ደምዳሚ መግለጺ 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ማ/መሪሕነት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ህ.ደ.ግ.ኤ.

ጀጋኑ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ማእከላይ መሪሕነት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ /ህደግኤ/ ካብ 30 መጋቢት 2010 ክሳብ 5 ሚያዝያ 2010 ኣብ ዘሎ ግዝያት፡ 5ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ። ማእከላይ መሪሕነት ኣብ’ዚ ስሩዕ ኣኼብኡ’ዚ ንህልዊ ዓለማዊ፡ ከባብያዊ ሃገራውን ውድባውን ኩነታት ኣመልኪቱ ብዕምቆት ገምጊሙ፡ መጸኢ መደብ-ዕዮ ብምስራዕ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ።

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ማእከላይ መሪሕነት ንህልዊ ዓለማዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ፡  እቲ ብዓለም ደረጃ ዝተኸስተ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ በብረደጅኡ ገና ንሕብረተሰብ ዓለም የሳቒ ምህላው፣ ኒክሎራዊ ኣጽዋራት ንምውናን ዝግበር ውድድራትን ንምግትኡ ዝካየድ ዘሎ ሚዛናውነት ዝጎደሎ ንጥፈታት መዕለቢ ዘይረኸበ ምዃኑ፣ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት ብሓደ መዳይ፡ ግብረ-ሽበራ  ንምውጋድ  ዝካየድ ዘሎ ስራሓት  ኣብ ኣፈጻጽምኡ ዝረኣዩ ጉድለታት ድማ በቲ ካልእ መዳይ፡ ነናቱ ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ከም ዘሎ፣ ብከላ ኣየር ዝጠንቁ ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ዘሎ ሽግራትን ንምንካዩ ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ብመርሖ ደረጃ ተስፋ ዝህብ ምዃኑን መዚኑ። ከምኡ’ውን ብዓለም ደረጃ  ፍሉይ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጠቕሚታት ንምርግጋጽ ክበሃል ዝረአ ዘሎ ቁርቁሳትን ኣሰላልፋ ሓይልታትን፡ እዚ ዝፈጠሮ ተጽዕኖታትን ብሓደ ገጽ፡  ናይ’ዚ ግዳይ ዝኾኑ ውጹዓት ህዝብታት ዘካይድዎ ዘለው ቃልስታት ድማ በቲ ካልእ መዳይ ህልዋት ምዃኖም ገምጊሙ።

ማእከላይ መሪሕነት  ንከባብያዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝረኣየሉ፡ ዞባና ገና ሰላምን ምርግጋእን  ዘየረጋገጸ ምዃኑ፡  ንመጻኢ’ውን እዞም ጸገማት እዚኣቶም ናይ ምቕጻል ዕድሎም ህልዊ ምዃኑ ብሓፈሻ ዝመዘነ ኮይኑ፡ ጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ናይ ከባቢና ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምዝራግን ምህዋኽን ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ምዃኑ፡ ንህዝብታትን መንግስታትን ናይ ከባቢና ብሓፈሻ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ብፍላይ ግብረ-ሽበራዊ ስራሓት እናካየደ ሰላምን ርግኣትን ናይ ዞባና ናይ ምዝራግ ኣዕናዊ ተግባራቱ ሎሚ’ውን ይቕጽለሉ ከም ዘሎ ብዕምቆት መዚኑ።

ማእከላይ መሪሕነት ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ ንህልዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ: ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዘካይዶ ዘሎ ደርባውን ብሄራውን ጭቆናን ኣድልዎን ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽለሉ ምህላው፡ ተፈጥሮን ግጉይ ቁጠባዊ ፖሊሲ ህግደፍን ዝወለዶ  ጥሜትን ዓጸቦን  ህዝብታትና ንከቢድ ሓደጋ ተሳጢሖም፡  ካብ’ዚ ንምምላጥ ክበሃል ሎሚ ዋሕዚ ስደት ብኣሰካፊ መልክዑ ይቕጽል ከም ዘሎ፡ ጥሜትን ዓጸቦን ዘውርድዎ ዘለው ጸገማት ንከይግታእን ሂወት ህዝብታትና ከይድሕንን ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ “ጥሜትን ዓጸቦን የለን”  ዝብል ጨካን እምነት ብምሓዝ  ህዝብና ረድኤት ረኺቡ ከይዕንገል  ዝገብሮ ተጻብኦ ህያው ምዃኑ ዝመዘነ ኮይኑ፡ ነዚ ኣረሜናዊ ተግባራት’ዚ ብምኹናን ደላይ ሰላምን ፍትሕን ዝኾነ  ማሕበረ-ሰብ ዓለም ነዚ ኣብ ህዝብታትና ወሪዱ ዘሎ ናይ ጥሜትን ዓጸቦን ሓደጋ ንምግታእ፡ ንዓጋቲ ተግባራት መንግስቲ ህግደፍ ብምቅዋም ሂወት ህዝብታትና ንምድሓን ባዕሉ ብዝቆጻጸሮ ኣገባብ ሓገዛቱ ከበርክት ማእከላይ መሪሕነት ዳግም ጸዊዑ።

