ሃገራዊ ዋዕላ ብግዜ ዶ ወይስ ብዕላማ ! ሳልሳይ መወዳእታን ክፋል

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

28 ሚያዝያ 2010

ሳልሳይ መወዳእታን ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይን ካልእይን ክፋል ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣመልኪተ፡ ዕላማታት ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣገባቡን ብሓፈሻ ኣብ ገለ ውሑዳት ገጻት ኣስፊረ ሓሳባተይ ገሊጸ ነይረ። ዕላማታትን፡  ሃገራዊ ዋዕላ ክኽተሎ ዘለዎ ኣገባብ ኣብ ሰለስተ ክፋል መቒልካን፡ ብክልተ ሰለስተ ገጻት ገሊጽካ ዝወዳእ ከም ዘይኮነ እኣምን። ይኹን’ምበር ነቲ ተተመኒዑ፡ ተተመንጢሉ ንኽግበር ዝህቐን ይኹን ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንምህዳእን፡ ንምርግጋእን ሓደ ሸነኽ፡ ካብ’ቶም ኣዳለውቲ ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ዘቕረብዎ ሓሳባት ከኣ በቲ ካልእ ሽነኽ ፍልይ ዝበለ ርዲኢት ስለ ዘሎ፡ ማእከላይን መተዓረቒ መንገዲ ንምምዕርራይን፡ መሰል ናይ’ቲ ናይ ሓምለ ሃገራዊ ዋዕላ ዘይደገፈ ርእይቶ ንምቕላሕን እዩ።

እቲ ብማንም ዘይግሃስ መሰል ክብሪ ደቂ ሰባት፡ ተሳትፎ ዜጋታት፡ ሓድነት፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ’ቲ ዕላማታት ሃገራዊ ዋዕላ ብግቡእ ተነጺሩ ክቕመጥ ዘለዎ’ዩ። እዚ ከኣ እቲ ንሃገራዊ ዋዕላ ኣመልኪቱ ዝዛረብ ከልዕሎ ዝግባእ ኣውራ ጉዳይ ክኸውን ዘለዎ እዩ። ኤ.ዲ.ኪ ዕላማ ሃገራዊ ሓድነት ከቕዕብ እንተደኣ ዀይኑ ብቀዳምነት ፍልልያት ንምጽባብ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ሓያል ጻዕሪ ከካይድ ኣለዎ። መሪሕነት ብዘይሓንጸጾ ቕኑዕ ዕላማን ስትራተጂን፡ ዘይስርዖ መደብ፡ ብምህንዳድ ዝግበሮ ሃገራዊ ዋዕላ  ሓድነት ኣረጋጊጹ ማለት ኣይኮነን። ፍልልይት ምጽባብ ምቅርራባት፡ ኣብ ቅድመ ሃገራዊ ዋዕላ ክካየዱ ዘለዎምን ዝግብኦምን ዕማማት ክነሶም፡ ከም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝፍታሕ መደብ ስራሕ እንተተወሲዱ ገና እቲ ጸገማት ተወንዚፉ ምዃዱ ዘይተርፎ’ዩ። እቲ ጸገም ከም’ዚ ዝስዕብ’ዩ ክኸውን፡ ቀድማይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውዱእ መደብ ስርሓት ኣትዩ ስምማዓትን፡ ቅዋማትን ክንዲ ዝዛረብ፡ ገና ንጸገማቱ “ሀ” ኢሉ ከጻፍፍ ክጅምር እንተደኣ ኮይኑ ዝወስዶ ግዜ ኣዝዩ ነዊሕ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልኣይ ሸነኽ ከኣ፡ ግዜ ምስ ነውሐ ኣብ ህጽጹ ውሳኔታት ይበጽሕ’ሞ፡ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ዘይሓይሽ ስምምዕ ኣጽዲቁ ክወጽእ ይኽእል። ስለምንታይ ከምኡ ክኸውን ይኽእል ዝብል ሕቶ ወይ ሓሳብ እንተቐረበ፡ መልሱ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ኣገባብ ምስንዳእ ዘበገሶ ጠንቒ ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤናቱ ከኣ ድሮ ሃገራዊ ዋዕላ ሙሉእነት ዘየረጋገጸ፡ ገና እቲ ዘረባ ኣብ ሓደ ዓንኬል ይኸይድ ምህላዉ ዘመስክሮ ሓቒ’ዩ።

ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹኑ ኣብ ስደት ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩሉ መዳያዊ ሃለዋት፡ ናይ ድሕነቶም፡ ናይ ሓድነቶም ዕላማታት ስለ ዘይተረጋገጸን ዘይተፈጸመን ስለ ዝዀነ’ዩ። ኤ.ዲ.ኪ ካብ’ቲ ናይ 2007ን 2008 ስምምዓት( ቻርተር) ናብ ዝሓየለ ስምምዓት ይሰጋገር ከም ምህላዉ መጠን፡ ብማዕረ ማዕሪኡ፡ ብዝወሓደ ኣብ ዕላማታቱ ኣነጺሩ፡ ኣገባባቱ ኣነጺሩ፡ ኩሉ መዳያት ሕጋውነቱ ኣነጺሩ፡ ኣድቂቑ ክምርምርን ከጽንዕን ኣብ ትግባረ ክሰግርን ይግባእ። ኣብ’ዚ ሸነኽ እዚ ሎሚ መሪሕነት ኪዳን ነቲ ገደብ ንግዜ ከም ዕላማ ኣቐሚጡ እንተዘይተዛረበሉ ይሓይሽ።

ሃገራዊ ዋዕላ ክግበርን ከይግበርን ብናይ ግዜ ገደብ ዘይኮነ፡ መሰናድኦ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዝካየድ ስርሓት፡ መርግርጻት፡ ኣገባብ፡ ተሳትፎ፡ ዝረአ ዕግበት ኣብ ዘሎ ቆራጽ ውሳንነት’ዩ። ዕግበት ኣብ ዘየተረጋገጸሉ፡ ብዛዕባ ስጡም ኣሰራርሓ፡ሓድነት፡ ድሕነት እንዳበልካ ክትዛረብ ዘኽእል ኣይኮነን። ከምኡ እንተደኣ ኮይኑ ባዶ መብጽዓ ጥራሕ እዩ ክኸውን ይኽእል።

ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ውጥን፡ መደብን ውሳኔታትን፡ ፖለቲካዊ ዕላማ ክህሉ ኣለዎ። ዕላማ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ውጥንን መደብን ውሳኔታት ትርጉም ከም ዘይብሉ ርዱእ’ዩ። ዕላማ ዘይብሉ ከኣ ኩሉ ግዜ ፈራስን ኣፍራስን’ዩ።

መደምደምታ ዕላማታት ሃገራዊ ዋዕላ

ሃገራዊ ዋዕላ ክንብል ኮለና፡ ዓሙቕ ትርጉም ሰፊሕ ትሕዝቶ ዘለዎ ኢዩ። ነቲ ዋዕላ ንምክያድ ድማ ብዙሓት መሰረታውያን ሕቶታት ብክውንነት መልሲ የድልዮ። ኣብ ኣተሓሕዛ ኣካይዳ ሃገራዊ ዋዕላ መጽናዕትን ጥንቓቐን የድልዮ። ልዕሊ ኩሉ መሰል ተሳታፍነት ኩሉ ዜጋ ምኽባር፡ ጥሙር ሓድነት ኩሉ ኤርትራዊ ምርግጋጽ ገለ ካብቶም ወስንቲ መትከላት ኢዮም። ዕጥቂ ሃገራዊ ዋዕላ ድማ ግሉጽነት፡ ሓድሕዳዊ እምነት፡ ምክብባር፡ ተጻዋርነት፡ ደሞክራሲያውን ሕጋውን ኣገባብ ኣፈታትሓ ጉዳያት የድልዮ። ገለ ካብ መሰራታውያን ዕላማታት ዋዕላ ክጠቕስ ካብ ዘለዎም እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ –

1-    ሃገራዊ ዋዕላ ከም ሽሙ፡ ንኩሎም ደቒ ሃገር ጠርኒፉ፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ምርግጋጽ ኢዩ።

