ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጉባኤኛታት፡

ብቀዳምነት ዝለዓለ ሕውነታውን ሃገራውን ሰላምታይ የቕርበልኩም። ብምቕጻል ንኩሉካትኩም ኣባላት ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ዕዱማት አጋይሽን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ይብል። ነዚ ዘብቃዓና ፈጣሪ እንዳምስገንኩ፡ ንደገፍትና ሰንዓ ፎረም ብሓፈሻ፣ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጽያ ድማ ብፍላይ ስለቲ ንቃልስና ንሕዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ንደንበ ተቓውሞን ስደተኛታትን ዝገብርዎ ዘለው ዘይሕለል ደገፍ ዝዓሞቐ ምስጋናይ ከቕርበሎም ይፈቱ።

ብመጀመርታ፡ እዚ ታሪኻዊ ጉባኤ፡ ኣብ’ቲ፡ ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይን ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ዓቢ ኣገዳስነትን ኣበርክቶን ዘለዎ ሃገራዊ ጉዳይና ብምዃኑ፡ ምሉኡ ዓወት ጨቢጡ ክወጽእ ዘሎኒ ድሌትን ትምኒትን ወሰን ከምዘይብሉ ክሕብረኩም ይፈቱ።

ቀጺለ፡ ነቲ ብኮምሽን ኣብ ልዕለይ ንዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር፡ ዓገብ ኢልኩም ብትብዓት ንፍትሒ ጠጠው ዝበልኩም ኩልኻትኩም ተሳተፍቲ እዚ ታሪኻውን ሃገራውን ጉባኤ፡ ኩሎም ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ክሳተፉ ዘይካኣሉ ግን ከኣ ኣኣብዘለዎ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ኣሰራርሓ ኮምሽን ብትሪ ዝተቓወሙን ዝኾነኑን ኣብ ምቅዋም ዝርከቡን ኤርትራውያን ካብ ልበይ ከመስግን ይፈቱ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጉባኤኛታት፡

እዚ እነካይዶ ዘለና ታሪኻዊ ጉባኤ፡ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ሃገራዊ ጉዳይና ብምዃኑ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን፡ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኣሚነ ናብራይን ካልእ ውልቃዊ ጉዳያተይን ኣወንዚፈ ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ከይተሓለልኩ ብትግሃት ዝሰራሕኩሉን ኣብ ትሕቲ ህይወት ኩሉ ክወሃብ ዝግብኦ ዓቕመይ ዘፍሰስኩሉ ብምዃኑ ዕውት ኮይኑ ንክወጽእን ብመጠን ኣብዚ ተረኺብና እንዓዮ ዕዮን እነመሓላልፎ ውሳነታትን ንህዝብና ካብ ምንጋጋ መለኽቲ ኣድሒኑ ኣብ ሰላምን ኣብ ዲሞክራስን ዘሰጋግር ዕዉት ጉባኤ ክኾነልና ወትሩ ዝምነዮን ዝብህጎን ጉዳይ እዩ።፡

ኩላህና ከም እንዝክሮ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ፣ ህዝቢ ብዝሃበኒ ሓላፍነት መሰረት ሓደ ካብቶም 53 ኮምሽነራት ኮይነ ተመሪጸ ብዝተገብረ ናይ ኣሰራርሓ ምክፍፋላት ድማ ካብቶም 7 ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ሓደ ኮይነ ከም ሓላፊ ዜናን ሓበሬታን ተመዲበ ብዘይተጉላባነት ብሙሉእ ዓቕመይ ኣብ ዝተዋህበኒ ሃገራዊ ዕማም ክነጥፍ ከም ዝጸናሕኩ እዝክር።

ይኹን እምበር ጉባኤ ክጀምር ሓደ ሰሙን ከተርፎ ከሎ ብዕለት 14 ሕዳር ኣባላት ኮምሽን ኣብ ዘካየድናዮ ኣኼባ ኣቀዲሙ ብዝተዋህበ መምርሒ መሰረት ዝኾነ ይኹን ኣብ ኮምሽን ዝካየድ ኣኼባታት ብኦድዮ፣ ብቪድዮን ብደረቕ ስእልን ክስነድ ስለዝግብኦ ኣነውን ካብቲ ዝተዋህበኒ ሓላፍነት ብምብጋስ ነታ ኣቀዲመ’ ውን ክጥቀመላ ዝጸናሕኩ መቕረጺት ድምጺ፡ ኩሎም ኣባላት ኮምሽን ክርእዩዋ ኣብ ዝኽእሉሉ ናይ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ማእከሎም ኣብ ዝርከብ ጠረጴዛ ንስራሕ ድልውቲ ከምትኸውን ገይረ ክስንዶ ውዒለ። ዝሰራሕኩዎ ስራሕ ዘይሕጋዊ እንተነይሩ ገና ክጅምሮ ከለኹ ብዝምልከቶም ክሕበረኒ እንዳተኻእለ ብዘይ ገለ ተቓውሞ ስርሕይ ከሳልጥ ድሕሪ ምውዓለይ ኣኼባ ኮምሽነራት ናይቲ መዓልቲ ምስተዛዘመ ኣማስይኡ ንቦታና ኣብ ንምለሰሉ ዝነበርና እዋን ብገለ ካብ ኣባላት ኮምሽን እቲ ዝገበርኩዎ ናይ ስነዳ ስራሕ ብዘይ ፍቃድ ከምዝገበርኩዎን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብዘስደምም ኣገባብ ተነጊሩኒ። እዚ ከይኣክል ሕጂ’ ውን ቅጥዒ ብዘይብሉ ኣገባብ እታ ንኣዋርሕ ብዙሕ ነገር ክስንደላ ዝጸናሕኩን ኣብ ውሽጣ ድማ ብጥንቃቐ ክተሓዙ ዝግብኦም ዓበይትን ኣገደስትን ሰነዳት ዝሓዘት መቕረጺ ድምጺ፡ ምኽትል ኣቦ መንበር ኮምሽን፡ ኣቶ ዓብድራሕማን ጣሃ፡ ብሓይልን ፍጹም ፋሉላዊ ብዝኾነ ኣሰራርሓን፡  ካብ ኢደይ መንጢሉ  ምስ ወሰዳ ክሳብ ሕጂ ኣይተመለሰትለይን።

እቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ኣብ ምምንጣል ሕጋዊ ሰነድ ዝሓዘ መቅረጺ ድምጺ ከይተደረተ፡ ነቲ ናይ ብሕተይ ንብረት ዝኾነ ላፕቶፕ ኮምፕዩተር’ ውን ከይተረፈ ንክምርመር ከረክቦ ብኣቦ ወንብር ኮምሽን አቶ ኣምሃ ዶሞኒኮ ተሓቲተ እየ።

ኣብ’ቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ምምንጣል ሕጋዊ ሰነድ ዝሓዘ መቅረጺ ድምጺ፡ ኣቦ መንበር ኮምሽን ኣቶ ኣምሃን ዶሞኒኮን ካልኦት ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ’ውን ከይተረፈ፡ ተሳቲፎም እዮም። ኣቶ ኣምሃ ኣብ ምምንጣል መቅረጺ ድምጺ ተሳቲፉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ናይ ብሕተይ ንብረት ዝኾነ ላፕቶፕ ኮምፕዩተር’ ውን ከይተረፈ ንክምርመር ከረክቦ ሓቲቱኒ እዩ። ብወገነይ፡ እታ ናይተይ ላፕቶፕ፡ ንዝዀነ ሰብ ከየረከብኩ፡ ኣብ ቅድመይ ክትምርመር ግን ፍቓደኛ ምዃነይ ሓቢረ። ብድሕሪኡ፡ እቶም ኣባላት ፈጻሚት፡ ኣብ ልዕለይ ዝበኣሰ ስጉምቲ ክውሰድ ምእንቲ፡ ንዓይ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን፡ ከም ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ልኡኽን ጃሱስን ብምቕራብ፡ ክምርመርን ግጉይ ስጉምቲ ንኽውሰድን ኩሉ ዝከኣሎም ጌሮም።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ጉባኤ፣

ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን ውሑዳት ታሓባበርቱን ደገፍቱን፡ ኣብ ልዕለይ ዝፈጠርዎ መሰረት ዘይብሉ ናይ ሓሶት ክሲን ዝጠንጠንዎ ውዲትን ተንኰልን፡ ኣብዛ ብሒጊን ፍትሕን እትመሓደር ሃገር ኢትዮጵያ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኤርትራ ወይውን ኣብ በረኻ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ሎሚ ነዛ መልእክቲ  ኪስደልኩም ዕድል’ውን ኣይምረኸብኩን ነይረ። ኣቦ መንበር ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ፡ በትሪ ስልጣን እንተዝህልዎ፣ ከምቲ ዲክታተር ኢሰያስ ኣብ ሳሕል ንዝተቓወሙዎ ኣብ ሓለዋ ሰውራ እናኣሰረ ዝረሸኖም፣ ንዓይ እውን ብቕጽበት መጥፍኣኒ ነይሩ። ምስ ተሓባበርቱ ኰይኑ ዘለዎ ጽልዋ ተጠቂሙ ዘይሕጋዊ ተግባር ፈጽሙ ኣሎ። እዚ ሓደ መርኣያ ናይ ምልኪ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፣ ብሓይሎምን ስልጣኖምን ዝምክሑ ንዲሞክራሲ ኣብ ትሕቲ እግሮም ዝረግጹ፡ ብዙሓት ሰባት ኣፍርዩ ኢዩ። እቲ ሎሚ ንዓና ንኤርትራውያን ዘድልየና ዘሎ፣ ካብዚ ኣገባብ እዚ ርሒቑ ዝጥምትን ንትርግታ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰምዕን፣ ከምኡ እውን ናብቲ ኣብ ሲናይን ካልኦት ከባቢታት ዓለምን ዝፈስስ ዘሎ ደም ኤርትራውያን  ርእዩ ዝርህርህን ሓልዮት ፍትሒ ዘለዎ መሪሕነት የድልየና ኣሎ። ኣብ ከምዚ ናተይ ናይ ውልቀ ሰብ ዝመሰለ ግን ናይኩላትና   መሰል ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ትም እንተደኣ ኢልና መሰል 10 ወይ 100 ሰባት ክግሃስ እንከሎ እውን ትም ክንብል ኢና ማለት ኢዩ።

እቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ተረኽቦ ንኩሎም ንህዝቢ ኤርትራ ከድሕኑን ከገልግሉን ብህዝቢ ንዝተመርጹ ኮምሽነራት ክፈልጡዎን ክሰትውዕሉልን ካብ ዝብል ቅኑዕ እምነት ተበጊሰ ድማ፡ ነቲ ዘጋጠመኒ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ኣብ ጽሑፍ ኣስፊረ ናብ ኩሎም ኮምሽነራት ብኢሜል ብዕለት 15 ሕዳር ዘርጋሕኩ። እንትኮነ እዚ ኣነ ንኮምሽነራት ጥራይ ዝዘርጋሕኩዎ ጽሑፍ ከምቲ ልሙድ ኮነ ትባሒሉ ካብ ኮምሽን ሶሊኹ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ብዕለት 16 ሕዳር ወጸ።

