“ናበይ ኢና ክንበጽሕ ንደሊ”

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

12 ሚያዝያ 2010

ካልኣይ ክፋል

ኣብ ክሊ ኪዳን ዘሎ ሓይሊ ብቁጽሪ እንተረኣናዮ ውድባት ውሑድ ኣይኮነን። እዚ ውድባት ይውሓድ ይብዛሕ ኣባላት ይሓቝፍ። ሰ.ዲ.ህ.ኤ ሓንቲ ካብ’ተን ናይ ትማሊ 13 ውድባት እያ። ኣብ ውሽጢ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዝርከብ ኣባል ንዕላማታቱ ንምዕዋት፡ ዝምርሓሉን ፡ ዝሰርሓሉን ቅዋም ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ቅርጺ ውድብ ወይ ሰልፉ ሓንጺጹ፡ ኣነጺሩ ይቃለስ።

እዚ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ፡ ንእዋናዊ መድረኽ ዝገጣጠም መሳርሒ ክሳብ ዝዀነ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ሰልፋዊ ዲሲፕሊልንን፡ ንቕሓትን እንዳናበየ የናብሮ። ሰልፊ እዋናዊ መደብ ስራሕ ንምዕዋት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ፖሊሲታት ፡ ብሕጋዊ ባይቶኡ ኣቢሉ ዘሕልፎም ውሳኔታት ንምትግባሮም ናይ’ቲ ከጋጥም ዝኽእል ዕንቅፋታት ድምር ኣብ ግምት ዘእተወ ውሳኔ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ከኣ እቲ ውሳኔ ተጸኒዑ ስለ ዝስራሕ ካብ’ቲ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ስርሓት ምብዃር ክድሕን ይኽእል። ወዝቢ ገገለ ፍልልያት እንተተረኺቡ ከኣ ካብ ቤት ጽሕፈታት ክሳብ ብደረጃ ባይቶ ይኹን ጉባኤ ክፈትሖም ሙሉእ መሰልን፡ በቲ ሓደ ከኣ ዕግበት ዘለዎ’ዩ። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ስጡም ኣካይዳን፡ ናይ ሰልፋዊ ሓባራዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ይኸይድ።

ነዚ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዝቆመሉን፡ ካልኦት ውድባት’ውን ከምኡ ዝቆማሉ መርገጽን ዕላማን ኣብ ሕግን ስርዓትን ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ዝተሰረተ እንተደኣ ኮይኑ ብመሰረቱ ቅድሚ ኣብ ቻርተር ዶ ቅዋም ኪዳን ከይበጻሕና፡ እቲ መንቐሊ ሓይልታት ዝዀነ ሓድነት ህዝብን መሬትን፡ ንግስነት ሕግን፡ ሙሉእ ክብሪ መሰል ዜጋታት ኣብ ዕንቅፋትን ሓደጋን ከይወድቕ ልዕሊ እቲ ድሮ ኣብ ውድብ ይኹን ሰልፊ ተጨቢጡ ዘሎ ዓወት ከይርመስን ከይደሃኽን፡ መከላኸሊ ክግበረሉ ዝግባእ።

