ናይ ጸይቒ ዘመተ አብ ሃገር ሽወደን!

ትእዛዝ እዩ ተዋሂብዎም!  እቲ ትእዛዝ ድማ ብሓጺሩ ከምዚ ይብል::  በተን  ህግደፋውያን ዝውንንወን  ወይ ዝቆጻጸሩወን  ናይ መድያ መደብራትን ናይ SMS ተክኒክን  ተጠቒምካ  ኣብ ልዕሊ ኤሪትራዊ  ሕብረተሰብ

1. ጽዑቕ  ጎስጋሳትን ምፍፍራሕን  እንዳገበርካ :  ሰልፍታትን ኣኼባታት እንዳአዳለኻ     

   ህዝቢ ኣንጻር ተቃወምቲ ብፍላይ ድማ አንጻር መንእሰያት ተቃወምትን  አንጻር

   መድያ ሽወደን   ንኽልዓሉ ምዕዳም:
2. አብቲ ንድጋፍ መንግስቲ ዝዳለዉ ሰልፍታትን አኼባታትን ሕዝቢ ንክሳተፍ ኩሉ

   ዓይነት ጸቕጥታት ምግባር: 
3. አብ ሽወደን ዝተወልዱ ወይ ዝዓበዩ ንዘለዉ መንእሰያት ኣብ ስርዓተ ትምርቲ  ሽወደን

   ዘወሃቦም ናይ መሰል ደቂሰባትን ናይ ዲሞክራሲ አስተምህሮታት ከይተቀበልዎ ከለዉ

   ተቀዳዲምካ  ሓሶት እዩ እንዳበልካ ምዕፋን ::
4. አብ መጨረሽታ ድማ  ነቶም ብህዝቢ ተቀባልነት ዘይብሎምን  ብህዝቢ ዘይፍተዉ ወይ  

  ፉንፉናት አባላት ህግደፍ ካብ ኩሉ ምንቕስቃሳት ምድስካልን ምብራርን ዝብል እዩ::

ነዚ ኹሉ ጽዩቕ ስርሓት   ዘማእኽል ብደረጃ ሽወደን አቶ ዮናስ ማና ኽኽውን ከሎ አብ  ከከተማታቱ ድማ ነዚ ነውራም ስርሓት ዘሰላስሉ ንኡሳን ጉጅለታት ቆይሞም አለዉ::
ካብዘን ጉጅለታት ሓንቲ ጉጅለ ጎተንበርግ ክትከውን ከላ ነዛ  ጉጅለ  አብ ምዕራብን ደቡብን ሽወደን  ንኽመርሓ ተሰምዩ ዘሎ  መሻርኽቲ  አቶ ዮናስ ማና ብንያም ምስግና (ጸሊም ተመን) ዝተባህለ ክኸውን ከሎ ተሓባበርቱ ድማ ወዲ ሓትንኡ ንብንያም ምስግና ምናሴ የስየፍን:  አለም ዘሞ ዝተባህሉ ሙኻኖምን ዕማም ናይዞም ሰባት ድማ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ንምስልሳን ንምትግባርን  ተባሂሉ እዩ::

ካብቲ መስተንክር ተግባራት ናይ አለም ዘሞን ብንያም ምስግናን   ብግስ ከይበሉ ; አብ ጎተንበርግ ንአቶ ዮናስ ማና ዓዲሞም  ንኽልተ ሕሉፋት አባላት ህግደፍ ዝነበሩ አሮን ጳውሎስን ዮውሃንስ አስመሮም ዝተባህሉ አብ ቕድሚ አባላት ኣመሻሚሾም  ካብ ኩሉ ህግደፋዊ ዕማማት  ከምዝድስክሉ ተጌሮም:: 

 

ገበኖም ድማ ቀዳማይ ናይ ዮውሃንስ ኣስመሮም እቲ ዕላዊ ዘይምስትውዓልን ሚስጢር ዘይሙዕቃር ተባሂሉ ክኸውን ከሎ እቲ ሓቂ ግና ምስቲ አብቲ ዮውሃንስ ኣስመሮም: ዮናስ ማና ብንያም ምስግናን ምናሴ የስየፍ ዝክተልዎ ምስ ሃይማኖታዊ  እምነት ዘይምርድዳእን  ውሽጣዊ ጸገማት እዩ ዝብሉ አለዉ::

 

 

