” ናበይ ኢና ክንበጽሕ ንደሊ “

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

11 ሚያዝያ 2010

ቀዳማይ ክፋል

ሃገራዊ ዋዕላ በዚ ሎሚ ተብተብ ክካየድ እንተዀይኑ፡ ብርእይቶይ ነዚ ከም’ዚ ዓይነት ትሕዝቶን ኣካይዳን ዘለዎ ምድላዋት፡ እተ በቲ እንተ በዚ ክሳብ ሕጂ ዘጽንሕን ዘደንጕን ኣይነበሮን። ግን ከኣ ስማዊ ሃገራዊ ዋዕላ’ምበር፡ እቲ ሓቐኛ ንድሌት ህዝቢ ዝውክልን ህዝቢ ዘዋስኤ ሃገራዊ ዋዕላ ኮይኑ ውጽኢት ከም ትጽቢቱ ከም ዘይርከቦ ርዱእን ፍሉጥን’ዩ።

ሃገራዊ ዋዕላ ነቲ ነዊሕ ናይ ሓርነታዊ ተጋድሎ ዘካየደ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ኣብ ሓደ ንጽባሕ ንምርሓሉን ንመሓደሩን ንድፊ ሓሳብ ከም መባእታዊ ከም ሓደ ሓባርዊ መሰጋገሪ ድልድል ክኸውን እንተደኣ ኮይኑ፡ ሓደ ዕላማ( ሸቶ) ኣቐሚጥና ክንኸውን ኣሎና ማለት’ዩ።

እዚ ሎሚ ንፈልጦ ዕላማን ሸቶን ሃገራዊ ዋዕላ ግን ብግቡእ መስርሕ ሓላፍነትን ዝተኻየደ ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ንኺድ ጥራሕ’ዩ ዝብል፡ ጽባሕ ኣበይ ክበጽሕ’ዩ። ምስ መን ክሰርሕ’ዩ ዘነጸሮን ዘቐመጦን የብሉን። ኣብ ዋዕላ መነ መን ክሳተፋ’የን ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ’ውን ብዙሕ ዘጸግም ሕቶ ኣይመስለንን። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ዝሰዓበ ይስዓብ ዝብል ዘረባታት ከም ዘለዎን፡ ከምኡ ከም’ቲ እቶም ላዕለዎት ሓለፈቲ ኣብ ፓልቶክ ዝበለዎ ” እቶም ዘይደልዩ ክወጹ ይኽእሉ እዮም” ዝበሃል ኣበሃህላ፡ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ሃገራዊ ዋዕላ ስለምንታይ ይግበር፡ ጽባሕ ብኸመይ ይቀውም ዘገድስ ኣይኮነን። እቲ ዘገድስ ሃገራዊ ዋዕላ ግድን ክግበር ኣለዎ ዝብል’ዩ።

በዚ ሕጂ ዘሎ ደረጃ እሞ ኣብ ኣገባብ፡ ኣብ ተሳታፍነት፡ ኣብ ትሕዝቶን፡ ሃገራዊ ዋዕላ እንተተፈጸመስ፡ ብሓቂ ሃገራዊ ዋዕላ ተባሂሉ ድዩ ክስመ፡ ብከምኡ ዝስመ ሃገራዊ ዋዕላ እንተተኻየዱ ከኣ ክንደይ ዓይነት ሃገራዊ ዋዕላታት ክካየድ ይኽእል ምግማቱ ብዙሕ ዘሽግር ኣይኮነን። እሞ እዚ ንህዝብና የርብሕ ዶ ?

እዚ ዘይርብሕ ኣካይዳ ካብ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ክህሉ ዝኽእል እምነትን ምጥርጣራትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝምድና ክመሓየሽ ዝተመስረት ጽላል’ውን፡ ካብ’ቲ ኩሉ ነጻ ኮይኑ ክኣሊ ብዘይምኽኣሉ ዝነቐለ’ዩ። ስርሓት ኪዳን ንምምዛን፡ ካብ ሕሉፍ ገገለ ኣብነታት ክጠቕስ እፈቱ።

