ሃገራዊ ናይ ጸሎት መዓልቲ

(ትርጉም ብዓረበኛ ኣብ ታሕቲ ርኤ)

ክቡር ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን እትነብር ፍቱው  ህዝቢ ኤርትራ ። ካብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣትሒዙ  ንህዝቢ ሃገረ ኤርትራ ገጢሞሞ ዘለው በዳህቲ ሽግራት ብርክት ዝበሉ ምዃኖም ንኹላትና ብሩህ‘ዩ።  ንምዝኽኻር ግን  ገለ ካብ’ቶም ንህዝብና ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያትና ገጢሞም ዘለው ስቅያት ክንጠቅስ።  እቶም ንስደት ብምኻድ ንሂወቶም ተስፋ ብምሃብ  ንስድራኦም ክናብዩን ክጥውሩን ብኡ ኣቢሎም ‘ውን ንሃገሮም ክሕግዙ  ዝተበገሱ ዕሸላት መንእሰያት ደቂ ህዝቢ፡ ገለ ኣብ ዶባት ኤርትራ ብሰንኪ ነቶግትን ካልእ ሰብን ተፈጥሮን ዘበገሶም ሓደጋታት ህይወቶም ይስእኑ ብምህላዎም፡ ገለ’ውን ኣብ ኣእዊኻ  ረዳኢ ዘይትረኽበሉ ሆሮርማ ምድረበዳ ሳሃራን፡ መዓሙቕ ቀላይ ማእከላይ ባሕሪን ብዘይ መላስ ኣውያት ሂወቶም ብዘይ ንቡር ምሕላፎም ገለ ካብ ኣብነታት እዮም።

 

ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኩሉና ብዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ንሰሞዖ ከምዘለና ኣብ መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ  ጽምጽም ብድረ-በዳ ሲናይ ብበድዊን ዝተባህሉ ተቀመጥቲ ናይቲ ከባቢ ዝወርዶም ዘሎ ኣስካሕካሕን ኣሰቃቕን ግፍዒታት ንኽትኣምኖ ዘጸግም‘ዩ። ከም ጊላ ተታሒዞም ብገንዘብ ክልወጡን ክሽየጡን ብሂወቶም እንዳራኣዩን እንዳሰምዑን  ኩላሊቶም ከም ዝምንዝዑ ኽትሰምዕ ከሎኻ ኣዝዩ ዘፍርሕን  ዘስካሕክሕን ኣረሚናዊ ተግባር ብምዃኑ ተስተንትንን ዝርንዛሕ ትነብዕን።  

ኣብ ሃገርና ብዙሓት ኣውንታውያን ባህላውን ሃይማኖታውን ልምድታት ኣለዉና። ሓደ ካብቶም ሃይማኖታውያን ልምድታትና  ከኣ አብ ግዜ ራህዋ ኮነ ኣብ ግዜ መከራ ብመራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ተመሪሕካ ሓባራዊ  ጸሎትን ምህለላን ናብ ሉዑል ፈጥሪ ምብጻሕ‘ዩ።  እዚ ዘለናዮ ፈታኒ እዋን ከኣ ሓደ ካብቶም ተደጋጋሚ  ሓባራዊ ምህለላን ጸሎትን ከነዘውትረሎም ዝግብኣና ግዜታት ሓደ‘ዩ። ገለ ካብቶም ኣብዚ ከቢድን ፈታትንን እዋን እዚ ናብ ቤት ኣምልኾና ብምምልላስ ክንጽልየሎምን ክንምህለሎሎምን ዘሎና ከኣ እዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይከኣል እዩ፡፤    

  1. ሃገርና ኤርትራ ክባርኸልና
  2. ኣምላኽ ወይ ረቢ ሰላምን ፍቕርን ቅሳነትን ከውርደልና
  3. መንእሰያትና ካብ ጸበባ ሲናይን ሞት ማእከላይ ባሕርን ክሕልወልና
  4. ወረ ጥሜትን ዓጸቦን ክጥፍኣልና
  5. ሓሳብ ልብና ከስምረልና።

