ቅንኢ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ፍልሰት ታሪኽ፡ ባህልን፡ ያታን

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

ዕለት 1 ታሕሳስ 2009

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብባህርያቱ ቀናእን፡ ስሱዕን ተጃሃርን፡ ናይ ውሑዳት’ኳ እንተበልናስ ስለ ዝበዝሖ ፡ ብውልቀ ዝውነን ሰልፊ’ዩ ምባል ቅኑዕ እመስለኒ። ቀናእን ተጃሃራይን ከኣ፡ ብምቅንኡ ይበኣስ፡ ይጻላእ፡ ብጃህራኡ ከኣ ይሕሱ። ዘይዓቕሙን፡ ዘይገበሮን ዘይፈጾም ሰሪሐዮ እንዳበለ፡ ይትረፍ ካልእ ነቲ መስዋእቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ቅያን ስርሓት ሓደ ሰብ ከም ዝተፈጸመ ብምምሳል ታሪኽ ቁልቝል ኣፉ ደፊኡ እንትርፎ ምሕሳውን፡ ንስውኣት ጅጋኑ ታሪኾም፡ ንታሪኽ ጀጋኑ ዝፈልጡ ሂወቶም ደማምሪካ ምጥፋእ ምሕካኽ ካልእ ስራሕ ዘይብሉ ሰልፊ ውልቀ ሰብ’ዩ። ትሕዝቶ፡ መሰረት ፡ ቁም ነገር ታሪኽ ህ.ግ.ዲ.ፍ  ንሱ እዩ።

ናይ’ዚ ኣርእስቲ ኣውራ መበገሲ፡ እቲ ብዕለት 28 ሕዳር ኣብ ዋና ከተማ ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ሓደ ሓውልቲ ተተኺሉ ኣሎ። እዚ ሓወልቲ ኣብ ሕምርቲ ኣስመራ፡ ኣብ ከባቢ ማይ ጃሕጃሕ ኣብ ጥቓ ብርቲሽ ላይብረሪ  Beritish librery ቆይሙ ኣሎ። ድሕረ ባይታ ታሪኽ ናይ’ቲ ሓውልቲ፡ ንተመራመርትን፡ ንሰነ ሂወት ናብራ ዘጽንዑ፡ ታሪኽን መበቆልን ዘጽንዑን ንገድፎ። እዚ ሓውልቲ ግን ኣብ ሎሚ በጺሑ ክትከል ምግባሩ ብልክዕ፡ ብግሉጽ ባህርይን ጠባይን ኣካይዳ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ስለ ዘነጽር፡ ካብ ብዛዕብ መንነት እቲ ሓወልቲ ምዝራብ፡ ስለምንታይ እቲ ሓውልቲ ሎሚ ቆይሙ ዘይኮነ፡ እንታይነ ህ.ግ.ዲ.ፍ ምዝራብ ክጽሕፍ መሪጸ።

ታሪኽ ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ ነዊሕ ኣዋን መሰረት ዘለዎ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ድሕሪ ነጻነት፡ መደብን ትልምን ዘይብሉ፡ ስርርዕን ቅርጽን ኣብ ዘይብሉ፡ መንግስቲ ከይተኸለን ከይኣወጀን፡ ተጋደልቲ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ተጋድሎ፡ መን ተሪፉ መን ኣትዩን፡ ሰንኪሉ ተወጊኡንስ ክፍለጥስ ይትረፍ፡ እቶም ደድሕሪ ጸላኢ ዝጓየዩ ዝነበሩ ብርኮም ከይዓጸፉ፡ ብረቶም ካብ ዝባኖም ከየውረዱ፡ ኤርትራ ናብ ሲንጋፑር ክትቕየር’ያ እንዳተባህለ ጃህራን ሓሶትን ህ.ግ.ዲ.ፍ ብመራኸቢ ጋዜጣን፡ ሬድዮን ካልእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተኣደነ ላግጺ ጀመረ።

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ቀናእ ስርዓት ምዃኑ፡ ብፍላይ’ቲ ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣዘውቲሩ ዝጥቀመሎም ኣጋጣሚታት ኣለዉ። ኣብ ገገለ ሃገራት ብፍላይ ኣብ ናይ ምብራቕ ኤውሮጳ ዘይተራእየን ዘየተሰምዐን ታሪኽ ከም ሓቂ ኣምሲልካ ምትራኽ ዝተለምደ’ዩ። ነዚ ናይ ሓሶት ታሪኽ ንህዝቢ ቀልቡ ሰሊብካ ብምስሓብ ኣብ ካልእ ከየቕልብ ምግባር ዝተማህዘ ፍልስፍና’ዩ።