ማእከላይ መሪሕነት፡ ነቲ ጸረ-ሰላምን ምርግጋእን ናይ ከባቢናን፡ ጥሕሰት ዓለማውን ከባብያውን ሕግን ውሳኔን፡ ተኹታዂ ተግባራት ናይ መንግስቲ ህግደፍን መሰረት ዝገብረ ኣብ ልዕሊኡ ጥራሕ ኣነጻጺሩ ዝተወሰነ እገዳ ቅኑዕ ምዃኑ መዚኑ። ትግባሪኡ ብዝምልከት ይጓተት ምህላው ብምንቃፍ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዘለዎ ድማ፡  ብትሪ ጸዊዑ። ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ኣውስትራሊያን ኣብ ልዕሊ ዓንዳሪ መንግስቲ ህግደፍ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝተወሰነ ማዕቀብ ተግባራዊ ክገብረኦ ድልዋት ምዃነን ዝሃባኦ መግለጺ ንኢዱን ኣሞጒሱን፡ ካልኦት ሃገራት ኣሰረን ክኽተላ ድማ ጸዊዑ።

ማእከላይ መሪሕነት፡ መንግስቲ ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ ናይ ማዕቀብ ውሳኔ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ከም ዝተበየነ ኣምሲሉ ህዝብና ክኹንኖ ከካይዶ ዝጸንሐ ንጥፈታት ዝፈሸለ ይኹን ደኣምበር፡ ናይ ህዝብታትና ንጹህ ሃገራዊ ስምዒት ብምምዝማዝ ኣንጻር ሕብረተሰብ ዓለምን ሕግታቱን ጠጠው ክብል ብምግባር ክሕባእን መከላኸሊ ዋልታ ናይ ገበናቱ  ክጥቀመሉን፡ ንዕድመ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕን ዝግልገለሉ ዘሎ ሜላ ስለ ዝኾነ ህዝብታትና ኣብ ህግደፍ ዝተነብረ እገዳ ነቲ ዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ ብውድዕነቱ ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ ብንቕሓት ክሪኡን ንኣዳናጋሪ ፕሮፖጋንዳዊ ሜላ ህግደፍ ክኹንኑን ንምፍሻሉ ክቃለሱን ጻውዒቱ ኣቕሪቡ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ማእከላይ መሪሕነት ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ብሰንኪ ሕማቕ ደርባዊ ባህሪያቱን ጸረ-ደሞክራስያዊ ተግባራቱን ብውሽጥን ብግዳምን ከጋጥሞ ዝጸንሐን ዘሎን ቃልሲ ተበዲሁ ዕለት ፍሸለቱ እናተረጋገጸ ከም መንግስቲ መሊኡ ናብ ክፈሸለሉ ዝኽእል ኩነታት ተሳጢሑ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ዝወድቀሉ ግዜ ርሑቕ ከም ዘይኮነ መዚኑ።

ማእከላይ መሪሕነት፡ ትምክሕታዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ህግደፍ ናይ ኩሉ ሃገራውን ህዝባውን መሰረታዊ ሽግራት ጠንቂ ክነሱ፡ ንኹሉ ሽግራት ክፈትሕ ዝኽእል ፕላን /ሮድ-ማፕ/  ኣምጺአ ኣለኹ ብምባል ዘስመዖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ህዝቢ ንምድንጋር ‘ምበር ዝጭበጥ ንህዝብን ሃገርን ዝጠቅም ዝተታሕዘ መደብ ከም ዘይብሉ መዚኑ። ካብ’ዚ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ’ዚ ህዝብና ብተስፋ ከይጽበ ድማ ኣተሓሳሲቡ።