  • ኣብ ትሕቲ ኪዳን ዝተጠርነፋን ዘይተጠርነፋን ውድባት፡ ማዕረ መሰል ተስታፍነት ዘረጋግጽ ኣገባብን ሓደ ካብ መሰረታዊ መትከላት ስለዝኾነ፡ ነዚ ዘረጋግጽ ጥጡሕ ባይታ ምንጻፍ የድሊ።
  • ኣብ ትሕቲ ሰብኣውን ሲቪካውን ማሕበራት ዝተጠርነፋን ዘይተጠርነፋን ማሕበራት፡ ማዕረ መሰል ተሳታፍነት ከም መትከል ምርግጋጽ ስለዘድሊ፡ ጥጡሕ ባይታ ቃልሲ ምንጻፍ የድሊ።
  • ዝተፈላለያ ማሕበራት፡ ብፍላይ ፍርቒ ኣካል ሕብረተሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንድርብ ጭቖና መሰለን ንምርግጋጽ ስለ ዘመስከራ፡ ሕጂ`ውን ኣብ ምህናጽ ሃገራዊ ሓድነት ዝለዓለ ተራ ክጻወታ መትከላዊ ስለዝኾነ፡ ኣብ ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራት ዝተጠርነፋን ዘይተጠርናፋን መሰል ተሳታፍነተን  ዘረጋግጽ ግደን እጃሞም ዘበርክታሉ ዕድል ክወሃበን የድሊ።
  • መንእሰያት ኣፍረይቲ ተረከብቲ ሕድርን ስለዝኾኑ፡ ኣብ ውድባት በርገሳያን ማሕበራት ዝተጠርነፉን ዘይተተርነፉን፡ ወይ ከም ማሕበር መንእሰይ ቖይሞም ዘለዉ ብኣጠቓላሊ፡ ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ መሰል ተሳታፍነቶም ዘረጋግጽ ባይታ ምጥጣሕ የድሊ።
  • ምሁራት ሞያውያን ማሕበራት፡ ወይ ምሁራት ውልቐሰባት፡ ዘለዎም ብቕዓት ሞያዊ ፍልጠት ኣብ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዊ ሓድነት ዓቢ እጃም ስለዘለዎም፡ ብብዝጥዕሞም ኣገባብ ፍልጠቶም ተሞክሮኦም ከበርክቱ መሰል ተሳታፍነቶም ክረጋገጽ ስለዘለኦዎ፡ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር የድሊ።
  • ጋዜጠኛታት፡ መርበብ ሓበሬታት ማዕከናት ሬድዮ፡ ፓልቶክ ወዘተ፡ ብማሕበር ዝተጠርነፉን ዘይተጠርነፉን፡ ኣንጻር ስርዓት ኢሰያስን ህግደፍን ኣብ ምቕላዕ ዝነጥፉ፡ ንህዝቢ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ክጻወትዎ ዝጸንሑ ዓቢ ግደ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ምርግጋጽ፡ መሰል ፕረስ ኣብ ሃገርና መሰረት ምንጻፍ ስለዝድለዮ፡ መሰል ተሳታፍነቶም ምርግጋጽ የድሊ። ሓሓሊፉ ብውሑድ ዓቐን ዝርአ ሕድሕዳዊ ወቐሳ ተወጊዱ፡ ምእንቲ ሓደ ዕላማ ንናይ ሓባር ረብሓ፡ ናጽነቶም ሓልዮም ኣብ ነንሕድሕዶም ዝተወሃህደ ብሽርክነት ዝስርሓሉ ኣገባብ ምፍጣር ዝያዳ ኣድማዕነት ስለዘለዎ፡ ነዚ ዘረጋግጽ ቕድመ ኩነት ባይታ ምፍጣር የድሊ።
  • ዓበይቲ ዓዲ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ፡ ዘለዎም ናይ ዕድመ ጸጋ፡ ውህሉል ተሞክሮ፡ ባህላዊ ስነምግባራዊ ባህርያቶም ወሲኽካ፡ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ምርግጋጽ ዓቢ ግደ ስለዘለዎም፡ መሰል ተሳታፍነቶም ብክብሪ ምርግጋጽ ግቡእ ስለዝኾነ፡ ጥጡሕ ባይታ ምጽራግ የድሊ።
  • ብኣጠቓላሊ፡ ማዕረ መሰል ኩለን ብሄራት፡ ማዕረ መሰል ኩለን ሃይማኖታት፡ ማዕረ መሰል ኩለን ፖለቲካውን በርገሳውን ውድባት፡ ማዕረ መሰል ዝተፈላላለየ ሞያውን ማሕበራዊ ጉጅለ ሕብረተሰብን፡ ብድምር ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ማዕረ መሰል ተሳታፍነት ዝረጋገጸሉ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ርእይቶኡ ሓሳባቱ ዘስፍሓሉ፡ ክእለቱ ሞይኡ ተሞክሮኡ ዘማዕብለሉ፡ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ምርግጋጽ ብግሉጽነት፡ ደሞክራሲያውን ሕጋውን ኣገባት ሃገራዊ ዋዕላ ዕግበቱ እምነቱ ዘሓይለሉ ቕድመ ኩነት ንሃገራዊ ዋዕላ ዘድሊ ምቹእ ባይታ ምድላው ክህልዎ ይግባእ።
  • ሃገራዊ ዋዕላ  ዕድመ ስልጣን ስርዓት ኢሰያስ ንምሕጻር፡ ዘሎ ኣህጉራዊ ኩነታት ንረብሓና ምቕያር ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ሃጓፍ ከይፍጠር፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ብናይ ግዜ ገደብ፡ ሕጋዊ ኣገባቡ፡ ናብ ህዝባውን ቐዋምን ደምክራሲያዊ መንግስቲ ንምቕያር ክማልኡ ዘለዎም ቅድመ ኩነታት፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ወይ ዓውድታት ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ፡ ሞያዊ ብቕዓት ነዊሕ ጻዕሪን ግዜን ስለዘድልዮ፡ ናብዚ ካልኣይ መድረኽ ንምስግጋር ዝጸንዔ እስትራተጂ ዘጠቓለለ ክኸውን ይግብኦ።