እዚ ፍልስፍና ኣብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ቀንዲ መተዓየዩ ኮይኑ፡ መራሒ ጃንዳ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንነፍሱ ቅድሚ ኩሉ ፡ ቅድሚ ሃገርን ህዝብን ክሰርዕ፡ ቅድሚ ብጾቱን መቃልስቱን ክሰርዕ ዝገበሮ ታሪኽ መምህር ተስፋይ ዘውዴ ኣስፊሑ ጠቒስዎ’ዩ። ኣብ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ንኣቃልቦ መስሓቢ ኣብ ክሊ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝዕለልን፡ ዝዝረብን ዝነበረ ወረ ” ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብካላሽን ሽሙ ይጽሕፍ ምንባሩን፡ ታንኪ በይኑ ጠጠው ከም ዘብላን’ዩ። እዚ ኮነ ተባሂሉ ዝንዛሕ ዝነበረ ወረ፡ ኢሰያሽ ውፉይን፡ ብቕዓት፡ ክእለትን ዘመስከረ ተጋዳላይ ንምምሳል’ዩ።

ኣብነት…ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጽምብል ስርሒት ፈንቅል ኣሎ ዝበሃል ብተንቀሳቓሲ ፊሊም ዝተቐርጸ ሰነዳት ናይ’ቶም ኩሎም መራሕቲ ኵናት፡ ተጋደልቲ ኩሉ ተኣሊዩን፡ ካብ’ቶም ነቲ ኣመራርሓ ናይ’ቲ ስርዓት ዘይድግፉ ባእታታት፡ ተጻፊፉ ተባሂሉ፡ ክንደይ ጀጋኑ ዝወዓልዎ ኵናት ባጽዕ ስእሊ ኢሰያስ እንዳምጻእካ፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንጸላኢ በይኑ ከም ዝተዋግአ ገቢርካ ምቕራብ ዝተራእየ ናይ ጻዕዳ ሓሶት ታሪኽ ንረኣይን ሰማዕን ኣስደሚምዎ’ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ነዚ ብዝምልከት ፍብላይ ከኣ ንዝኽሪ ስርሒት ፈንቐል ብዝተገብረ ትልምን መደብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ሓደ ጽሑፍ ጽሒፈ ነበርኩ። እቲ ጽሑፍ ነተን ኣብ ኣፍደገ ባጽዕ ተገቲረን ዘለዋ ስርሓት ሶቭየት ታንክታት ዘትኰረ’ዩ ነይሩ።

ኣብ’ዚ ክረአ ዘለዎ ዝምድና ብረታዊ ተጋድሎናን ኤርትራውያንን ዶ ወይስ ታንክታት ጸላኢ ብዝብል እዩ ነይሩ። ኢሳያስ ብውልቀ ድሌቱን ወንኡን ብዘይካ ናይ’ተን ዝሓረራ ናይ ጸላኢ ታንክታት፡ ናይ ዝዀን ይኹን ሂወቱ በጃ ህዝቡ ዝሕለፈ፡ እንዳረኣየ እንዳሰምዐ ነፍሰ ስግኡ ዝሓረረ ጅግና ተጋዳላይ ከይስመይን ከይጥቀስን ሓወልቲ ከይስርሓሉ ምስ ኣዘዘ፡ ምኽንያት ከቕርብ እንከሎ ቀጺሉ ” ንኽንደይ ጀጋኑ ኢልና’ሞ ሓውልቲ ክንሰርሕ ዝበሎ ምስክር ግፍዓዊ ምህደራ ህ.ግ.ዲ.ፍን ኢሰያስነ ሰዓብቱን’ዩ።

ነዚ ኣርእስቲ ዘልዓልክዎ ምኽንያት ኣውራ መራሕ ጃንዳ ህ.ግ.ዲ.ፍ ቀናእ ብምዃኑ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ታሪኽና፡ ብጅግንነቱ ንዝምስከረሉ ዜጋ፡ ኢሰያስ ብሂወቱ ክሳብ ዝሃለወ ክዝከር ከም ዘይፍቐድን፡ ከም ዘይከኣልን ርጉጽ ምንባሩ ንምብራህ’ዩ ነይሩ። እወ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ክሳብ ዘሎ፡ ሂወቶም በጅዮም፡ ሂወት ኤርትራውያን ዜጋ ንዘድሓኑ፡ ንባዕሉ ንኢሰያስ ኣፈወቂ ዘድሓኑ’ውን እንተዀነ ተኻሒዶም፡ ኢሰያስ ቀቢርዎም ይኸይድ ከም ዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ንምብራህ’ዩ።