ኣብቲ ብዕለት 15 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኮምሽነራት ኣኼባ፡ ናይ’ቲ ብድሩኡ ኣብ ኣኼባ ብዘይ ፍቃድ ብመቅረጺ ድምጺ ቀዲሕካ ዝብል ኣብ ሓቂ ዘይተሞርከስ ምኽንያት ቀንዲ  ጠንቂ መኽሰሲየይ ኮይኑ ሓሙሽተ(5) ሰዓታት ዝኣክል  ብዛዕባይ ከዛርብ ክኢሉ ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ ኣቀዲመ ክሰርሓሉ ዝጸናሕኩ ናይ ዜናን ሓበሬታን መዝነተይ ብፍቓደይ ንከልግስ ብገለ ካብቶም ዘለውና ዓበይትን ለባማትን ኮምሽነራት ልዑል ጸቕጥን ድፍኢትን ተጌሩለይ። ኣነውን ካብቶም ኣብ ስልጣን ዘለውን ህዝቢ ዝሃቦም ሓላፍነት ከም ናይ ውልቆም ዋኒን ዓቂቦም ብህዝባዊ ሓላፍነት ዘይኮነስ ብውልቃዊ ስምዒታት ተዓብሊሎም ዝወስዱዎ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ንላዕሊ በደልን ጌጋን ኣብ ልዕሊ ዝተውሃበኒ ሓላፍነት እኳ እንተዘይፈጸምኩ፡ ነቲ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና ታሪኻዊ ጉባኤ እነዕውተሉ እዋን ብመዓልታት ጥራይ ተሪፍና ስለዝነበረን ብመሰረቱ’ ውን ፈጻሚት ሽማግለ ንዝሓለፍ ሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ንዓይ ካብ ስራሕ ኣግሊላን ኣደስኪላን ከተመሓላልፎ ዝጸንሕት ውሳነታትን ብዝሃበቶ ናይ ስራሕ መምሪሒታትን ከም ውጽኢቱ ድማ ስዒቦም ዝተኽተሉ ጌጋታትን ኣሉታውያን ተርእዮታትን ተሓታቲ ክኸውን ካብ ዘይምድላይ ነቒለ እቲ ዝተገብረለይ ጸቕጥን ድፊኢትን ብጸጋ ተቐቢለ ካብቲ ዝተዋህበኒ ናይ ዜናን ሓበሬታን ሓላፍነት ክወርድ ተሰማሚዔ።

ቀጺሉ ኣብቲ ብዕለት 16 ሕዳር ዝተገብረ ቀጻሊ ኣኼባ ኮምሽነራት፡ ነቲ ብዕለት 14 ሕዳር ምሽት ኣብ ልዕለይ ዝወረደ ግፍዕታት ጽሒፍካ  ንመርበብ ሓበሬታ መስከረም ዘርጊሕካ ብዝብል ኣብ ሓቂ ዘይተመስረተ ክሲ ተጎልቢቦም ኣባልነተይ ካብ ኮምሽን ሓኺክም ኣብ ጉባኤ’ ውን ንኸይኣትው ኣገዱኒ።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ክብ ኢለ ዝጠቐስኩዎ ጸለመታት ሕጂ ንጉባኤ መዓልታት ምስተረፈ ዝጀመረ ዘይኮነስ ንነዊሕ ክኸይድ ዝጸንሐን ብዙሕ ዝተሃልከሉን ዝተሰርሓሉን እዩ። እዚ ናይ ጸለመ ውዲት ብቀንዱ ካብ ኣቦ መንበር ኮምሽን ኣምሃ ዶሚኒኮ ሓሊፍ ክሳብ እቶም ዝተዋህቦም ሓላፍነት ብቀጥታዊ ምሳይ ርክብ ክህልዎም ዘይግብኦም ሰባት’ ውን ዘሳተፈን ኣብ ልዕለይ ክፍጸሙ ናይ ዝጸንሑ ሸርሕታት ተኻፈልቲ ንኽኾኑ ዝዓደመን ዘኽኣለን እዩ። ከምውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብቲ ንበይነይ ዝዝለፎን ዝጽረፎን ከይኣክል ኣብ ቅድሚ ኩሎም ኮምሽነራት ኣሽንኳይ’ዶ ንፍትሕን ንለውጥን ንክቓለስ ብህዝቢ ዓቢ ትጽቢት ተነቢሩሉ ከም ኣቦ ወንበር ዝተመርጸ ሰብ ይትረፍ’ሲ ዝኾነ ብስነምግባር ዘይተሃንጸ ሰብ ዘይብሎ ኣነውን ሕጂ ኣብ ቅድሜኹም ክደግሞ ዘሕንኸኒ ከም እኒ ጃሱስ፣ ብጽብጽን ካልኦት መርትዖ ዘይርከቦም ጸለመታትን ክስታትን ኣብ ልዕለይ ክዘንቡ ከለው፡ ኮምሽነራት ብኣካል ተዓዚቦም እዮም።

