ኣብ በዓል ደቂኣንስትዮ 8 መጋቢት 2012

Svensk-eritreansk samarbetsorganisation

För demokratiutveckling

 

 

ኣብ በዓል ደቂኣንስትዮ 8 መጋቢት 2012

ብጽላል ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ምዕባለ ሽወደን ዝቀረበ መልእኽቲ

 

ዝኸበርክን ኣዳለውቲ በዓል 8 መጋቢት 2012!
ዝኸበርክን ሓለፍትን ኣባላትን ማሕበር ደቂኣንስትዮ ንውህደት!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ዕዱማት!
 
ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ መበል 102 ዓመት ምሳኻትክን ሓቢርና ከነብዕል ብዝተገብረልና ዕድመን ከምኡ ድማ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚዚ ናይ ደገፍ ቃልና ከነስምዕ ብዝተዋህበና ዕድል ብሽም ጽላል ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ምዕባለ ሽወደን ብሽመይን ከመስግነክን እፈቱ፣ ቀጺለ ድማ እንቛዕ ኣሓጐሰክን እናበልኩ ብሽም “ጽላል.. ሰላምታይ አቅርብ።
 
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል 8 መጋቢት!
እዚ ሎሚ ነብዕሎ ዘሎና ታሪኻዊ መዓልቲ፣ ፖሊቲካውን፣ ቁጠባውን፣ ማሕበራውን፣ ባህላውን፣ ሰብኣዊ መሰላት ዘዕቅብ ውዑላት/Conventions ብሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ዝተሓንጸጸ፣ ኣብ ህንጸት ኩሉ መዳያት ሕብረ/ቁጠባውን፣ ማሕበራውን፣ ማዕረ ስልጣንን፣ ተሳትፎን ጓል ኣንስተይቲ ዘረጋግጽ ውሳነታትን ስራሓትን እንዝክረሉ ታሪኻዊ መዓልቲ እዩ።
 
8 መጋቢት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ፣ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጀሚሩ በብእዋኑ ኣብ መላእ ዓለም ዝተዘርግሐ፣ ሎሚ ንመበል ሚእትን ክልተን ዓመቱ ይኽበር ኣሎ፣ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ክኽበር ከሎ፣ ንሕና ድማ ከም ኣካል ናይ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ፣ ነዚ ታሪኻዊ መዓልቲዚ ሎሚ ምሸት ብባህላዊ ንጥፈታት ከነሰንዮ ኣብዚ ንርከብ ኣሎና፣ ብወገና ከም ሕዝብን ሃገርን ኤርትራ መሰላትን ማዕርነትን ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ ክንደይ ብግብሪ ይኽበርን፣ ኣብዚ ግዜዚ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኣብ ዝሳቀየሉ ዘሎ እዋን ኩነታት ደቂ-ኣንስትዮ ከመይ ኣሎ ኢልና ተዘክሮታትና ክንገልጽን፣ ንመጻኢ ከመይ እንተ ገበርና ኢና ንመሰላትን ማዕርነትን ጓል ኣንስተይቲ ነረጋግጽ ኢልና ርእይቶታትናን ሓሳባትናን እንካፈለሉ ምሸት ኢዩ።
 
በዚ ታሪኻዊ ምሸት እዚ፣ ሕዝብና ኣብ ዘሕዝንን ኣሰቃቅን ኩነታት ከምዘሎ እናዘከርና፣ ብፍላይ ድማ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ብመኮንናትን ሰበ ስልጣናትን ውልቀ መላኺ ስርዓት ከም ኣቅሓ ትሽየጥን ትልወጥን ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ንህዝብና ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካብዚ ኣሰቃቅን ዘሕዝንን ኩነታት ነጻ ንምውጻእ እዚ ታሪኻዊ መዓልቲዚ ከቢድ ሓላፍነት የሸክመና። ከምቲ ንሃገርና ካብ መግዛእቲ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ቃልሲ ተራ ጓል ኣንስተይቲ ዝለዓለ እጃም ዝነበሮ፣ ሎሚ ኣብ እነካይዶ ዘለና ምህናጽ ቅዋማዊትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገር ሎሚ ውን ከም ትማሊ ኣብ ጎድኒ የሕዋትክን ብምኻን ንምዕዋቱ ዝለዓለ ተራ ክትጻወታ እዚ ታሪኻዊ መዓልቲ መብጻዓና ከነሕድስ የዘኻኽረና።