ብዛዕባ እቲ ካልአይ አሮን ጳውሎስ ድማ

1. አውራጃዊ ምትእኽኻባት ስለዘካይድ
2. ጽልኢ  አብ ልዕሊ ሰዓብቲ  ምስልምና ስለ ዘዘውትር 
3. ጽልኢ ተወለድቲ  ዞባ ደቡብ (ኣከለጉዛይን ሰራየን)  ስለ ዘዘውትር 
4.  ጽልኢ አብ ልዕሊ ዕባይ  ከተማ ብፍላይ ድማ ምስ “ኣዝማሪኖ”
5. ጽልኢ አብ ልዕሊ ዕባይ ኢትዮጵያ “አምቸ” ዝኾኑ ኤሪትራውያን   ተደጋጋሚ      

    ብምዝውታሩ:
6. ንሕናን ንሶምን ዝብል ፍልስፍና (ደቂ ከተማን ድቂ ገጠርን ሙኻኑ እዩ  )  

   እንዳተጠቕመ ንህዝቢ ፋሕ ብትን ክእትወሉ ስለዝጽዕር እዩ ዝብል:: 

ካብቲ ዘገርም ግና ካብቲ ናይ አሮን ጳውሎስ ዝኸፍኤን ብኹቱር ጽልኢ ዝተላዕጠጠ  እቲ  ብዮናስ ማና ዝተሾመ  ብንያም ምስግና (ብጸሊም ተመን ዝፍለጥ)  ሙኻኑ እዩ::   እታ ሓንቲ ምስ አሮን ትፈልዮም   ብንያም ምስግና አብ ልዕሊ አምሓርኛ አወንታዊ አረአእያ ከምዘለዎን እቲ ዝኸፍኤ ድማ አቦወንበር ናይ ሓደ ሃይማኖታዊ ማሕበር ሙኻኑን አብ ልዕሊ ካልኦት  ሃይማኖታት ኤሪትራ  ኽብሪን ትሕትናን  ዘይብሉ ዜጋ ሙኻኑ እዩ::

ናብቲ ተዋሂብዎም ዘሎ ዕማም ቅድሚ ምምላሰይ ምስቶም ሓላፍነት ተዋሂብዎም ዘሎ ሰባት ከላልየኩም!

ቀዳማይ : ዮናስ ማና
ዮናስ ማና ልዕሊ 40 ዓመት አብ ሽወደን ዝተቐመጠን ናይ ሸወደን  ዜግንነት ሃሊዎ  አብ ኤምባሲ ሃገር ኤሪትራ ዝሰርሕ ኮይኑ: እቲ አብ መንጎ መንግስታት ሽወደንን ኤሪትራን ዘሎ ዘይጽቡቕ ዝምድናታት ምኽንያት ብምግባር መንግስቲ ኤሪትራ እቲ ኣብ  ሽወደን ዝርከብ ቖንስላዊ ቤትጽሕፈቱ  ንከይዕጾዎ ብጸሎት ዝነብርን ኩሎም ፈተውቱን ደቂ መዛሙርቱን ኣዋፊሩ ብሽም ህዝቢ ኤሪትራን መንግስቲ ኤሪትራን ንሰርሕ አለና እንዳበለ ናይ ገዛእ ረብሕኡ ዝሰርሕን ጥቕሙ ንኸይትንከፎ ዝቃለስ ዜጋ እዩ:: እዚ ጥራሕ እውን አይኮነን::  

ዮናስ ማና ልዕሊ ሃገሩን ህዝቡን ደቂ ሃይማኖቱ ዘኽብርን ዝፈቱን: አብ ኩሉ ሃይማኖታዊ ስርሓት አብ ኩሉ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት አብ ዝኾነ ክፋል ሽወደን ( ካብ ሰሜን ስጋዕ ደቡብ )ብደቂ ሃይማኖቱ ዝግበር መርዓ ይኹን ጥምቀት ዘይፍለ: ሑሉፍ  እሙን ሃይማኖታዊ   ባእታ ኾይኑ  ብውሕዱ: አብታ ዝቕመጠላ ከተማ ስነ ስርዓት ቀብሪ ምስ ዝህሉሞ  መዋቲ;  ቤተሰብ እንተዘይብሉን ወይ ወዲ ሃይማኖቱ ምስ ዘይከውን ክቀብር ይትረፍ ንኽበጽሕ እውን  ዘይሓስቦ ፈላላዩ ነውራም አቦ እዩ::

