ሃገራዊ ዋዕላ ብግዜ ዶ ወይስ ብዕላማ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

28 ሚያዝያ 2010

ካልኣይ ክፋል

እቶም ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2010 እንተዘይተኻይዱ እንዳበሉ ዝፍክሩ፡ ክሳብ’ዚ ሕጂ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ንዘቕርብዎ ትሕዝቶ መግለጺታቶም፡ ዘይምርድዳእ ኣብ ግዜ ዝተደረተ፡ ናይ ግዜ ሕቶ ከኣ ከም ዓብይ ኣጀንዳ ኣስፊሮም ፍልልይ ከም ዘሎ’ዮም ዝዛረቡ።

ብግርህነት ነዚ ናይ ግዜ ፍልልይ ቁንጭል ኣቢሉ ክርዳእ ዝፍትን ከኣ፡ ኣንታ እዞም ተቓወምቲ ሓይልታት እንታይ ወሪዱዎም፡ እዚ ኩሉ ብሓባር ጸኒሖምስ ኣብ ግዜ ምትግባር ዋዕላ ይከራኸሩ ብምባል፡ ነቲ ዓብይ ቁምን ነገር ዋዕላ ዕሽሽ ክብል ይግብሮ’ሞ፡ እቲ ነቐፌታ ናብ ዘይመኣዝኑ፡ እቲ ኣረዳድኣ ናብ ዘይመኣዝኑ፡ ይኸይድ። እቲ ሃገራዊ ዋዕላ’ውን ብኡ መሰረት ናብ ዘይመኣዝኑ ከም ዝኸይድ ምርዳእ የድሊ።

ወዮ ሓደ ሓደስ ነቲ ንዕርቂ ሃገራዊ ዋዕላ ዘበገሶ ክርክራትን ዘተ ኣብ መርበብ ሓበሬታ፡ እታ ሓምለ ዶ ታሕሳስ ትብል ናይ ክትዕ ወረቐቶም ትርጉም ዘይብላን ዘይተካይድ ምዃና ምስ ተረድኡ፡ ኣብ ከቢድን ተሃዋስን፡ ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሰባት ዘየድሊ ጸለመን ጸርፍን፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ኣትዮም ክቋማጥዑ ተራእዮም። ዘሕዝን’ዩ፡ ካብ’ቶም ኣገባብን ስርዒትን ሕጋውነት ዘይግድሶም፡ ብፈኸራ ሃገራዊ ዋዕላ ክብሉ ቲፎዞ ሓምለ ምዃኖም’ዩ።

ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ጌጋታትካ ትተኣራረም፡ ዘረባ ከይምጠጥ ሓሳብካ ኣጣሚርካ፡ እንተኺኢልካ ድማ እቶም ናይ ሓባር ዕላማ ዘለዎም ብሓባር ተጠርኒፍካ፡ ናይ ስኒትን ሓድነት መንፈስ ኣስሪጽካ፡ ዝጎደለ ከይርከብ ኣጻፊፍካ፡ ሃቲትካ፡ እዩ ነቲ መንፈስ ሃገራዊ ዋዕላ ከዕብይን ከስፍሕን፡ ኣብ መወዳእታ ከዕውት ዝኽእል።

ኪዳን ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ኣመልኪቱ ኣብ ኣኼባታቱ ብወግዒ ዝተዛረበሉ ከም ፖለቲካዊ ውሳኔ ዘሕለፎ ኣብ’ቲ ካብ ዕለት 5-11 ግንቦት 2008 ዝተኻየደ ሓድነታዊ ጉባኤ ኪዳን ነይሩ። ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ከኣ ኣብ ካብ 4-8 ሓምለ 2009 ወርክ ሾፕ ሃገራዊ ዋዕላ ተኻይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ መሪጹ፡ ድሕሪ’ዚ ክሳብ 19 ታሕሳስ 2009 ዝዀነ ይኹን ኣኼባ ኣይተገብረን። እቲ ዝቐርብ ምኽንያታት ብዙሕ ስለ ዝዀነ ምትንታኑ ኣይድልን፡ ግን ከም ሓበሬታ ኣባል መሪሕነት ኤ.ዲ.ኪ ብዕለት 13 ሚያዝያ 2010 ኣብ ዘስፈሮ ተመክሮ ኤ.ዲ.ኪ ብዝርዝር ተሓቢሩ ስለ ዘሎ ንዕኡ ምንባብ ስርሓትን ዕማማትን ሃገራዊ ዋዕላ ማዕረ ክንደይ ተሰላሲሉ ገገለ መረዳእታ ክርከብ ይከኣል። ኣብ’ዚ ዝተመጠጠ ግዜ ከኣ ክስራሕ ዝነበሮ ጉዳያት ስለ ዘየተሰርሐ፡ ግዜ ምስ ዓረበ ናይ ሃቦ ተረከቦ ኣገባቡ ዘይሓለወ ዋዕላ ክግበር ተደልዩ።

