መግለጺ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብኣጋጣሚ መበል 21 ዓመት ናጽነት ኤርትራ

ሎሚ 24 ግንቦት 2012 ንመበል 21 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከነብዕላ እንከሎና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ህዝብና ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነት ዘካየድዎ ጅግነንታዊ ቃልስታት እንዝክረላን ምልካውነት ብደረጃ ክህልዎ ዝኽእል ብድሆታት እንገጥመላን ዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ እነሐይለላን ናይ ሓርነት መብጽዓና እንደገና እነሐድሰላን ክብርቲ መዓልቲ እያ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ከይተንበርከኸ ምእንቲ ሓርነቱ ነዊሕን መሪርን ቃልስታት ብምክያድ ዝኸፈሎ ከቢድ ጅግንነታዊ መስዋእቲ እንደገና ከም ብሓድሽ ኣብ ትሕቲ እከይ ጨፍጫፍን ኣብ ግብረ-ሽበራዊ ስርሓት ዝዋፈርን ኣብ ውሽጣውን ግዳማውን ፖሊሲታቱ ኣብ ክንዲ ሰላም ኲናት ዝጽሕትርን ብምልካዊ ስርዓት ክጭፍጨፍን ክውጻዕን ኣይጽበን ኔይሩ። ውጽኢቱ ድማ፡ ሰላምን ፍትሕን ደሞክራስን ምዕባሌን ሸቶታቱ ተኾሊፉ፡ ሓራ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ክኽውን ኣይኸኣለን። ብኣንጻሩ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ነጻን ልዕላዊትን ዝኾነት ሃገር ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ጨቆንቲ ገዛእቲ ደቂ ሃገር ክትቁረንን ክትወድቕን ብምዃና፡ ንዝተፈላለየ ከቢድ ሓደጋታት ተሳጢሓ ትርከብ።

ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ካብ መስርሕ ሓርነታዊ ብረታዊ ተጋድሎኡ ኣብ ናጻ ኤርትራ ብሳላምን ደሞክራስን ዝነብረላ፡ ሃብቲ ሃገርን ሰልጣንን ብምዕሩይ መንገዲ ዝመቃረሓላ፣ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ዝነገሰላ፣ ክትኸውን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብታት ዓለምን ኣብ ማዕርነትን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ኣብ ውሸጣዊ ጉዳያት ኢድ ዘይምትእትታውን ኣብ ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራን ተሓጋጊዝካ ንምጉዓዝ‘ዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ውሸጢ’ዚ 21 ዓመታት’ዚ ህዝብና ዝተበገሰሉ ቅዱስ ዕላማታትን ልዑል ትጽቢታትን መኺኑ’ዩ ተሪፉ፡፡ ጻሕታሪ ኲናት ስርዓት ህግደፍ ብግስ ከይበለን ኣብ ቀጻልን ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ብዙር ሓደ ድሕሪ ሓደ እናደጋገመን ኲናት እናባረዐ ንግብረ-ሽበራዊ ስርሓት እናዕጠቐን እናዋፈረን ንህዝብና ዘቦናን ንሓደጋ ኣሳጢሕዎ ይርከብ፡፡ ሎሚ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ በሰንኪ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተነጺሉ ኣብ ወተሃደራውን ስለያውን ትካላት ተንጠልጢሉን ብውሽጢ ብጉቦን ብልሽውናን ጠስጢሱ በብግዜኡ ንነሕድሕዱ እናተበላላዐ ንውደቀት ዝተሳጠሐ ስርዓት’ዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ብዛዕባ ሕማምን ሞትን ርእሲ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ብዝምሃዞ ናይ ሓሶት ወሬታት፡ እቲ ስርዓት ኣብ ክሊ ሓደ ውልቀ መላኺ ዝተሓጽረ ብሞዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ብክሉ ኣካውናኡ በዘይካ ውሑዳት ተጠቐምቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ስርዓት’ዚ ዘለዎ ጽልኣት ኣረጋግጹ።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ መሓውራት ጭፍጨፋ ብምቋም ንሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ብምግሃሱ ህዝብና ኣደዳ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ወጽዓን ቁጠባዊ ምዝመዛን ኣድልዎን ባርነታዊ ወፍርታትን ገደብ ዘይብሉ ኣስገዳዲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ተሳጢሑ ይረከብ። ውጽኢቱ ከኣ፡ ብዘሻቕል መንገዲ መንእሰያት ብብዝሒ ንስደት ከውሕዙ ዘገድድ ውድዕነት ተጋሂዱ ኣሎ። በተወሳኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣኳዋውና ህዝቢ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ግርጭታት ብምፍጣር፡ ኣብ ኤርትራ ዘላቒ ጸጥታን ሰላምን ከይሰፍን ንምግባር ብቀጻሊ ዝጽዕር ዘሎ ስርዓት’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታቱ ንምፍታሕ ማዕረትን ክንድትን ጸረ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ተጋድሎ ዝወሰደሉ ዕድመ ተቓሊሱ ከብቅዕ እንከሎ ብሰንኪ’ቲ ካብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነት ሰፊኑ ዝነበረ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ውድድራትን ክዕወተሉ ኣይኸኣለን። እዚ ዘይምቅብባልን ሕድሕድ ኣፍልጦ ዘይምሃብን ክሳብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን ዝቐጸለ ኮይኑ ድሕሪ ነዊሕን ጽኑዕን ብህዝቢ ኤርትራን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ዝተገበረ ጽዑቕ ጻዕርታት ብ1999 ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ቀጺሉ ከኣ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከም ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ንብዙሓት ፖሎቲካዊ ሓይልታት ንምጥርናፍ ከረጋግጽ ከኣለ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንምጥርናፍ ኣብ ምዕዋት ገድላዊ መድረኻት ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤን ካብኡ ዝወጸ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምስራት ልሉይ ተራኡ ኣረጋጊጹ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንዝተረጋገጹ ዲሞክራሲያዊ መኽሰባት ንምዕቃብን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ቃልሲ ንምሕያልን ንዕማማት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ህዝባውን ዜናውን ዲፕሎማሳውን መዳያት ንምዕዋትን ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ብመሰረት ኣብ ጠቕላላ ጉባኤኡ 2011 (ቅዋም ዓንቀጽ (11) ንኡስ ዓንቀጽ (4)፡ ርእይቶ ማእከላይ መሪሕነት ብዛዕባ መጻኢ ኩነታት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምርኩስ ብምግባር፡ እዋናዊ ዕማም ኤዲኪ ነጺሩን፡ ኣብ ቅርጻ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን መደባቱን ምምሕያሽ ገይሩን።