ካልአይ: ብንያም ምስግና

 
ብንያም ምስግና ወኪል ዮናስ ማና አብ ከተማ ጎተንበርግ ኮይኑ ምስ ዮናስ ማና ብመርዓን ብማሕበር ሃይማኖትን ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎም ኮይኑ: ወዲ ሓፍቱ ንናይ ደርጊ ኣባልን አብ ጊዜ  ስርዓት ደርግ ናይ ፍርዲ ሚንስተር ነበር አማኒኤል ዓምደሚኺኤል  እዩ::

ሳልሳይ: ምናሴ የስየፍ
 ምናሴ የስየፍ ኮይኑ ብስጋ ወዲ ሓትንኡ ንብንያም ምስግና:  ምስ ዮናስ ማና ድማ ብሃይማኖታዊ ማሕበር  ጥቡቕ ዝምድና  ዘለዎን ወዲ ሓፍቱ ንናይ ንናይ ደርጊ ኣባልን አብ ጊዜ  ስርዓት ደርግ ናይ ፍርዲ ሚንስተር ነበር አማኒኤል ዓምደሚኺኤል  እዩ::

ምናልባት ብዛዕባ ንናይ ደርጊ ኣባልን ናይ ስርዓት መንግስቱ ናይ ፍርዲ ሚንስተር ነበር አማኒኤል ዓምደሚኺኤል አብዚ እንታይ አምጽኦ ዝብል አርእስቲ ይልዓል ይኸውን:: ልክዕ አድላይነት አይነበሮን ግና ስለምንታይ ንዝብል አብ ታሕቲ ክገልጻ እየ::

ራብዓይ: አለም ዘሞ 
 አለም ዘሞ  ዝነገሰ ንጉሰይ በሃሊ:  ክእለት አልቦ  ስልጣን በሃጊ: ኢትዮጵያዊ ስሚዕታት ሃሊዎ አብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ሕሉፍ  ጽልኢ ዝሰፈሮ: በል ዝተባህሎ ካብ ምባልን ብሽም ህዝቢ ምሽቓጥን ደም ህዝቢ ንምምጻጽ ድሕር ዘይብል:   ብሰንኪ ካብ ናይ ምምሕዳር ሽወደን ስራሕ ሙስጋግ አብ ልዕሊ ህዝቢ ሽወደን ዓቢ ጽልኢ ዘሕደረን ናይ ምዝራብ ሕማም ዘለዎ ሰብ እዩ::
 


ስራሕን ሓላፍነትን ናይ ዘሞ ሰለስተ ታሕተዎ !

1. ብንያም ምስግና
ቀንዲ ዕማም ብንያም ምስግና  ወኪል ዮናስ ማና እኻ እንተኾነ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሽወደን ንዝተወልዱ መንእሰያት አብ ምጥርናፍ ተዋፊሩ ዘሎ ሰብ እዩ::
እወ! መንእሰያት ንምጥርናፍ እካ እንተተባህለ  ስጋዕ ሕጂ ምስ ሓንቲ 30 ዓመት ዝዕድሚኤ  መንእሰይ በሃሊት ሰበይቲ  ብሙኻን አብ መጀመርያ ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ መንእሰያት ንምጥርናፍ ፈተነታት ጌሮም ኔሮም::  ምስ ግዜን ኩነታትን ግና እቶም መንእሰያት እቲ ዝተባሃልዎን ምስቲ ኣብ ኤሪትራ ኸይዶም ዝተዓዘብዎን ምስቲ   ኣብ መድያ ሽወደን ለባማት ሃገራውያን  ዘቕርብዎ ዘለዉ ጸብጻባት  ስለዘይተሰማምዔ  ዳርጋ 97% ዝኾኑ  ክስሕቡ ተገዲዶም እዮም::

ብንያም ምስግናን ሰዓብቱን እዚ ምስ ፈሸሎም ከምቲ ዝሓሰብዎ ንመንእሰያት ገዲፎም  ናብ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያትን:  ናብ ዕድመ ዘይቆጸሩ ሕጻናት ቆለውዕ አዲሂቦም ይሰርሑ አለዉ::   ብንያም ምስግና ነዞም  ትሕቲ ዕድመ እንታይ እዩ ዝብሎምን ብዛዕብኦም እንታይ ይሰርሕን ዝብል ሕቶ ይልዓል ይኽወን::

ካብቲ ንሱ ዝገብሮን ዝብሎን  ንምጥቃስ::

