ልኡኽ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምስ ወጻኢ ጉዳያት ዓዲ ኢንግሊዝ ተራኺቡን ኣብ ለንድንን ቤርምንጋሃምን ህዝባዊ ኣኼባታት ኣካይዱ።

ተጋ/በሺር ኢሳቕ ኣቦ መንበር ወጻኢ ዝምድናታት፡ ተጋ/ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅን ኣቦ መንበር ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ኤ.ዲ.ኪ፡ ኣብ ወጻኢ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብምቅጻል ብዕለት 27 ለካቲትን 03 መጋቢት 2012ን ምስ ክፍሊ ቅርኒ ኣፍሪቓ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ዓዲ ኢንግሊዝ ርክባት ኣካይዶም።

ኣብዚ ክልቲኡ ርኽባት’ዚ ብስንኪ ፖሊሲታትን ኣካይዳን ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ህዝብና ዘሎ ኣስቓቂ ኩነታትን ኣብ ኤርትራ ከምኡ’ውን መንቆልቃል ዕለታዊ መናባብሩን ጠቕላላ ጥምይትን ኣብ ትሕቲ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘይምእዋጅ፡ ብፕሮፓጋንዳዊ መናፍሒኡ ንሓቅታት ምስዋር፡ ኣህጉራዊ ዝምታን ምብኳር ስብኣዊ ተበግሶታትን ብግምት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮሚሽን ሰደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዋሕዚ ሰደት ኤርትራውያን ናብ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘለዓለ ቁጽሪ ከምዝብጸሐን ስፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ከምኡ’ውን ልኡኽ ኤ.ዲ.ኪ ንዘሃድም ዘሎ መንእሰይ ካብ ኣርዑት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ምድሪ-በዳ ሲይናን ዝገጥሙ ዘሎ ኣስቓቂ ኩነታት ብድሕሪ ምብራህ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ’ዞም ግዳያት ስቓይ ንምእላይ ንመንግስታት ሱዳንን ግብጽን ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ድፊኢት ብምግባር ቆላሕታ ክህቡ ተማሕጺኑ።

እቲ ልኹኽ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ኣብ ሶማል ድማ ብፍላይ ንግብረ-ሽብራዊ ጉጅለታት ኣብ ምድጋፍ ጥራይ ከይተሓጸረ፡ ቁጠባዊ ዕንወት ይፍጽም ምህላዉ ብድሕሪ ምብራህ፡ ኣንጻሩ ምምካትን ኣጋጢምዎ ዘሎ ተነጽሎ ምትራርን ንቃልሲ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ ምድጋፍን ህጹጽ ኣህጉራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ብኣምበሳደር ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ጥርጡር ንጥፈታት ዝወሰዶ ስጉምትታት ብድሕሪ ምንኣድ፡ ነቲ ስጉምትታት ከስፍሖን ኣብ ልዕሊ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተበይኑ ዘሎ ኣህጉራዊ ማዕቐብ ብትሪ ክትግብሮን ተላብዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ውሳኔ ማዕቐብ ምስ ህልው ኣሰቓቂ ኩነታት ኤርትራ ብቀጻሊ ክተሓሓዝ ተማሕጺኑ።

ብድሕሪ’ዚ ልኡኽ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንህልዊ ምዕባለታት ቃልሲ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ምግባእ ዕውት ሃገራዊ ጉባኤን ብመስረት ዝተሰማምዕሉ ፖሎቲካዊ ቻርተርን መሪሕ ሓሳብን ካብኡ ዝቖመ ስፊሕ ሃገራዊ መረኻዊ ግንባር ዝኾነ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓደ ሓጋጊን ፈጻምን መሪሕነት ብምቛሙ ኣብ መስረሕ ዝካያድ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣገዳሲ ምዕራፍ ምዃኑ ሰፊሕ ምብርሂ ሂቡ።

ሓለፍቲ ክፍሊ ጉዳያት ቀርኒ እፍሪቓ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ዓዲ ኢንግሊዝ ብወገኑም ድማ ንኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣስቓቂ ኩነታት ብምስማር ብልኡኽ ኪዳን ንዘቅረቡ ሕቶትታት ብምርዳእ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝሕልፎ ቃል ኣቲዮም። ኣብ ጉዕዞ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዘተንዝግቦ ስጉምቲታት ተጋዳስነቶም ብምርኣይ ዝምድናታቶም ምስ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ቅጻሊ ንክኽውን ኣረጋግጹም።

ብተዋሳኺ እቲ ልኡኽ ኣብ ከተማታት ለንድን ቤርምንጋሃምን ብዕለት 03ን 04ን መጋቢት 2012 ክልተ ዕውት ህዝባዊ እኼባታት ብምክያድ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራን ዞባናን ኣህጎራዊ ነጥፈታት ኣብ ሃገረ ሶማልያ ምብርሂ ሂቡ። ከም’ውን ንምዕባለታት ኣዕናዊ ተግባራት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዞባና ብምብራህ ኣብ ለዕሊኡ ተብይኑ ዘሎ ማዕቐብ ክተሪርን ልኡኽ ንቅረቦም ሕቶታት ምስ ረኽቦም መንግስቲታት ኣውንታዊ መልሲ ክርኽቡን ከምዝግብር ኣረዲኡ።

ከም’ውን ልኡኽ ዝተምዝግበ ምኽሰባት ኣብ ክሊ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤን ወጺኢቱን ኣገዳሲ ምዃኖም ብምብራህ መሪሕ ተራ ኤርትራዊ ኤ.ዲ.ኪ ብምጥቃስ ንመደባትን ዕማማትን ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኩሉ ገድላዊ መዳያት ከምዝድግፍ ኣረጋጊጹ። ልኡኽ፡ ኪዳን ኣብ ጠቕላላ ጉባኤኡ መጋቢት 2011 ዝወስዶም ወሳኔታት በመስረት ዝቅምጦ ስተረቲጀካዊ መርሆ ህልውን መጻኢን ዕማማት ፖሎቲካዊ ሓይልታት ንጹር ግቡኣትን ፎሉይነት ዘልዎም ኣካላትን ብምዃኖም ዝተሞርክሰ’ዩ ኣረዲኡ። ብተውሳኺ ልኡኽ ኤ,ዲ,ኪ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ከካይድ ተመዲቡሉ ዘሎ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ተውሳኺ መኽሰባት ከምዝራጉድ ገሊጹ።

ተሳትፍቲ ብወገኖም ኣብ ምቅልጣፍ ወድቅት ስርዓት ህ,ግ,ደፍ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ካልኦት ተቃለስቲ ሓይልታት ደንበ ተቓቅሞ ብሓባር ተዋሃሂዶም ከስርሑ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም። ልኡኽ ኤ,ዲ,ኪ ካብ ተሳትፍቲ ንዝቅረብሉ ሕቶታት መልሱን ንዝሃብዎ ለበዋታት ብሓፈሻ፡ ካብ ቤርምንግሃም ብፊላይ መዝጊቡን ኣብ ቀረባ ዝመጹ መዓልቲታት ናብ ማእከላይ ቅጽሪ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከምዝምልሱ ተፈልጡ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6670

Posted by on Mar 7 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net