 

እዚ ዘለናዮ እዋን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ህዝብና ዝኸፍኤን ዝሓሰመን ናይ መነባብሮ ሽግር ኣብ ዘሕልፈሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ካባና ዝጽበዮ *ብዝሒ ሰልፍታትን ውድባትን ምህላው ከም መሰረት ዲሞክራሲ ወሲድና ፖለቲካዊ ፍልልያትና ከም ቀዳማይ ጉዳይ ዘይኮነ ከም ካልኣዊ ጉዳይ ሰሪዕና፣ ዕላማና ንምድሓን ሃገርናን ህዝብናን ዝብል መርሖ ተዓጢቕና፣ ወድና ጉዋልና፣ ሰብኣና ሰበይትና ብሓባር ኢድን ጓንቲን ኮይና ነቲ ክሳዱ ረጊጹ ትልኽ ዘብሎ ዘሎ ውልቀ መላኺ ብምስዓር ናይ ሓርነት ዘውዲ ክደፍእዩ ዝጽበየና ዘሎ እሞ ኣብዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ተስፋ እንህቦን  ኣለናልካ ንብሎን መዓልቲ ኢዩ።

 
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተሳተፍቲ በዓል 8 መጋቢት!

 

ጽላል ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ምዕባለ ሽወደን” ኣብ ሃገረ ሽወደን ብዕሊ ከብዝምስረት ሳልሳይ ዓመቱ ይኸይድ ኣሎ፣ እዚ ጽላል እዚ ብፖሊቲካውን በርገሳውን ውልቀሰባትን ዝቆመ ናይ ኩሎም ተቃወምቲ ሓይልታት ኮይኑ መደባቱ ብሓባር ሃገራዊ በዓላት ምኽባርን፣ ሰላማዊ ሰልፍታት ምውዳብን፣ፖሊቲካዊ ጥርዓናትን ጽልዋ ኣብ ፖሊቲካዊ መርገጽ ሃገረ ስዊደን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣቃልቦ ክረክብ ዝሰርሕ ጽላል ኢዩ። እዚ ጽላልዚ ምስኩሎም ተቃወምቲ እናተሓባበረ ዝሰርሕ እምበር ተጻራሪ ናይ ዝኾነ ኣይኮነን፣ ማሕበር ኤርትራውያን ደቀ ኣንስትዮ ንውሕደት ኣባል እዚ ጽላል ብምዃኑ እዚ ጽላልዚ ተሳትፎ ደቀኣንስትዮ ንክዓዝዝን ክሰፍሕን በዚ ኣጋጣሚ ክተሓባበር ምዃኑ መብጽዓ ይኣቱ።

 

ክቡራትን ክቡራንን ደሞክራስያውያን!

 

ሎሚ እቲ ኩሉ ክፋላት ሕዝብና ማለት ደቀ ኣንስትዮና፣ መንእሰያትና ዓበይትናን ንኣሽቱናን ብሓንሳብ ሰጢምካ ከመይ ገርካ ሕዝብኻን ሃገርካን ተድሕን ስለዝኾነ፣ እቲ ኣገዳሲ ክህነጽ ዘለዎ “ስትራተጂ”ንኩሉ ሓያልን ድኹምን ኣዋሃሂድካ ናይ ምስራሕ ተኽእሎታት ምእካብን ምስራሕን ድኣ እምበር ናይ ምንጽጻግን ነንሕድሕድካ ምንእኣስን ግዜ ኣይኮነን፣ ስለዚ በዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ደቀኣንስትዮ፣ ብሽም ጽላል ናይ “ምንጽጻግ ባህሊ” ስዒርክን ናይ “ምቅብባልን ምርድዳእን ባህሊ” ከተተኣታትዋ ንላቦ።

 

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ደቀኣንስትዮ!!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ!

 

ጽላል ስዊደናዊ ኤርትራዊ ጽላል ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6733

Posted by on Mar 14 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net