1. ነቲ ኣብ ኩሉ አብያተ ትምርቲ   ሽወደን  ብስሩዕ ዝወሃብ ናይ ትግርኛ: ትግረ: ብሌን 

  ትምህርትታት በቲ ዮናስ ማና ዝደልዮ አገባባት ክኸይድን ኩሎም አብ ምምህርና

  ተዋፊሮም ዘለዎ ኤሪትራውያን መምሃራን ብናይ ሽወደን ሕጊ ዘይኮኑስ ብናይ ዮናስ

 ማና  ሕጊ ንኽከዱ  ብዙሕ ጸቕጥታት ምኽያድ::

2. እቶም አብ ምምህርና ዝዋፈሩ ዜጋታት ደገፍቲ መንግስቲ ኤሪትራ ሙኻኖምን

   ዘይሙኻኖምን  ብዘየገድስ: እንተወሓደ ግና  ምስ ጉጅለ ዮናስ ማና  ዝሰማማዑ ክኾኑ

   ከምዘለዎም ምርግጋጽ::

3. አብ ናይ ሽወደን ስርዓተ ትምርቲ ሽውደናውያን መምሃራን ዲክታቶሪያዊ 

  መንግስታት ከም በዓል ናይ ኤሪትራ እየን ንዝብሉ መምሃራን  ሽወደን  ምፍርራህን

  ምርባሽን ክኽውን ከሎ ካብቲ ብግልጺ ንብንያም ምስግና ዘጋጠሞ ጽፊዕታት ድማ

  ከምዚ ይመስል::

አብ ሓደ ቤት ትምርቲ  ናይ ሽወደን መምህር ንኩሎም ተማ´ሃሮ ብዛዕባ ዲሞክራስን ትርጉም ዲሞክራስን  ጽሑፍ ከቕርቡ ንተማሃሮ ይሓቶም እሞ ሓንቲ ኤሪትራዊት ትሕቲ ዕድመ ዝኾነት መንእሰይ ድማ ጽሑፋ ብዛዕባ አሎ ዝበለቶ ዲሞክራሲ ኣብ ኤሪትራን ብዛዕባ ኢሰያስ አፍወርቂ ዝተባህለቶ ሓዊሳ ጽሑፋ ንመምህራ ትህቦ::መምህር ድማ ብምግራም ነታ ቆልዓ ብምዝርራብ  ተወሳኺ ጊዜ ብምሃብ ነቲ ጽሑፍ ከተዔርዮ ይሓታ:: ምኽንያቱ ድማ ኤሪትራ ሓንቲ ካብተን ስሚ ዲሞክራሲ ሙኻናን ኢሰያስ ዲክታቶር ሙኻኑ ድማ ሓበራ::

እታ ቆልዓ እቲ ስድራቤታ ይኹን ናይ ጸይቂ መምህራ  ብንያም ምስግና ዝበላን እቲ ናይ ሽወደን መምሃራን ዝብልዋን በበይኑ ኾይኑ ምስረኸበቶ  ብምግራም እቲ ሽወደናዊ መምህራ ዝበላ ንብንያም ተካፍሎ:: ወዮ ብንያም በቲ ናይቲ መምህር መልሲ ” ብሙቑጣዕ ”  ናብ ሓለቃ መምህር ክሲ የቅርብ::   ሓለቃ መምህር ድማ ብክሲ ብንያም ብምግራም ድጋፉ ነቲ ሽወደናዊ መምህር ብምሃብ ንብንያም ” ስድራቤታ እታ ተማሃሪት ዘሰይከሰሱ ንስኻ እንታይ ገደሰካን ብዛዕባ እዛ ቆልዓ ንክትጣበቕ መሰል ዝሃበካኸ መን እዩ ” ብምባል ንብንያም ምስግና የባርሮ:: ሓለቃ መምህር ናብ ስድራ ቤት እታ ቖልዓ ብምድዋል ብዛዕባ ብንያም ዝተባህለ ሰብ እንታይ ከምዝበሎ ምስ ሓበሮም ስድራ እታ ቖልዓ ብምስንባድ ንሕና ንፈልጦ የብልናን ምስ ብንያም ርክብ የብልናን ብምባል መልሲ ይህቡ::  ሓለቃ ትምርቲ ናብ ብንያም ደዊሉ ካልአይ ግዜ ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ስራሕ ምስትደግም ጉዳይካ ናብ ፖሊስ ከምዝሓልፍ ገሊጽሉ::