እቲ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ሓደ ሰብ’ኳ ዓገብ ዝብል ኣይነበረን። ከም ሰብ መጠን ካልኦት የሕዋተይን ደቂ ሃገረይን ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣነዋርን ግፍዓውን ምሕደራን ኣሰራርሓን ከላቕቕ እንዳተቓለስኩ ገዛእ ርእሰይ ናይ ከምኡ ሰለባ ምዃነይ ዘጉህየንን ዘሕዝነንን እኳ እንተኾነ እቲ ናተይ ናይ ውልቂ ወጽዓታት ከይፈተኹ ክርስዕ መሪጸ። ንዝሓለፍ ሰለስተ ኣዋርሕ ብዛዕባ እዚ ጉባኤ ኣመልኪቱ ውሳኔታት ክመሓላፍ ከሎ ኣነ ግን ናይ ውራየይ ጓና ኮይነ መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሓለፍ ውሳነታት ምስ ህዝበይ ይሰምዖም ነይረ። ኮይኑ’ውን  ኩሉ ኣድህቦይን ኣቓልቦይን ናብቲ ዝተዋህበኒ ሃገራዊ ዕማም ኣድሂበ እንዳሰራሕኩ ብዘይ ሕጋዊ መርትዖን ስኑዳት ጭብጥታትን ካብ ዘለዎም ክቱር ስግኣትን ህዝባዊ ንዕቀትን ተበጊሶም፡ ነቲ ብህዝቢ ዝተዋህበኒ ዕማም ልክዕ ከምቲ ናቶም ውልቃዊ ንብረት ቅንጣብ ሕፍረት እኳ ከይተሰምዖም ካብ ኣባልነት ኮምሽን ክኣልዩንን ካብቲ ንልዕሊ ዓመት ለይትን ቀትርን ከይሰልከኹ ዝሰራሕኩሉ ሃገራዊ ጉባኤ ንከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድን ኣነን ብጾተይን ዘዳለናዮ ናይ ስራሕና ጸብጻብ ኣብ ጉባኤ ንኸይቀርብን ክሳብ ክንድዚ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝመረጸኒ ህዝቢ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ገበን ክፍጽሙ ደፊሮም።

እቲ ሓቂ ግን ከምቲ ንሳቶም ዝብሉዎ ከይተፈቕደለይ ናይ ኮምሽን ኣኼባ ብድምጺ ስለዝቐረጽኩ፣ ወይ ድማ ኣነ ብዛዕባ ኣብ ልዕለይ ዝወረደ ግፍዒ ኮምሽነራት ክፈልጡዎ ዝብል ዝለኣኽኩዎ ጽሑፍ ኣብ ናይ ህዝባውያን መራኸቢታት ስለዝተዘርግሐ ዘይኮነስ ክንክተሎ ዝጸናሕና ግጉይ ኣሰራርሓ ኣመልኪተ ከቕርቦ ዝጸናሕኩ ነቐፌታ እዩ። ስለዚ ንምርድዳእ፣ ምትእርራምን ነቐፌታን ዘይጻወር መሪሕነት፣ ናብ ቀዳድ በርሚል ማይ ምጉራት ስለዝኾነ ክቡራት ተጋባእቲ ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ሕጂ ክትጥምትዎን ክትቃለሱሉን ንእግረ መንገደይ ክላበወኩም እደሊ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጉባኤኛታት፡

 ካብቶም ቀንዲ ምስ አቦ ወንበርን ምስ ፈጻሚት ኣካል ኮምሽን ዝነበሩኒ መሰረታዊ ናይ አሰራርሓ ፍልልይ  እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

 1) ጉዳይ ግሉጽነት፡ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ዘይዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ፣ ኣብ  ኮምሽን ግሉጽነት ዘይምንባሩ ኢዩ። እዚ ክብል ከሎኹ ዋላ’ ውን ከም መባእታዊ ክንክተሎ ዝግብኣና ግሉጽነት ክተኣታቶ እኳ እንተነበሮ ድሌት ኣቦ መንበር ዘፍቅድ ኣይነበረን። ኣነ ከም ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ከም ኣቦ ወንበር ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ኣብ ዝሓለፋ 15 ኣዋርሕ ጉቡእ ሓበሬታ ኣይረክብን ነይረ ጥርያ ዘይኮነ፡  እዋናውያን ሓበሬታትን፡ ዝተፋላለዩ ኣገደስቲ ደብዳበታትን ጸብጻባትን ካባይ ኮነ  ተባሂሉ  ክኽወሉ ከምዝጸንሑ እየ ዝፈልጥ፡፡

 

አነ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ምድላው ዝሓለፈ ዋዕላ ካብቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ እየ ነይረ። ምልስ ኢለ ንመስርሕ ዝሓለፈ ዋዕላን መስርሕ ምድላው ጉባኤ ከወዳድር ከለኹ፡ ብፍላይ ኣብ ሕቶ ግሉጽነት፡  እቲ ዝሓለፈ መስርሕ ምድላው ዋዕላ ምስኩሉ ጉድለታቱ ዝሓሽ ግሉጽነትን ምትእምማንን ኣብ ሞንጉ እቶም ተዋሳአቲን ኣዳለውቱን ከምዝነበረ ይዝክር።   ኣብ ኮምሽን ኣገድስቲ ሓበሬታት ካብ ህዝብን ካብ ኮምሽነራትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ኣባላት ፈጻሚት ኣካል ከይተረፈ ተኸዊሎም ይኸዱ ምንባሮም ዓቢ ሃጓፍ ኣብ መስርሕ ግሉጽነት ከም ዝጸንሐ ከረጋግጸልኩም ይደሊ። ከም ኣብነት፡ እዚ ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ ጉድ፡ ኮምሽን ክሳብ ሕጂ፡ ንህዝቢ ብወግዒ ብጹሑፍ ብዘይ ምሕባሩ፡ መርኣያ ዘይጉሉጽነት እዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣሰራርሓ፡ ንህዝቢ ኣብ ዘየድሊ ወረን ምፍልላይን የእቱ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ዝመረጸካ ህዝቢ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለዎ ዘይምርዳእ እዩ፡  እዚ’ኸአ ምልክት እምነት ምጉዳልን ዘይዲሞክራስያዊ ኣገባብ ኣሰራርሓን እዩ።

