“ናበይ ኢና ክንበጽሕ ንደሊ”

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

12 ሚያዝያ 2010

ሳልሳይ መወዳእታ ክፋል

ንመዘኻኸሪ ዝኣክል “ናበይ ኢና ክንበጽሕ ንደሊ” ዝብል ኣርእስቲ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ክፋል ናይ መወዳእታ ሓሳባት ኣስሚረ ናብ’ቲ ካልኣይ ሓሳባት (ለ) ክሰግር እፈቱ።

ሀ/ ንሰ.ዲ.ህ.ኤ ዘቆማ ሓይልታት ኣባላት ኤ.ዲ.ኪ እየን፡ እዘን ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ኪዳን እንዳሃለዋ፡ ንኪዳን ንምሕያል ዘይሕለል ጻዕር ከካይዳ ዝጸንሓን ዘለዋን’ውን እየን። እቲ ክሳብ ሕጂ ንሓድነተን ዘዕወት መስርሕ፡ ንዝለዓለ ምጥርናፍን ሓድነት ሓይልታትን’ውን ካብ’ቲ ካልእ ምርጫታት ዝሓሸ ብምዃኑ ነቲ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ናይ ነጻ ሓሳብን ዝምንጩ ኣብ ሕድገትን ዕርቕን፡ ዝተመርኾሰ ሓድነት ንነዊሕ ብሓባር ከም ዘጓዕዝ ተምክሮ መጠን፡ ነቲ ኣብ ኪዳን ንዝግበር ስርሓት ሃገራዊ ዋዕላ ይኹን ሓባራዊ ስርሓት ብኡ መሰረት ኣብ…

ግሉጽ

ዲሞክራሲያዊ

ልዕላውነት ሕጊ

ሕድገት

ዕርቒ

ሓድነት

ዝቆመ መርገጺታት ክኸውን ከም ዘለዎ ዝርእይ፡ ሓሳብ ዘቕርብ፡ ንስርሓት ዕማም ኪዳን ንምስላጥ ዘይተቆጠበ ጻዕሪ ዘካይድ፡ ሓድነት ሓድነት ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ተሳታፍነት ሲቪል ማሕበራት ኣገዳስነቱ ኣብ ሕብረተ ሰብና ዘለዎ ግደን ተራን ኣነጺሩ ዘቐምጥ’ዩ።

ለ/ ብተመክሮን ዕድመን ኪዳን እዚ ሕጂ ንውድባት ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ፡ ብኪዳን ተጻፊፉ ኣብ ኩሉ መዳያቱ ኣብ ነጻን ሞያዊ ሽማግለ ተታሒዙ፡ተሳታፍነት ኣመስኪሩ፡ ሕግን ስርዓትን ዝነግሰሉ፡ ኩሉ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተቐይዱ ብሓባር ክሰርሓሉ ዝኽእል ባይታ ምስ ተፈጠረ ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብመንጽሩ ህዝብና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ቃልሲ ኪዳን ብቀሊሉ ክከታተልን፡ ክመዝንን ክፈርድን ንጹር መነግዲ ክጓዕዝ ምኸኣለ ነይሩ።

እንተዀነ ህዝብና ነዚ መሰል’ዚ ስለ ዘይተዓደሎ፡ ብዛዕባ ኣባላት ውድባት ኪዳን ኣስማተን ዘይፈልጠን 13 ውድባት ከም ዘለዋ’ምበር፡ ኣብ ኪዳን ዝካየድ መስርሕ፡ ኣብ ኪዳን ዝካየድ ቃልሲ ብቀረባ ክፈልጦ ኣይከኣለን። እዚ ጉድለት’ዚ ከኣ ናይ’ቲ ኣብ ኪዳን ዘሎ ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣተሓሕዛን፡ ኣወፋፍራን ተሳታፍነትን ብቕዓት ዘይብሉ ብምጽንሑ’ዩ። ምኽንያቱ ከኣ…….

