ደምዳሚ አዋጅ ሰሩዕ አኼባ ባይቶ መሪሕነት ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

ክፍሊ ዜና
ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
5ሚያዝያ 2012

መሪሕነት ባይቶ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ሱሩዕ አኼባኡ ብዕለት 5 ሚያዝያ ብዓወት ዛዚሙ እቲ ካብ ዕለት 1-5 ሚያዝያ 2012 ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸነሐ አኼባ አብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዝተዓሙን ዝተሰላሰሉን ስራሓት ብዑቱብ ሪኡን ተኻቲዑሉን ከምእ.ውን ህልዉ ኩነታት ሃገርናን አብ ከባቢና ዝተራእዩ ምዕባለታትን ተርእዮታን አልዒሉ ገምጊሙ፤ ከምእውን ንህልዉ ወታሃደራዊን ፖሎቲካዊን ማሕበራውን ውድብ አልዒሉ ተኻቲዑን ገምጊሙን፡፡
አብ ወታሃደራዊ መዳይ ብዝምልከት ባይቶ መሪሕነት አብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝፍጽሞም ዝነበረ ወታሃደራዊ ስርሒታት ሃብታም ተሞክሮ ስለዘኽሰቦ ሓድሽ ወታሀደራዊ ራኢ ክውጥንን ንኽሕንጽጽን ከምዘኽአሎ ባይቶ መሪሕነት ገምጊሙ፤ ነቲ ማህሚኑ ዘሎ ወታሃደራዊ ሓይሊ ስርዓት ዝገጥም ሓያልን ቡቑዕን ወታሃደራዊ ሓይሊ ተጠናኺሩ ዓቕምታቱ ምሕያል ከምዘድሊ ባይቶ አብዘካየዶ አኼባኡ ገምጊሙ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ወታሃደራዊ ሓይሊ አብ ምጥንኻር ከድህባ ባይቶ መሪሕነት አዘኻኺሩ፡፡

አብ መዳያት ቁጠባዊን ፖሎቲካዊን ህዝባዊን ማሕበራዊን መደያት አልዒሉ ባይቶ አብዞም መዳያት እዚአቶም ዝተዓሙ ብመጠኑ ዘበራትዑ ከምዝነበሩን ብዝያዳ ክድፋአሉ ጸዊዑ፡ አብ ህዝባዊ ጉዳያት ብዝምልከት ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ አብ ቁኑዕን ፍትሓዊን ሕቶ መሰል ርእስ ውሳኔኡ ጸኒዑ አብ መርገጺኡ ከምዘሎ ድሕሪ ምዕዛብ ነዚ ዘረጋገጽ ድማ ድልየታቱ ብመንገዲ ምቓም ማሕበራት መንእሰያትን ተማሃሮን ደቂ አንስትዮን ሰራሕተኛታትን ተጠርኒፉ አብ ጎኒ ፖሎቲካዊ መሪሕ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ደው ከምዝበለ ብወግዒ አብ ዝተፈላለያ ቦታታት ዓለም ኮይኑ የረጋግጽ ከምዘሎ መሪሕ ባይቶ ተዓዚቡ፡፡ በዚ አጋጣሚ›ዚ ድማ አብ ደገ ዝርከቡ ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንህልዉ ኩነታት ህዝቦም አብ ምልላይ ዘበርክትዎ ዘለዉ ግደ ንኢዱን ክቕጽልዎ ድማ ተላቢዩን፡፡ አብ ቁጠባዊ መደይ ብዝምልከት አብ ዝሓለፈ እዋን ዝተረአዩ መጠናዊ ቁጠባ ንምዕባይ ዝተገበሩ ጻዕርታትን ፋሕተርተርን ንኢዱን ብዝያዳ ክድፋአሉ ጸዊዑን፡፡ ህዝቢ ዓፋር ኢትዮጰያ ንሓዉ ዓፋር ኤርትራ ዓቕሙ ብዘፍቅድሉ መሰረት ዘርአዮ ምሕብሓብን ምድንጋጽን ልዑል ምስጋንኡ ገሊጹ፡፡

