ዋዕላ ብሩስለስ ኣብ ድሕነት ህዝቢ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

ዕለት 24 ሕዳር 2009

ኮንፈረንስ ብሩስለስ ዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ቀሪኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣልዒሉ ክዛረብ እንከሎ ንፍሉይ ዕማም ከም ዝዀነ ብመሰረት ዝቀረበሉ መግለጽታት ብሩህ’ዩ ነይሩ ። ዋዕላ ብሩስለስ ኣብ ክሊ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘልዕላሎ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ከኣ ካብ’ቶም ብርክት ዝበሉ ዝተዓደሙ ሓበሬታን ተምክሮን ንምቕሳም ፈቲኑ። ይኹን ደኣም’በር ኣብ ቅድምን ድሕሪ ዋዕላ ብሩስለስ ምክያዱ ኣብ ሓደ ሓደ ውልቀ ሰባት ነድር ቁጠዐን ዝምልኦ፡ ጸጸኒሑ’ውን ምኽንያት ዘይብሉ ነቕፌታን ጸለምን ስዒቡ’ዩ። ኣብ ገገለ መርበብ ሓበሬታ ዝጸሓፍ ዝነበረ ከኣ ስለ ምንታይ ኤ.ዲ.ኪ ተወኪሉ ዘይከደ ዝብል ክሲ ቀሪቡ፡ ምስኡ ማዕረ ማዕረ ቀጺሉ ነ’ቲ ተዓዲሙ ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፈ ሸነኻት ከሲሱ። ኣብ’ዚ ተደማሚሩ ዝቐረበ ክሲ ውድባዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቦታዊ ወ.ዘ.ተ ክስታት ነይርዎ።

ሓላፍነታት ዋዕላ ብሩስለስን ኤ.ዲ.ኪን

ሓላፍነታት ኤ.ዲ.ኪንን፡ ዋናታት ዋዕላ ብሩስለስን ኣብ ደረጃታትን ብጽሒትን ሓላፍነትን ከም ዝፈላለዩ ንኩሉ ርዱእ’ዩ። ብቀዳምነት ተሓታቲ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ንሕና ኤርትራውያን ምዃና ንፈልጥ። ብካልኣይ ደርጃ ክመጽእ ዝኽእል ሓላፍነት ቀዳምነት ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ብዝወሰዶ ግጉይ ዝምድናታት ናይ ወጻኢ ፖሊሲታቱን ምስ ውልቃዊ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብሓብር ክሰርሕ ምፍታትኑን እዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ’ዚ ዝምድና’ውን ንሕና ንሕተተሉን ጉዳይ ክህሉ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ግጉይ ወጻኢ ፖሊሲታት ክቅየርን፡ ሓያል ዝምድና ንምፍጣር ምስ ዝተኻየደ ቃልስን ጻዕርን መንጽርን ሓባርዊ ስራሕ ደምበ ተቃውም ድምር’ዩ። ምእንቲ’ዚ ንሕና ኤርትራውያን ብቀዳምነት ንሕተተሉ ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን፡ ብካልኣይ ብማዕረ ከም’ቲ ኣሕጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዝኽሰሰሉ’ውን ኣብቲ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ምስኦም ተሰሪዕናን ንሕተተሉ ጉዳይ’ውን እዩ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ብዙሕ ትንተናን መብርህን ክቀርበሉ ይኽእል።

ደርግ ካብ ኤርትራ ተሳዒሩ ኣብ ዝወጻሉ፡ ኣብ ድሮ ምእዋጅ ነጻነት፡ ብዙሓት ሃገራት ምስ ኤርትራ ክህልወን ዝኽእል ዝምድናታት ከመዓራርያ ጀሚረን’የን። ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዓቢኡ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኤውሮጳን ብተመሳሳሊ ኣብ መዋእል ነጻነት ኤርትራ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ከይደን ሓደ ድሕሪ ሓደ ብደረጃ ሃገር ብደረጃ ኤምባሳድር ሃገራተን ወኪለን ክሰርሓ ኣብ ዝጀመራሉ፡ ደመበ ተቃውሞ ምስ’ቲ ዝኸይድ ዝነበረ ምዕባለን ለውጥን ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ፖሊስታት ናይ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ዓለማዊ ፖለቲካዊ ምቕይያራትን ነፍሱ ሰሪዑ ገጢምዎ ኣይገጠሞን ካልእ ነገር ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሱ ምስራዕን፡ ይቐይር ኣይቐይር ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ለውጥታት ንምግታእ ዝገበሮ ምድላዋት ነይሩ ኣይነበረን እዚ ሕጂ ናይ ትማሊ ዝኽሪ ስርሒት ታሪኽና’ዩ።