ሓንቲ ታሪኽ ከዕልለኩም፡ ታሪኽ ስውእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገንን፡ ስውእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤልን እዩ፡ ክቡር ሓው ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ ንዝኽሪ መስዋእቲ ስውእ ተጋዳልይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣስፊሑ ጽሒፍዎ ከም ዝነበረ፡ ብለካቲት 1965 ምስ መሪሕነት ንምርኻብ ንሜዳ ክሳብ ከሰላ በጺሖም ጉዳይ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕዋት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ንምዝርራብ ነበረ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን እቲ ዘቅረብዎ መጽናዕቲ ተቐባልነት ረኺቡ ተዘሪብሉ። ነቲ መደብ ንምትግባር ስውእ ወልደዳዊት፡ ስውእ ስዩምን፡ መሓመድ ብርሃን ብላታን ካልኦት ተጋደልቲ ዝርከብዎም ንኣስመራ ተመልሱ። ኣብ ኣስመራ ዕውት ዝዀነ ስርሓት ኣካየዱ። እንተዀነ ኣብ ሞንጎ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ገድላዊ ስርሓት ዘይተሓሰበ ሓደጋ ማእሰርቲ ኣጋጠመ። ስውእ ወልደዳዊትን፡ ስውእ ስዩም ዑቕባሚካኤልን ይእሰሩ።

ስውእ ስዩም ብዛዕባ’ዛ ዕለት ክዛረብ እንከሎ፡ ሓንደበታዊ እዩ ነይሩ ምስ ስውእ ወልደዳዊት እንከልኹ፡ ብረት ዝሓዙ ወታሃደራት መጺኦም ይሕዙና፡ ናብ ሓንቲ ብቴንዳ ዝተሸፈነት ቀጠልያ ናይ ወታሃደር መኪና ላንድሮቨር ዝዓይነታ ደፊኦም ሰቐሉና፡ እዚ ኩነታት ቅድሚ ምዃኑ፡ ኢሰያስ ኣፈወቂ ብሽክሌታ ተወጢሑ ናባና ገጹ ይመጽእ ነበረ። እንተዀነ እቲ ኩነታት ምስ ረኣየ ንድሕሪት ገጹ ሰገጥ በለ። እታ መኪና ምስ ተበገሰት ግን ኢሰያስ ኣፈወቂ ደድሕሪ’ታ መኪና ሰዓበ ይብል።

ስውእ ወልደዳዊትን ስውእ ስዩምን ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ንልዕሊ 10 ዓመት ኣብ ሕሱም ስቓይ ዝመልኦ፡ ሂወት ማእስርቲ ኣሕሊፎም፡ ምስ’ዚ ኩሉ ስቓይን ቃንዛኦም ከኣ ኩሉ  ተጻዊሮም ክሳብ ለካቲት 1975 ጸኒሖም ብጅግንነታዊ ስርሒት ኣባላት ሰራዊት ተ.ሓ.ኤን፡ ኤርትራውያን ተሓባበርቲ፡ ሓለፍቲ ሓለዋ ማእሰርትን ነጻ ዝወጹ ምስጢሮም ዓቒቦም።

እዞም ክልተ ስውኣት ምስኦም ዝነበሩን ጀጋኑን፡ ሓደን ኣውራን ካብ’ቲ ዝዓቐብዎ ምስጢር፡ ሓደ ካብ’ቲ ንመስዋእቲ’ውን እንተኾነ ሂወቶም ክኸፍልሉ ቁርጺ መብጽዓ ዝኣተውሉ፡ ጉዳይ ፖለቲካዊ ስርርዕ ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ስርሓት ኢሰያስ ኣፈወርቂን ንጸላኢ ዘይምቕላዕ’ዩ። ንሳቶም ኣይከሓዱን፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግን ክሒዱ፡ እዚ ክሕደት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከኣ መመላእታ ናይ’ቲ ኩሉ ክጸሓፍ ዝጸንሐ ኽደታት፡ ብዓንተብኡ ዝጀመረ ክሕደት እንሆ ሎሚ ኣብ መላእ ህዝብን ሃገርን ሊሒዅ ምህላዉ ምግላጽ ዘይድልዮ እዩ።

