ኣብ ኢዩብልያዊ በዓል ሓደ መስከረም ኣብ ፍራንክፎርት ብብጻይ ነጋሽ ዑስማን ዝቐረበ ቃል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ዝኸበርኩም ብጾት ኣባላት ግ.ሃ.ድ.ኤ

ዝኸበርኩም ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ናይ ዜና ማዕከናትን

ዝከበርኩም ወከልቲ ቁንሱላዊ ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ

ኩቡራት ዑዱማትና

 

ብቐዳምነት ብስምየን ብስም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ፡ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ አመሓላልፈልኩም፣ ዕድሜና ኣኽቢርኩም ንዝኽሪ ታሪኻዊ መዓልቲ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ብሓባር ንምብዓል፡ ድኻምኩም ከይጸብጸብኩም ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእ ኣብ’ዚ ምሳና እትረከቡ ኣሓትን ኣሕዋትን ብስም መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ክብ ዝበለ ምስጋና አቕርበልኩም።

 

ክቡራትን ክቡራንን!

 

ህዝቢ ኤርትራ መበል 50 ዓመት ምጅምር ብረታዊ ተጋድልኡ ብክብ ዝበለ ደረጃ ከብዕል ይርከብ። ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ምዕራባዊ ቍላ ዝርከብ ጎቦ ኣዳል፡ ጅግና ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ምስ ዉሑዳት ጀጋኑ ብጾቱ ናይ መጀመርያ ጥይት ዝተተኵሰትላ ዕለት ኢያ። ስዉእ ዓዋተን ብጾትን፡ ብረታዊ ቃልሲ ክፍልሙ ከለዉ፡ ግዙፍ ዓቕምን እኹል ኣጽዋርን ስለ ዝነበሮም ዘይኰነስ፡ ሃገሮም ካብ ባዕዳዊ ጐበጣ ነጻ ኰይና፡ ህዝባ ድማ፡ ሓርነትን ቅሳነትን ራህዋን ክጕናጸፍ ብዝነበሮም ነቕ ዘይብል እምነት ኢዩ ነይሩ። ሰውራና ድማ፡ ብዝተፈላለየ መኸተን ብድሆታትን ሰጊሩ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናሰፍሐ መጸ። እታ ኣብ ጎቦ ኣዳል ዝተተኵሰት ጥይት ድማ፡ መቓልሓ ኣብ ክሉ ኩርናዓት ሃገራና ተሰምዐ። ድሕሪ ከቢድ መስዋእትን ጅግንነታዊ ግጥምያን፡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተሰዓሪ፡ ሃገራና ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነታ ብምጕንጻፍ፡ ኣካል ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክትከውን በቕዐት።

 

ክቡራትን ኩብራንን!

 

ካብ ባሕቲ መስከረም 1991 ዘበገሱ ብረታዊ ተጋድሎኡ ጀሚሩ፡ ኢትዮጵያዊ መግዛእታዊ ሓይሊ ካብ መሬቱ ሓግሒጉ ክሳብ ዘውጽእ፡ ጀጋኑ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን፡ ጓሶትን ሓረስቶትን ሰራሕተኛታትን ምሁራትን፡ ኮታ ኩሉ ክፍልታት ህዝብና፡ ሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ንምጕንጻፍ ህይውቶም ከፈሉ። ህዝቢ፡ ኩሉ ህዝቢ፡ ኩሉ ዝውንኖ ነዚ ልዑል ዕላማ’ዚ ከፊሉሉ እዩ። ነጻነት ብምርግጋጽ፡ ሓደ መድረኽ ተደምዲሙ ሓዲሽ ናይ ተስፋ መድረኽ ኣቲና ዝብል ትጽቢታት’ዩ ነይሩ። ሓፋሽ ህዝብና፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ ማዋእል’ዚ፡ ክብሩ ዝሕለወሉን ቅሳነት ዝረክበሉን ዲሚክራስያዊ ስርዓት ብምቛም፡ ካብ’ቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ዘሕለፎ ኩሉ ዓይነት ጸቕጥታት ተገላጊሉ፡ ዓቕምታቱ ንዳግመ ህንጻ ሃገር ክውዕል ድሉው ነይሩ።