ጀጋኑ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ማእከላይ መሪሕነት ንህልዊ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርና ኤዴኪን  ኣመልኪቱ ብዕምቆት ዘትዩ። ደምበ ተቓውሞና ብሓፈሻ ኣብ ክሊ’ቲ ኣወንታዊ ጎኒ ናይ ቃልሱ፡ ድኹማት ጎኒታት’ውን ከም ዘለውዎ ንሱ ከኣ፡ ዓቕሙን ፍልጠቱን ኣወሃሂዱን ኣዋዲዱን  ኣንጻር ኣረሜናዊ መንግስቲ ህግደፍ ከካይዶ ዝግበኦ ሓባራዊ ቃልሲ  ከም’ቲ ዝድለ ደልዲሉ ክኸይድ ብዘይምጽንሑ፡ መንግስቲ ህግደፍ ብምእላይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ  ክካየድ ዝግበኦ ቃልሲ ገና ድኹም ጎኒ ናይ ደምበ ተቓውሞና ምዃኑ መዚኑ። እዚ ዓቢ ናይ ቃልሲ ብኩራት’ዚ፡ ክውገድ  ድማ፡ ብመንገዲ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣቢሎም  ጥምረት ሃገራዊ ሓይልና ክረጋገጽ ዓቲቦም ክቃለሱ ጸዊዑ።

ህልዊ ኩነታት ኤዴኪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ድማ፡  ሓያልን ድኹሙን ጎኒታቱ ብዕምቆት ገምጊሙ፡ ክሳብ ሕጂ እናካየዶም ዝመጸ ሃገራዊ ዕማማት ብምድጋፍ፡ ግንባራዊ ዕማማት ማእከልካ ጌርካ ኣብ ምስራሕን ካልኣዊ ፍልልያት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ኣብ ምምሕዳርን ሕድሕድ ምትእምማንን ኣገባባት ተኸቲልካ ኣብ ምኻድ ዘይሓገዝቲ ረቛሒታት ምንባሮምን ምህላዎምን ንግንባርና ብኣሉታ ዝጸልውዎ ምዃኖም መዚኑ። ንፍታሖም ብዝምልከት ድማ፡ ግንባራዊ ዕላማን መምርሕን ማእከልካ ገይርካ ብግሉጽ ደሞክራስያዊ ምርድዳእ ክፍታሕን ከመሓደርን ከም ዝገባእ ሓቢሩ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ውሽጣዊ ግንባራዊ ሓድነቱ ኣብ ምድልዳል ዘካየዶ ቃልስን፡ ሓድነት መላእ ደምበ ተቓውሞ ንምርግጋጽን ንምውሓስን ብመንገዲ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክጋባእን መስርሕ ቃልስና ክቀላጠፍን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ህደግኤ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ግቡኣት ኩሉ ከማልእ ቅሩብ ምዃኑ ማእከላይ መሪሕነት ኣረጋጊጹ። ማእከላይ መሪሕነት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ጊዝያት ንውሽጣዊ ሓድነት ኤዲኪን መላእ ደንበ ተቓውሞን ዝተንከፈ ዋዕላ ብራክስል ኣብ ኣወዳድብኡን ኣሰታትፍኡን ዝሓቖፎም ኣሉታዊ ሳዕቤናትን መዚኑ ዝወሰዶም መርገጻት ቅኑዓት ምንባሮም መዚኑን ደጊፉን። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን መላእ ዓቕምታት ደንበ ተቓውሞን ኩሉ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ ኣንጻር ጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ክቃለስ ንኽበቅዕ ዘኽእሎ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክጋባእ፡ ምስ ናይ ቃልሲ መሻርኽቱን ደገፍቱን ዝኾኑ ኣካላት ብምዃን ዘካይዶ ዘሎ ዋዕላ ናይ ምስንዳእ መደባት፡ ውድብና ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ መሊኡ ከም ዝድግፎን ንምዕዋቱ ካብኡ ዝድለ ዘበለ ኣበርክቶ ክገብር ድሉው ምህላዉ ማእከላይ መሪሕነት ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ ማእከላይ መሪሕነት፡ ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ብሰንኪ’ቲ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፈአን ህዝብናን ሃገርናን ናብ ውድቀትን ፍሽለትን ገጾም ዝድረኽ ኩነታት ይምዕብል ስለ ዘሎ ነዚ ጭቡጥ ኩነታት’ዚ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ካልኣዊ ፍልልያት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምሕዳር ንኽመጽእ ዝኽእል ዘይሓጋዚ ምዕብልናታት ንምምካት ክበቅዕ ሎሚ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ብመንገዲ ዋዕላ ሃገራዊ ዓቕሚታትና ክጥመርን ተወሃሂዱ ክቃለስን ጸዊዑ።