  1. ይትረፍ ኣብ ህዝቢ ፡ ኣብ’ተን ኣብ ምዕራብ ሃገራትን ዝርከባ ጨንፈር ኤ.ዲ.ኪ ስርዒታዊ ዝዀነ ምትእስሳር ዘይጸንሖን፡ ኣኼባታትን ምክያድ፡ ጸብጻብ ናይ ምቕራብን ሓበሬታን ናይ ምርካብ ብስሩዕ ክኸይድ ዘይምጽንሑ፡ ሓደ ካብ’ቲ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኪዳን፡ ድኽመት ኪዳን ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።
  1. እተን ሎሚ ኣብ ገገለ ሃገራት ኤውሮጳን ዝርከባ ጨንፈራት ኤ.ዲ.ኪ ከኣ ቀዳማይ ብናይ ባዕለን ተምክሮ፡ ካልኣይ ገገለ ተቃለስቲ ብዘለዎም ዝምድናታት ነቲ ጨንፈር ናይ ምቛሙ ብዝወሰድዎ ሓላፍነትን’ዩ።
  1. ኪዳን ባላት ውድባት’ምበር ናይ’ተን ኣባላት ውድባት መሰረታት ቀጥታ ኣባላት ብዘይምዃኖም፡ ኣብ’ቲ ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ፡ ምትእትታውን ኣብ’ቲ ናይ ግርጭታት ኣፈታትሓ ግደ ዘይብሉ ኮይኑ ጸኒሑ። ሓደ ህዝቢ ከኣ ምስ ዝዀነ ይኹን ጉዳይ ዝምድና ዘይጸንሖ ሓሳባቱ ጠርኒፉ ናይ ዝዀነ ይኹን ተርኽቦ ሚዛን ክህብን ክፈርድን ኣይክእልን። እቲ ሚዛን ዝህብ ከኣ ጉዳይ ክበርሓሉ ምስ ሓተት፡ ድሕሪ እቲ መልሲ ዝወሃቦ፡ ኣጻርዩ ዘቕርቦ ሚዛንን ገምጋማትን’ዩ።
  1. ብሰንኪ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሕጽረታት፡ ኣብ ማእከላ ምስራቕ ይኹን ኣብ ኤውሮጳን፡ ኣሜሪካን ዝርከባ ጨንፈራት ኤ.ዲ.ኪ ብእኩብ ኣባላነት ዘለወን ጨንፈራት እንተዘይኮይነን፡ ሓንቲ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ መሪሕነት ብቐጥታ ምስ ፍሉይ ዕማም ዘለዋ ጉጅለ ጨንፈር ርክብን ዝምድናን ዘለዋ ኣይትርከብን። ላዕለዋይ መሪሕነት፡ ይትረፍ ካብ ህዝቢ ካብ’ቲ ጨንፈራቱ፡ ምስ ቤት ጽሕፈታት ዝተኣሳሰረ ዝምድናታት፡ መምርሒ ኣብ ምትሕልላፍን፡ ጸብጻብ ናይ ምቕባልን ኣገባብ ከይሓለወ እንተጸንሐ፡ ሓይሊ ኪዳን ብምንታይ’ዩ ክምዘን፡ ሓድነት ኪዳን ብምንታይ’ዩ ክምዘን፡ ፈጺሙ መምዘኒ ዘይብሉ’ዩ። መዕየሪ ዘይብሉ ነጋዳይ ከኣ ዓማዊል ከም ዘይመጽዎ ፍሉጥ’ዩ። ኪዳን መዕየሪ የብሉን። እዚ ማለት ከኣ ናይ’ቲ ክብሎ ዝደልን፡ ኣብ ህዝቢ ከብጽሖ ዝደሊ ሓያል ዝዀነ መስመር ምትእስሳራት፡ ዝምድና ብዘይምትካሉ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ኤ.ዲ.ኪ በቲ ላዕሊ ላዕሊ’ምበር ብታሕቲ ሓንቲ መሰረት ከም ዘይብሉ ካብ ቕድም ኣትሒዙ ዝተፈልጠ’ዩ። መሰረት ዘይብሉ ትካል ከኣ ኩሉ ግዜ ፈራሲ ጥራሕ ዘይኮነ ለኪሙ ዝፈርስ’ውን እዩ።