እዚ ተስፋታት’ዚ ግን በኑኑ ተረፈ። ስልጣን ዝጨበጠ በሓቲ ጉጀለ፡ ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ ዝቐረበ ጸዋዒታት ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ ስልጣን ንህዝቢ ኤርትራ ምርካብ ኣበየ። ውሳኔታት ኣብ ምውሳድ፡ ናይ ባሓትነት መርሆ ዓትዒቱ ብምሓዝን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣባታዊ መርገጽ ብምውሳድን፣ ንነብሱ ከም ቀጻሊ ተግባራት መግዛእቲ ክገብራ መረጸ። ኣዕኑድ ዲክታቶርነት ብምትራር ድማ፡ ንሃገር ብምሉኡ ናብ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ ቀየሮ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ህዝብና ከም ብሓድሽ ኣደዳ ስቅያትን ሞትን ኮነ። ኤርትራ ሃገርና ሓቛፊት ደቃ ኣብ ክንዲ ምዃን፡ ንቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስደት ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ንሃገሮም ኣብ ክንዲ ምምላስን፡ ብኣሽሓት ዝቍጸሩ መንእሰያት፡ ሃገሮም ለቒቖም ናብ ፈቀዶ ሃገራት ክስደዱ ይረከቡ። ብዙሓት ካብ’ቶም ድማ ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርን ህይወቶም ከም ዝኣሱኑ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዓቢ ሓዘን ዝከታተሉ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ።  ከምኡ’ውን ስርዓት ኢሳያስ፡   ካብ ሃላሊ መርሆኡ ብምንቃል ድማ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ከንቱን ኣዕናውን ውግኣት ኣካየደ። ውጽኢት ናይ’ዚ ኩሉ እምባኣር፡ ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታትን ተግባራትን ብዲክታቶር ኢሳያስ ዝምራሕ ገዛኢ ጉጅለ፡  ኤርትራ ሃገርና፡ ኣብ ዓሚቝ ቅልውላው ኣጥሒልዋ ይርከብ።

 

ኩቡራትን ክቡራንን፡

 

ኤርትራ ሃገራና፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ካብ ወደቐት፡ እሞ ደኣ እንታይ ይገበር ዝብል ወሳኒ ሕቶ፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ህያው ጠቕምታት ህዝቦም ዘገድሶም፡ ብመሪርን ነዊሕን ቃልሲ ዝተረጋገጸ፡ ሓፋሽ ህዝብና ከቢድ ዋጋ ዘከፈለሉን መክሰባት ንምዕቋብ ዝግደሱ ኩሎም ሃገራውያን ተገቲሩ ይርከብ።

 

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕን፡ ብሕገ-መንግስታዊ ትካላት ዝምእዘዝን ኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት ንምቛም፡ ዕቱብ ቃልሲ ንምክያድ ቅኑዕ መእተዊ፡ ፖለቲካውን ሕብረተሰብኣውን ዓቕምታት ህዝብና ጠርኒፉ ዝመርሕ ሃገራዊ መድረኻዊ መደብ-ዕዮ ምሕንጻጽ ምዃኑ፡ ኩላህና ክንሰማማዓሉ ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ።

 

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ኣብ ዓጽረ-ሞት በጺሑ ከም ዘሎ ርዱእ ኢዩ። እንተዀነ ግን ሓፈሻዊ ኤርትራዊን ዓለማውን ርእይቶ፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝሕሉ፡ ካብ ሕንፍሽፍሽን ምብትታንን ኣድሒኑ፡ ኣብ ሶማልን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተራእየ፡ ኣሉታዊ ተመክሮታት ኣብ ሃገርና ንከይድገም ዋሕስ ዝኸውን ዲሞክራስያዊ መተካእታ ኣብ ምምዕዳው ይርከብ።

 

ኩቡራንን ኩቡራትን ተሳተፍቲ በዓል፡

 

ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ እምንቶ ብምብጋስ፡ ውድብና ግ.ሃ.ድ.ኤ. ነገራውን ፍናናውን ዓቕምታት ህዝብና ንምጥርናፍን፡ ስጡም ሓድነት ተቓውሞ ሓይልታት ንምርግጋጽን፡ ዘይተኣደነ ጻዕርታትን ዘይሕለል ቃልስን የካይድ ምህላዉ፡ ኩሉ ሃገራዊ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። እዚ ዓሚ ዝተጋብአ ሃገራዊ ዋዕላን፡ ኣብ’ዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ንክካየድ ጻዕርታት ዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ቀንዲ ካብ’ቶም ኣበገስቱ ምንባርና፡ ታሪኽ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ካስል ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ድሒርና’ኳ ብሰፊሕ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ምሳኹም ኩቡራት ተሳተፍቲ በዓልና ክንዝትየሉ እንተዀንና፡ ታሪኻዊ “ማኒፈስቶ ካስል”፡ ቀጺሉ ብኩቡር ተቃላሳይ ፕሮፈሶር ተስፋጽዮን መድሃነ እትምራሕ ሽማግለ ዘዳለወቶ ታሪኻዊ መጽናዕቲ፡ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳብ ክንደይ ኣብ ውሽጢ ውድብናን ኣባላቱን ዓቢ ቦታ ከም ዝነበሮ ህያው ኣብነት ኢዩ።  ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ እዚ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብማዕረ ትጽቢታት ውጹዕ ህዝብና ኰይኑ ንክወጽእ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝርከቡ ኣባላትና፡ ቃልስታቶምን ኣበርክቶኦምን ብዝያዳ ከዕዝዙ ምዃኖም ደጊምና ከነረጋግጽ ንፈቱ።

 

ኩቡራትን ኩቡራንን፡

 

