እወ ንሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለወጢ መኣዲ ዘተ ናይ ኣሕዋት ኤርትራውያን።

ድሕሪ እቲ ብሰለፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ዘይምስታፎም ዝወጸ መግለጺ፡ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት፥ እወ ኣሎና ንሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝብል ድሉውነት ይረአ ኣሎ።

ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ንኣብነት ኣብ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ስዊዘርላንድ ኣብ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣባልነት ዘይብሎም ጉዱሳት ደቂ ሃገር ዝሳተፉወን ሽማግለታት ቖይመን፡ ንሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከዐውታ ስራሓተን ጀሚረን ይርከባ። ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ኣውስትራልያን፡ ኣመሪካን፡ ካናዳን እውን እንተኾነ፡ እወ ኣሎና ንሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ መኣዲ ዘተ ናይ ኣሕዋት ኤርትራውያን ዝብል ተበግሶታት ይውሰድ ኣሎ።

ብካልእ ሸነኽ ካኣ፡ ነዚ ተበግሶታት ዘባራትዕን፡ ንህዝብና ተስፋን ሓጎስን ዝህብ፡ እቲ ናይተን ዝተፈላለያ ወተሃደራዊ ክንፍታት ዝጸንሐን ውድባት፡ ኣብ ትሕቲ ሐደ ዝተማእከለ ኣመራርሐ ንክጥርነፋ ዝተበጽሐን ዝተኸተመሉ ስምምዕ እዩ።

ነዚ ምዕባሌታት ዝተኻታተሉ ኣቦ፡ ትማሊ ብቴለፎን ደዊሎም ኣጆኹም በርቱዑ፡ እዚ ናይ ተግባር ተበግሶታት ምልክት ናይ ዐወት ኢዩ ብምባል ዘረበኦም ደምደሙ። እወ ምልክት ናይ ዐወት።

በቲ ሓደ ሸነኽ ካኣ፡ ዲግዲጊት ተዓጢቆም፡ ነዚ ግብራዊ ተበግሶታት ፍጻሜ ከይረክብ ዝተሰለፉ ውዳቤታትን ውልቀሰባትን ኣሎዉ። ባህርያት ናይ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ግን፡ ዘገርም ኣይኮነን።

ገለ ባእታታት እንተስ ንምፍላጥ፡ እንተስ ብምስትንዓቅ፥ “ ….እንታይ ኢዩ ክግበር ዝድለ ዘሎ በዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲምክራስያዊ ለውጢ…..” ዝብል ሕቶ የቕርቡ።

መልሱ ከምዚ ዝስዕብ እዪ፥

1- ንኣብ ሃገርና ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምልጋስን፡ ኣብ ክንድኡ ስርዓተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መንግስትን ክትተከል እንተኾንካ፡ ብውዳቤ ናይ ኪዳን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ተሳትፎ ናይቲ፡ ካብዚ ውደባ ወጻኢ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ውዳቤታትን፡ ተበግሶ ውልቀሰባትን ከምዘድሊ ኩልና ንቕበሎ ሓቂ ኢዩ። እዚ ንምግባር ዋዕላ የድልየና።

2- ኣብ ምክያድ ነጻነታዊ ቃልሲ፡ ብናይ ሓባር ተረድኦን እምነትን፡ ክንውግኖም ዝነበረና ጉዳይ ማሕበራዊ ኣቛቑማ ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለ ዘይተገብሩ፥ ገዛእቲ ሓይልታት ዝተኸልዎ ምምሕዳራዊ ትካላት ምስ ክውንነትና ዝጠዓዓም ትልሚ ዘይምህንዳስ፥ ሃይማኖታውን ባህላውን ልምድታትና ዘኽብርን፡ ክልቲኡ ሃይማኖታት ነንሕድሕዱ ተኻባቢሩ ክነብር ዘድልዩ መጽናዕትታትን ምድላዋትን ስለ ዘይገበረና፡ ዝሓለፉን ዘሎዉን ጌጋታትና ክንእርም፡ መኣዲ ዘተን ዋዕላን የድሉዩና።

3- እቶም ኣብዚ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቐርቡ ፖሊቲካዊ ዕላማታትን፡ ንሽግራትና መፍትሒ ይኾኑ እዮም ተባሂሎም ዝቐርቡ መጽናዕትታት፡ ዋላ እኳ ኣብዚ ዋዕላ እንተይዘተወዲኦም፡ ቀጻልነት ክህልዎምን መዛዘሚ ክንገብረሎም እንተኾይና ካኣ፡ ዋዕላ የድልየና።

4- ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መስርሕ ኢዩ። ቀጻልነት ካኣ ኣሎዎ። እዚ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፡ እቶም ከም ኣድላይነቱ ስዒቦም ዝግበሩ ዋዕላታት፡ ነቲ ድሕሪ ምልጋስ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገርና ዝግበር ዓቢ ዋዕላ ዝሕግዙ ኢዮም። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ደምቦ ተቓውሞ ዝርከብ ህዝቢ፡ ሓደ ጥርኑፍ ዝኾነ ኣረዳድኣን እምነትን ሒዙ እንተጸኒሑ፡ ምስ ኣብ ሃገርና ዝርከብ ህዝቢ ዝካየድ ዋዕላን፡ ነቲ ዲምክራስያዊ ለውጢ ከቃላጥፎ ስለ ዝኽእል፡ ነዚ መደብ ክንሰርዕ ዋዕላ የድለና።