ኣብ ዓለምና ምስ ኤርትራ ዝነበረ ዝድምናታት ብሕኑን ናህሪ እንዳተቐያየረ እንዳዕበየን ክኸይድ እነከሎ፡ ደምበ ተቃውሞ ክብድሆ ይትረፍስ ነቲ ህልውነቱ ዝጻባእ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ጠጠው ከብሎ ኣይከኣለን ነበረ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት ተቃውሞ ንሰላምን ፍትሕን ዲምክራሲን ንሕብረተ ሰብ ዓለም ንከዕግብ፡ ደገፍን ምሕዝነትን ክንፈጥር ምስ’ቲ ኣካይዳናን ኣተሃላልዋና ዘይውጻእ ዓቐበት’ዩ ነይሩ።

ሓላፍነት ኤ.ዲ.ኪ ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ’ዚ መዳይ ብዓብዩ ክነጥፍን፡ ክሰርሕን፡ ብጥምረቱን ስጡም  ኣሰራርሕኡ ኣቢሉ ካብ ህዝቡ ጀሚሩ ንፈተውቲ መሓዙት ሃገራት ከሰጋግሮ ዝነበሮ ዝምድናታት በዅሩ ከም ዝጸንሐ ዓብይ ምስክር’ዩ። ይረፍ ምሕዝነትና ናብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ክሳገርስ፡ ናይ’ቲ ቀረባ ጉርብትናታትና’ውን ብዝተፈላልየ ምኽንያታት ክቋ`ሰል ዝጸንሐ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ምሳና ዝምድናን ምሕዝነትን እንተሃለዎም፡ ከም’ቲ ዝግባእ ኮይኑ ኣይጸንሐን፡ ግን ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቃውሞ ክምስረት ዘለዎ ምሕዝነት ክሕይል ይውሓድ ይብዛሕ ክሽምግሉ ዝተጸውዕሉ ወይ ነፍሶም ዝዓደምሉ ውሑድ ኣይኮነን።

ውሽጣዊ ኣተሃላልዋ ዝምድናታትና፡ ንወጻኢ ዝምድናታትና መዕቀኒ ከም ዝዀነን፡ ንእነካይዶ ስርሓት ከኣ ዓቢ ጽልዋ ከም ዝገብረሉ ዝኻሓደ ኣይኮነን። ምእቲ’ዚ ተባሂሉ ነቶም ኣቐሚጥናዮም ዝነበርና ዕላማታት ኣብ ሽትኦም ክበጽሑ በዚ ዝተጠቕሰ መሰረት ዝሰራሕናሎምን ዝተኸላኸልናሎም ነይርና እንተንነብር፡ ዝምድናታትና ንምሕያል ከቢድ ሸኸም ኣምስኮነን። ሎሚ ዘሎና ሓፈሻዊ ዝምድናታት ተቃውሞ ሓይልታት ኣብ ውሱን ከባቢ እንተዘይኮይኑ ከም’ቲ ክኸውን ዝግብኦ፡ ቀጥታዊ ርክብ ዘይምዃኑ ናይ’ቲ ክስራሕ ዝነበሮ ዕዮ ገዛ ስለ ዘይተሰርሐ ምዃኑ ዝሕብር’ዩ። እዚ ከቢድ ሓላፍነት ከኣ ብሙሉኡ ኪዳን ዝስከሞ ሓላፍነት’ዩ።

ሓላፍነት ዋዕላ ብሩስለስ

ሓላፍነት ዋዕላ ብሩስለ፡ ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝተገልጸ፡ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፡ ብምልካዊ ስርዓት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ንምጽናዕ ሓደ ናይ ዘተ መኣዲ ዓዲሙ። እቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝዘተየ ዋዕላ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት፡ ገምጋም ንምውሳድ ብኡ መሰረት ሚዛኑ ከቐምጥ ካብ ዝተፈላልዩ ወገናት ንኤርትራ ዝፈልጡ ወጻእተኛታት፡ ኤርትራውያን ተቃለስቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ ውልቀ ሰባትን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቕ ማሕበራት ክዋስኡ ዝጸንሑ፡ ምሁራት ዓዲሙ። ዋዕላ ብሩስለስ ብደርጃ ሃገርን ህዝብን ዝተላዕለ ሕቶ መልሲ ክረኽበሉ በቲ ሽዑ ዝተኻየደ ከም ዘይዓግብን፡ በቶም ኣብ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ይኹን ካልኦት ከም ብጻይ ወልደየሱስ ዓምር ዘቅረቦ፡ ካልእ ምጥርናፋት፡ ካልእ ድሕሪት ዝተረፈ ሲቪካዊ ማሕበራት ከም ዘሎን ደሚሩ ዘቕረቦ ልቦና ዝመልኦ ጸብጻብ፡ ገና እቲ መጽናዕቲ ካልኦት ብዝሳተፍዎ ዝውዳእ ጉዳይ ከም ዝኸውን ርዱእ ገይሩ ኣቕሪብዎ’ዩ። ኣ/መ ሓባርዊ ሽማግለ ሓድነት ሰልፍታት ብጻይ ወልደየሱስ ዓምር ከኣ ብሓቂ ብእሩም መንገዲ ዝፈጸሞ ስራሕ ግቡኡ እኳ እንተዀነ ክምስገን ዝግብኦ ብሓላፍነት ዝመልኦ ስራሕ’ዩ ፈጺሙ። የቐንየልና ኣቦ/መ።