 2) አገባብ ውሳነታት፡ ውሳነታት ፈጻሚት ሽማግለ ዘይምእኩል፣ ንኹሎም ኣባላት ሽማግለ ዘየሳትፍ፣ ንዝቐርቡ ዛዕባታትን ጉዳያትን እኹል ክትዕን ዘተን ክካየደሎም ዘየፍቅድን ከይበሰሉ ባዕላዊ ዝኾነ ውሳነ ዘመሓላልፍን፣ ብባህሪኡ ፍጹም ዘይዲሞክራሲያዊ ምንባሩ፡ ነቶም ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ከገልግሉ ዝጸንሑ ኮምሽነራትን ናይ ተደጋገፍቲ ኮምሽን ሽማግለታትን ኣብ ስርሖም ትብዓት ከይህልዎም ካብ ምግባር ሓሊፉ፡ ገለ’ ውን ካብዚ ከነካይዶ ዝጸናሕና ኩለንተናዊ ተሳትፎ ዝጠልብ ሃገራዊ ዕማም ንኽግለሉ ኣሉታዊ ድርኺት ኔሩዎ ኢዩ።

 

ከም ኣብነት ንምጥቃስ ካብቶም ፈጻሚት ሽማግለ ዘካየደቶም ስሩዓትን ገለውን ህጹጻት ኣኼባታትን ብጉቡእ ዘይተሰርዑን ሕጊ ኣኼባ ዘፍቅዶ ኣጀንዳ ዘይተትሓዘሎምን ብጉቡእ ክስነዱ ዘይከኣሉን ኣብ ገለውን ኮነ ኢልካ ንገለ ካብ ፈጻሚት ሽማግለ ኣባላት ጎሲኻ ኣኼባታት ምክያድን ውሳነታት ምምሕልላፍን ይርከቡዎም። ከም ውጽኢቱ ኣነ ዘይፈለጥኩዎምን ውሳነታት ኣብ ምሕላፍ ዘይተሳተፍኩሎምን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን’ ውን ንኣሉታዊ ሳዕቤናቶም ዘይሕተተሎምን ዓበይትን ኣገደስትን ጉዳያት ይኽሰቱ ከምዝነበሩ ከይሓበርኩ ክሓልፍ ኣይደልይን። ከም ኣብነት ካብዞም ሽድሽተ ሚኢቲ ዝኾኑ ናይዚ ጉባኤ ተሳተፍቲ፡ ካብ 100 – 150 ዝኾኑ፡ ካብ ህዝቢ ተመሪጾም ዘይኮነስ ብሕርያ ዝመጹ ምዃኖም ፈጻሚት ሽማግለ ነዚ ሕርያ’ዚ ንከተካይድ ዝተጠቐመትሉ ረቋሒታት ከመይ ከምዝመስል  ማዓስን ብወገነይ ከም አባል ፈጻሚት ዝፈልጦ የለን።

 

 3) ጉዳይ ባጀትን ኣብ ኣተኣላልዩኡን ዝተራእዩ ጉድለታት፡ ኩላህና ከም እንርድኦ ከምዚ ዝዓይነቱ ታሪኻዊ ጉባኤ ንምድላው እቲ ድሕሪ ስኒትን ተወሃሂድካ ምስራሕን ቀጺሉ ክስረሓሉ ዝግብኦ ጉዳይ ባጀትን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ኣገዳሲ ብሓላፍነት ዘሕትት ዕማም እዩ። ገና ስራሕና ኣሃዱ ኢልና ክንጅምር ከለና ቁጽሪ ተሳታፊ ጉባኤ ካብ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ብተዓጻጻፊ ክዓብን ምእንቲ’ ዚ ድማ ንምዕዋቱ ዝከኣለና ክንጽዕት ሓላፍነት ተሸኪምና። ንዝተሸከምናዮ ሓደራ ክውን ንምግባር ጉዳይ ባጀት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዛዕባታትና እኳ እንተነበረ እዚ’ ውን ከምቶም ካልኦት ከምቲ ዝድለ ስለዘይተሰርሓሉ ዝሓንጸጽናዮ መደብ ሙሉእ ንሙሉእ ክዕወት ኣይከኣለን። ገለ ካብቶም ጠንቕታት ንምጥቃስ ዝቐርቡ ኣማራጺታት ዘይምቕባልን ነቶም ዝተቐበልካዮም’ ውን እንተኾነ ብትግሃት ዘይምትግባርን ብዓቢኡ ድማ ናይ ዝተገብሩ ኣታውታትን ወጻእታትን ፋይናንሳዊ ሕሳባት ከም መልክዕ ጸብጻብ ኣብ ጉቡኡ ዘይምቕራብ ይርከቦም።  ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ኣብ ትሕቲ “0” ዜሮ ባጀት ይክይድ ብምንባሩን ነዚ ንምፍታሕ ዝቀርቡ ሓጋዝቲ መማረጺ ሓሳባት ክምቲ ዝድለ አቓልቦ ኣይተገበረሎምን፡፡
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጉባኤኛታት፡
ኣነ ከም ኣባል ፈጻሚት ኮይነ ነቲ ዝሓለፈ መስርሕ ምልስ ኢለ ክርእዮ ከለኹ እቶም ዘስተብሃልኩሎም ናይ ስራሕ ድኽመታት ንክንማሃረሎምን ንቀጻሊ ኣብ ነካይዶ ቃልሲ ንክሕግዘና ምእንቲ  ብተወሳኺ ንዝተዓዘብኩዎም ጉድለታት ብኸምዚ ዝስዕብ ንኽገልጾም ኣፍቕዱለይ፡፡ 

