ሃገራዊ ዋዕላ ብግዜ ዶ ወይስ ብዕላማ !

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

27 ሚያዝያ 2010

ቀዳማይ ክፋል

1.ተደላይነት ዋዕላ

2.ኣገባብ ዋዕላ

3.ሕጋውነት ዋዕላ

ሃገራዊ ዋዕላ ብገደብ ግዜ ድዩስ ወይ ብዕላማ’ዩ ዝፍረድ፡ ገምጋምና ኣብ ግዜ ድዩስ ወይ ኣብ ትሕዝቶ ሃገራዊ ዋዕላን ኣገባብቱን ይኹን ሕጋውነቱ’ዩ ከዛርበና ዝግባእ፡ ንዝብል ኣብ ሰለተ ከፊለ ሓሳበይ ከስፍር እፈቱ። ቅድሚ ዕለት ምሕንጻጽ፡ ፖለቲካዊ ዕላማታት ሃገራዊ ዋዕላ ምሕንጻጽን ምቕማጥን ኣገዳስነት ኣለዎ። ህዝቢ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ መዕስ ይግበር ዘይኮነስ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ብምንታይ’ዩ ክዝቲ፡ ድሒሩ ኣብ ዝርዝር ኣትዩ ንመደባት ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ዝኽተሎ ኣገባባት እንታይ’ዩ ዝብሉ’ዮም ክመጹ። ትርጉም ሃገራዊ ዋዕላ፡ ብዙሕ ትንታነን ጽሑፍን ዘድልዮ ኣይኮነን። ሃገራዊ ዋዕላ ልዕሊ እቲ ከቐምጦ ዘለዎ ዕላማታት ሓድነት ህዝብን መሬት፡ ፖለቲካዊ ጉዳይት፡ ናይ ዝቐረቡን ዝረሓቑን መጻኢ ኣህጉራዊ ዝምድናታት መሰረት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ብላዕሊ ብቀሊሉ ንምርዳእ፡ ናይ ሓደ ህዝቢ፡ ኣብ ክሊ ሓደ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ዝግበር ዋዕላ’ዩ። ዝተፈላልዩ ወገናት ጉዳይ ኣልዒሎም ክዛተዩን ሃገራዊ ዋዕላ ክሰምይዎ ወይ ክጽውዕዎ፡ ግድነት ብኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ኣካላት ጥራሕ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ኣይኮነን። ይኹን’ምበር ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት’ውን ሃገራዊ ዋዕላ ውጽኢት ጽልዋታትን ነጸብራቓት ናይ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብምዃኑ ከኣ ገገለ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ኣለዎ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ዋዕላ ክገብሩን ከዳልዉን ይኽእሉ፡ ከም ዜጋታት ሓንቲ ሃገር’ውን ብዛዕባ ሃገሮም ዝዝቲ ዋዕላ ክኸውን ይኽእል፡ ግን እቲ ዋዕላ ከም ዋዕላ ብሃገር ስለ ዝተሰመየ ንኩሉ ዝውክል ዋዕላ ማለት ኣይኮነን። ብሓሊዮት ዜጋታት ዝካየድ ሃገራዊ ዋዕላ ኩሉ ግዜ ተለጣፊ ስም ናይ’ቲ ዋዕላ ኣለዎ።

ከም ኣብነት ክንወስድ እንተዀይና መንእሰያት ይኹኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝገብርዎ ብደረጃ ሃገር ንዘዳልዉዎ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ክሰምይዎ ይከኣል፡ እንተዀነ እቲ ስርሒት ናይ መንእሰያት ወይ ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊ ዋዕላ ተባሂሉ ድማ ተለጣፊ ስያመ እዩ ዝወሃቦ። በዚ መሰረት ከኣ ነቲ ዋዕላ ንስዓቦ ኣይንስዓቦ ናይ መን ዋዕላ ምዃኑ ንምልላዩን ወይ ንምፍላዩን ይከኣል።