እዚ ብሕጽር ዝበለ ኣብ ኣርባዕተ ነጥቢ ጠቒሰዮ ዘለኹ ኣተሃላልዋ ኪዳን፡ ምስ’ቲ ኣብ (ሀ) ተጠቒሱ ዘሎ መስርሕ ስለ ዝገራጮ፡ ኪዳን ክዓብን ክምዕብልን ክሰፍሕን ኣይክእልን’ዩ። ክሰፍሕ እንተዘይከኣለ፡ ካብ ኣሳታፊ ምዃኑ በዅሩ ኣሎ ማለት’ዩ። እንተዘይማዕቢሉ ካብ ለውጥን፡ ሓድሽ መድረኽ ካብ ምኽፋትን ምስጓምን በዅሩ ኣሎ ማለት’ዩ። ምእንቲዚ ኪዳን ክዓቢ ክሰፍሕ፡ ከሳትፍ ሓደ ሓድሽ ዝዀነ ግዝኣተ ሕጊ፡ ሓድሽ ዝዀነ ኣገባብ ኣመራርሓ ዘድልዮ ምዃኑ ዝኸሓድ ኣይኮነን። ብዘይ ጥርጥር ከኣ ኪዳን ናብ’ቲ ዝተበገሰሉ ዕላማን ሽቶን ክበጽሕ እንተደኣ ኮይኑ፡ ካብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ናይ ሕልኽልኽ ባይታ ወጺኡ ኣብ ዝተነጸረ ባይታ ቕኑዕን ግሉጽን መስርሕ ክሰጋገር ኣለዎ።

ኩሉ ሓቢእኻ ሓባቢእኻ ሃንጀምጀም ሃገራዊ ዋዕላ ብዋጋ መን’ዩ ክካየድ ? ሕግን ስርዓት ጠፊኡ ድዩ ? እዞም ሎሚ ንናይ ሓምለ ዋዕላ ብዕውር ዝድግፉ ዘለዉ ሸነኻት፡ ብቀዳማነት ኣሳታፊ ምንባሩን ዘይምንባሩ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ሓይልታትን ህዝብን ዝተብጽሐ ውዕል፡ ከመይነት ኣሰታትፋ ሲቪካዊ ማሕበራት ክሳብ ዘይፈተሹን ዘይኣጻረዩን ዘይመመዩን ኣብ ምድላዋት ሃገራዊ ዋዕላ ክሰማምዑ ወይ ክድግፉን ቅኑዕ ኣይኮነን።

ብመሰረቱ ኣዳላዊት ሽማግለ፡ ቅድሚ ንወርሒ ሓምለ ውሳኔ ምሕላፋ፡ ምስ ህዝቢ ተራኺባ ድያ፡ ክታም ኩለን ኣባላት ውድባት፡ ከም ዝተወከለት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት ከኣ ብተመሳሳሊ ሰነድ ዝጨበጠት ድያ ? እዚ ኩሉ ሕቶ ከም ሕቶ ክመጽእ ዘይብሉ እንተዀይኑ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ዋዕላ ቅኑዕ’ዩ።