 4) ኣንፈትካ ናይ ዘይምፍላጥ ቅልውላው፡ ብወገነይ ኮምሽን ብሰንኪ’እቲ ርኡይ ዝኮነ ቅርጹን አቓውሙኡን ሲዒቡ ኣብ ውሽጡ ብዝማዓበለ ዘይምእኩል ኣከያይዳን ካብ ግዜ ምምስራቱ፣ ፕሮግራምን ናይ ጉዳያቱ ቅደም ተኸተልን ዘይነበሮ ብኣንፈትካ ናይ ዘይምፍላጥ ቅልውላው ክሳቀ እዩ ጸኒሑ፡።  ብልክዕ ኮምሽን ነጻ እካል ኣዩ፡ ዉሱን ዕማም ምድላው ሃገራዊ ጉባኤ ዘለዎ ታሓታትንቱ ንህዝቢ ዘይፖሊቲካዊ ትካል እዩ እንዳተባህለ፡  ግን ኻኣ ኣብ መስርሕ ኸም ፖለቲካዊ ዉድብ ኮይኑ ኣዝዩ ጉሉጸነት ዝጎዶሎ ኣካይዳ ይከይድ ምንባሩ ባዕሉ ዚዛርብ ሓቂ እዩ፡፡   ኣብ ልዕልዑ ኣዚ ጉድይ ኣብ ውሽጢ ኮምሽን ናይ መንነት ቑሉውላው ፈጢሩን ኽም ሳዓቤኑ ካአ ናይ ርብሓትታ ግርጭታት (Conflict of interest) ኣብ ኮምሽን ክልሕም ጌርዎ፡፡፡  በቲ ካል ወገን ካአ ኮምሽን ዘይፖሊቲካዊ ትካል ኣዩ እንዳትባህለ፡ ፖለቲካዊ ውሳኔ ወሲና ኢና ክብል እውን ተሰሚዑ እዩ፡፡ እዚ  ኣንፈትካ ናይ ዘይምፍላጥ ቅልውላው፡ ድማ ሓደ ጠንቂ መሰረታዊ ናይ መትከል ፍልልይ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ እንተበልኩ’ ውን ምግናን ኣይኮንነ፡፡

 

 5) ካብ ህዝቢ ምርሓቕ፡ ለውጢ ባዕሉ ኣይመጽእን ኢዩ። ዓንዲ ማእከል ለውጢ ህዝቢ ስለዝኾነ ድማ መሪሕነት ኮምሽን ኣብዚ ዝሓለፈ 15 አዋርሕ ከምቲ ዝድለ ቀጥታዊን ጹዑቕ ህዝባዊ ርክባት፣ ኣኼባታት፣ ሰሚናራትን ጎስጓሳትን ኣይገበረን። ምስኩሎም መሻርኽቲ ፖለቲካውያን ዉድባትን፡ ዘይፖሊትካዊያን ማሕበራትን፡  ዘቀራርቦ ምይይጥ ንክገብር ኣይተበገሰን።ከምኡ’ውን ናብ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ምሁራት ኤርትራውያንን ቀሪቡ ተመኩሮን ኣፍልጦን ክቐስም ኣይሃቀነን።  መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ንምትብባዕ ዘርኣዮ ቀጻሊ ጻዕሪ ዘይምንባሩ ከኣ ሓደ ካብቲ ገፊሕ ሃጓፍ ከም ዝነበረ ዝሰሓት ኣይኮነን። እዚን ካልእን ተነጽሎታት መሪሕነት ኮምሽን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ተራ ኣቦ መንበር ካብ ህዝቢ ክርሕቕ ጌርዎ ጥራይ ዘይኮነ፡  ናይ ህዝቢ ትርግታ ልቢ ዘይምስማዕን፡ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ብእዋኑ ዘይምምላስን ዕሽሽ ኢልካ ምሕላፍን፡ ታሓታትነትኻ ንህዝቢ ምኻኑ ምዝንጛዕን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጉድለታት ነቲ ተቀባልነት ናይ ኮምሽንን ንመስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ብአሉታ ከምዝጸለዎ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ንዚ ኩነታት ንምዕራዩ ተባሒሎም ዝቀረቡ መማረጺ ሓስባት ኣይተስራሓሎምን፡፡

 

6) ዕቑር ዓቕሚ ሰብ ፡ኮምሽን ልዕሊ 70 ዝኾና ህዝባውያን ሽማግለታት መስሪቱ ኣብ ውሽጠን ልዕሊ 1,000 ዝኾኑ ግዱሳት ሃገራውያን ክዋስኡን እጃሞም ክበርክቱ ዱሉዋት እኳ እንተነበሩ፡ ኾይኑ ግን ነዚ ዕቑር ዓቅሚ ሰብ ብሞሶናዊ አገባብ ኣብ ዝለዓለ ረብሓ ንምውዓልን ንኣሳልጦ ስራሕን ዓቕሚ ናይ ኮምሽን ብዝለዓለ ንምዕባይን ከምቲ ዝድለ ኣብ ምልዕዓል ህዝብን ዝተጻወቶ ተራ ኣዝዩ ትሑት እዩ ነይሩ። ኮምሽን ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበር ዕቑር ዓቕሚ ሰብ ብጉቡእ ኣይመዝመዞን፡፡ ብወገን ሽማግለ ዜና ነዚ ዕቑር ዓቕሚ ሰብ ንምምዝማዝ ተባሂሎም ዝቐረቡ መማርጺ ሓሳባት ትጎስዮም ሓሊፎም፡፡