ሓላፍነትን ስራሓትን ዋዕላ ብሩስለስ፡ ካብ’ቲ ድሮ ዝፈልጦን ዘዋህለሎን ተመክሮ፡ ንዝቀረበሉ ሓሳብት ደማሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክህልዎ ዝኻል መርገጺ፡ ንድሕነት ህዝቢ ዘለዎ መርገጺ ዝምልከት’ዩ።

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ክህልዎ ዝኽእል ግርጭታት፡ ድኽመታት፡ ሚዛናት ነቲ ዋዕላ ከም ዋዕላ ንተዛተይቲ ብሩስለስ ዝምልከት ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ኪዳን ኣብ ከም’ዚ ኩነታት ክሕይልን ንሓድነቱ መረጋገጺ፡ ይትረፍ ብደረጃ ውድባት ብውልቀ ሰባት ንዝግበርን ዝካየድን ተሳታፍነት እወን እንተዀነ፡ ኪዳን ንረብሕኡ ከውዕሎን ኽጥቀመሉን ዝግባእ ዝነበረ’ዩ ዋዕላ ፡ ብኡ ኣቢሉ ንህዝቡ ክጉስጉሰሉ ዝግባእ ዝነበረ ዋዕላ’ዩ በሃልየ እየ።

ዝተፈላልየ ወፍሪ ፖለቲካ

ዋዕላ ብሩስለስ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዝተኻየደ፡ ዘልዓሎም ሕቶታት፡ ከይዱ ከይዱ ንሓደ ምልካዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ዝጻረር’ኳ እንተነበረ፡ ኪዳን ነቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ ገልቢጡ እንተወሓደ ኣብ ክሊ ኤርትራውያን ንውሽጣዊ ኩነታቱን ኣተሃላልዉን መግለጺ ክጥቀመሉ ዝፈተነ፡ ሓደ እቲ መልእክቲ ብኣቦ/መ ኤ.ዲ.ኪ ብጻይ ተወልደ ገብረስላሴ ዝተጻሕፈ እዩ።

መልእክቲ ኣቦ/መ ኤ.ዲ.ኪ ብጻይ ተወልደ ገብረስላሴ ነቲ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዝተተሓዘ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ደርጃ ውሽጣዊ ጉዳይ ወሪዱ ዝግበር ዝነበረ ስርሓት ከም ዝነበረ ክገልጽ ፈቲኑ። እዚ ከርድእ ዝኽእል ድማ ጌጋ ተፈጺሙ ነይሩ እንተበልና’ውን ፡ ኣቦ/ም ኪዳን ብደረጃ ዲፕሎማሲ መንገዲ ምስ’ቲ ዋዕላ ዘካየደ ትካል ክንላለየሉ፡ ክንመሓዘወሉን፡ ክንዛመደሉን ንኽእል ኣገባብ ምትላም ዝግባእ ዝነበረ።

ምእንት’ዚ እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ብሩህ ክነሱ ኣብ ኤርትራዊ መድረኽ ዘንቐሎ ክትዓት ክልተ ተርድኦ ፖለቲካዊ ስርሓት ዝተኻይደሉ ምንባሩ ከርድእ ዝኽእል ኩነታት ፈጢሩ’ዩ። ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ክትዓት ከኣ ብክልተ ጫፋት ተርድኦ ዝሓዘ ንሓድሕዱ ከመናጨት ንማንም ዘርብሕ ኣይኮነን።

