ታሪኻዊ ምስክርነት ቕልዕቲ ደብዳበ ህዝብን ደምበ ተቃውሞ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

13 ታሕሳስ 2009

ዝኽበርኩም ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኸበርኩም ደምበ ተቃውሞ ብሓበራ፡ ክሳብ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ ስሩ ተማሕዩ ዝጠፍእ’ኳ ክንደይናይ ሰላም ከይርከብ፡ እንተዀነ ብተዛማዲ፡ ምስ’ቲ ብዕግበትኩም እንተ ተወዲብኩም ወይ ብውልቐኹም፡ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ኣብ ተካይድዎ ዘለኹም ቃልሲ ኣብ ውሽጥኩም ሰላምን ናይ ሕልና ዕረፍትን  ክስማዕኩም እምነ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ንኩሉ ርሑስ በዓል ልደትን ርሑስ በዓል ዓመት፡ ለውጢ ዓመትን ሓድነትን ክገብረና እምነ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ሓደ ልኡም ዝዀነ ንፋስ፡ ንፋስ ሓድነት፡ ንፋስ ምክብባር፡ ንፋስ ምድግጋፍ ነቲ ተዳኺሙ ዝነበረ ቃልሲ ሂወት ሰኵዕሉ፡ ተስፋ ረኺቡ ፡ ትስፉው ሓርነት ኣብ ሃገሩ ምስ ህዝቡ ከማዕዱ ጀመሩ ይቕጽል ከኣ ኣሎ። እንተዀነ እቲ ንፋስ ጸርዩ ግዲ ዘይጸረየ ኮይኑ፡ ኣድራሻ ዘይብሉ ጸለምን ክስን ክዝርግ፡ ነቲ ተስፋታት ህዝቢ ክተናኽፍ ኣይተዓወተን’ምበር ጀማሚሩ ነይሩ።

ታሪኽ ምስክር’ዩ። ታሪኽ ምስክር ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ዝተባህለ፡ ዝተሰርሐ፡ ዝተፈጸመ እዩ’ሞ፡ ኣብ’ዚ ጽሑፈይ ከስፍሮ ዝተዳለኹ፡ ናይ’ቲ ሕሉፍ ዝተባህለን ዝተጻሕፈን ዘይኮነስ፡ ነዚ ብጭቡጥ ኣብ’ዚ መፈጸምታ ዓመት 2009 ዝካየድ ሓድነታዊ ኮንፈረስን ኣርባዕተ ውድባት፡ ተስፋ ዝህብ፡ ንቃልሲ ዝዕድም ብዝምልከት’ዩ።

ዮሃና ህዝቢ ኤርትራ፡ ዮሃና ኤ.ዲ.ኪ ፡ ዮሃና መሓዙትን ፈተውትን ህዝቢ ኤርትራ። ሚዛን ዘይርከበሉ ክብደት ስቓይ ኣብ ርእሰኹም ናይ ዝተፈጸመን ዝተኻየደን ግፍዕታት ዝተሰዋእኹምሉ፡ ዝተቃለስኩምሉ፡ ተሓይርኩም ዝተሳቐኹምሉ፡ ዝሰንከልኩምሉ፡ ዝተሰደድክምሉን፡ ምስ ስደራ ቤትኩም፡ ምስደቕኹም ብዘይድሌትኩም ዝተፈላልኹምሉን፡ ኣብ ገገለ ስድራ ቤታት ዳግማይ ዘይተራኸብሉ ጉዳይ ኤርትራ፡ ኣብ ፈላሚ ዕብየት ታሪኽ ህዝብን ሃገርን፡ ኣብ ድርዅኺት ምጻሕኹም፡ ኣብ ኣፍ ልዳት በጺሕኩም ማዕጾ ሓድነት ስምረትን ህዝብኹም ምርሓው እንቋ ደስ በለኩም ።

ብብዝሒ ቁጽሪ ሰባት ዘይኮነስ፡ ብመንጽር ናይ ፖለቲካዊ መርገጽን ኣረኣእያን ፍልልይ ሓይልታት፡ ኣብ ሓደ ውድብ፡ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መሪሕነትን ሰሚሮም፡ ንጉዳዮም ፈቲሖም ንጉዳይ ኤርትራዊ ጸገማት ክፈትሑ ቅሩብነት ዘርኣዩ ሓይልታት ኣብ ታሪኽ ንመጀመሪያ ብምዃኖም እንቋኦ ደስ በለኩም።

እዞም ንሓድነት ዝቃራረቡ ዘለዉ ሓይልታት፡ ናይ’ቲ ዝሓለፈ ስቓይ ብረታዊ ገድሊ ብማዕረ ዝወፈሩን ዝተኻፈሉን ዝቐሰሙን፡ ንተሞኮሩን፡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ድሕሪ ነጻነት፡ ንልዕሊ 17 ዓመት ክወስድ ዘይግበኦ ግዜ ሽቃይን መከራን ዝሓለፈ’ኳ እንተዀነ ሎሚ ኣብ ሓደ ፍሉይ መድረኽ፡ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ክውዕል ዘለዎ መኽሰብ ፡ ቅድመ ውድባዊ ረብሓ ክረጋገጽ ከም ዘለዎ ዝረኣዩን ዘስተባህሉን፡ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ገጹ ንህዝቢ ዝመለስ ተስፋ፡ ቀጻልነት ደመበ ተቃውሞ ዘረጋግጽ ይውለድ ምህላዉ እንቋዕ ደስ በለኩም።