ብሃንደበት እታ ቆልዓ እቲ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ  ንወዲ ብንያም ተርእዮሞ ወዲ ብንያም ብምግራም አነ ንባዕለይ ዲክታቶር ኢሰያስ እንዳበልኩ  እየ ጺሒፈ:: ዝጸሓፍክዎ ጽሑፍ ድማ አቦይ አንቢብዎ ወላሓንቲ ኣይበለንን  ብምባል እቲ ሓቂ ሰው አበለላ::

ካልአይ ጸይቒ

ብንያም  ምስግና ምስ ምስ ሓለፍቲ ኣብያተ ትምርቲ ብምርኻብ ንገለ ኤሪትራውያን መምሃራን ትግርኛ  ካብ ምምህርና ንኽባረሩ ብጽሑፍ ይሓትት እሞ እቶም ዝምልከቶም አካላት ድማ በቲ ጉዳይ ብምግራም ንብንያም ምስግና መብርሂ ንኽህቦም  ይዕድምዎ::

 

ካብቲ ዘቕረቦ ክስታት ሓደ ንተጋዳላይ መንግስ ገብረ አምላኽ ዝተባህለ ሕጂ ናይ ትግርኛ መምህር  ኾይኑ ዘገልግል ዘሎ  ዜጋ  ኾይኑ: ካብቲ ኽስታቱ  ተጋዳላይ መንግስ አንጻር መንግስቲ ኤሪትራ አብ ራድዮ  ከምዝዛረብን ንደቕና ብዛዕባ መንግስቲ ኤሪትራ ብጌጋ ይምህሮም አሎ   እዩ ዝብል ኔሩ::  እቶም ሓለፍቲ ትምርቲ ድማ ንብንያም ብዛዕባ  ፖለቲካዊ መርገጺ መንግስ ዲኻ ትዛረብ ዘለኻ ዋላስ  ንተማሃሮ ጌጋ ወይ ብዛዕባ  ፖለቲካ ይምህሮም አሎ ኢኻት ትብል ዘለኻ ክብሉ ምስሓተትዎ ብንያም መንግስ ጸረ መንግስቲ ኤሪትራ ሙኻኑ ብተደጋጋሚ ከብርህ ምስ ፈተነ እቶም ሓለፍቲ  ንብንያም ዘረብኡ አቃሪጾም ንሕና  ንሕጻናት  ብዛዕባ ፖለቲካ ናይ ኤሪትራ ዘይኮነስ ብዛዕባ ሃ ሃ ሁ ሂ ኢና ክምህር ንመንግስ ቆጺርናዮ:::   ስለዚ  ጸገምካ ናይ ፖለቲካ ስለዝኾነ ክስኻ መሰረት  የብሉን ብምባል እቲ ክሲ ይዓጽውዎ::   ብሕጊ ናይ ሽወደን ድማ እቲ ዝቀረበ ክስታትን ዝተባህለን ምስ መልሱ ንመንግስ ይሕበሮ::

ቢንያም በዚ እውን አይዓረፈን::  ቢንያም ኣብ  ጎተንበርግ ዝፍኖ  ናይ  ህግደፍ ራድዮ   ቀሪቡ ንኹሎም ደገፍቲ ህግደፍ ሽም ከይጠቀሰ  ነቶም  አብ  መምህራን ስራሕ ተዋፊሮም ንዘለዉ  ተቃወምቲ ኤሪትራውያን ኩሎም ስድራቤታት አይንደልዮምን ኢና ኢሎም ንኽከሱ ምሕጽንትኡ ብምግላጽን ጽሑፋት ብምድላዋ ናብቲ ቕድሚ ሕጂ ንሱ ከሲሱ ዘይሰለጦ ከምዝስደድን አብ ልዕሊ ሰበስልጣን ሽወደን ጸቕጥታት ክገብር ፈቲኑ::