በቲ ንሕና ከም ኤርትራውያን ነቃልሖ ሃገራዊ ዋዕላ እሞ ከኣ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ክንብል እነኮሎና ዳርጋ 99% ( ተስዓን ትሽዓተን ሚእታዊ) ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ዘብርሆ ብዙሕ ተምክሮታት ኣሎ። ብዝዀነ ይኹን ግን እቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንዜጋታት ሓንቲ ሃገር ኣመልኪቱ፡ ብሕብረ ብሄራዊ መበቆሎም፡ ብፖለቲካዊ ዕግበቶም፡ ብመንፈሳዊ እምነቶምን፡ ብጾታዊ ኣፈላላይ፡ ናይ’ቶም ነጻ እምነትን ፖለቲካዊ ዕግበት ኣተሃላልዋ ዝኣምኑ’ውን ዝወከለ፡ ዝጠርነፈ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ምስ ዝኸውን’ዩ እቲ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ብመንፈሱን ሃገራዊ ዋዕላ ክስመ ይኽእል። ግን እዚ ተግባራዊ ክሳብ ዘይኮነ ሙሉእ ብሙሉእ’ውን ሃገራዊ ዋዕላ ክጽዋዕ ከየጸገመ ኣይተርፍን።

ይኹን’ምበር ሓሳባት ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ገለ እዋን ከም ሓሳብ ተጠኒሱ፡ ክሰፍሕን ክዓብን ዘለዎ ስለ ዝዀነ፡ እቲ መስራቲ ኣዝዩ ግናይ እንየዘይኮይኑ፡ ከም’ቲ ኣብ መወዳእታ ውጽኢት ዋዕላ ብትሪ ክንቐፍ ዝኽእል ኣይኮነን። ንኣብነት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላልየ ኣጋጣሚታት፡ ናይ ካልእቶ ሓሳባትን ርእይቶን ከሓወሱ፡ ብናቶም ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ስእሊ ኣቕሪቦም’ዮም። እቲ ጉዳይ ስእሊ ሓሳብ ክሳብ ዝዀነ ብዙሕ ከዛርብ ኣይክእልን።

ሃገራዊ ዋዕላ ንምስንዳእ ይትረፍ ሃገራውያን መንእሰያት ወይ ሃገራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብጥርኑፍ መልክዑ ከም ኣብነት ተጠቒሱ ዘሎስ፡ ወልቀ ሰባት’ውን ከም ሃገራውያን፡ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ማሕፈድኦም ሒዞም ክኸዱን ብኡ ክዛረቡን ተራእዮም’ዮም። እቲ ዘገድስ ግን ናይ’ቲ ከም ዜጋታት ዝተጠቕምሉ ስያመ ዘይኮነስ፡ ሙሉ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ተግባራዊ ትርጉም ሃገራዊ ዋዕላ እዩ። እዚ ማለት እቲ ጽንሰ ሓሳብ ሃገራዊ ዋዕላ ንሓገዝ፡ ንመረዳድኢ ድዩ ዝቐርብስ፡ ወይስ ናይ’ቶም ፈላጣት’ና በሃልቲ ከም መምርሕን ሕጊ ናይ ዋዕላ እዩ ዝቐርብ ንምቕባሉ ፍልልያት ኣለዎ።

ሃገራዊ ዋዕላ ሰፊሕ፡ ከቢድ ዕማማት ክኻየደሉ ስለ ዘለዎ፡ ነቲ ልክዕ ትርጉም ከም ፖለቲካዊ ዕላማ ገቢርካ ክትሰርሕ እንተጀመርካ፡ ነቶም ኣብ ክሊ እቲ ሓቐኛ ሃገራዊ ዋዕላ ክጋብኡ ዘይደልዩ ወገናት፡ ኣካላት ኣዝዩ ዘሰምብድ’ዩ። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ከም’ቲ ኣብ ዝቕጽል ኣርእስቲ ዝጠቕሶ ዝተሓላለኸን፡ ደቂቕ ጸብጻባት ዘድልዮ ስርሓት ስለ ዝዀነ ነቲ ሃገራዊ ዋዕላ ብሃንደፍደፍን ሃታሃታ ክኸድዎ ዝደልዩ ብዙሓት ስለ ዝዀኑ ክዕንቕፍዎን፡ ከዳናጉይዎን ይረኣዩ።

