን ብ1999 ምምስራት “ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ” ቀጺሉ ከኣ ብ2005 ዝቐጸለ “ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን” ኣብ ታሪኽ ሓድነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኖም ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እዞም ኩሎም ናይ ሓድነት ጉዕዞታት እዚኣቶም፡ ሓንሳብ ተስፋ ዝህቡ፡ ምፍንጫላት ክኽሰቱ እንከለዉ ከኣ ተስፋ ዘጸልምቱ ከበድቲ ናይ ሓጎጽጎጻት መስርሕ ክሓልፉ ዝጸንሑ ይኹኑ ደኣ’ምበር፡ ህዝብና ሓርነቱን ክብሩን ንምርግጋጽን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምትእትታውን ሓድነት ደምበ-ተቓውሞኡ ንምርግጋጽ፡ ከይተሓለለ ክቃለስ ዝጸንሐን ዘሎን ሃርበናዊ ህዝቢ እዩ።  ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ እዩ፡ ኣብ 2008 13 ውድባትን ሰልፍታትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ዝተሳተፍዎ ሓድነታዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ክዕወትን መላእ ደምበ-ተቓውሞ ዝሓቖፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ክረጋገጽን፡ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክካየድ ዝወሰነን ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ምዕራፍ ናይ ምስንዳእ ክበጽሕ ዝኸኣለን።

II. ዕላማ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ:

  1. ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኩሎም ንለውጢ ዝቃለሱ ውድባትን ምንቅስቃሳትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ምሁራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ወዘተ ዝሳተፍዎ ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ መንገድታት ዝናደየሉን፡ በዚ ኣቢሉ መላእ ደምበ-ተቓውሞ ዓቕምታቱ ኣዋዲዱ ኣንጻር’ቲ ንሓድነት ህዝብናን ልኡላውነትሃገርናን ንሓደጋ ዘሳጥሕ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሓደ ኣንፈት ሓቢሩ ዝምክተሉን ነቲ ስርዓት ዘወግደሉን ሕብረ-ሰልፋዊ ደክራስያዊ ስርዓት ዝተኽለሉን ጥጡሕ ባይታ ንምንጻፍ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንኹሉ ክፍልታት ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ብዝወርዶ ዘሎ ዝተፈላለየ መልክዓት ዘለዎ ወጽዓታትን ዘልዕልዎ ፍትሓውን ርትዓውን ደሞክራስያዊ ሕቶታትን ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ተጋድሎ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ብምርግጋጽ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ናይ ቃልስን ዓወትን ዘሰጋግሮ መናሃርያ ምዃኑ፤
  2. ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኩሎም’ቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ካልኣዊ ፍልልያቶም  ካልኣዊ ቦታ ብምትሓዝ፡ ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ መቖምያታት ሓባራዊ ግንዛቤ ወይ ራእይ  ብምሓዝ፡ ንእዋናውያን ተባራዕቲ ሕቶታት ናይ ህዝብና ዝኾኑ ሕቶ ሰላምን ደሞክራስን ምዕባለን ንምፍታሕ ዝዓለመ ምዃኑ፤ እዚ ከኣ ኩሎም’ቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ኣካላት ደምበ-ተቓውሞ ብስኒት ኣብ ክሊ ሓደ ሃገራዊ ቃል-ኪዳን (National Covenant) ዝኣትዉሉን ብውጽኢት ናይዚ ከኣ እቶም ኣብ ክሊ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ወይ ጽላል ሓድነቶም ኣረጋጊጾም በብዓቕሞም ተሳትፎኦም ከረጋግጹ ዝደልዩ ኣካላት ከኣ ከመይ ብሓባር ተወሃሂዶም ይሰርሑ ዝርእይሉ መድረኽ ይኸውን።
  3. ንዕላማታት ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር (ጽላል) ንምንጻር ዝሕግዙ መሰረታዊ ሃገራዊ መቖምያታት ማእከል ገይሩ ኣብ ምቕራጽን ሕቶታት ናይ ሰላምን ደሞክራስን ምዕባሌን ኣብ ምፍታሕን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፖለቲካውን ሰልፋውን ብዙሕነት ዝተሰረተ ደሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካልን ንሕጂ ከም መበግሲ ሓሳባት ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት ህዝብናን ዝተፈላለዩ ኣካላት ደምበ-ተቓውሞን ልዝባት ካብ ክካየደሎም ዘለዎ ቀንዲ ኣገደስቲ ዛዕባታት ብመሰረት ኣብ ሓምለ 2009 ዝተካየደ ሓፈሻዊ ዓወደ መጸናዕቲ፡-