ነዚ ዝተዓዘቡ ሓለፍቲ ትምርቲ መንግስቲ ሽወደን ህዝባዊ አኼባ ብምድላው ንኹሎም ወለዲ ብምዕዳም ንብንያምን መሰልቱን ንሕና ንመን መምህር ንቆጽርን ንመን አይንቆጽርን ንፈልጥ ኢና:: ብዘይ ሕጋዊ መርትዖ ንስኻትኩም ነዚ ይሕሸና ነዚ ኣይንደልን ክትብሉ   ድማ መሰል የብልኩምን ብምባል ግላዊ ፖለቲካዊ መርገጺኹም ሽግር ዝፈጥረልኩም እንተኾይኑ ግና  ደቁኹም ካብ ስርዓተ ትምርቲ ናይ ትግርኛ  ክትቑጥብዎምን አብ ገዛኹም ክትሕዙዎም  ትኽእሉ ኢኹም ምስበልዎም  ኩሉ ብብንያም  ምስግና ተጠርኒፉ ዝመጸ ለዋህ አስቕጥ ከብል ከሎ ብንያም ምስግና ግና ፅፊዒት ንዕዑን ነቲ ዝለአኾ ጹይቕ መምህሩ ዮናስ ማና ሙኻኑ ስለዝፈለጠ እንዳዕዘምዘመን ንኤሪትራውያን ከም ኤሪትራውያን እንዳነአአሰ  ክወጽእ ተራእዩ::

 
ሳልሳይ ጸይቒ
ኣብቲ አንጻር ናይ ሽወደን መዲያ ዘካየድዎ ነውራም ሰላማዊ ሰልፊ  እውን ንኹሎም  ስድራቤታት  ሕጻናት ደቆም ናብቲ ሰላምዊ ሰልፊ  ሒዞሞም ንኽመጹ ብፍላይ ብንያም; ምናስኔን  አለም ዘሞን ጻዊዒት  ጌሮም ከብቕዑ ሓደ ኽልተ ዝተዓሸዉ እንተዘይኾኑ እቲ ዝበዝሕ ደቁ ሒዙ ንኽመጽእ አይኮነንን ንባዕሉ እውን አብቲ ጽዩቕን ዘሕፍርን  ሰላማዊ ሰልፊ ንኽሳተፍ አይመረጸን:: ካብቲ ዘገርም ድማ  ብንያምን ምናሴን  ከምቲ ኩሉ ለባም: ንሳቶም እውን ደቆም አብ ገዛ ኮፍ ከምዝብሉ እዮም ጌሮም:: ንሱ ጥራሕ አይኮነንን ንባዕሉ እቲ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክትመጹ አለኹም እንዳበለ አብ ረድዮ ዝጭደር ዝነበረ ምናሴ እንተኾነ እውን “መገሻ” አለኒ ኢሉ  ካብቲ ዘሕፍር ሰላማዊ ሰልፊ ክሃድም መሪጹ::

ራብዓይ ጸይቂ :

ፊት ንፊት ምስቲ ናይ ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ:  ካልእ አንጻር ህግደፍ ዝግበር ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ  ዝተዓዘቡ ኤሪትራውያን ሕጻናት ነቲ ዝተዓዘብዎን ዝበሃል ዝነበረ  ኹነታት ምስ ሰምዑ  ብምግራም እንታዎት እዮም እዝኦም እንዳበሉ  ንወለዶም ክሓቱ ምስ ጀመሩ  ብንያም ምስግና  ከይ ሓፈረ እዞም አንጻርና ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዘለዉ ኤሪትራውያን አይኮኑን  ብምባል ዜግንነት ናይ 250 ኤሪትራውያን ክኽሕድ ፈቲኑ::

ሓሙሻይ  ጸይቒ

ከምቲ  ኣብ አርባዓታት መራሕቲ  ማሕበር ሕብረት ዝገብርዎ ዝነበሩ ማለት   ነቶም ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝቃወሙ ዝነበሩ ኤሪትራውያን  ሰላም አይንበሎም: አብ ተስካሮም ከይንኸይድ …… ዝበሉሞ  ኮይኑ ግና  ብህዝቢ ተቀባልነት ስኢኑ ዝፈሸለ:   ሕጂ ውን ኣብ 2011- 2012 አብ ከተማ ጎተንበርግ ተመሳሳሊ ረሳሕ ታሪኽ ንምድጋሙ አብ ታሪኽ ኤሪትራ ንመበል ሳልሳይ ግዜ ብብንያም ምስግናን ብአለም ዘሞን አብ አኼባ ብአጀንዳ ቀሪቡ ::  ኾይኑ ግና  እቲ ኣኼበኛ  አብ ክልተ ተገሚዑ እቲ ዝበዝሕ ንሓሳባት ናይ ብንያምን  አለም ዘሞን ክነጸጎ ከሎ  ገለ ድማ ብንያም ምስግናን አለም ዘሞን ዘለውዎ አዝዮም ውሑዳት ዱኹማትን ጽዩቃትን ንምትግባሩ  ከይሓፈሩ ይቃለሱ አለዉ::  

