ካልኣይ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ

ኣብቲ ብዕለት 4-11-2011 ዘውጻእናዮ ሓበሬታ ኮሚሽን ዕለተ-ጉባኤ ካብቲ ዝተወሰነሉ እዋን ብወርሒ ክናዋሕ ዝጠልብ ደብዳበ ካብ መሪሕነት ኪዳን ከምዝተቀበለ፡ እዚ ጠለብ መሪሕነት ኪዳን ብኮሚሽን ቅቡል ምስዝኸውን ድማ ክመጽእ ዝኽእል መሰናኽላትን ሳዕቤናቱን ኣብሪህና ኔርና።
እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋኑ ክፈልጦን ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ምክያድ ንኸይሰናኸል ሓላፍነቱ ከልዕልን ነዚ ዝተጠቅሰ ሓበሬታ ኣብ ዝፈለጥናሉ እዋን ሓቢርና ኢና። ነዚ ኩነታት ንምክትታልን ምጽራይን ጻዕርታት ከነካይድ ድሕሪ ምጽናሕ እምብኣር በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ዕንቅፋት ብኸመይ ክንገጥሞ ከምዝግባእ ብሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ – ስትራተጊ ዓዲ እዚ ሓሳብ ይቀርብ ኣሎ።
ብመሰረት ውሳነ ሃገራዊ ዋዕላን ውሳን ኮሚሽንን ሃገራዊ ጉባኤን፡ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ 22-31 ኦክቶበር 2011 ከምዝካየድ ብዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ እዩ፡ እንተኾነ ነቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ዘረጋግጽ ፍጻመ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ፖልቶክ ኮሚሽነራት፡ ዕለተ-ጉባኤ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብወርሒ ከምዝደናጎይ ተሓቢሮም ኣለዉ።
ሃገራት ሰንዓ ነዚ ብዙሕ ምድላዋት እተገብርሉ ጉባኤ ንምክያድ ኩሉ ዓይነት ምትሕግጋዝ ጌሮምልና እዮም። እምብኣር እቲ ብወገን ፈጻሚት ሽማግለ ክውሰድ ዝነበሮ ቅኑዕ ውሳነ ነዚ ዝተገብረልና ምድግጋፍ ሃገራት ሰንዓ ብምምስጋን ዝተዋህቦም ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት ብመሰረት ውሳነ ሃገራዊ ዋዕላ (ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ዓመት ክግበር ከምዘለዎ ብምውሳኑ) ከምኡ ድማ ብመሰርት ኣኼባ ኮሚሽን (ሃገራዊ ጉባኤ ካብ 22-31 ኦክቶበር 2011 ክካየድ ድሮ ውሳነ ብምሕላፉ ብመሰረት እዚ ውሳነ ድማ ብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ በዚ ዝተጠቅሰ ዕለት ጉባኤ ንምስታፍ ድሮ ኣብ ምሽብሻብ ብምህላዉ) ጉባኤ ብዝተወሰነሉ ዕለት ክካየድ ይግባእ። ክስሓት ዘይብሉ ድማ ስልጣን ኮሚሽን ክሳብ ዕለት ጉባኤ ድኣምበር ኲንኡ ዝኸይድ ከምዘይኮነ እዩ። በተወሳኺ እዚ ሃገራዊ ጉባኤ ሃገራውነቱ፣ ሕጋውነቱ፣ ደሞክራስያውነቱን ህዝባውነቱን ዝረጋገጽ ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ቀጸላታት ሕብረተስብና ዝተምርጹ ወከልቲ ከምዝሳተፉ ብምግባር ድኣምበር ንተሳታፍነቶም ዝዕንቅፍ ውሳነታት ብምውሳድ ኣይኮነን። እንተኾነ ፈጻሚ ሽማግለ ዕለተ-ጉባኤ ብሓደ ወርሒ ክናዋሕ ኣብ ዝወሰነሉ መድረኽ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ምልዓል ግድነት ይኸውን፡
– ሃገራት ሰንዓ ሃገራዊ ጉባኤ ከነካይድ ኣድላዪ ምትሕብባርን ሓገዛትን ወፍዮምልና እዮም፡ እሞ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዕለተ-ጉባኤ ክቅየር ካብ ተደልየ ነዚ ሰፊሕ ክፋል ሕብረተሰብና ኣብ ምውሳእ ኣድላዪ ወጻኢታት ኣብ ምግባርን ሃገራት ሰንዓ ዳግማይ ክተሓባበሩና ርግጸኛታት ዲና?
– ጉባኤ ካብ ዝተመደበሉ ዕለት ምስግጋር ንጉዳይ ሕጋውነቱ ዝጸሉ ኣይከውንን ዶ?
– እቲ ብዙሕ ዝተጨርሓሉ ውሕስነት ደሞክራስያውነትን ህዝባውነትን ጉባኤ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ንበርገሳውያን ማሕበራት፣ ወከልቲ ኣባላት ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዋ ውድባትን፣ ወከልቲ መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ስደተኛታት ወዘተ ብሰንኪ ምልዋጥ ዕለተ-ጉባኤን ዝስዕቦ ምስንኻላትን ከይተኻፈለ ምስ ዝተርፍ ሕቶ ሕጋውነት፣ ደሞክራስያውነትን ህዝባውነትን ሃገራዊ ጉባኤ ከመይ ክኸውን እዩ? እዞም ብህዝቢ ዝተምርጹ ዜጋታት ከይተኻፈሉ ምስዝተርፉኸ እንታይ ዓይነት ጉባኤ ደኣ እዩ ክካየድ?
– ሕጊ ንምትካል ንቃለስ ኣሎና ክንብል እንከሎና ኸ ብመጀመርያ ንሕና ብሕጊ እንምእዘዝ ምኻና ንህዝብና ብግብሪ ከነርኢ ኣይግብኣናንዶ?