ናይ ጸለመ ክስን

እቲ ተደጕሉ ዝጸንሐ ጽልእን ቅርሕንትን፡ ውልቀ ሰባትን፡ ኣባላት ተቃወምቲ ውድባት’ና በሃልትን፡ ነቲ ከጸልምዎን፡ ወይ ከኣ ከሲሶም ብሕጊ ክሕዝዎ ዝደልዩ፡ ኣቀዲሞም ዝሓሰብሉ ኣይመስሉን። እቲ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ጸለመን ክስታትን ሓቂ ዘይብሉ መሰረቱ ዝነቕዔ ፡ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ኮይኑ መትሓዝን መቑጸርን ዝርከበሉ ኣይኮነን። መትሓዝን መቑጸርን ዘይብሉ ጉዳይ ከኣ ናይ በለካን ለኽዓካን ፍሹል ዘረባ’ዩ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብ’ዚ ጉዳይ ዝገርምን ነገር እንተነበረ ፡ እቶም ንዋዕላ ብሩስለስ ዝኸሱን ዘጸልሙን ውልቀ ባእታታት፡ ኣባላት ተቃወምቲ ውድባት ነቲ ብመንጽር ሓድነት ክወራዘዩ ዘልዓልዎ ክሲ፡ ንገዛእ ርእሶም ማእከላይን ጥሩንፍን ሓሳብ ከቅርቡ ዘይምኽኣሎም’ዩ። ሸነንቲ ዕዳጋ ማዕዶ’ዮም። ንዕዳጋ እንዳወረዱ ኣብ መንገዲ ብዛዕባ ንዘይረኣይዎ ሸመታ ዋጋ ዝልጥፉ’ዮም። ነዚ ዘምልክት ሓቂ ከኣ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ዝሃብዎ ኣነዋሪን ብሚዛኑን ገምጋሙን ናይ ከብድን ሕቆን ፍልልይ ዘለዎ መግለጺ’ዩ። ካብ’ቶም ዝቐረቡ ዕላማ ዘይብሎም ምዃኖም ዘረድእ ክስታት፡ እቶም ቀንዲ

1 ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን

2 ደምበ ተቃውሞ ንምብትታን

3 ምትእኽኻብ ክርስቲያናዊ ሓይሊ

4 ምትእኽኻብ ከበሳዊ ሓይሊ

5 ተምበርካኺ ሓይሊ

6 ናይ ሰላማዊ ለውጢ ናይ ዘተ ሓይሊ ወዘተ ዝብል ይርከቦ።

ብዛዕባ ዋዕላን ኣበጋግስኡን ንዝምልከት ቅድሚ ሕጂ መልሲ ስለ ዝተዋህቦ ምድጋሙ ተደላይነት ኣለዎ ኣይብልን። እንተዀነ እቲ ክሳብ ሕጂ ካብ ገለ ብዛዕባ ዋዕላ ብሩስለስ ዝለዓል ዘሎ ተምክሮታት ጣቛ ዘይብሉ፡ ልዕሊ ብጾቶም መቃልስቶም ሓላፍነት ከም ዝተሰከሙ ንምምሳል’ዩ።

ውሽጣዊ ጉዳይና፡ ኣካይዳ ኤ.ዲ.ኪ ብናቱ ጻዕሪ ክጥርነፍን ክሰፍሕን ክዓብን ዝግበኦ ክነሱ፡ ኣብ ውሱን ግዜ ነቲ ኪዳን ዘይዓየየሉን ዘይሰፍሓሉን፡ ዘይተጠረንፈሉን ምኽንያት ሓላፍነት ካብ ነፍሱ ንኸውርድ ይፈታትን። ሓደ ኣካል ከም ጽላል ነቶም ኣብ ጉባኤኡ ዝሕለፎም ውሳኔታት ኣብ ትግባረ ንምውዓል ጸገም ክህልዎ ዝኽእል ኣይመስለንን። ብፍላይ’ኳ ደኣ እቶም ውሳኔታት ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰን ዓቕሚ ኣባላት ውድባት ኣብ ግምት ዝእተዉ እንተይነሮምን። እዚ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ። እቲ ብደገ ኮይኑ ዘጋፍርን ናይ ትፎዞ ጠባይ ዝሓዘ ደጋፍ ኪዳን ኮይኑ ዝቐርብ፡ ግን ከኣ ኣብ ትግባረ ናይ’ቲ ውሳኔ ዘየሎን’ዩ።

ኪዳን ካብ ዝሓለፈ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 11 ግንቦት 2008 ዝተኻየደ ሓድነታዊ ጉባኤ ፡ ኣብ ምሕያሉ ብእኩብ ይኹን ብውልቀ፡ ክልለ ዝኽእል ነገራዊ ይኹን ነቲ ኪዳን ኣትይዎ ካብ ዝነበረ ሕልኽላኻት ኣውጺኡ ብዝያዳ ንጡፍ ኪዳን፡ ሓያል ኪዳን ክገብሮ ዝኽእል፡ ካብ’ዞም ሕጂ ሓለይቲ ኪዳን ዝመስሉ ዘለዉ ኣይተራእየን።