ኪዳን ኣብ ውሽጡ ከመይ ዝበለ ዝምድናታት ኣለዎ፡ ኪዳን ብኸመይ ይሰርሕ፡ ኪዳን ናይ እንካን ሃባን ባህሊ ግሉጽነት፡ የካይድ ድዩ ? ወ.ዘ.ተ ሕቶታት ክቀርቡ ይኽእሉ፡ እቲ ዝዓበየ ሚዛን ኣብ ውሽጢ ኪዳን ክንግምግም እንተዀይኑ ከኣ ሓደ እቲ መስርሕ ሓያል ዝምድና ክህሉ ስለ ዘለዎ ብቀዳምነት ተቐልበሉ ንሱ’ዩ። ዝሓሸን ዝሓየለን ዝምድናታት ከኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ዝማዕበለን ዝሓያለን ኣሰራርሓ ከሰጋግረካ ስለ ዝኽእል ጥዓን ዘለዎ ዝድና ኣገዳሲ’ዩ እብል። እሞ ጥዓን ዘለዎ ዝምድናታት ነይሩ ድዩ ኣሎ ……. ከዛርብ ይኽእል።

ሃገራዊ ምሕዝነት ይኹን ኪዳን ከኣ ናይ ሎሚ፡ ሓደ ኣብ ዝተኣምንን ደረጃ በጺሑ እወ ጽቡቕ ዝምድና ኣለዎ ክትብል ኣይትኽእልን። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ሎሚ ሽዱሽተ ሸውዓተ ዓመት፡ ሓደ ኣባል ውድብ ኣባልነቱ ተንጠልጢሉ ኣብ ዝተባህለሉ። 12 ዝዀና ውድባት ምኽንያት ናይ’ቲ ኣባልነቱ ዝተንጠጠለ ውድብ ሓንቲ ሕቶ ከይሓተታ ሓሊፈንኦ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 2005’ውን ብተመሳሳሊ ሓንቲ ውድብ ንመሪሕነት ኪዳን ንእተቕርቦ ሕቶ ብዘይብሩህን ንጹርን ጉዳይ ጠጠው ክብል እንከሎ እተን ውድባት ዝበልኦ የልቦን። ዝበልኦ እንተሃለወ እሞ ንስኻትኩም ሕጹይኩም ዘይትስሕቡ ተባሂሉ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ እቲ መሰል ሕጹይ ንመርሕነት ኪዳን ንገገለ ሓላል፡ ንገገለ ከኣ ሓራም ስለ ዝዀነ ኪዳን ነዚ ጉዳይ ኣብ እንግድዕኡ ጸይሩ ዝኸደን ዝኸይድን ዘሎን’ዩ።

እዚ እቲ ብላዕሊ ላዕሊ ክበሃል ዝኽእል ላህመታዊ ጉዳይ ኮይኑ፡ ካብ ኪዳን ወጻኢ ብዛዕባ ኣባላት ኪዳን ዝዀና ውድባት ብዙሕ ይዝረብ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ዝጸሓፍን ዝዝረብን ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታትን፡ ንባዕሉ ንሓድነት ኪዳን ዝፈታትን እንዳዀነ እነከሎ ኪዳን ብጭቕ’ሉ ክዛረብ፡ ክእርም ሓቂ እንተዀይኑ ሓቒ፡ ሓሶት እንተዀይኑ ሓሶት ተባሂሉ ንምእረምታን፡ ንምትዕርራይን ዝገበሮ የልቦን። ይኹን እምበር ኪዳን ናይ’ቲ ዝበሃል ዘሎ ጸለመን ክስታትን ከም ዘለዎ ተቐቢልዎ ክኸይድ እንተደኣመሪጹ፡ ኣካል ናይ’ቲ ጸለመ ምዃኑ ኣይተርፎን። ከምስ ነቲ ጸለምን ክስን ሒዘን ዝኸዳ ኣባላት ኪዳን ብምዃነን።

ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ብፍላይ ኪዳን፡ ካብ እቲ ሃገራዊ ምሕዝነት እንዳተባህለ ዝፍለጠሉ ናይ ደመበ ተቃውሞ ጽላል ክሳብ’ዚ ሕጅ ናይ 5 መጋቢት 2005 ውዕላት፡ ውድባት ብናተን ሓርኮትኮት ዝገብርኦ ይበዝሕን ይዓብን።

እቲ ጉዳይ ንደግፎ ኣይንደግፎ እቲ ምቅስቓሳት ወይ ሓርኰትኮት ተፈቲኑን ተሰሪሕሉን’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ዘሕዝንን ከኣ፡ ነዚ ዝካየድ ስርሓት፡ ኪዳን ከም ኪዳን፡ ክድግፎን፡ ክምጎሶን፡ ክተሓባበሮን ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን’ዩ።