እቲ ንሃገራዊ ዋዕላ ምዕንቃፍ ማለት ግደነት ኣይኮነን እቲ ኣብ ናይ ግዜ ገደብ ዝረአ ዘይምርድዳእ ከም ኣውራ ጉድለት ክረአ። ኣብ’ቲ ናይ ግዜ ገደብ ተወንዚፉ ዘሎ ጉዳይ’ምበር። ኣብ’ቲ ናይ ግዜ ገደብ ክርከብ ዝኽእል ምስጢራት ወይ ኮድ ናይ ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ ብንጹር ክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ። እቶም ምስጢራት ወይ ኮዳት ከኣ፡ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎም ናይ ሙሉእነት እቲ ሃገር ዘንጸባርቕ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ማሕበራዊ ዕላማ ዘለዎ ዋዕላ ናይ ምክያድ ዝሓቖፈ ክኸውን ከም ዝግብኦ ምዃኑ’ዩ። በዚ ከኣ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ድዩስ ወይ ትሕዝቶ ሃገራዊ ጉባኤ ወሳኒ ተራ ክህልዎ ዝኽእል ክፍረድ ይከኣል። እቶም ነቲ ስያመን ብገደብ ግዜ ኣመሳሚሶም ዋዕላ ክግበር ጥራሕ ዘገድሶም ምናልባሽ ኣብ ናይ ግዜ ገደብ ኣትሪሮም ክዝረቡ ብምርኣይ፡ ነቲ ትሕዝቶ ብዓብዩ፡ ብካልኣይ ከኣ ኣብ’ቲ ናይ ግዜ ገደብ ናይ ምሕጻሩን ምንውሑን ንምእንቲ ሃገራዊ ዋዕላ ክፍጸሙ ዘለዎም ጉዳያት ንምፍታሹ ዓገቲ ነገራት ምቕራብ ጥራሕ ይሰርሑን ይጽዕሩን። ነቲ ጉዳይ ቀሪቡ ዝርእዮ ግን ምስ’ቲ ዕማም ሃገራዊ ዋዕላ ብግንዛብ ክወስዶ ዘለዎ ግዜ እንታይነት ሃገራዊ ዋዕላን ትርጉምን ብብሩህ ከቕምጦ ይኽእል።

ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ከም’ዚ ናይ ሕጂ ደኣ ኣይኮነን’ምበር ብግዜ ገደብ ዝዛረቡን፡ ነቲ ትሕዝቶን ትርጉም ሃገራዊ ዋዕላ ከኣ ንምብራዝን ንምጥፋእን ክንደይ ውልቀ ሰባትን ወድባትን ጽዒሮም’ዮም። ግን እቲ ጉዳይ ክሳለጥ ኣይከኣለን። ሎሚ’ውን ቃንኡን መንፈሱን ከይተቐየረ ዝዝረብ ጉዳይ ታሪኻዊ ሃገራዊ ዋዕላ ሃገር ኤርትራ ኣገዳስነቱን ኣብ ገደብ ናይ ግዜ’ምበር ምስጢሩ ወይ ኮድ ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን። ግን ብኣንጻሩ ናይ’ቲ ልዑል ቅዱስ ሃገራዊ ዋዕላ ሚስጢር ካልእ ብገደብ ግዜ ዝተጎልበበ ህዝቢ ክፈልጦ ዝግባእ ምስጢር ሒዙ ከም ዘሎ ክፍልጠ ዘለዎ ኮይኑ ይስማዓኒ።