ነዞም ዝተጠቕሱን ዘይተጠቕሱን ዕላማ ይኹን መትከላት ብመጽናዕቲ ሓሊፉ ደረጃ ብደረጃ ዝትግበር ስለዝኾነ፡ ቕድሚ ሃገራዊ ዋዕላ ብተብተብ ምክያድ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ብልዝብን ህድኣትን ሓሲብካ፡ ንሃገራዊ ዋዕላ ዘድሊ ቕድመ ኩነት ባይታ ኣንጺፍካ፡ ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብዘየገድስ፡ መሰል ተሳታፍነቱ ከም ሕጋዊ መሰሉ ምርግጋጽ እዋናዊ ጠለብ እዩ። ብከመይ ይሳተፍ ድማ ተክኒካዊ ጉዳይ ድኣ`ምበር ኣጸጋሚ ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ናይ ግሉጽነት፡ ደሞክራሲያውን ሕጋውን ኣገባብ ምህላውን ዘምህላውን ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ ናይ ገለ መሰል ክከብር ናይ ገለ መሰል ክግሃስ፡ መን ኣብ ልዕሊ መን`ዩ መሰል ክዕድል ንገለ ከትርፍ። እዚከ ደሞክራሲያዊ ሕጋዊ ኣገባብ ዲዩ? ሃገራውን ታሪኻውን ተሓታትነት ኣየስዕብን ዲዩ። መንፈስ ሃገራውያንን ሃገራውነት ብኣሉታ ኣይጸሉን ዲዩ፡ ከም ደቂ ሃንቲ ሃገር ናይ ሓባር ዕላማ፡ ናይ ሓባር ሃገራዊ ረብሓ እንተ ኣቐዲምና፡ ብዘተ ብምርድዳእ፡ ማዕረ መሰል ሓሳባትን ውሳኔን ብምክብባር ክፍታሕ ዘይድለየሉ ምክንያት ኣሎ ዲዩ። ብሰንኪ ዘይቕኑዕ ኣገባብ ሓድነትና ናብ ካልእ ዘየድሊ መኣዝን ከምርሕ፡ ኣዝዩ ጥንቓቐ ዘድልዮ ተነቓፊ ፖለቲካዊ ሕቶ ምኻኑ ተዘንጊዑ ዲዩ። ብዙሓት ሕቶታት ዘልዕል ኢዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ብዕምቖት ከይኣተኹ፡ ዝኾነ ጉባኤ ኮንፈረንስ ይኹን ሃገራዊ ዋዕላ፡ ዋዕላ ከም ተኣምራታዊ ነገር ብሃንደበት ሓዲሽ ፍሉይ ምዕባሌ ይፍጥር ማለት ኣይኮነን። ዋዕላ መሰጋግሪ ናይ ዝሓለፉ ውጽኢት መስርሕ ቃልሲ ኢዩ። ዋዕላ ኣቕዲሞም ክካየዱ ዝጸንሑ መደባት፡ ዝተፈላለየ ጉዳያት፡ ጉዳይ ሃገራዊ ሕድነት ህዝቢ ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዝግምግም ኢዩ። ኣብ ዝሓለፉ መስርሕ ቓልሲ ሃገራዊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘለና ተሞክሮ ኩላትና ንፈልጦ ኢዩ። ንብ ናይ ኪዳን ጽላል ንምብጻሕ ዝተኻየድ ቃልስን ዝወሰዶ ግዜን ዝሓተቶ ጻዕርን መን ዘይፈልጦ። ብዙሓት ጉባኤታት ተኻይዱ ነናቱ ኣዎንታን ኣሉታን ነይሩዎ። ሕጂ  ሃገራዊ ዋዕላ ስለዝተሰየመ ካብ ሕጋዊ ሸነኽ ናይ ሃገራዊ ሓድነት ህዝብን መሬትን ወጻኢ ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ዋዕላ ዕውት ኮይኑ ክወጽእ፡ ግሉጽነት፡ ማዕረ መሰል ምርግጋጽ፡ ናይ ሓደ መሰል ምግፋሕ ናይ ካልእ መሰል ምግሃስ እንተለዎ፡ ደሞክራሲያውን ሕጋውን ሸነኹ ስለዝመዝን፡ ዋዕላ ስለዝተገብረ መሰረታዊ ፍታሕ የምጽእ ማለት ኣይኮነን።