እቲ መከላኸሊ ብልሓትን ክልተ ኣንፈት ዝሓዘ እዩ። እቶም ዘዕቆብናዮም ዕላማታት ድሌትን ሓያል ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዘንቐሎ ኮይኑ፡ ምቕርራብ፡ ዝምድና፡ ሓድነት ሓይልታት ንዝምልከት ብመጀመሪያ እቲ ዓስኬረን ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓ፡ ብግሉጽነት ኣሰራርሓ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፡ እቲ ኣብ’ዚ ኣገባብ መስርሕ ክሓልፍ ዘለዎ ውሳኔታት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ እቶም ዝቐራረቡ፡ ዝዛመዱ፡ ሓደ ዝዀኑ ውደባት ኣብ ማዕረ ሓላፍነት ኮይኖም ክዝትዩ ምስ ዝጅምሩን ዝኽእሉን ጥራሕ’ዩ። እዚ ኣብ ክሊ ሓደ ጠረጶዛ ዝካየድ ናይ እንካን ሃባን ዘተ ከኣ፡ ኣብ ኩሉ መደባት ምርድዳእ ተፈጺሙ፡ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ዕላማታት፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት፡ ብዝማዕበለ፡ ካብ ናይ ሓደ ሰልፋዊ/ውድባዊ ኣተሓሳስባን፡ ዓቕምን፡ ናብ ክልተኣዊ ሳልሳዊ ወ.ዘ.ተ እንዳበለ ዝቕጽል፡ ዝዓቢ ዝሰፍሕ ናይ ብዙሕነት ተሳትፎ ዘረጋግጽ ኮይኑ ይርከብ። ምእንቲ’ዚ እቲ ክልተኣዊ ኣንፈት ምክልኻል ዕላማታት ዝበልክዎ ከኣ፡ ነቲ ውድባዊ ዕላማ ኣዕዊቱስ ናብ’ቲ ዝቅጽል ዝምድናታት ኣብዝሓ’ውን ጽልዋታቱ ኣሕዲሩ፡ ኣብ ሓደ ዘተኣማምን ደረጃ በጺሑ፡ ኣብ ሓባራዊ መደብ ዕዮ ተቋሪኑ ይጓዓዝ።

እዚ ዘርእየና ከኣ፡ እቲ ብሓንሳብ ክጓዕዝ ዝደሊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ነቲ ናይ ምትዕራቕ ድሌቶም፡ ነቲ ብሓባር ናይ ምስራሕ ድሌቶም ከይዕንቐጽን ከይዅለፍን፡ ኣብ ማእከሎም ሕድገታት ብምግባር ኣብ ናይ ሓባር መብጽዓ በጺሖም፡ ናይ ሓባር ሰልፊ ወይ ውድብ ከኣ የቑሙ።

ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣብ’ዚ ደረጃ ዝበጽሓሉ፡ እቲ ኣብ ክሊ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዝተጠራነፈ ሓይልታትን፡ ተስፋ እገብር’ውን ናይ ከምኡ መንጸብረቕታን ጽልዋን ዘርእዩ ሓይልታት ክጽንበርዎ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መስርሕን ልቦናን ሒዙ  ከይተሓለለ ንስለ ዝተቓለሰ ኣብ ዓወት በጺሑ። ብድሕሪ ሕጂ’ውን ኣብ’ታ ነማዕድዋ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ህዝብና ብማዕረ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ ሕጊ ዝናበረላ ሃገር ክንነብርን ክንመሓደርን ድሌት ይኹን ራእይ እንተሃለወና፡ ካብ’ዚ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ ኣገባብ መስርሕ ውሳኔታትና፡ ሓድሕድ ዝምድናታት ኣብ ምንታይ ዝተመርዀሰ ኽከውን ከም ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ከስርሕ’ዩ እንብሎ፡ ብኣዳማሲያዊ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ዝሓለፈ መሰረታዊ ውሳኔታትና ሓድነት ህዝብን መሬትን፡ ማዕርነት ህዝቢ፡ ግዝኣተ ሕጊ ዘይዕንቕፍ’ዩ ክኸውን ዝግባእን ክኸውን ዘለዎን።

ዕፍሪት ዘይብላ ጃልባ፡ ወይ መርከብ ኣብ’ቲ ዝገደፍካያ ኣይትጸንሓካን፡ ቀይዲ ዘይገብርካሉ ኣደገ በቕሊ’ውን ኣብ ቦታኡ ኣይጸንሓካን። ዕፍሪት ዘይብሉ ኤ.ዲ.ኪ ወይ ቀይዲ ዘይብሊ ኤ.ዲ.ኪ ከኣ ኣብ ቦትኡ ክጸንሕካ ኣይክእልን። ከመይ ንዝብል ከኣ እቲ ዕፍሪት ወይ ቀይዲ ሰፋል ስለ ዝዀነ ብቀሊሉ ዝወዛወዝን ዝፍታሕን ይኸውን።