2. ኣገባብ ዋዕላ

ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ ዝተኸተሎ መስርሕ ብሓፈሻ በዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኩነታት’ዩ። ሃገራዊ ዋዕላ ንምትግባር ኣብ’ቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ናይ ግንቦት 2008 ዘጽደቆ ፖለቲካዊ ውሳኔ ጥራሕ’ዩ ከም ጭብጢ ክተሓዝ ዝኽእል ብድሕሪኡ እቲ ስራሕ ከድምዕ ከም ዘይክእል ብዙሕ ተደላይነት ዘይብሉ፡ ንዋዕላ ዝምልከትን ዘይምልክትን ጉዳይ ክጽዕን ተደልዩ።

ምስ’ቲ ንሃገራዊ ዋዕላ ዘልዕለ ጭርሖ ኤ.ዲ.ኪ፡ ናይ ጸለመ ፕርፓጋንዳታት፡ ገለ ዓመታት ኣቐድም ኣቢሉ ክዝርጋሕ ጀመረ፡ ብልክዕ ከኣ ካብ ሓምለ 2006 ኣቢሉ ዝጀመረ’ዩ። እቲ ጉዳይ ከኣ ንሓድነት ተቃወምቲ ሓይልታት ዘቐራርብ፡ ንኤ.ዲ.ኪ ሓይሊ ዝድርዕን ዘጎልብትን፡ ንህዝቢ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዘበሰረ ብሙሉእ ዕግበት ኣብ ጉባኤ ዝጸደቐ ውሳኔ ምስረታ ስልፊ’ዩ።

ሎሚ እቲ ኣንጻር ሃገራዊ ዋዕላ ከም ታርጌት ተቐሚጡ ዘሎ ሓይልታት፡ ውድባቱ ኣፍሪሱ፡ ኣብ ሓድሽ ኣተሃላልዋን፡ ንስኒትን ሓድነትን ዝዕድም መድረኽ ምስ በጽሐ፡ ካልእ ጸለመ ክዋፈር ጀመረ። ናይ ሰላም ሓይልታት፡ ናይ ጽገና ሓይልታት፡ ጃንዳ ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ናይ ከበሳዊ ትምክሕቲ፡ ናይክርቲያን ምትእኽኻብ ወ.ዘ.ተ እንዳተባህለ ገደብ ዘይብሉ፡ ጭብጢ ዘይብሉ ክስታት ክዘንብ ጀመረ። ንእግረ መንገደይ’ውን ብዛዕባ ዋዕላ ሰላም ብሩስለስ እንተዘከርክዎ፡ ናይ’ቲ ዋጋ ክብርን ዘይብሉ፡ ናይ በለካ ለኽዓካ ጸለመታት ዝገደፎ ምፍንታት ናቱ ሳዕበን ኣለዎ።