ብሓጺር ኣዘራርብ፡ ዋዕላ ኣዝዩ ሰፊሕ ትርጉም ዓሙቕ ትሕዝቶ ስለዘለዎ፡ ኪዳን መስርሕ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎ ከይገምገመ፡ ኣዎንታዊ ውጽኢት ዓቂቡ፡ ኣሉታዊ ሸነኹ ኣለልዩ፡ ደሞክራሲያውን ሕጋውን ፍታሕ ከይገበረ ናብ ዋዕላ ምስጋር ንምንታይ ኣድለየ። እዚ ሓደ ካብቲ ጌና ዘይተመለሰ መሰረታዊ ሕቶ ስለዝኾነ፡ ነዚ ኣወንዚፍካ ወይ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ከምዝፍታሕ ገርካ ምቕራብ ዘይሓላፍነታዊ ይገብሮ። ልዕሊ ኩሉ ካብ ሓቒ ዝወጸ ናይ ፖለቲካ መርስሕ ኢዩ።

ሕጋዊ ሸነኽ ሃገራዊ ዋዕላ እንታይ ኢዩ

ብመሰረት ቻርተር ኪዳን ሃገራዊ ዋዕላ ምክያድ ከም መትከል ኩሉ ዝሰማምዓሉ ኩሉ ዝምነዮ ኢዩ። ኣብ ቕጥዒ ኣቓውማ ኣወሃሃዲት ኮሚቴ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ደሞክራሲያውን ሕጋውን ስልጣን ኮሚቴ፡ ኣገባብ መስርሕ ኮሚቴ ወዘተ ዝብሉ ኣብዚ መሰረታውያን ሕቶታት ክምለሹ ኣለዎም። ተሓታትነቱ ድማ ክንጽር ኣለዎ።

ዕላማ ዘቐመጠ ፖለቲካዊ ውጥን፡ ኩሉ ግዜ ነቲ ዘቐመጦ ዕላማ ኣብ ሸቶን ንምብጻሕ፡ እቲ ዝከኣል ዘበለ ኩሉ ንስራሕ ዘሳልጥ፡ ንሓይሊ ሓሳብን ስራሕ ዘወሃህድ፡ ፍረን ኣውንታዊ ውጽኢት ዝርከበሉ ብልሓት’ዩ ዘናዲ። እቲ ብልሓት ኩሉ ግዜ ቅሩብ’ዃ እንተዘይኮነ፡ በቲ ምሳና ዘሎ ጸገምን ሽግራትን ተመሪሕና መፍትሒ ክንረኽበሉ ዝሕግዘና ሞዴል ፈጢርና ከም ንቕጽል ይሕግዘና። ኣብ ዕላማታት ምንጻር እንተተዓዊትና’ውን፡ ንፖለቲካዊ ጸገማትና ዕላማ ጥራሕ ንበይኑ ስለ ዘይኣክል፡ ነቲ ነቐምጦ ዕላማ ንምዕዋት፡ ብኸመይ ኣገባብ ንኸዶን ንበጽሖን፡ ሕጋውነቱ ድማ ይረጋገጽ ዝብል’ዩ። ምእንቲ’ዚ ካብ’ቲ ሃገራዊ ዋዕላ ብሰፊሕ ኣዕጋቢ ኮይኑ ክርከብን ንኽዕወት ዘልዓልክዎ ናይ መወዳእታ ክፋል ሕጋውነት ዝብል ክኸውን’ዩ።