5- መንከ ይሳተፎ? ኩሉ ንናይ ሓባር ቃልሲ ዝኣምንን ንዲሞክርስያዊ ለውጢ ዝቃለስን።

ምኽንያቱ ነንሕድሕዱ  ህላውየ ውደቡኡ ዘይቀባበል ኣካላት ብሓባር ክሰርሕ ስለ ዘይክእል። ዝተፈላለየ መድብ ዕዮ ዘለዎም ውዳቤታት ክህልዎ ቅቡል እዩ። ብሓባር ክትሰርሖም ዘሎውኻ  ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ካኣ ኣሎዉ። ስለዚ ኣቶም ዝተፈላለዩ መደብ ዕዮታት፡ ምስቲ ሓባራዊ  ሃገራዊ ጉዳያት ተሳንዮም ንክሰርሑ ቀጥዕታት ክንገብረሎም ዋዕላ የድልየና።

ስለዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲምክርስያዊ ለውጢ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ መስርሕ ናይ ቃልስና ኢዩ። ብመንገዲ ዋዕላ  ኣቢልና ሓይልናን ዓቕምናን እንተ ኣውሃህድና ኢና ካኣ፡ ምልጋስ ስርዓት ህግድፍ ክቃላጠፍ ዝኽእል።

እቶም ኩሎም ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ንምድንጓይን ንከይግበርን ዝቐርቡ ዘሎዉ ምኽንያታት ጭብጥታት የብሎምን።

ምድላው ኣይተገብረን – ዓመታት ዝወሰደ ምድላው ተገይርሉ።

ሰነዳት ኣይተቐረቡን – እኹል ሰነዳት ተቐሪቦም ይውሰኹ ካኣ ኣሎዉ።

ኣገደስቲ ሰባትን ክኢላታትን ኣይተጸውዑን – ኪዳን ብቅሉዕ መጸዋዕታ ንኹሉ ወዲ ሃገር ብዘለዎ ዓቕሚ መጽናዕትታት ከወፍን ክሳተፍን ሓቲቱ። መጽናዕቲ ዝቐረቡን ክሳተፉ ዝወሰኑ ኣሎዉ። ነዚ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምክያድ እኹል ሰነዳትን ዓቕምን ኣሎ። እቲ ማዕጾ ክፉት እዩ ንዝደሊ።

ኣበይ ከይግበር ኢልካ ከተስተናዕቕን፡ ካልእ ዊዲታት ክትገብር ጸኒሕካ፡ ሕጂ ከምዝግበር ምስ ኣረጋገጽካ ብየማንን ጸጋምን ታቱላታት ኣዋፊርካ ዝግበር ዘሎ ናይ ምትዕንቓፍ  ዘመተ፡ ዳሓን ማዓልቲ ኣሎዎ።

እንታ”ዩ ዕላማን መደብን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲምክራስያዊ ለውጢ?

ውድባት ኪዳንን፡ ፖሊቲካዊ ምንቕስቓሳትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ኣገደስቲ ዓበይቲ ሰባትን፡ መራሕቲ ሃይማኖታትን፡ ካብ ዝተፈላለየ ናይ ህዝቢ ቀጸላታት፡ ኣብ ናይ ዘተ ማኣዲ ኮፍ ብምባል ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ናይ ሓባር እምነትን ተረድኦን ንክህልወካ ምግባር ኢዩ።

መንከ ይሳተፎ?

ንናይ ሓባር ቃልሲ ዝኣምንን ኣብ ኤርትራ ዲምክርስያዊ ለውጢ ክህሉ ዝቃለስን።

እንታይ ረቛሒታትከ  ክማላእ ኣሎዎ ዕዉት ንኽኸውን?

ቅሩብነት፡ ቕንዕና፡ ንጽህና፡ ተወፋይነት፡ ሓልዮት ናይ ህዝብኻን ሃገርካን። እዞም ረቛሒታት እንድሕር ተማሊኦም፡ እቲ ዋዕላ ብኹሉ መዳያቱ ዕዉት ውጺኢት ክህልዎ ውሁብ ጉዳይ ኢዩ።

ኣብ ሃገርና  ዘሎ ህዝቢ ተጠርንፍና ክነመጾ ኢዩ ዝጽበየና ዘሎ። ምእንቲ ኣብቲ ምስኡ ንገብሮ ዋዕላ  ክይንዝርገሉ። ስለዚ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክዕወት ብሓሳብን ብመንፈስን ብጸሎቱ ክድግፈና ተዳልዩ ኣሎ።

ሃየ ንተዓጠቕ  ዋዕላና ክዕወት፡ ህዝብና ምእንቲ ክሕጎስ።

ዓወት ንዋዕላ ንዲምክራስያዊ ለውጢ ማኣዲ ዘተ ናይ ኣሕዋት ኤርትራውያን።

በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ኣርማ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንዘዳለዉ ጉዱሳት ደቂ ሃገር ምስጋና ይብጻሕኩም። ናይ ብሓቂ ዓቢ ትርጉም ዘሎዋ ኣርማ ኢዩ።

ባህታ ሃይለማርያም

ካብ ጀርመን

7-05-2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=712

Posted by on May 7 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net