 

 7) ዲፕሎማሲያዊ ርክባት፡ኮምሽን ትልሚ ሃገራዊ ጉባኤ ተፈልጥንትን ተቐባልንትን ንኪርኺብን ኣብዚ ጉባኤ ክፍጠር ትጽቢት ዝግብረሉ ሃገራዊ ባይቶ ዲፖሎማሲያዊ ተፈላጥነት ንኪርኽብ ባይት ኸንጽፈሉ ምትገብኤ፡ ወላ’ኳ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ወ.ዘ.ተ… እናገሽካ ዕላማ ኮሚሽንን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምግላጽን ባጀትን ፕሮቶኮላዊ ስምምዓትን ዘድሊ እንተኾነ፣ ኮምሽን ነቲ ኣብ አዲስ አበባ ዘሎ ወርቃዊ ዕድላት ብምጥቃም፡ ናብቲ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድን ምስ ዝትፈላልዩ ኣመበሳደራት፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ትካላትን ማሕበራትን ገበርቲ ሰናይን ቀሪቡ ክዛራረብ አይደፈርንን ኣይሰራሓሉን፡፡

 

8) ግርጭት (ሽግራት ) ትፈትሕ ሽማግለ፡  አብ ኮምሽን ንዝተፈጥሩ ዘይምርድዳእን ጽልእን ቅርሕንትን፡ ጸለመን ከምኡ’ውን ናይ ስልጣን ብልሽውና ፋሉልንትን ክፈትሕ ዝኽእል ንሕዝቢ ታሓታቲት ዝኮነት (ሽማግለ) ናጻ አካል ዘይምንባራ፡  እቲ ዝዓበየ ሽግር እዩ ነይሩ። ናጻ ዝኾነት ብዘይ ሻራን ጸግዒ ከያሓዝት ንዝተፈጥረ ጸገማት ትፈትሕን ጉድለታት ብእዋኑ ትዕርምን ሽማግለ ምቛም ኣብዚ ጉባኤ’ውን እንተኾነ፣ ሓደ ካብቶም ክስራሓሎም ዘለዎም ዓበይቲ ጉዳያት ክኾኑ ይግባእ ይብል።

9) ተደራራቢ ሓላፍነት ፡ ገለ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ድርብ ሓላፍነት ናይ ወድብን ናይ ኮምሽንን ዝተሸኸሙ ምንባሮም፡ እዚ ድርብ ሓልፍነት እዚ ነቲ ስራሕ ናይ ሃገራዊ ጉባኤ ብኣሉታ ጸልዩዎ እዩ፡፡ ብኣሉታ ካብ ምጽላው ሓሊፍ ኣብ ገለ እዋን’ ውን ካብቲ እቲ ህዝቢ ዘዋፈሮም ዕማም ንላዕሊ ብረብሓ እቲ ብካልኣይ ደረጃ ክስራዕ ዝግብኦ ፖለቲካዊ ሰልፍታቶም ኸቀደሙን፡ እዚ ትደራርቢ ሓላፍነት ኣብ ገለ ናይ ርብሓትታ ግርጭታት ይፍጥር ምንባሩ ይርእይ፡፡፡

 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጉባኤኛታት፡
ኣብዚ ደጊመ ደጋጊመ ከታሓስስቦ ኸስምርሉን ዝድልዮ ኮምሽን በዓቅሙ ሰርሒ እዩ፡  እንትኮነ እዞም ኣብ ላዕሊ ዘቐመጥክዎም ነጥብታት ንስለ ምህጻር ንዚ ጹሕፍ ገለ ካብቶም ብዙሓት  ዝተራእዩ ናይ ስራሕ ድኽመታትን ብዱሆታትን ኣብቲ ዝምጽእ ፖለቲካዊ ከይድና ኣብ ግምት ኸነእትዎምን ኽንስራሓሎም፡ ካብ ዝብል ምንፍስ ተበጊስ ዘላዓልክዎም እዮም፡፡  ብተወሳኺ ብፍሉይ አብ ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ንዘጋጠሙ ብድሆታትን ማሓለኻታትን ነቲ ጸብጻብ ናይ ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ተወከሱ። ነዚኦም ኣብ ላዕሊ ዘቐመጥክዎም ጉቡእ ኣተክሮ ኪትግብርሎም ድማ ብዓቢ ተስፋ እጽበ፡፡  ገለ’ውን ኣብዚ ኩፉት መድርኽ  ክዝረበሎም  ዘይክእል ዝሓለፍኩዎም ጉዳያት ከምዘለዉ ትዝንግዕዎ ኣይመስለንን።

ብዛዕባይ ብዙሕ ጸለመታት ክንዛሕ ከም ዝወርሐ፣ ብፍላይ ድማ ሎሚ ቅነ ዳንኤል ተወልደ ካብ ሓላፍነቱ ዝወረደን ናብ ሃገራዊ ጉባኤ /ኣዋሳ/ ዘይተኻፈለን ሓደጋ ንሃገራዊ ጉባኤ ስለዝኾነ ኢዩ ይበሃልኩም ኸምዘሎ ይሰምዕ ኣለኹ። ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ ከም ዝበሃል፣ ንዓይ ዝለግበኒ ነገር ኣይኮነን። ኣነ ከመይ ገይረ እየ ንጉባኤ ሓደጋ ዝኸውን ንክትመራመሩሉ ካብ ዝብል ርእይቶ እየ ዘቕርቦ ዘለኹ።  ኣብ ሓንቲ ሉኣላዊትን ብዲሞክራሲን ሕግን እትመሓደርን ሃገር ኢትዮጵያ፣ ከመይ ገይሩ ኢዩ ሓደ ሰብ ንጉባኤ ሓደጋ ዝኮነ ኸም ነጻ ስብ ኮይኑ ዝንቓሳቀስ? ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ኣህጉራውያን ጉባኤታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየዱ፣ ናይ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም ኣምባሳደራት ኣብ ዘለዉላ ሃገር ኢትዮጵያ፣ ከመይ ገይሮም ኢዮም እቶም ንዲሞክራስያዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዝሓጸንዮ ንነቐፌታ ከም ጽልኢን ሓደጋን ጌሮም ዝርእይዎን ከም ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን መጫፍርቱን ሕሱር ወረታት ክነዝሑ ከም ዝቐነዩ ከይገረመኒ ኣይተረፈን።