ውድባት ንምእንቲ ሓድነት ዕርቅን፡ ታሪኽ ንታሪኽ ገዲፉ ነቲ ንኽንደይ ዓመታት ዝተቃለሰሉ ውድባት፡ ስርርዓቱ ኣፍሪሱ፡ ብሓድሽ መንፈስ ኣብ ዝተበገሰሉ፡ እዚ ውድባት ጽባሕ ና ህ.ግ.ዲ.ፍ ክስልም’ዩ ተባሂሉ እንዳተዘርበ፡ ኣብ ፈስቲቫላት ከይተረፈ ክስታት እንዳቐረበ መሪሕነት ኪዳን ኣብ ስልጣኑ ተዀዲጩ ክስምዕ ደኣ’ምበር ነቲ ዝበሃል ዝነበረ ሓንቲ ኣማራጺ ፍታሕ ከናድየሉ ኣይፈተነን። ሕሉፍ ሓሊፍዎስ ከም’ቲ ናይ ብጻይ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝበሎስ፡ እቲ ዝበሃልን ዝጸሓፍን ዘሎ ንኩልና ሃሳይ ስለ ዝዀነ ጠጠው ክብል ንዝቐረበ መተሓሳሰቢ መልሲ ከይተዋህበሉ ሓሊፉ። ኣቦ መንበር’ውን ብግዲኡ ናይ’ዚ ጸለምን ክስታትን ክዕገት ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ሰማዒ ኣይረኽበን። እቲ ዝቀረበ ናይ መተሓሳሰቢ ጽሑፋት ብሰነድ ዝተተሓዘ’ኳ እንተዀነ ከም ጥራዓን ዘይኮነስ ከም መተሓሳሰቢ ተባሂሉ ምቕራቡ፡ ነቲ ጉዳይ ንጎነጽ ከምርሕ ብዘይብሉ ምቕራቡ ድማ ብሓቂ ናይ ለባማት ነበረ። እንተዀነ መሪሕነት ኪዳን ብዙሕ ስለ ዘይገደሶ ነዚ ተሃዋሲ ከይወገነ፡ ከበሮ ሃገራዊ ዋዕላ ክወቕዕን፡ ነጋሪት ከስምዕ ጀመረ።

ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ካብ’ቲ ቀንዲ ዘገድሳ ጉዳያት፡ ትርግታ ሃገራዊ ዋዕላ ሓይልታታ ከመይ ኣሎ ክፈልጥ ገዛ ገዛ፡ ወይ ድማ ቤት ጽሕፈታት ኮለል ምባል ኣየድልዮን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝበሃልን ዝጸሓፍን ምንባብን ምስማዕን ዓብይ መሳርሒ’ዩ ነይሩ፡ ንዓኣቶም ግን ኣገዳስነት ኣይነበሮን። ሓድነታዊ ኮንፈረስን ሰ.ዲ.ህ.ኤ ሓደ ካብ’ቲ ኣገዳስን እዋናዊ ሕቶታት ዝመለሰ ብምንባሩ፡ ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ዝሰደደቶም ሉኡኻ ብኣካል ተረኺቦም ተምክሮ ክስንዱ ኣይተራእዩን። ብኣንጻሩ ነቲ ዘየተባህለን ዘይተገብረን ሕሹዅሽዃት መሪጾም፡ ነቲ ጉዳይ በቲ ዝጀመርዎ፡ የማን የለ ጸጋም የለ፡ ምኽካር የለ ገለ የለ፡ በቲ ዘለዎ ክኸዱ መረጹ።

ህዝቢ ድዩ ንዋዕላ ክኣቱስ፡ ወይስ ሽማግለ ዋዕላ እዩ ንዋዕላ ክኣቱ ? ከም ዘሎኒ ተረድኦ፡ ዕግበት ሽማግለ ዋዕላ፡ ብዘይነግፈረግ እቲ ናታቶም ኣተሓሳስባ ጥራሕ’ዩ ንሃገራዊ ዋዕላ ዘተግብርን ዘዕውትን።

ሽማግለ ዋዕላ ንዝተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ ኣይተጠቕመሉን፡ ናይ ኣባላት ሓይልታት ኪዳን ኩነታት ከገናዝብ ኣይከኣለን፡ ንሲቪካውያን ማሕበራት፡ ንናይ ዜና ማዕከናት ኣብ ሽዑ በጺሑ ስኢንወን። በዚ ኣገባብ ከኣ ሓደ ዘይርትዓውን ዘይምዕሩይን ኣሰታትፋ ተመሪጹ።

ኣብ’ዚ ከባቢ ዝነብረሉ ብዝሓት ብውልቀይ ካብ ዘዛረብክዎም ሰባት፡ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ዝፈልጥዎ ከም ዘይልቦ’ዩ። ዋላ’ውን እቶም ተወዲቦም ዝነጥፉ፡ ብዘይካ ሓምለ ትብል ቃል ካልእ ኣፍልጦ ከም ዘብሎም ዝገልጹ’ዮም። ተደላይነት እንተሃሊዎ ከኣ ዝርዝር ኣስማቶም ክቀርብ ይኽእል’ዩ። እዚ ዘስምብድ ቁጽሪ ኣብ’ዚ ዝነብረሉ ከባቢ ካብ ሃለወ፡ ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም ፋሕ ኢሉ ዘሎ ግዱስ ሃገራዊ ዜጋ ቁጽሩ ከም ዝተዓጻጸፍ ዝተረጋገጸ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ካብ’ቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ኪዳን ዝኸይድ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣገባብ ወጻኢ ውሑድ ዘይኮነ ህዝቢ ኣካል ሃገራዊ ዋዕላ በዅሩ’ዩ።