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ማእከላይ መሪሕነት፡ ኣብ ውድባዊ መዳይ፡ ናይ ዝሓለፉ 6ተ ኣዋርሕ ዝተሰርዑ ኩለ-መዳያዊ መደባት ብዝርዝር ርእዩ፡ ሓያልን ድኹምን ኣፈጻጽማ ናይ’ቶም መደባት መዚኑን ኣብ ኣፈጻጽማ መደባት ዝተራእዩ ድኹማት ጎኒታት ኣነጺሩ ብምቕማጥ ኣብ መጻኢ ብዕቱብነት ከፍጸሙ ከም ዘለዎም ርእዩ። ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ኣኼብኡ፡ ንካላኣይ ውድባዊ ጉባኤ እተዳሉ ኣሰናዳእኢት ሽማግለ መዚዙ። ከምኡ’ውን ኣብ ድሮ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤና ሰፊሕ ውድባዊ ሰሚናር ክካየድ ወሲኑ። ብዘይካ’ዚ  ውድብና ብቁጠባ ነብሳ መታን ክትኽእል ኣባላት ዝገብርዎ ዘለው ምርብራብ ኣመጒሱ። ከምኡ’ውን ጀጋኑ ዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳን ኣሃዱታትና ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳን ስራሓቶም ማእከል ገይሮም ንናይ ጸላኢ መጥቃዕትታት እንዳተኸላኸሉ ሸቶኦም ንምህራም ዘካይድዎ ንዘለው ናይ ጽንዓትን መኸተን ቃልሲ ኣሞጒሱን ንቕድሚት  ብዝሓየለ ክቕጽልሉ ኣተባቢዑን።

ማ/መሪሕነት፡ ውድብና ካብ መትከላዊ ናይ ሓድነት እምነታቱ ተበጊሱ ምሕዝነትን ሓድነትን ናይ ደምበ ተቓውሞ ንምርግጋጽ ዝገበሮ ቃልሲ ብሓፈሻ ኣደልዲሉ ክቕጽለሉ ምዃኑ ደጊሙ ዘረጋገጸ ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ተመሳሳሊ እምነትን ዕላማን ዘለዎም ውድባት ምንቅስቓሳትን ከኣ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ዝግለጽ ዝምድና መስሪቱ ክቃለስ ዘኽእሎ መደባት ሓንጺጹ፡ ንተግባራውነቱ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ማእከላይ መሪሕነት ምስ ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለወን ውድባት ኣባላት ኪዳን  ሓቢሩን ተወሃሂዱን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ንምቅላስ ዘኽእል ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪታት ብትኹረት ገምጊሙ። እቲ መደብ ንከይዕወት ዝገበሩ ምኽንያታት ነቒፉ ንቐጻሊ ግብራዊ ንምግባሩ ህደግኤ ድልዊ ምህላው ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ኩነታት ስደተኛ ህዝብና  ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝበጽሖ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ናይ ስደተኛን ካልኦት ኩለ-መዳያዊ  ሕሰመ መከራን ምጥራዝን ወዘተ ብዝርዝር ገምጊሙ። ነዞም ጸገማት እዚኣቶም ኣብ ምውጋድ ይኹን ንስደተኛ ህዝብና ኣብ ምሕጋዝ ፈታዊ ሰላምን ደሞክራስን ዝኾነ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ልዑል ተርኡ ክጻወት ማእከላይ መሪሕነት ጻውዒት ኣቕሪቡ። ከምኡን ስደት መሰረታዊ መፍትሒ ናይ ሽግር ከም ዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ህዝብታትና መፍትሒ ኩለ-መዳያዊ ወጽዓኦም ቃልሲ ጥራሕ ስለ ዝኾነ ኣንጻር፡ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ  ኣደልዲሎም ክቕጽልሉ ጸዊዑ። ኣብ መደምደምታ ማእከላይ መሪሕነት ካብ ውሽጡ ብደሞክራስያዊ መንገዲ ፈጻሚ ኣካል ብምምራጽ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ።

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ

ማእከላይ መሪሕነት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ

ህደግኤ

5 ሚያዝያ 2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=619

Posted by on Apr 12 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net