 

ምናሴ  የስየፍ

ከም ሰብ ምናሴ  የስየፍ  አብ ረድዮ ህግደፍ ቀሪብካ ርእይቶ ምሃብን ሰላማዊ ሰልፍታት አብ ምድላዋት ዝዋሳእ ኮይኑ: ንባዕሉ ግና አብ ዝኾነ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሳተፍ አይኮነንን:: ካብቲ  ዘገርመንን ዘሕዝነንን  ግና  ብዛዕባ እቲ  ኣብ nov 2011 ተዳልዩ ዝነበረ ኣንጻር መድያ ሽወደን  ሰላማዊ ሰልፊ አመልኪቱ ምናሴ  የስየፍ ሓንቲ ምሕጽንቶ ንኹሎም ተቀማጦ ጎተንበርግ ሰው ከብል ምስሰማዕኽዎ ሃንደበት እቲ ጡንኩርን መርሪርን ዝሓለፈ ሰላሕታ ወራር ትዝ በለኒ:: ብሰንኪ ኣድካሚ ኹናት እታ መዓልቲ ዓርቢ ትንበር ቀዳም ትዝ አይትብለንን:: ግና  ሰዓት 9 ናይ ምሸት ምንባራ ትዝ ትብለኒ:: ዝበዝሕ ግዜ ሰዓት ትሽዓተ ኽከውን ከሎ  ድምጺ ኣመሪካ ናይ ኣምሓርኛ መደብ ንከታተለ እካ እንተነበርና  ሽዓ መዓልቲ ግና ኩነታት ኹናት ንምስማዕ ድምጺ ሓፋሽ ኢና ዝመረጽና::

ኣብታ ምሸት እቲኣ ድማ  ናይ ደርጊ መሳርሒን ናይ ፍርዲ ሚንስተር ዝነበረ አማኒኤል ዓምደሚኺል  ብሓለቕኡ ንኤሪትራ ተላኢኹ ድሕሪ ምምጻእ ናብቲ ከባቢ  ዝተወለደሉ ዓዲ ብምብጻሕን   ንህዝቢ ካርነሽም  ብምእካብን  ብኽብረት ዘይብሉ አገባብ  ትግርኛ ጌሩ ከምዚ ይብል:: 

” . . . . አብዮታዊ ሰራዊትና ንዓኩም  ክብል ለይትን መዓልትን ደኺመ ከይበለ ደሙ ይኸፍል አሎ:: . …… ስለዚ ንስኻትኩም ድማ   ወይ ምሳና ኹኑ ! ምሳና እንተዘይኮይንኩም ድማ ምስ አቶም ኢኹም  ” ክብል ድሕሪ ምግላጽ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብመደረ አማኒኤል ብምግራምን መልሲ ይኹን ርእይቶ ከይሃበ ነናብ ዓዱ ከምዝተመልስ አብ ድምጺ ሓፋሽ ምተገልጸ ንኹልና ሓበን ተሰሚዑና:: 
ኣማኒኤል ወይ ምስ ደርጊ ኹኑ ወይ ድማ ምስ ወንበዴ(ሻዕብያ) ኹኑ ማለቱ እዩ ኔሩ::

ሕጂ ድማ አብ 2011 ዓ.ም አብ ከተማ ጎተንበርግ ምናሴ የስየፍ ወዲ ሓፍቱ ነቲ ጹዩቕ አማኒኢል ዓምደሚካኤል  አብ ረድዮ ቀሪቡ  ከምዚ ክብል ብእዝነይ ሰሚዔ:: 

“አብዚ ተዳልዩ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ምሳና ሓቢርኩም እንድሕር ዘይተሳተፍኩም ; ምስ አቶም (ምስተቃወምቲ ) ኣለኹም ማለት እዩ”

ክብል ድሕሪ ምግላጽ ከም ግብረ መልሲ ድማ አብቲ  ህግደፍ ዘዳለዉዎ ሰላምዊ ሰልፊ ካብ ከተማ ጎተንበርግ ካብ 3000 ዝግመት ኤሪትራዊ 30 ስድራቤታት(ሰብአይን ሰበይቲ ምስ 3 ደቆም ሓዊስካ  150 ) ዝተኻፈሉ ኽኾኑ ከለዎ እቶም ዝተረፉ 150 ድማ ካብ ኩሉ ከባቢታት ከተማ ጎተንበርግ  ንኽዛወሩ ተወጢጦም ዝመጹ እዮም ኔሮም:: እቲ ዘረባን እቲ ዘጋጠመ ምስ ርአኽዎ ድማ ብጣዕሚ ኣተሓሳሲቡኒ:: ሕጅውን ኤሪትራዊ ተቀማጢ ከተማ ጎተንበርግ ብምፍርራሕ ምናሴ ከይሰንበደ እቲ 98%  ኣብ ገዝኡ ኮፍ ክብል ምምራጹ ዝያዳ ሓበን ኮይኑኒ::