ካልእ ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ፡ መደብን ትልምን ክፍኣት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ደገፍ ህዝቢ ከም ዘለዎ ምንምምሳል፡ ነቲ ቅንኢ ታሪካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ንምምሳልን፡ ብዙሕ ሕብራዊ ቅብኢ ዝግበረሉ ብምንባሩ፡ ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ምርኣዩን፡ ኣብ’ዚ ሎሚ ዝጋሃድ ዘሎ መድረኽ ግፍዒ ህ.ግ.ዲ.ፍ ተጋሂዱ ካብ ዝረአ ተግባራት ንምልላዩ ምብቓዕን ዘኽእል ተርኽቦታት፡ ብጽሑፍ ወይ ብሂል ዘይኮነ ብኣካል ምምስካር’ዩ።

ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ ቅንኢ፡ ንመደባቱ ንምዕባይ፡ ንምግናን፡  ተላዒሉ ዝፈጸሞ ተግባራት ከም ኣብነት………. እዚ ዝስዕብ ክጥቀስ ይኽእል።

1

ንኣብነት ኣሜሪካውያን ኣብ ለካቲት 19 1949 ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሰላምዊ ውቕያኖስ ምስ ጃፓን ኣብ ከባቢ ፊሊፕን ኣብ ዴስት ኢዋ ጂማ ዘካይድዎ ዝነበሩ ውግእ ኣብ ገገለ ደሴታት ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈልሉ ብምንባሩ ንምልክት ዓወቶም ዝተኸልዎ ባንዴራ፡ ኢሰያስ ልክዕ ቅዳሕ ኣቢሉ ኣቐመጣ። ጥብቆ ስእሊ ርአ።

USA Flag raising at Iwa Jima 19 February 1949

2

ኣብ 1997 ባጤራ ኤርትራ ኣብ ዝተኣወጀሉ፡ ሕብሩ ዓይነቱ ልክዕ ከም ሕብርን ዓይነትን ናይ ኣሜሪካ ዶላር ኮነ። ዋላ’ኳ ብዓመጽን ቁጠባዊ ግበታን ናይ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክንድኡ ክብሪ እንተዘይሃለዎ።

3

ኣብ ሃገራዊ ጽምብል በዓላት፡ ቅምጥ ኣቢልካ፡ ናይ ምልካውያን ስርዓታት ባህሊ መልክዕን ትሕዝቶን ዘለዎ፡ ናይ ደቡብ ኮሪያ፡ ናይ ቻይና፡ ናይ ሶቪየት ሕብረት፡ ካልኦት ንዔን መሰልቲ ሃገራት ንህዝቢ ንምድንጋር ዝጥቀማሉ ዝነበራ ኣረጊት ሽጣራ፡ ዝኽተልኦ ስልትን ኣገባብን፡ ሰላማዊ ምምሳል፡ ናይ ልምዓት መሪሕ ምምሳል፡ ናይ ምጣነ ሃብታዊ መሪሕ ንምምሳል፡ ምዕሩይን ርግኡን ሃገር ከም ዘሎ ንምምሳል፡ ምዝውታር ናይ ሎሚ ናይ ጃንዳ ህ.ግ.ዲ.ፍ ናይ መወዳእታ ካርታ ዘርእዮ ዕንደራን።

4

ቅድም ክብል ብዙሓት ኤርትራውያን ብዛዓብ’ቲ ስርዓት ዘዕልልዎ ዝነበሩ ከም ዋዛ ቁም ነገር ፡ ሎሚ ብጋህዲ ኮይኑ ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ሃገርና ብመነግታዊ ናይ ስለላ ትካላት ዝስርሓሉ ዘሎ፡ ናይ ኪኢላታትን፡ ሰብ ሞያን፡ መደብ ኣገባብ ማእቶት፡ መደብ ኣገባብ ፍርያት፡ መደብ ኣብ ንግዲ ፡ መደብ ሕርሻ ንዘካይድዎ ንጥፈታትን፡ ናታቶም ኣካይዳ ብምቅዳሕ፡ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ባዕሉ ዝዓደሞም ግላውያን ኣወፈርቲ ርእሰ ማል ኤርትራውያን ብዓመጽ፡ ካብኦም ንላዕሊ ብዘለዎ ህ.ግ.ዲ.ፋዊ ትሕዝቶ ክወዳደሮም ብምጅማር፡ ኣብ ድኽነት ዕዳን ደርቢዩ፡ ሓሳባቶምን ሞያታቶምን ቀዲሑ፡ ዘርሞ ዘርሞ ገዲፍዎም ኣይ ንዓዲ ኣይ ንብረኻ ደርቢይዎም፡ ከካብ’ቲ ዝመጸሉ ናይ ስደት ሃገራት ክምለስ ገቢርዎም ኣሎ።