እዞም ሕቶታት ድሕሪ ምቅራብ በቶም ኣብዚ መድረኽ ክንገብሮ ዝግባእ ሃገራዊ ጉዳያት እንተሎ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
– ኩሉኹም ናይ ምርጻ ወከልቲ ብዛዕባ ሓላፍነት ወሲድኩም ዘካየድኩሞ ስራሓትኩም ንህዝቢ ብዘይ ውዓል ሕደር ክትሕብሩ ይግባእ።
– ኣብ ጉባኤ ንምስታፍ ትኬት ቆሪጽኩም ኣብ ምድላው ዘለኹም ወከልቲ ከቢድ ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰኪምኩም ኣለኹም እሞ፡ በዚ ተረኺቡ ዘሎ ጸገማት ከይትዓናቀፍኩም በቲ ድሮ ተመዲቡ ዘሎ ዕለተ-ጉባኤ ኣብ ዕለቱን ቦትኡን ተረኺብኩም ነዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ዕንቅፋታት ፍታሕ ከትናድዩ ድልዋት ዲኹም? እዚ ምስዝኸውን ኣብዚ ድሮ ዝተመደበ ዕለተ-ጉባኤ (22-31 ኦክቶበር 2011) ከምትሳተፉ ንህዝቢ ብመንገዲ ኢንተርነት ከተፍልጡ ይግባእ።

ህዝቢ ዘንበረልና ሕድሪ ኣብ መዓልብኡ ንምብጻሕ ታሪኻዊ ሓላፍነትና ንሰከም!!
ኣብዚ መሪር እዋን ሃረርታ ህዝብና ንምርዋይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነትና ነልዕል!!
ከም ቆጸራና ዕለት 22 ኦክቶበር ተራኺብና ብዘይ ውዓል ሕደር ዕዮ ቤትና ነጻፍፍ!!

ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ – ስትራተጊ ዓዲ
ዕለት 10-11-2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5916

Posted by on Oct 12 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net