ኣብ’ዚ መዳይ ሓደ ንሕና ከም ተቃወምቲ ኣብ ልዕሊ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ንምካሓሉን ንወራዘየሉን ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ከኣ እንታይ’ዩ፡ ዘይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ደኣ ሓንቲ ቃል ይስምዑ እምበር ከም ፓፓጋሎ ነታ ዝሰምዕዋ ቃል ጥራሕ እንድዮም ዝደግሙን ንብል። ንዓይ እዚ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ሓምለ ክግበር ኣለዎ ንዝብል፡ በዚ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ ዘይብሉ ክነሱ፡ እቶም ከይመርመሩ ዝዛረቡ፡ ደገፍቲ ዋዕላ፡ ካብ’ቶም ፓፓጋሎታት ህ.ግ.ዲ.ፍ ፈሊየ ክርእየም ዘኽእለኒ፡ የልቦን። ኣብ ኪዳን ዝርከባ ሓይልታት ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ዘለወን ሕቶ ከይተወደአ፡ እቲ ስምምዕ ብኩለን ክሳብ ዘይተፈጸመ፡ ንወርሒ ሓምለ ክጋባእ ዝባሃል ሃገራዊ ዋዕላ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን። ግድነት ክፍጸም ኣለዎ ዝበሃል እንተዀይኑ ከኣ ጎደሎ ሃገራዊ ዋዕላ’ምበር ሙሉእነት ዘለዎ ሃገራዊ ዋዕላ ከም ዘይኸውን ኣነ ዘይኮንኩስ ታሪኽ ጸኒሑ ዝምዝግቦ ጉዳይ’ዩ።

መደምደምታ

ትያትሮ ኪዳን ኣይውዳእን’ዩ። ኣነ ብርእይቶይ ንሓቒ ዘምሳምስሉ የብለይን። ኣብ ቅድሚ ሓቒ ምስምስ እንተመጺኡ ከኣ ሓደገኛ ጉዕዞ ከም ዘጓንፍ ርዱእ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ናይቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ደጋፊ ክኸውን ኣይደልን።

“ክምብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን” ከም ዝበሃል ምስላ ኣቦታት፡ ሕጂ ድማ ነቲ ተፈጺሙ ዘሎ ግጉይ መስርሕ ክንእርም፡ ነቲ ተሳታፍነቱ ዘየረጋገጸ ብዕሊ ክዕደም ርእይትኡ ኣብ ቅድሚ ታሪኻዊ ተርኽቦ ከምስክር እብል። እቲ ንገር ግን ኣብ’ዚ ዘብቕዐ ኣይኮነን። ህዝቢ ብኣትኵሮ ክጥምቶ ዘለዎ ጉዳይ ናይ ምፍላጥ መሰሉ ስለ ዝዀነ ነዚ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብንጹር ክተሓሓዞ ንዝምልከቶም ኣካላት ከኣ ሙሉእን ግቡእን ጸብጻባት ከይተቐበለ ነቲ መስርሕ ከፍቕድ ከም ዘይብሉ’ዩ። እዚ ምሕጽናታ ከኣ ናብተን ውድባት ዘይኮነ ናብ ህዝቢ ዘመሓላልፎ ምሕጽንታ’ዩ።

ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ሃገራዊ ምሕዝነት ቀደም ሎሚ ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ልዕሊ ዝፍላይ ዝበላ ውድባት ፍሉይ ዕቃበታት፡ ቅድም ኣባልነተን ከንጠልጥል፡ ጸኒሑ ንመሪሕ ኪዳን ዘቕረብኦ ሕጹይ ክነጽግ፡ ኣብ ውሻጣ ኪዳን ክኸይድ ዝጸንሐ ሕንቕል ሕንቕሊተይ ጠቒሰ ነይረ። እቲ ሽዑ ዝነብረ ክስታታት ምስ’ዚ ሎሚ ዘሎ ክስ ሰማይን ምስድር ፍልልይ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ።

ሀ/ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ግዜ እቲ ክሲ ኣብ’ቲ ዓንቐጽ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ጸኒሑ ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ዝተመስረተሉ ዝነበረ ዓንቐጻት 3 , 4 ዝምልከት ነበረ።