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ.፡ ፍትሓዊ መሰላት ህዝቢ ረድዩን ፈቲዩን ክቕበል ከምዘይኰነ ብሩህ’ኳ እንተኰነ፡ ገለ የዋሃት ግን፡ እዚ ደማዊ ስርዓት’ዚ እዚ መሰል’ዚ ክምጽወተሎም ምጽባዮም ንቡዙሓት ከየገረሞም ኣይተረፈን። መሰል ህዝቢ ብዕቱብ ቃልስን ብኩቡር መስዋእትን ከም ዝረጋገጽ፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ታሪኽ ካልኦት ኣህዛብን ዘረጋገጾ ሓቂ ኢዩ። እዚ ብምርዳእ’ዩ እምበኣር፡ ሰራዊትና፡ ሰራዊት ድሕነት፡ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ ኩቡር ህይወቱ ዝኸፍል ዘሎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ልዕሊ መሓውር ስለያ ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዝፈጸሞ በርቃዊ መጥቃዕቲታት፡ ንህዝብና ዓቢ ተስፋን ፍናንን ከም ዝዀኖ ኩላህና ዝተኸታተልናዮ ጉዳይ ኢዩ። ስለ’ዚ ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንጀጋኑ ሰራዊት ድሕነት፡ ብስም’ዚ ታሪኻዊ በዓል’ዚ ክብ ዝበለ መጐስን ኣድናቖትን ከመሓላልፍ ኣፍቅዱለይ። ኣብ ጐድኑ ብትሪ ደው ከም እንብል ድማ ደጊምና ከነረጋግጽ ንፈቱ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ኩሎም ወትሃድራዊ ክንፍታት ተቓውሞ ሓይልታት፡ ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ፡ ብስሙር ወትሃድራዊ ስትራተጂን ቅድን ክዓዩ፡ መሪሕነት ውድብና ዘካይዶ ዘሎ ዑቱብ ጻዕርታት ደገፍና ንገልጽ።

ብኣጋጣሚ እዛ ኣብ ልቢ ኩሎም ሃገራውያን ክብርቲ ዝዀነት ዕለት፡ ንኣባላት ሰራዊት ምክልካል ኤርትራ፡ ሃገራውን ሰውራውን ታሪኾም ከዕቍቡን፡ በትሪ ናይ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ከይኰኑ፡ ነብሶም ካብ’ቲ ስርዓት ከግልሉን፣ ምስ’ቶም ድሕሪ ነዊሕም መሪርን ቃልሲ ዝተረጋገጸ ፍርያት ንምዕቋብን፡ ብሰንኪ ተግባራት ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ኣብ ሓደጋ ተሳጢሑ ዘሎ ዝርከብ ልዕላውነት ሃገር ንምድሓንን ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያን ሓይልታት ደው ክብሉ ጻዊዕትና ነቕርብ። ከምኡ’ውን ንኩሎም ኣብ ትካላት ስርዓት ኢሳያስ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ዘለዉ፡ ካብ’ዛ ትጥሕል ዘላ መርከብ ኢሳያስ፡ ነብሶም ከድሕኑን፡ ኣካል ናይ’ቲ ብኩሎም ንጹሃት ሃገራውያን ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ቃልሲ ክኹኑን ንጽውዕ።

 

ኩቡራንን ኩቡራትን፡

 

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ ብምኽንያት ዞናውን ኣህጉራውን ረቛሒታት ተፈጢሩ ዘሎ ምቹእ ኩነታት፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብብቅዓት ክግልገለሉ ይግባእ። ታሪኽ ከም ዝምህርና ድማ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ኣጋጣሚታት ብዙሕ ግዜ ከም ዘይርከብ’ዩ። ኣብ ከባቢ ሃገርና ዝነፍስ ዘሎ ናይ ለውጥን ዲሞክራስን ኣየር፡ ህዝቢ እንተ ተላዕሊሉ፡ ሓይሊ ምልኪ ግዙፍ ኰይኑ’ኳ እንተተራእየ፡ ኣብ መጨረሽታ ግን ስዕረቱ ናይ ግድን ምዃኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣውንታውን ህያውን ኣብነት ኰይኑ ይርከብ። ስለ’ዚ እምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም’ቲ ብሳላ ቃልሱን መስዋእቱን ናጽነት ሃገር ዘረጋገጸ፡ ሕጂ’ውን ዲሞክራስን ፍትሕን ስላምን ንምጕንጻፍ፡ ከይተሓለለ ንክቃለስ መድረክ ይጠልቦ ኣሎ።

 

ኣብ መደምደምታ፡ በዓልና ብከም’ዚ ዝኣመሰለ ክብ ዝበለ ሰነ-ስርዓትን ንክካየድ እጃሞም ዘበርከቱ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብፍላይ ድማ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ በዓል፡ ብስመይን ብስም ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ልዑል ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ።

 

ዕድመ ንዝክሪ ሓደ መሰከረም !

ኤርትራ ሃገርና ነጻ ኰይና ትንበር!

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና !

ዘልኣለማዊ ክብርን መጐስን ንጀጋኑ ስዉኣትና!

 

“ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!”

 

የቕንየለይ።   

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5769

Posted by on Sep 14 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net