ስለምንታይ ገደብ ግዜ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ብምቕማጥ ልዕሊ ትሕዝቶ ሃገራዊ ዋዕላ ኣገዳስነት ተዋሂብዎ፡ እቲ ሕቶ ከም ሕቶ፡ ንሓምለ ወይ ነሓሰ ኣይኮነን ዘባእስ፡ እንተተኻኢሉ ንምንታይ ዋላ ጽባሕ መሬት ውግሕ’ላ ዘይኸውን። እቲ ምስጢሩ ግን ንሱ ኣይኮነን። ሃገራዊ ዋዕላ ዕላማታቱ ኣነጺሩ፡ እቲ ከማልኦ ዘለዎ ቀንዲ ረቛሒታት ብሰነድ ተታሒዙ፡ ብግሉጽ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ፡ ብሙሉእ ይኹን ብከፊል ሕጋውነቱ ኣልቢሱ ምስ ዝወጽእ ጥራሕ’ዩ። እሞ እዚ ጉዳይ ካብ’ቲ ማራቶን ጉያ ናይ ዋዕላ ምክያድ ዝተሳለጠ እንታይ’ዩ ክመስል ዝኽእል። እቲ ናይ ሎሚ ሃገራዊ ዋዕላ ዝመስሎ፡ ትሕዝቶኡ ብዘየገድስ ናይ ዝሰዓበ ይስዓበና፡ ተጸዋርነት ዘይብሉን፡ ክሰምዕን ክመሃርን ዘይደሊ ሓምለ እንተዘይኮኑ እንዳበለ ብናይ ግዜ ገደብ ክዛረብ ምህላዉ’ዩ።

1. ተደላይነት ሃገራዊ ዋዕላ

ተደላይነት ሃገራዊ ዋዕላ ብቀሊል ዝረኣ ኣይኮነን፡ ንሃገራውያን ዝሓቑፍ ሓደ ሃገራዊ ትሕዝቶ ክህልዎ ዝኽእል ሰነድ ዝውንን’ዩ። ግን ነቲ ሃገራዊ ዋዕላ ዘስሚ ትሕዝቶ ከኣ ክህልዎ ይግባእ። ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዝተፈላልዩ ሃገራውያን ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ፡ ንሕብረ ብሄራዊ፡ ፖለቲካዊ ዝምባል፡ ጾታ፡ መንፈሳዊ እምነት ክሳብ ዝሓቖፈ ናይ’ቲ ዘልዕሎ ኣርእስቲ ለጢፉ ሃገራዊ ዋዕላ ከስምዮ ይኽእል እዩ። ነቲ ንሃገራዊ ሕቶ ዘንቐለ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ ኣብ መንጎ ዜጋታት ክህሉ ዘለዎ ሓቢርካ ንጸገማት፡ ሕማማት፡ ድንቁርና ንምጥፋእ ናይ ዝካየድ ቃልሲ፡ መሰል ሰብኣዊ ክብሪ ናይ ምሕላው፡ ልዕላውነት ሕግን ስርዓትን ናይ ምንጋስ፡ ብሰላም ናይ ምንባር፡ መሰረታውያን ናይ ዝዀኑ ሕቶታት ንምምላስ፡ ንመጻኢ መደባት ብኽመይ ክሕንጸጹ ናይ ምህንዳስ ቦታ’ዩ። ሃገራዊ ዋዕላ ቅድሚ መደብ ሕንጻጽ ሃገር ምስኣሉ፡ ንባዕሉ ሃገራዊ ዋዕላ ብኸመይ ኣገባብ ክካየድ’ዩ ክምርመርን ክጽናዕን ዘለዎ’ዩ።

ሃገራዊ ዋዕላ፡ ብምርምርን መጽናዕን፡ ብሓገዝ ሓፈሻዊ ሞያውያን፡ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ንምርካብ ዝካየድ ጎስጓሳት፡ ዘትከለ እንተዀይኑ፡ እቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንሓደ ህዝብን ንሓንቲ ሃገርን ሰላም ኣብ ምርግጋጽ፡ ፖለቲካዊ ርግኣትን ቁጠባዊ ዕብየትን ንምውሓስ ከብርክቶ ዝኽእል ቀሊል ኣይኮነን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=687

Posted by on Apr 28 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net