ለ/ ኣብ 2005 ጉዳይ ሕጹይ ኣብ መሪሕነት ኪዳን ንዝምልከት መጺኡ

ሐ/ ጉዳይ ዋዕላ ብራስለስ መጺኡ።

መ/ ጽባሕ ከኣ ንሕና ዘይንፈልጦ ከምጽእ ምዃኑ ዘየጠራጥር’ዩ።

ምእንቲ’ዚ ንሕና ስለምንታይ ኣብ ዘይንፈልጦን፡ ኣብ ሕልምን ሃሰውሰውን ንናበር፡ ሕግን ቀይድን፡ ስርዒታውን ትካልውን ኣሰራርሓ ዘለዎ ወግዒ ዘይንሰርሕ፡ ካብ ሕጊ ንዝወጸ ብሕጊ ዘይንትሕሓዞ፡ ውዕል ንዝጠሓሰ በቲ ውዕል መሰረት ናብ’ቲ ውዕል ክንመልሶ ዘይንፍትን፡ ብውዕል መሰረት ስርሑ ክፍጽም ዘይንገብሮ። ግሉጽነት ዘይንሓትት፡ ዝተኣወጀ ውሳኔታት፡ ደምዳሚ ኣዋጅ ኣብ ቅድሜና ኣቐሚጥና ዘይንዛረበሉ፡ ናይ መን ውሳኔ ምዃኑ ዘይንሓትት ?

ነዚ ኩሉ ደማሚርና ኣብ ቕኑዕ ኣፈጻጽማ ሃገራዊ ዋዕላ ንሓስብ እንተደኣ ዘይኮይና፡ መሰል መስርሕ ክዳን ክሳብ ዝተጋህሰ፡ ዝዀነ ይኹን ኣካል ኣብ ቅድሚ ናይ’ዚ ዝተጠቕሰ ውዕላንት ስምምዓት ሃገራዊ ዋዕላ ከካይድ ዝዀነይ ይኹን ሕጋዊ ፍቓድ የብሉን፡ ይትረፍ ካብ ህዝቢ፡ ካብ’ቲ ጸቢብ ኣተሃላልዋን ውዳበን ኪዳን፡ ካብ’ቲ ጸቢብ ምትእስሳርን ስርርዓትን ኪዳን፡ ካብቲ ጸቢብ ዘይትካላዊ ኣሰራርሓ ኤ.ዲ.ኪ፡ ነዚ ሎሚ ዝበሃል ዘሎ ዋዕላ ሓላፍነቱ ወሲዱ ከተግብር ኣይክእልን’ዩ።

ይትረፍ ምስ’ዚ ኩሉ ሕልኽላኻት፡ ኣብ’ቲ ህዝቢ ረድዩን ደጊፉ ንጉዳይ ኪዳን ከከይድ’ኳ ዓቕሚ ዝተሳእኖ፡ ሕጂ ከኣ ፈጺሙ ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ማንም ዘይስሕቶ’ዩ። ሃገራዊ ዋዕላ ምስ’ዚ ኩሉ ጉድለታቱ ኣብ ምድላው ዓቕሚ ዘይብሉ፡ ምስ ጉድለታቱ ብፍሽለቱ እዞ ሎሚ ንህዝቢ ብዛዕባ ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ ዲሞክራሲያውነትን ተሳታፍነትን ዝሓቱ ዘለዉ ክሽከምዎ ከም ዘለዎም ዝስሓል ብርዒብ ፕሮፕጋንዳ ካብ’ዚ ሎሚ ዕለት ተቐሪቡ ከም ዘሎ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ።

ኣብ መወዳእታ “ናበይ ኢና ክንበጽሕ ንደሊ” ንቐምጦ ሽቶን ዕላማን እንተደኣ ዘይለቦ፡ ነቲ ዘቐመጥናዮ ዕላማ ሕጊ፡ ዘሰንዮ ሓላፊ፡ መስርዕ፡ ሓታቲ እንተዘይብሉ ካብ’ዚ ናይ ሕልሚ ወይ ናይ ጽቡቕ ድሌት ሓሳብና ተግባር ዘይሰነዮ መድረኽ ከይተፈለና፡ ካብ ሓደ ዓንኬል ከይወጻና ዕክንክሊል ክንብል ክነብር ምዃና ፍሉጥ’ዩ።

ዓቕሊ ይቐትል

ዓቕሚ ይተኽል

ክእለት የፍልፍል፡

ሰላም ንኩሉ

ሰላም ምስኩሉ ይኹን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=632

Posted by on Apr 15 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net