ሽግርን ጸባባን መኻይድቲ ወዲ-ሰብ‘ዮም። እንተኾነ ግን እዞም ኣብዚ እዋን እዚ  ብሓፈሽኡ ንሃገርና ብቐንዱ ከኣ ንመንእሰይና ኣጋጢሞሞ ዘለዉ ኣብዛ ምድራዊት ዓለም መዳርግቲ የብሎምን እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኩላትና ሰብ ትንፋስ መወትቲ ኢና። ዘልኣለም ዝነብር ትንፋስ የልቦን። እንተ ኾነ ግን እቲ ሞትን ኣደራዕን ኣብ መንእሰይ ብተደጋጋሚ ክኽሰት ክትርእዮ ከሎኻ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ከምዝኾነ ንምግማቱ ዘማትእ ኣይኮነን። እዞም ከምዚ ዝዓይነቶም ወጽዓታት ንኽእለዩ እቲ ናይ መጀመርታ ኣማራጺ ኩላትና ደቂ ሃገር፡ ዓቢይና ንኡሽተይና ፡ ሰብኣይና ሰበይትና፡ ወድና ጓልና ፡ አብ ውሽጢ ሃገር ንሃሉ ኣብ ስደት ብዘየገድስ ኩላትና ኣብ ሓደ ህሞት፡  ልብና ኣንጺህና ናብቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝኾነ አምላኽ ወይ ረቢ ጸሎትናን ምህለላናን ምብጻሕ እዩ። እዚ ክዉን ክንገብር ከኣ ኩለንትናዊ መንፈሳዊን ሞራላውን ግዴታ ኣሎና። ከምዚ ብምግባርና ኣምላኽ  ክሕግዘና እዩ። ሃገርና እውን ካብዚ ገጢምዋ ዘሎ ሽግራት ንኽትናገብ መንገዲ ከርእየና‘ዩ።ኣብ  ወሽጢ ሃገርና ዘሎኹም ኩሉኹም ምእመና ከአ ነዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ህዝባዊ ጸሎት ናብ አምላኽና ወይ ረብና ኣብ ምስግጋር መሪሕ ተራ ክትጻወቱ ሃይማኖታዊ ግዴታ ኣለኩም።  ነቶም ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ ኣብ ምድራዊ ሲኢኦል ኮይኖም ዝሳቐዩ ዘልዉ ደቅና፡ ኣሕዋትና፡ ኣሓትና፡ ኣቦታትናን ኣዴታትን ንጸልየሎም። ነቶም ብዘይ ንቡር ነዛ እንነብረላ  ዓለም ዝተሳናበትዎ ኩላቶም ኤርትራውያን ከኣ  ኣምላኽ እቲ  ኣብ’ዛ ምድራዊት ዓለም  ዝሰኣንዎ ጥጡሕ ሂወት ኣብ  ሰማይ ንኽህቦም ብንጽህና ንለምን።

 

ኣመንቲ ምስልምና፡

ዕለት፡ ን ዓርቢ (28/10/2011- September 28, 20011) ን (04/11/2011-October 04, 2011) ብኹለን ኣብ ወሽጢ ሃገርን ኣብ ስደት ዝርከባ መሳጊድ ክካየድ ንጽውዕ።

 

ኣመንቲ ክርስትና፡

ዕለት፡ ንሰንበት (30/10/2011-September 30, 2011) ን (06/11/2011-October 06, 2011) ኣብ ኩለን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ክካየድ ንጽውዕ።

 

ኣምላኽ ወይ ረቢ ን ሃገርና ሰላሙን ምሕረቱን የውርደልና፡ ኣሜን።

ብግዱሳት መንእሰይት ኤርትራ ዝተዳለዎ ጻዊዒት ኮይኑ እዋናዊ ስለ ዝኾነ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሱታፌ ዝሓትት እዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6048

Posted by on Oct 23 2011 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net