ሎሚ 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ከነብዕል እንከሎና ህዝብና ንሓርነታዊ ዕላማታቱ ክብል ኣብ ፈቐዶ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ብጅግንነት ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ብምኽፋል ዝተማለአ ዓወት ከውሕስ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ሓሳር መከራ ወዲቑ ዘብዕላ ዘሎ ይኹን ደኣ እምበር ጀጋኑ ተቓለስቲ ደቁ ሕጂ’ውን ሕድሪ ስውኣት ተሓንጊጦም ፍትሓዊ ዲሞክራሲያዊ ሕቶኡ ንምምላስ ከየተሓለሉ ዘካይድዎ ዘለው ደሞክራሲያዊ ተጋድሎ ዘተባብዕ ውድዕነት’ዩ። መላእ መንእሰይን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ካብቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝነዓዓብ ዘሎ ሰውራታት ብዙሕ ትምህርቲ ክቐስሙ ዝግባእ ኮይኑ ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶ ውጹዕ ህዝቦም ጠጠው ኢሎም ኣገዳሲ ተርኦም ክጻወቱ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጸዊዒቱ የመሓላልፉ፡፡ ኣብ ውሸጢ ኤርትራ ሓሰረ መከራ ንዝርኢ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ይኹን ብሰንኪ ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ በብመዓልቱ ብኣማኢት ካብ ዜጋታትና ንስደት ተሳጢሖም ኣብ ፈቐዶ ምድረ-በዳን ባሕርን ስንጭሮታትን ዝጠፍኡን ዝሞቱን ዘለው ይኹኑ ኣብ ፈቐዶ መደበራት ስደተኛታትን ሃገራትን ዝገጥሞም ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ልዑል ቆላሕታ ክገብረሎምን ክተሓጋገዞምን ንጽውዕ፡፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ንዝተፈላለዩ ጊዚያዊ ውልቃዊ ረብሓታቶም ክብሉ ኣብ መጻወዲያ ስርዓት ህግደፍ ወዲቖም ዘለው ዜጋታት እዚ ጨፍጫፊ ምልካዊ ስርዓት እዚ ነባሪ ከም ዘይኮነ ብኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታቱን ወንጀላቱን ኣብ ናይ ጽባሕ ሓራ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ተሓታቲ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝብና ጠጠው ኢሎም ክቃለሱ ንጽውዕ፡፡

ኣብ መደምደምታ ኩሎም’ቶም ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ከይተሓለሉ ደገፎም ዝህቡ፡ ብፍላይ ከኣ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንደሞክራሲያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ስደተኛታት ኤርትራውያን ተቐቢሎም ምትእንጋዶምን ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ትምህርቲ እናኣተዉ ክመሃሩ ምግባሮምን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ልዑል ምስጋንኡ የቕርብ፡፡

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን
24 ግንቦት 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7087

Posted by on May 23 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net