አብ ህልዉ ኩነታት ሃገር ብሓፈሻ አብ ህልዉ ኩነታት ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ አልዒሉ ድሕሪ ምዝታይ ስድራቤታት ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሕሱም ናብ ሕማቕ ኩነታት ይሰጋገራ ከምዘለዋን፤ ደንካልያ ናይ ሸፋቱ ጫካ ብምኻና ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ፡ እዚ ድማ ንህላወ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕር አብ ሓደጋ ከምዘውደቖን ንዓሰርተታት አሸሓት ህዝብና ንቐጻሊ ስደትን መከራን ይቓላዕ ከምዘሎ ድሕሪ ምዕዛብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ነዚ ሕሱም ናብራ›ዚ ገደብ ክገብር ጸዊዑ፡፡ ዕስራ ዓመት ምሕደራ ስርዓት ሻዕብያ አብ ፖሎቲካዊን ጸጥታዉን ማሕበራዊን ድማ ዘይምርግጋእ ፈጢሩ ህዝብና ትርጉም ሃገራዊነት ከህስሰ ተገዲዱ፡፡

አብ ደምበ ተቓዉሞ ኤርትራ ብዝምልከት ፡ መሪሕነት ባይቶ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ብድሕሪ ምውዳቕ ሰርዓት ሻዕብያ ዝመጽእ ስርዓተ ምሕደራ ብሕጂ ክሕሰበሉ አገዳሲ ምኻኑን አተንቢሁን መጻኢ ፖሎቲካዊ ምሕደራን ዓይነት ምሕደራን ብአግኡ ክሕሰበሉ ዝግባእ ጉዳይ ምኻኑ ድሕሪ ምርኣይ አብ መሰል ብሄራት ዝመተሞርከሰ ብሄራት ናይ ባዕላተን ዕድል ባዕላተን ናይ ምውሳን ዘውሕስ ሰርዓት አብ ኤርትራ ክትከል አገዳሲ ምኻኑ መሪሕነት ባይቶ ድሕሪ ምስፋር፡ እቲ ውድብ ዲሞክራስያዊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ከም አማራጽን ንልዑላዉነት ኤርትራ ከውሕስ ዝኽእል ኢዩ ዝብሎ አብ ብሄራዊን ጆግራፊካዊን ዝተመስረተ ፈደራላዊ ምሕደራ ከም እንኮ መፍትሒ አሉ ከምዝኣምን ባይቶ ገሊጹ፡፡ በዚ አጋጣሚ›ዚ ንመስራቲ ጉባኤ ምንቕስቓስ ብሄረ ብሌን ናይ ዮሃና ሓጎሱ ድሕሪ ምግላጽ ዓወታት ተመኒዩሉን አድማዒ ሓይሊ ንደምበ ተቓውሞ ከኸውን ዘለዎ ምንዮት ገሊጹ፡፡
ድሕሪ›ዚ እዞም ዝስዕቡ ውሳኔታትን ለባዋታትን ብምሕላፍ መሪሕነት ባይቶ አኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ፡-
1- ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ አበርቲዑ ክቓለስ ጸዊዑ፡
2- ግንባር ብሄራት ኤርትራ ክሕይለሉ ዝኽእል መንገድታት ክፍጠር ጸዊዑ፡
3- ዲሞክራስያዊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ አብ ዕማማቱ ብሙሉእ ዓቕሙ ክሕግዝ ምኻኑ ወሲኑ፡፡
4- ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንምሕያሉን ንምድንፍዑን ክሰርሕ ምኻኑ መሪሕነት ባይቶ አረጋጊጹ፡፡
5- ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ንሓፋሽ ኤርትራ ከለዓዕላ መሪሕነት ባይቶ ጸዊዑ፡፡

መሪሕነት ባይቶ
ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
5 ሚያዝያ 2012

Red Sea Afar Democratic Organization, Info.&Comm.Office
+251923705412(telephone)+251922177035 (telephone) +251912097006 (telephone), Email: rsado98@yahoo.com, Website: – www.dahlak.org

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6860

Posted by on Apr 7 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net