ሰ.ህ.ኤ፡ ሰ.ዲ.ኤ፡ ኤ.ህ.ም፡ ዲ.ም.ጋ.ሰ ነቲ ኣብ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና መጀመሪያ ዓመት ዘዕወቶ ሓድነት፡ ብድሌትን ፍቓድን ኪዳን እንተዝነበር፡ እዚ ሓድነት’ዚ ኣይምስተረጋገጸን። እወ ኣይምስተረጋገጸን። ምኽንያቱ ኪዳን ኣብ ሓድነት ኣባላት ውድባት ምጥርናፋትን ሓይሉ ከጎልብትን ክርኢ ስለ ዘይደሊ’ዩ።

ኣብ ደምበ ተቃውሞ ንልዕሊ 24 ዓመታት ብዘይምቁራጽ ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈስቲቫላት ኣሎ። እቲ ፈስቲቫላት፡ ኣብ ካስልን ፍራንክፎርትን ይካየድ። እቲ ፈስቲቫል ካስል ይኹን ፍራንክፎርት፡ ኣብ ዓመት ዓመት ገገለ ሓድሽ ምዕባለታት የርእ’ዩ። እቲ ኩሉ ኣብ ክሊ’ዚ ፈስቲቫል ዝሳተፍ ከኣ ብዝልዓለ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃገሩ ተዛቲዩ፡ ሰሚዑ፡ ስሒቑን ተጻዊቱን ይኸይድ። እተዀነ ነዚ ኩሉ ክውን ንምግባር ብዘይንዓቕ ሓያል ጻዕርን ድኻምን ተወፋይነት ኣባላቱ ክዕወት ከም ዘይክእል ፍሉጥ’ዩ።

እቲ ኣብ’ዚ ከብርሆ ዝደሊ፡ ኣብ’ቲ ፈቲቫል እዚ ተባሂሉ፡ ኣብ’ቲ ከኣ ከም’ዚ ተባሂሉ ንምባል ዘይኮነ፡ እቲ ፈስቲቫላ ከም ሓደ ውሁብ ኤርትራዊ መራኸቢ ባይታ ምፍጣሩ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ትንፋሱ ዝመልሰላ ወርሒ ነሓሰ’ዩ። ኪዳን ናይ’ዚ ድሌት እንተሃለዎ ከኣ ካብ’ዚ ክልተ ንዓሰርተታት ዓመት ዝኸደ ንጥፈታት ክወርስ ወይ ክህግር ካብ ምህቃን፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ዝመረጾ ሃገር፡ ክተክልን ክገብርን ይኽእል ነይሩ። ኪዳን ከም’ዚ ክገብር ዓቕሚ የብሉን፡ ኪዳን ክገበር እንተዀይኑ፡ ነተን ክልቲኤን ፈስቲቫላት ኣሕዲጉ ሓድሽ ባንድሮል ዘርጊሑ ክኸይድ ጥራሕ’ዩ ዝደሊ።

ኪዳን ካብ’ዚ ዘለዎ ደረጃ ኣገባብ መስርሕ፡ ኣገባብ ዲሞክራሲያዊ ትሕዝቶ፡ ግሉጽነት ክወጽእ እንተዘይክኢሉ፡ እዚ ሎሚ ንርእዮ ኪዳን፡ ከምኡሉ ክቅጽል ምዃኑ ዘይክሓድ’ዩ። ሓደ ቅዋም’ኳ፡ ሓደ ቻርተር’ኳ ክምዕብል፡ ክዓቢ ክሰፍሕ፡ ሓድሕድ ምትእምማን ከረጋግጽ’ዩ ዘለዎም’ምበር፡ እቲ ኣብ ሉሕሉሕ ስምምዓት ዝተሰረተ ወግሐ ጸብሐ ክትተናኽፎ፡ ነቲ ክትብጽሖ ትደሊ ዕላማን ሽቶ ሓጋዚ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ።

ኪዳን ካብ ኣባላት ውድባቱ ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ኣሰራርሓን ኣገባብን ክመሃር ዘለዎ ትካል ጽልላ ኤርትራዊ’ዩ። እዚ ክኸውን እንተዀይኑ ግን ንነፍሲ ወከፍ ውድብ ዝሕለቕ፡ ዝሓሊ ዝኸላኸል ጽላል’ምበር፡ ብተናጽል ዝተዛመደ ክኸውን ኣይክእልን።

ናብይ ኢና ክንበጽሕ ንደሊ ይቕጽል………

Short URL: https://english.farajat.net/?p=621

Posted by on Apr 12 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net