ኪዳን ኣብ ክልተ ሸነኽ ተኸፋፊሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ክንደይ ዘረባን መረረን ተሰሚዑ’ዩ። ህዝቢ’ውን እቲ ንሓድነት ተቃወምቲ ውድባት ዘንጸላሉ ዘይቕቡል ምኽንያታት ከም ዝቃወም ሓሳቡ ኣቕሪቡ። ሽዑ ‘ውን እንተዀነ ተምሳል ናይ’ዚ ዘሎ ኩነታት ትሕዝቶ ዝነበሮ’ዩ። እንተዀነ ኪዳን ካብ ሕሉፍ ተምክሮ ናብ’ቲ ዝነበሮ ሓባርዊ ጽላል ክምለስ ከም ዘለዎ ርድኢት ምስ ገበረን ምስ ገምገመን፡ እቶም ኣብ ቅድሚ ሓድነታዊ ጉባኤ ኪዳን ዋጭ ዋጭ ዝብሉ ዝነበሩ፡ ከም’ዛ ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ደሃዮም ሃጢሙ ተረፈ። ሎሚ ከኣ ካብ ድቃሶም ተበራቢሮም ከም ኣመሎም ዋጭ ዋጭ ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኪዳን ካብ’ዚ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ንላዕሊ ክሰርሕን ክዓይይን፡ መትዓየይ ዝዀኖ ነገራዊ ቁጠባዊ ደገፋት ከም ዘድልዮ ርዱእ’ዩ፡ እቲ ብኣባላት ውድብ ይኹን ካብ ፈተውቲ ሃገራት ዝግበር ደገፍ ንጉዳይ ኪዳን ልዕሊ’ዚ ክሰርሖ ዝጸንሐ ክኸይድ ኣይገብሮን’ዩ።

ስለ’ዚ እቲ ክስራሕን ከድምዕን ዘለዎ ብዘረባን፡ ደጋፊ ኪዳን እንዳመሰልካ፡ ኪዳን ናብ ዘይደልዮ መኣዝን ከምርሕ ዝኽእል ቢሂላትን ጽሑፋትን ጠጠው ክብል ኣለዎ፡ ካልእ ብንጹር ንነፍሲ ወከፍ ከቀርብ ዘለዎ ርጡብ ነቐፈታ እንተሃለወ ድማ፡ እዝን እትን ኢልካ፡ ከም’ቲ ብግሉጽ ትደልዮ መስሊ ስምካን መነንትካን ገሊጽካ ኣብ መድረኽ ምምጓት ሓላልዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ብፍላይ ድሕሪ ኤርትራ ሓባርዊ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ጉዳይ ሓድነት ሓይልታት ውድባት እንዳተገልጸን እንዳበርሀን ኣብ ዝመጸሉ ግዜ፡ ክሳብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተኻየደ ሓባርዊ ሰሚናራት ኣርባዕተ ውድባት፡ ሓደ ካብ ዓወት ኤ.ዲ.ኪ፡ ዓውት ተቃወምቲ ውድባት ተቆጺሩ፡ መልእክቱ ዘስፈረ ውሑድ’ዩ። ብኣንጻሩ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ\ዚ ሓይልታት ሃንደባትዊ ክሲ ዕንክሊል ክብል ጸኒሑ ኣሎ።

እዚ ኣገባብን ኣካይዳን’ውን እዩ እቲ ንዓና ኣውራ ዝሃሲ፡ ዘዳኽም፡ ዝብትንን። ነዚ መሰረት ዘትብሉ ክሲ ኢና ክንከላኸሎ ዝግብኣና፡ ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ክንወጽእ እንተዘይተኻኢሉ፡ ካልእ መንገዲ እንተዘየተፈትሹን፡ ሎሚ ኣብ’ዚ ዘሎና ጽባሕ’ውን ኣብ’ዚ ዘሎና ደረጃ ኮለል ክንብል ከም እንነብር፡ ናይ ትማሊ ሕሉፍት ርኡይን ተመክሮና’ዩ። ካብ’ዚ ክንገላገል እንተጽዒርና ከኣ ፍታሕ ክንረኽበሉ ኢና።

ሓድነትና ይደልድል

Short URL: https://english.farajat.net/?p=58

Posted by on Nov 26 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net