አለም ዘሞ

አለም ዘሞ ድማ አብ ክፍሊ ፕሮፖጋንዳ ተዋፊሩ ዘሎ ኾይኑ እንተዘይተጋገኹ እቲ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዝብል ሓሳባት ብጥዑም መልሓስ ተጠቒምካ ንኤሪትራዊ ንምስሓብ እካ እንተነበረ አለም ዘሞ ግና አብ ረድዮ ቀሪቡ ብሽም ህግደፍ ተጠቒሙ ናቱ  ግላዊ ጽልእን ቅርሕንትን እዩ ክግዕር ዝውዕል::  ክዛረብ ከሎ ቑምነገር  ዝዛረብ ዘሎ እዩ ዝመስል ግና  እቲ ዝዛረቦን ዘሕልፎ መልእክታት  ጸርፊ ብጸርፊ ጥራሕ እዩ::  እንተዘይሓሰኹ አብ ናይ ቀዳም  መደቡ ልዕሊ 50 ግዜ “ከደምቲ” ልዕሊ 500 ግዜ ወያኔታት ልዕሊ 100 ግዜ ናይ ዘመና አንድነታት እንዳበለ እዩ ክልፍልፍ ዝውዕል::  ብዛዕባ አንድነት አለም ዘሞ ጥራሕ አይኮነን ዝልፍልፍ:: ኩሎም እቶም  ዮናስ ማና ዝመልመሎም ግብረ ጽዩቃት ዝጥቀሙላ ቃልን ከይሓፈሩ ንተቃወምቲ ትማሊ ኣቦታቶም ምስ  አንድነት ኮይኖም ዓዲ ሸይጦም ሕጂ ድማ ደቆም አሰር ናይ ወለዶም ተኸቲሎም  ንአንድነት ይቃለሱ አለዉ እዮም ዝብሉ::

አንድነት ክብሉ ከለዉ ማሕበር  ሕብረት ንምባል እዩ:: እቲ ዝሓሸ ቕድሚ ብዛዕባ ታሪኽ ምዝራብኩም ታሪኽ አንቡቡ ምባል ናይ ለባማት እካ እንተነበረ ታሪኽ ንምንባብ ግና ተኽእሎ  ይኹን አእምሮ ዘድልዮ  ስለዝኮነ አብ ክንዲ ታሪኽ ኣንቡቡ ምባል ናይቶም ተቃወምቲ ኣቦታት ምስ ማሕበር ሕብረት ካብ ነበሩ  አቦታትኹም ከ ምስ መን እዮም ኔሮም ኢልካ ምሕታት ይቀልል:: 

ዘገርም እዩ:: ዮናስ ማና ወዲ ሓዎም ንኹቡር አቦና ደጀዝማድ ተድላ ባይሩ እዩ::  አቡኡ ወላዲኡ አባል ማሕበር ሕብረት እዮም ኔሮም: : ክደግማ ኔሮም እየ ዝበልኩ::
ንአለም ዘሞን ንብንያም ምስግና አቦታቶም አባላት ማሕበር ሕብረት ሙኻኖምን  ስጋዕ ግዜ ናጽነት እውን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵትያ አብ ልዕሊ እቲ ናይ ጥሮታ አባሎም ብተወሳኺ ኣባላት ማሕበር ሕብረት ብምንባሮምን ንኢትዮጵያ ብምግልጋሎም  ካብቲ ዝግብ ኦም  ሕጋዊ ጥሮታ  ሓለፋ ህዝቦምን ብላዕሊ ወርሓዊ 11 ቅርሺ  ካብ ስርዓት ደርግ   ይወስዱ ኔሮም እዮም::   ስለዚ ናይ ስድራኻ ከይፈለጥካ ብዛዕባ ስድራ እንዳማትካ ምዝራብ እንታይ እዩ ትርጉሙ?

 ይቅጽል ………………………..

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6810

Posted by on Mar 29 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net