3. ሕጋውነት ሃገራዊ ዋዕላ

ሀ/ ሕጋውነት ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ

ለ/ ሕጋዊ መሰል ህዝቢ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ

ሀ/ ሕጋውነት ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንጹርን ብሩህን’ዩ። ሕጋውነት ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ’ቲ ኩሉ ውድባት ብሓበራ ዝበጽሖን ስምምዓትን ዘሕለፎን ዝተጭበጠ ፖለቲካዊ ውሳኔ ዝብገስ’ዩ። ከም ናይ ቃልሲ መስርሕን፡ ካብ’ቲ መሰረታዊ ጠለብ ሰብኣዊ መስለን፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝካየድ ቃልሲ ኣብ ስምምዕ ዝተጸነበረ ሕጋዊ’ዩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ሕጋውነት ከኣ ብመሰረቱ ንመሰሉ ክቃለስ ብእውጅ ዝተላዕለ ሓይልታት በብዘለዎ ሕጋዊ ኮይኑ፡ ኣብ ኤ.ዲ.ኪ ዝተጠርነፈ ሓይልታት ከኣ ኣብ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ ኣብ ክሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓላፍነቱ ወሲዱ፡ ነቲ ዘካይዶ ቃልሲ ከዕውት ሕጋውነት ኣልቢስዎ። እዚ ሕጋውነት ናይ ኤ.ዲ.ኪ ብኣውራ ኣብ ሓይልታት ኣባላት ኪዳን መቃልስቶም ተሓጋገዝቶም፡ ነቲ ከም ና ኪዳን ናይ ሓባር ኣረኣያ ዘለዎ ወገን ተቐባልነት ዘረጋገጸን ድምር እዩ። ግን ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ጥህጢ ስልጣን ኪዳን ጥራሕ ተወሲኑ ዝተርፍ ዝየኮነ መሰል ኩሉ ኤርትራዊ ዝሕሉ ሰፊሕ ተሳትፎ ዝረጋገጸሉ ማለት’ዩ።

ኤ.ዲ.ኪ ብዝወሓደ ነቲ ኣብ ቻርተር ዝተሰማማዓሉ ዕላማታት እንተደኣ ተቐቢሉን ኣተግቢሩን፡ ነቲ ህልዉ ጸጋማት ንምፍታሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክኒኡ ተሳጊሩ ክረአ ዝኽእል ወይ ክጋሃድ ዝኽእል ጸገማት ፍታሕ ረኺቡ ክህሉ ይኽእል ዘብል እምነት የሕድር። እዚ ጽሑፍ’ውን ካብ’ቲ በቲ ትሑት ናይ ዕላማታት ስምምዕ ዝተረኽበ፡ ናይ ሓባር ቃልሲ ስለምንታይ ክሰፍሕን፡ ክዓብን፡ ክምዕብልን ዘይክእል፡ ናብ ዝብል ሕጋዊ ሸነኻቱ ዘትኰረ እዩ።

ሕጋዊ ስልጣን ኤ.ዲ.ኪ

–                                    ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ትሕቲ ጽላላ ንዘለዉ ውድባት ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ትንግባርኡን፡ ንቕጥዒ ኣመራርጽን ሽማግለ፡ ኩለን ውድባት ሓሳባትን ውሳንኤን ከንብራ ይግባእ ነይሩ፡ ኪዳን ነዚ ኣገባብ መስርሕ ስሒቱ፡ ንመሰል ናይ ካልኦት ውድባይ ዘምኽባሩ ዘይሕጋዊ ይገብሮ።