ሀ/ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ብዝምልከት

ለ/ ጉዳይ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝምልከት

ሐ/ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ዝህሉ መስርሕ መሰጋግሪ መድረኽ ብዝምልከት

III. እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዕላማታት ዋዕላ ማእከል ብምግብር: ኩሎም ክፍልታት ናይ ሕብረተ-ሰብና ከም ዜጋታት ደቂ ሓንቲ ሃገር ብውልቀ ይኹን ብሓባር ማዕርነታዊ ተሳትፎኦም ብምርግጋጽን ሓባራዊ ረብሓታት ውሑስ ዝኾነላ ደሞክራስያዊት ሃገር ኣብ ምህናጽ ብዘይምሹቕራርን ምግላልን ተረኦም ዝጻወቱላ ምቹእ ናይ ቃልሲ ባይታ ካብ ብሕጂ ኣትሒዙ ዝፍጠር ኣብ መስርሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንክኸውን ንጽውዕ።

IV.ኣፈጻጽማ ናይዞም ዕማማት እዚኣቶምን ምግባእ ዋዕላን ብዝምልከት፡

ኣሰናደእት ሸማግለ ዕማማታ ንምፊጻም ሰራሓታ ኣብ ሰለስተ መደረኻት ከምዚ ዝሰዕብ ኣከፋፊላቶ፡

1-     ቀዳማይ መደረኸ ክልተ ወረሒ ዝወስድ ኮይኑ፡ ክሳተፉ ድልየት ካብ ዘለዎም ኣካላት ሓበሬታ ንምእካብ መደብ ትሰርዕ፡፡ በዚ መሰረት፡ ብጽሑፍ ከቕርቡ ድሉዋት ዝኾኑ ውድባትን ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ወነንቲ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን ምሁራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን…ወዘተ ነዞም ኣብ ላዕሊ ቀሪቦም ዘለዉ ዕላማታት ዘነጽር ጽሑፋትን ኣብዚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜያት ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክለኣኹ ይህልዎም። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ነዞም ሓሳባት እዚኣቶም ጠሚራን ኣጽፊፋን ከመይነት ናይ ምውዳዱ መደባት ክትሰርዕ ብቐንዱ ምስ ኩሉ እናተላዘበት ከመይ ይሓይሽን ንምይይጥ ይወርድን ትርኢ።

2-     ካልኣይ መደረኸ ሓደ ወርሒ ዝወስድ ኮይኑ፡  ኩሎም’ቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ውድባትን ምንቅስቃሳትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ወነንቲ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን ምሁራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን…ወዘተ ምስቲ ጭቡጥ ሽዕኡ ብኹሉ ሸነኻቱ ተዋዲዱ ዝቐርብ ቁጠባዊ ዓቕምታት ኣብ ጸብጻብ ብዘእተወ መንገዲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ካላት እናተላዘበት ናይ ኣሰታትፈኦም መደባት ተዋድድ።

3-     ሳልሳይ መደረኽ ድማ፡ ሓደ ወርሒ ዝወስድ ኮይኑ ኣብ ዋዕላ ዝቐርቡ ጽሑፋት ናይ መወዳእታ መልከዖም ከሕዙ ምግባርን ንተሳተፈቲ ዋዕላ ዕደመ ምቅራብን ይኸውን፡፡ ናይ መጨረሻ ራብዓይ ወርሒ ምግባእ ናይ ዋዕላን ከመይነት ናይ ኣፈጻጽማ መደባትን ተዋዲዱ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ፍጻሜ ይበጽሕ።

V. ኣሰናዳኢት ሽማግለ ነዚ መደባት’ዚ ንምዕዋት ነብሳ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ሽማግለታት ወዲባ መደባታ ኣዋዲዳ ትንቀሳቐስ ኣላ። ንሳተን ከኣ፡-