5

ሓወልቲ ኣብ ኣስመራ ውሩይ ደራሳይ ኣለክሳንደር ፑሽኪን ብርእይቶይ ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ መደብ ህ.ግ.ዲ.ፍ’ዩ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ፡ ነዚ ዕግበት ዘንቀለኒ ከኣ ሽሕን ሚእትን ምኽንያት ብኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ በቶም ኣብ ኵናትን ቃልስን፡ ኣብ ድሕነት ሞትን ህዝቦም ዝወዓሉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ክምስከር ዝኽእል፡ ዝተስርሐ ታሪኽ፡ ብምህላዉ ብምውድዳር፡ ሎሚ ሓደ ሓወልቲ ዘይኮነስ ክንዲ ቁጽሮም ዝኣክል ክትከል ዝግበኦን ዘሎዎን፡ ታሪኽዊ፡ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ ምህላዉ ብምእማን….. ወ.ዘ.ተ እዩ።

ሓወልቲ ውሩይ ደራሲ ኣለክሳንደር ፑሽኺን ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ ምዃኑ ካብ ክቀርቡ ዝኽእሉ ምኽንያታት።

ሀ/

ሎሚ ከኣ ከም’ቲ ቅድም ክብል ኣብ መእተዊ ዝተገልጸ፡ ኣብ ኣስመራ ሓደ ሓውልቲ ተተኺሉ ይርከብ፡ እዚ ሓወልቲ፡ ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ ምዃኑ ግምት ኣሎኒ። እቲ ግምታተይ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብዓቢኡ ብታሪኽ ህዝቡ፡ ብጅግንነት ህዝቡ፡ ስለ ዝቐንእ ሓደ ነዚ ታሪኽ ዘፍርስ ዓቢ ነገር ክረከብ ኣለዎ ዝብል’ዩ እቲ መደብ።

ለ//

ንኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን፡ ናይ ቀረባ ታሪኽ ንምፍራስ፡ ንምድምሳስ፡ ንምጥፋእ ካብ ዝተበገሰ፡ ፍሹል ሃቐን ህ.ግ.ዲ.ፍ ብምዃኑ።

ሐ/

ኣንጻር ስርዓት ኢትዮጵያ ዝኸይድ ናይ ወሰን ወሰን ናይ ምብራቕ ሃገራት ምሕዝነት፡ ንደገፍ ምልካዊ ስርዓትን ምሕደራን ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ቁጠባዊ ምሕዝነት ዝሓስብ ፍሹል ሓቐነ ብምዃኑ።

መ/

ኣብ’ዚ ዝሓልፈ ዓመት ኢትዮጵያውያን፡ ካብ’ቲ ኣብ 1936 ቅድሚኡን ዝተኻየደ ወራራት ጣልያን ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝዘመትዎ ታሪኻዊ ቅርስታት ከ ዝነበረ ዓለም ዝፈልጦ’ዩ። ኢትዮጵያውያን ነዚ ጣልያን ዝዘመትዎ ታሪኻዊ ቅርሲ ክምለስ ኣለዎ ካብ ዝብሉ፡ መሰታ እቲ ንደርጊ ዝተከአ ናይ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘምሓድር ዘሎ ስርዓት ጠለብ ምዃኑ ኩሉ ክርዳእ ዝደሊ ሰብ ከም ሰብ፡ ከም ጎረበኤት ሃገርን፡ ክሳብ ህ.ግ.ዲ.ፍ መሓዙት መንግስቲ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ዝነበሩ እዋን ዘቃልሕሎምን ዝነብሩ’ዩ።