–                                    ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዘለዋ ውድባት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዘይተጠርነፋን ዘይተወደባን ፖለቲካውያንን ሲቭካውያን ማሕበራት፡ ናይ ሞያ ማሕበራት፡ ምሁራትን ውልቀ-ሰባትን ብኣጠቓላሊ ንኩሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍ ንቕጥዕን ኣመራርጻ ሽማግለን ድምጹን ውሳኔኡን ዘቐምጠሉ ኣገባብ ክውስድ ዘይምኽኣሉ ዘይሕጋዊ ይገብሮ።

–                                    ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ ናይ መጽናዕትን መርማሪት ሽማግለ ዋዕላ ሰጊሩ ንድፊ ዘይብላ ናብ ዕላዊት ሽማግለ ዋዕላ ምስግጋሩ ዘይሕጋዊ ይገብሮ።

–                                    ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ’ዚ መዳይ እቲ ካብ ህዝቢ ክቀርብ ዝነበሮ ሓሳባት፡ ኣብ ክንዲ በታ ናይ መጽናዕት መርመራን ሽማግለ ዝሓልፍ፡ ብቀጥታ በታ ናብ ጉባኤ ተሰጋግር ሽማግለ፡ መድረኽ ክትዕን ዘተን ተወኒኑ ክኸይድ ምግባር ተወሳኺ ዘይሕጋዊ ይገብሮ። ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ዋዕላ ግዚያዊትን ቆዋሚት ሽማግለ ክሳብ ሕጂ ኣይተራእየን፡ እታ ሓንቲ ከም ባሕቲ ንፈልጣ እዛ ዘላ ሽማግለ’ያ ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ከተሰጋግር ተኣዊጁ ዘሎ’ዩ። እቲ ብመደብ ኤ.ዲ.ኪ ተሰሪዑ ዘሎ’ውን ሓጺር ስለ ዝዀነ ናብ ካልእ ዘገላብጥ ግዜ ዘይብሉ ምዃኑ ከም ዓቢ መረዳእታ ክቀርብ ይኽእል።

–                                    ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንዝተዋህቦ ሕጋዊ ስልጣን ኣባላቱ፡ ብፍላይ ናይ’ቶም ኣብ ኣገባብ ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ ፍሉይ ሓሳባት ዘቕረቡ ሓይላታት ጢሒሱ ይኸይድ ምህላዉ ዘይሕጋዊ ይገብሮ።

–                                    ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ብኣጠቓላሊ ነቲ ዝተዋህቦ ስልጣን፡ ብፍላይ ጉዳይ ሓድነት ህዝቢ፡ ዝጠሓሶ ኣገባብ ስለ ዘሎ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ከይዱ ከይዱ ዘይሕጋዊ ይገብሮ።

ለ/ ሕጋዊ መሰል ህዝቢ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝብል ኣርእስቲ ድግማ ከይኸውን ኣብ መደምደምታ ዕላማታት ሃገራዊ ኣብ ጥግቶ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ተመለከት።

መደምደምታ ሕጋዊ መዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብኽመይ ይረኤ፡

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ብመሰረት ቻርተሩ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ምክያድ ብመትከል ኩሉ ዝሰማማዓሉ እዩ። ኣብ’ዚ ዝለዓሉ መሰረታውያን ሕቶታት ኣለዉ፡ ሕጋዊ ስLኣታን፡ ሕጋዊ መዳይ ኣቓውማ ሽማግለ፡ ቕጥዕን ኣሰራርሓን ሽማግለ፡ ሕጋዊ መሰል ተሳታፍነት ህዝቢ ንዝምልከትን ካልእን’ዩ።

ኪዳን ሃገራዊ ዋዕላ ንምክያድ ከም መደብ እንተወሲድዎ፡ በቲ ክህልዎ ዝኽእል ናይ ስራሕ ኣገባብ መደባዊ ኣኼባ ባይቶ ይኹን ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸዊዑ፡ ሰፊሕ ዝተተን ክትዕን ተኻይድሉ ኣብ’ቲ ኣኬባ ንዝሓልፍ ውሳኔ ንምትግባር ሕጋዊ ስልጣኑ’ዩ። ኪዳን ክኽተሎ ዘለዎ ሕጋዊ መስርሕ’ዚ ስለ ዝዀነ፡ ኩሉ ካብ’ዚ ኣገባብ መስርሕ ውጻኢ ዝኸነ ትግባረ ዘይሕጋዊ ይግበሮ።