ሀ/ ንኡስ ሽማግለ  ምርምርን ምድላው ሰነዳትን

ለ/ ንኡስ ሽማግለ ውደባን ኣገልግሎታትን

ሐ/ ንኡስ ሽማግለ ዜና

መ/ ንኡስ ሽማግለ ፋይናንስን እየን።

VI. ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ክግበር ዘለዎ ዕማም ብናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ስራሓት ጥራሕ ንበይኑ ዝዕመም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ኣካላት ደምበ-ተቓውሞ ብሓባርን ብተወፋይነትን ተዋዲዱ ምስ ዝካየድ እዩ ብዓወት ተፈጻምነት ክረክብ ዝኽእል። ስለዝኾነ ከኣ ንናይ ዋዕላ ዘድሊ ሰነዳት ኣብ ምውዳድን ምቕራብን ኣስተዋጽኦ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ናይ ምልዕዓልን ዜናዊ ስራሓትን ኣብ ምስልሳል’ውን ኩሉ በብዓቕሙ ግዲኡ ክገብር ኣለዎ። ኣብ ቁጠባ’ውን እንተኾነ ነቲ ዋዕላ ዘድሊ ፋይናንሳዊ ደገፋት ካብ ህዝብን ፈተውትን ክርከብ ጻዕርታት ምግባር የድሊ። ነዚ ከኣ ጥዑይ ናይ ህዝባዊ ርክብ ዲፕሎማሲ ምግባርን ኣድላዪ ደገፋት ምርግጋጽን ይሓትት።

VII. ህዝባዊ ደገፋት ንመንርግጋጽ ከይተወደብካ ክዕወት ስለዘይከኣል፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታትን ዞባታትን ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣካላትን ዞባታትን ጨናፍራትን ካልኦት ውድባትን ምንቅስቓሳትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣካላትን ምሁራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ወዘተ ዝርከብዎ ከከም ከባብን ኩነታትን ዝፈቐዶ ናይ ሓባር ኮሚቴታት ምውዳብን ብሓደ ኣንፈት ነዞም ብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕላማታት ንምዕዋት ዝተወሃሃደ ምንቅስቓስ ምግባርን የድሊ።  ስለዝኾነ ከኣ እዚ መደብ’ዚ ኣብ ምፍጻሙ ኩሎም ናይ ሓባር ተበግሶ ወሲዶም ኣብ ምርግጋጹ ክረባረቡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ጸዋዒታ ተመሓላልፍ።

VIII. ከም ዝተሓበረና ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከም ሓደ ጥርኑፍ ግንባር መጠን ኣብ ምውዳድ ናይዚ ሰፊሕ ዋዕላ ናቱ ኣገዳሲ ተራ ዘለዎ እዩ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፡ ንምዕዋት ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ዕዙዝ ግዲኡ ክጻወት ምእንቲ፡ ቅድሚ ምግባእ ዋዕላ እኹል ግዜ ኣብ ዘለዎ ወቕቲ ኣቐዲሙ ኩሎም ሓሳባቱ ከቕርብን ከወሃህድን ተኸታታሊ ኣኼባታት ናይ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ማእከላይ መሪሕነትን ከካይድ’ዩ።

IX. ነዚ መደባት’ዚ ንምዕዋት ይኹን፡ ካልኦት ኣገደስቲ ብሸነኽ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክመሓላለፉ ዘለዎም መልእኽታት በብግዚኡ ኣብ ዝህልዉሉ እናስዓብናኩም ሃናጺ ሓሳባትኩም እናተቐበልናን ክንከይድ ኢና። ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ህዝብና እምነ-ኩርናዕ ናይ ሓድነት ኮይኑ ብሓልዮት ናይ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ጥራሕ ከም ዝዕወት ስለእንኣምን፡ ሓገዝኩምን ምኽርኹምን ከይፍለየና ለበዋና ነቕርብ።

ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብናይ ሓባር ቃልሲ ክዕወት’ዩ!

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

23-03-2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=571

Posted by on Mar 30 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net