ሰ.ዲ.ህ.ኤ ናይ ዘተ ኣፍደገ ከፊቱ፡ ኣብ ልዝብ ዝኣምን፡ ኣብ ሕድገታት ዝኣምን፡ ኣብ ዕርቒ ዝኣምን፡ ኣብ ሓባራዊ ስርሓትን ክልተኣዊ ዝምድና ዝኣምን ኮይኑ፡ ብውዕልን ብሕግን ዝተቐየደ ክኸውን፡ ንሱ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ ኣብ ህዝብን ዓለምን ከኣ ብግሉጽ ክፍለጠሉ ዝደሊ፡ እዚ እቲ ዘመናውን፡ ንህሉ ጸግማትና ክፈትሕ ካብ ዝኽእል ኣገባብ መስርሕ’ሉ ዝኣምነሉን ዝተዓወተሉን ከኣ’ዩ።

ኤ.ዲ.ኪ ካብ’ቲ መንፈስን ሓሳብን ሓባርዊ ስምምዕ ወጺኡ፡ በቲ ናይ እዋኑ ዝመርሕ ኣካላት ብዝተርጎምዎ ዝሰርሕ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኪዳን ኣብ ኣሰራርሓን ኣብ’ቲ ዘጽደቆ ቻርተርን ለሚሱ ኣሎ፡ ወይ ኣፍልጦ የብሉን ክበሃል ይከኣል።

ናይ ሎሚ ኣርእስትና መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ሓደ እቲ ብተብተብ ተበጊሱ ዘሎ ጋሻ ውሑጅ ሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት’ዩ። ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ መንጎ ኣባላት ኪዳን ክልተ ዝተፈላልየ ሓሳባትን ኣረዳድኣን ሒዙ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ንኩሉ ብሩህ’ዩ።

ኣብ’ዚ ካብ’ቲ ብዙሓት ዝበልዎ ካብ ምድጋም ክንድሕን ክልተ ኣብነት ክጠቐሰልኩም’የ።

ሀ/ ንሰ.ዲ.ህ.ኤ ዘቆማ ሓይልታት ኣባላት ኤ.ዲ.ኪ እየን፡ እዘን ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ኪዳን እንዳሃለዋ፡ ንኪዳን ንምሕያል ዘይሕለል ጻዕር ከካይዳ ዝጸንሓን ዘለዋን’ውን እየን። እቲ ክሳብ ሕጂ ንሓድነተን ዘዕወት መስርሕ፡ ንዝለዓለ ምጥርናፍን ሓድነት ሓይልታትን’ውን ካብ’ቲ ካልእ ምርጫታት ዝሓሸ ብምዃኑ ነቲ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ናይ ነጻ ሓሳብን ዝምንጩ ኣብ ሕድገትን ዕርቕን፡ ዝተመርኾሰ ሓድነት ንነዊሕ ብሓባር ከም ዘጓዕዝ ተምክሮ መጠን፡ ነቲ ኣብ ኪዳን ንዝግበር ስርሓት ሃገራዊ ዋዕላ ይኹን ሓባራዊ ስርሓት ብኡ መሰረት ኣብ…

ግሉጽ

ዲሞክራሲያዊ

ልዕላውነት ሕጊ

ሕድገት

ዕርቒ

ሓድነት

ዝቆመ መርገጺታት ክኸውን ከም ዘለዎ ዝርእይ፡ ሓሳብ ዘቕርብ፡ ንስርሓት ዕማም ኪዳን ንምስላጥ ዘይተቆጠበ ጻዕሪ ዘካይድ፡ ሓድነት ሓድነት ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ተሳታፍነት ሲቪል ማሕበራት ኣገዳስነቱ ኣብ ሕብረተ ሰብና ዘለዎ ግደን ተራን ኣነጺሩ ዘቐምጥ’ዩ።

ለ/ ………. ይቕጽል

Short URL: https://english.farajat.net/?p=625

Posted by on Apr 15 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net