መሪሕንት ኪዳን፡ እቶም ቲፎዞ ሓምለን’ውን ዘይ ሳላ ዋዕላ ሰላም ብሩስለስ ተበራቢሮም’ምበር፡ ከም ዘለታ ንሓምለ ተዳልያ ህዝቢ ከም’ዚ ሕጂ ኣጸቢቑ ከይፈለጠ ትሕመቕ ትጸብቕ ምታኸየደት። ሕጂ ግን ህዝቢ ዝፈልጦ ፈሊጡ ኣሎ።

ሀ/ ህዝቢ ኤርትራ ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብግቡ ንምርዳእ ኣብ ልዳት በጺሑ ኣሎ፡ ጽባሕ ከኣ ኣብ’ቲ ማእከል ኣዳራሽ ክኣቱ’ዩ።

ለ/ ብዘይካ መሪሕነት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ካልእ ብኑጽር ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኢሉ ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ሰልፊ ወይ ውድብ ዝሃቦ መግለጺ የልቦን።

ሐ/ ገገለ ሲቪል ማሕበራት ኣብ’ቲ ሃገራዊ ዋዕላ ክጥቀመሉ ዝግባእ ግሉጽን ዝዀነ ኣገባብ፡ ሓሳቦም ገሊጾም ኣለዉ።

መ/ ኣብ ሱታፌ ሃገራዊ ዋዕላ መሰሉ ዝተንፍገ ኣካል መርበብ ሓበሬታን ማዕከን ዜናን ኤርትራ ባዕሉ ተበጊሱ፡ ሓሳቡን ርእይትኡን ክህብ ጀሚሩ’ዩ።

እዚ እኩብ ድምር ናይ’ቲ ኣብ ሓይልታት ተቃውሞ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኣባላት ኤ.ዲ.ኪ ብፍላይ ፡ ኣብ ምንጎ ህዝብን ኪዳንን፡ እተን መቃልስቲ ጎኒ ኪዳን ኮይነን ዝጸንሓ መርበብ ሓበሬታን ማዕከናት ዜናን ዝተራእየ ምትፍናን፡ ኩሉ ጉድለት ኣገባብ ብቀዳምነት መሪሕነት ኪዳን፡ ብካልኣይ ከኣ የማን ጸጋም እንዳበለት ዘይተቓልብ ሽማግለ ዋዕላ’ዩ።

ሽማግለ ዋዕላ ብኸመይ ቆይማ፡ እንታይ ኣገባብ ትኽተል ምህላዋ፡ ቅድሚ ከም ሽማግለ ናብ ህዝቢ ምውራዳ፡ ነፍሳ ክትፍጥሽን፡ ከተመዓርርን ይግባእ ነይሩ። ኪዳን በቲ ዝተሓተ ነጥበ ስምምዕ ተጠርኒፉ ይኸይድ ምህላው፡ እቲ ክስርሕ ዝግብኦ ኣዝዩ ሰፊሕን ዓብይን ምዃኑ ጥራሕ’ዩ ዝሕብር። ካብ’ዚ ዝዓቢ ንጹር መብርህን መረዳእታን ከኣ ክቀርብ ኣይክእልን’ዩ።

ሃገራዊ ዋዕላ ክግበር እንተዀይኑ፡ ከኣ ብፍላይ እታ ሽማግለ ዋዕላ፡ ነቲ ተሳሒቱ ዝበሃል ዘሎ ኣገባብ ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ግምት ክትእቱ ዶ ኣይግብኣን ? ይግባእ’ምበር። ምኽንያቱ ህላውነታና ብድሕሪ ዋዕላ ዝውዳእን ዘብቕን ስለ ዘይኮነ፡ ነቲ ቀጻሊ መስርሕ ዘለዎ ጉዳይ ብስኒት፡ ብሓድነት ክድምደም ናብ ዘለዎ መኣዝን ክመርሕዎ ይግባእ።

ይቕጽል…………….

Short URL: https://english.farajat.net/?p=700

Posted by on May 6 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net