ኢትዮጵያውያን ተዓዊቶም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቅርስታቶም ብሙሉእ ወጻኢ ናይ መንግስቲ ጣልያን፡ ገገለ ክፋል ሓውልቲ ከተማ ኣኽሱም ንኢትዮጵያ ንትግራይ ተመሊሱ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ መንግስቱ ብዝገብሮ ጻዕሪ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ቅርስታቱ ንሃገሩ ክምለስ ኣብ ሂወቱ ሓደ ናይ ታሪኽ፡ ናይ ፖለቲካ፡ ናይ ዝምድናን ምሕዝነትን፡ ካልእ ካልእ ጉዳይ ብዓይኑ ርእዩ፡ ነቲ ጥንታዊ ቅርስታት ኣቦሓጎታቱን ኣቦታቱን፡ ኣሽሓት ኢትዮጵያዉኣን ዝተሰውእሉንድማ ብዓብይ ክብሪ ተቐበሎ። ኣብ ቦትኡ ድማ በቲ ዝግባእ ክብሪ ዳግማይ ተኸሎ።

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ ክኽተኽሎ ዝጸንሐ ናይ እከይ ዘርኢ እሾኽ ካልእ ስለ ዘይነበሮ፡ ነዚ ኣብ ጎረቤት ኮይኑ፡ ንሰላም፡ ንዕብየት፡ ንዲሞክራሲ ብዓቕሙ ዝፈታትን ስርዓት ኢትዮጵያን ንምውድዳር፡ ቅድሚ ኣስታት 500 – 600 ዓመታት ምትእስሳር ኤርትራውነት ነይርዎ ዝበሃል ኣለክሳንደር ፑሽኪን ባዕሉ ብወጻኢኣታቱ ሓወልቲ ክተክልን፡ ታሪኽ ክሰርሕን ፈቲኑ።

መደምደምታ

ክቡር ኤርትራዊ፡ ናይ ውሩይን ታሪኽውን ደርሳይ ኣለክሳንደር ፑሽኪን ታሪኽ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝህቦን ዝኸልኦን ክብሪ ከም ዘየሎ ፍሉጥ’ዩ። እንተዀነ ግን ህ.ግ.ዲ.ፍ ክተኽሎ ዘለዎ ሓወልቲ ናይ ቀረባ ፡ ምስ ነጻነታና ዝተእሳሰረ፡ ምስ ብረታዊ ተጋድሎና ዝተኣሳሰረ ተሳኢኑ ማለት ድዩ።

ተቃወምቲ፡ ወራር፡ ፖርቱጋል፡ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ሃጸያት ኢትዮጵያ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ደርግ መንግስቱ ሃይለማሪያም፡ ሓይልታት ሶቬት ሕብረት፡ ኣሜሪካ፡ እሱራት ደሴታት ናዅራን ዳህላክን፡ ዓበይቲ ዓድን።

ወዲ እኩድ ማሕመድ ዓርዳን፡ ጎሚዳ ወ/ሚካኤል ሰሎሙን፡ ከንቲባ ሓምድ ሼኽ ሑሴን፡ ደግያት ባህታ ሓጎስ ኣባ ጥመር፡ ደግያት ካፍል ጎፋር፡ ጅምዓ ዑመር ፡ ደርማስ ከንቲባ ደባስ፡ ደጊያት ጉልወት ሓድገንበስ፡ ደግያት ማሕራይ ሞጎስ፡ ሃይሉ ዓዲ ባሮ፡ ሰቋር ባሕሮ።

ሓምድ ኢድሪስ ዓወተ፡ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ወልደኣብ ወልደማሪያም፡ ኢብራሂም ዓሊ ስልጣን፡ ካልኦት ብኣሽሃት ዝቑጸሩ ጀጋኑ ኤርትራውያን………….

እዚ’ዩ እቲ ክሕደት፡ እዚ’ዩ ናይ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ሓወልቲ ትርጉም፡ ናይ ጽልኢ፡ ቅርሕንቲ፡ ጃህራ፡ እዩ። እንተ ተጃሃሩን እንተዅርዑን እቶም ዝዀርዕሎም፡ ብዝፈልጥዎ ቋንቋ ዝተጻሕፎ ዘዕበይዎን ይጀሃርሉ፡ ይዅርዕሉ። ንሕና ድማ ነታ ክትህሉ ከይትህሉ ንታሪኻዊ መበቆል ንዅርዓላ እንተሃለወት ብኣገባብ ተርታን ዕድልን ንገብረላ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=60

Posted by on Dec 2 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net