ኣብ መወዳእታ፡ ነዚ ዝስዕብ ክብል ይፈቱ። ኩላትና ከም ንፈልጦ፡ ቀንዲ ዕላማን ራኢን ናይ’ዚ ጉባኤ፡ ንህግደፍ ምልጋስ ጥራይ ዘይኰነ፡ ልዕልና ሕጊን፡ ዲምክርሲን ዝሰፈና ሃገረ ኤርትራ ንሙቛም እዩ። ልዕልና ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ማለት እዩ። ልዕልና ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣቦ ወንበር ናይ ኮምሽን። ልዕልና ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣቦ ወንበር ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ፡ ልዕልና ሕጊ ኣብ ልዕሊ ጉጀለ፡ ። ልዕልና ሕጊ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ወይ ፕረሲደንት ማለት እዩ። እቲ ንደሞርክራስያዊ ለውጢ፡ ንብሎ ብተግባር ከነሰንዮ ክንጽዕት ኣሎና። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መሰልን ነጻነትን ክንሕሉ ይግብኣና። ሰብ ሓሳቡ ብነጻ ክገልጽ ክንፈቅድ ኣሎና። እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ኣብ’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ እንተዀነ፡ ከም’ቲ ኣቦታትና፡ “ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ” ዝብልዎ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ናይ ክልተ ወገን ብጥበብ ክትምርምሩን፡ ሓቂ ረኺብኩም ፍትሒ ክተውጽኡ ግዴታኹም እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

 

ክቡራንን ክቡራትን ተጋባእቲ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሳዊ ለዉጢ፣

ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ ከለው ዝብልዎ “በይኑ ዝጎዪ ዝቕድሞ የብሉ፣ በይኑ ዝምጉት ዝረትዖ የብሉ” ዝብል ብልቦና ዝተመልአ ሓቂ ካብቲ ንቃለሶ ዘለና ስርዓት ንዝተቓወሙዎ ሓይሩን ዳጉኑን ተኸሳሲ ኣብ ዘይርከቦ በይኑ ከሳሲ ኮይኑ እዚ’ዩ ዘይበሃል ጸለመ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ኣብ ምክያድ ዝርከብ፣ ኣነ’ውን ብተመሳሳሊ ንኸይዛረብ ካብቲ ብትግሃት ዝዓየኹሉ ጉባኤ ተኣልየ ኣነ ኣብዘይብሉ ብዛዕባይ መርትዖ ዘይርከቦ ጸለመታት እናኣለሙ ንሽመይ ክብልሉን ንዘይኮኑዎን ንዘይገበሩዎን ክነኣዱሉን ከየፍቀድኩም ነቲ ኣብ ኤርትራ ክተኣታቶ እንደልዮ ፍትሒ ኣብዚ ጉባኤ እዚ ስለ ዝፈለምኩሞን ንጉዳየይ እተጻሪ ኮሚቴ ስለዘቖምኹም ምስጋናይ የቕርበልኩም።

ኣነ ሎሚ ይኹን ጽባሕ፡ ነቲ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘምጽኣኒ ህዝባዊ ዕማም፡ ማለት ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ኩሉ ካባይ ዝጥለብ ዘበለ ካብ ምብርካት ድሕር ኣይክብልን እየ። ንስርዓት ዉልቀ-መላኺ ኢሳያስን ናይ ገበን መሻርኽቱ ህግደፋውያንን ክሳብ ብህዝባዊ ሓይሊ ዝሰዓሩን ኣብ መቓብሮም ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክሳብ ዝትከልን፡ ኣነ ከም ኩላቶም ተቓለስቲ  ኤርትራውያን ንድሕነትን ስለ ክብረት ህዝበይ ክሳብ ክብርቲ ሂወተይ ንምውፋይ ወትሩ ድሉው ከም ዘለኹ ከረጋግጸልኩም እደሊ። ሕጂውን ሃገራዊ ጉባኤ ተዓዊቱ ንኽወጽእ ዘሎኒ ትምኒትን ድልየትን ወሰን የብሉን፡፡

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ!!!

ዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ብግብሪ!!!

ውድቀት ንመለኽቲ!!!

ዳንኤል ተወልደ
 ኣቦ መንበር ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ነበር
       ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
27 ሕዳር 2011

 

*ነዚኣ ደብዳቤ ሕዳር 23 ዝተዳለውት ኮይና አብ ሃገራዊ ጉባኤ ውሽጢ ኪትዝርጋሕ ጸኒሓ እያ፡ ሕጂ ግን ንረባሓ ኩልትናን ንስለ ሙልእ ዓወት ሃገራዊ ጉባኤ ይዝርጋሓ ኣለኩ፡፡ ነቶም ዓረብ ትመልኹ ጉባኤኛታት ይቕሬታ ያሓትት፡፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6370

Posted by on Dec 1 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net