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ጉዳይ ሃገራዊ ሓድነት ብግቡእ ገምጊሙ በዚሕዎ ዘሎ ደረጃ ወይ ጸገማቱ ኣለልዩ፡ ንኣፈታትሓ ሽግራት ብውሕሉል ዲሞክራሲያዊ ዘተ ተኸቲሉ ሕጋዊ ኣኼባ ንኩለን ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዘለዋ ውድባት ወከልቲ ዝርከብሉ ኣብ ውሳኔ ዘይበጽሐ፡ ብመስረት ቻርተር ዘይሕጋዊ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ንህጋአራዊ ዋዕላ ዕቃበታት ዘመዝገበ ሓይሊ፡ ይኹን ካልእ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘሎ ኣካል ህዝቢ፡ መርበብ ሓበሬታ፡ ማኸናት ዜናን ፈነወ ቲቪን፡ ኣብ’ቲ ዕላዊ መጋባእያ ሽማገል ሃገራዊ ዋዕላ ዘይኮነስ፡ ብመልእክትን፡ ሓበሬታን ዝተፋነወን ዝተሰናበትን ምዃኑ’ዩ፡ ዘረጋግጾ ኪዳን ዝዀነ ይኹን ካብ’ቲ ክሳብ ሕጂ ክገብሮ ዝጸንሐ ግጉይ ኣገባብ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ክገብር ክእለትን ዓቕምን ወኒኑ ክሰርሓሉ ዘይምኽኣሉ’ዩ።

ኣብ’ዚ ብፍሉ ክለዓል ዝኽእል ነጥቢ ኣሎ፡ ኪዳን ጎስዮ ዝኸይድ ዘሎ ሕቶታት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ካብ’ቲ ጉዳያት፡ ናይ’ቲ ኣብ ትሕቲ ኪዳን ናይ ዘሎ ሓይልታት እዩ። ኣብ’ቲ ሕጂ ኪዳን ጠርኒፍዎ ዝኸይድ ዘሎ ሓይልታት፡ ብሓደ ሸነኽ ሓይልታት ዝለዓል ሕቶ ዝምልከት’ውን’ዩ። ጽባሕ ኣብ ኤርትራ በዚ ግቡእ ፈውሲ ዘይረኽበን ዘየተረኽበሉን ምድላዋት ሃገራዊ ዋዕላ እንተቐሪጺሉ፡ ናይ’ቲ ብመንጸር ፍሉይ ዝለዓል ሕቶታት፡ ብኸምይ ክፍወስ ይኽእል ዝፈልጦ የልቦን። ምእንቲ’ዚ ኣብ ዘይንፈልጦ ጉዕዞን ደልሃመትም ከይነምርሕ፡ ሎሚ ሃገራዊ ዋዕላ ንዝእረም ኣሪሙ፡ በቲ ቅኑዕ መስርሕ ሓሊፉ፡ ድሕነት፡ ሓድነት ህዝቢ ዘውሕስ ክኸውን ይግባእ።

ሃገራው ዋዕላ ንድሕነት ሓድነት ተባህሉ ብናይ ሃቦ ተረከቦ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ናብ ካልእ ተሃዋሲ መድረኽ ከይድህብን ዓብይ ጥንቃቐ ዘድልዮ’ዩ። ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንኣባላቱ መሰልን ዘይኽብር፡ ናይ ዘይኣባላት መሰል ዘየኽብር፡ ናይ ስቪካውያን ማሕበራት፡ ሞያውያን ማሕበራት፡ ህዝባውያን ማሕበራት ብግቡእ ዝየኽብር፡ ብግዜ ሕጽረት ዝጣራዕ ዋዕላ ካልእ ጸግማት ዘለዎ’ዩ። ሃገራዊ ዋዕላ በዚ ሕዚዎ ዘሎ መስርሕ ኣብ ክንዲ ዘድምዕ ዘፍርስ፡ ኣብ ክንዲ ሓድነት ዝብትን፡ ኣብ ክንዲ ሓይሊ ዝድልብ ቃልሲ ዘዳኽም፡ ዘይዲሞክራሲያዊ፡ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ምዃኑ ብንጹር ክግለጽ ይግባእ። ሃገራዊ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ድማ ዘካትዕ ኣይኮነን።

ፍትሕን ሕግን ይንገስ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=702

Posted by on May 6 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net