እዚ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ረብሓ ውድባዊ ጠቕምታት ክምዘንን፡ ክግምገም ናይ ዝገበሮ ሓቂ ከኣ እዚ ታሪኻዊ ምስክርነት፡ ናይ ሓደ ሰልፊ፡ ሓደ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ሓደ መሪሕነት ዝብል ናይ’ቲ ዝተቐራረበ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎ ሓይልታት ኣብ ሓደ ናይ ምስማር ናይ ዘሎ ተኽእሎ ሓይሊ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሓባር ሰሪሑ፡ ጽዒሩ ከጥርዮ ዝበሃገሉ መስርሕ ቃልሲ፡ ኣብ ኣብ ምርድዳእ ዝበጽሓሉ ውሳኔ ክሳብ ዝዀነ ይኹን መድረኽ ብሓባር ክቃለስ ከም ዘለዎ ዝጨበጦ ንቕሓት፡ መትከላዊ ብዙሕነት ብሓድነት፡ ብማዕርነት፡ ብተሳተፍነት  ህዝቢ ዝረጋገጸሉ ባይታ፡ ብዝከኣሎ ኣዋጃት ሓባርዊ ውሳኔታት ግሉጽ ብምግባር’ዩ። ግሉጽ ኣብ ቅድሚ ህዝቡን ሕብረተሰብ ዓለምን።

ሓደ ዝተቃለሰ፡ ዝተሰውአ፡ ዝሰነከልን ህዝቢ፡ እሞ ኣካሉ ዝዀነ ብኸም’ዚ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ክትግብሮ ዝዳለወሉ ዘሎ ኣካል ሃገራዊ ሓድነት ኣዋጅ ኣብ ዝእወጀሉ፡ ህዝብና ከም ረብሓ ናቱ፡ ከም መኽሰብ ናቱ ከም ዓውቱ ክርእዮን ክግንዘቦን ግድነት’ዩ። እቲ ግዜን ዓቕምን ዘለዎ ኣካል ህዝብና ኣብ እዚ ዓብይ ሓድነታዊ ጽንብል ክሳተፍ፡ በዚ ሃገራዊ ጽንምብል ክሕጎስ ዝግባእ እመስለኒ።

ብሂወቱ ዘሎ፡ ናይ’ዚ ንነዊሕ ዓመትታት ህዝቡ ብዘይተጕላብንት ዝተቃለሰሉ ታሪኽ ምዕቃብ ፡ ትንፋስ፡ ቀጻልነት፡ ሓይሊ፡ ኣውንታዊ ውርሻ ታሪኽ ዝረከብሉ ባይታ ኤርትራዊ ምጥርናፍ መድረኽ ክርኢ ንባዕሉ ንደቑ ነቶም ዝተቃልሰሉ ህዝቢ ሓበን ምዃኑ  ብምእማን፡ ኣእኺሉ ተወዲኡ፡ ከይበለ፡ በዚ ዝተረኽበ ተስፋ፡ ርእሰ ተኣማንነት፡ ጽንዓት ብምህጣር፡ ካብ ጽልእን ቅርሕንት ርሒቑ ነቲ ዝተረፈ ክስዕብ፡ ነቲ ዝተረፈ ክምልእ፡ ብምግባር ተመኻኺሩ፡ ዓደ’ቦ ብሰላም ከመሓድር ዓቕሚ ምድላብ’ዩ።

መደምደምታ

እዚ ንዕለት 31 ታሕሳስ 2009 ዝእወጅ ሓድነት፡ ቀሊል ዘይኮነ ስርሓትን ጻዕርን ከምዝተኻየደሉ፡ ክንግንዘቦ ዘኽእለና ክውንነት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ኩሉ ከኣ ናይ’ዚ ታሪኽዊ መስርሕ ምስክር’ዩ

ኩሉ’ቲ በላ ቤለውን፡ ከም ዘራጊቶ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ ክበሃል ዝጸንሐ፡ ኣዕናዊ፡ ኣሉታዊ ቢሂል ንጎድኒ ገዲፍና፡ ኣብ’ቲ ንህዝብናን ሃገርናን ዘርብሕ፡ ናይ መስመር ቃልሲ ምንጻር፡ ኣብ መስመር ቃልሲ ናይ ሓባር መደብ ዕዮ ምስራዕ፡ ኣብ ደመበ ተቃውሞ፡ ኣብ ጽላል ኪዳን፡ ኣብ ህዝብና ክህልው ዝኽእል ኣበርክቶ ጥራሕ እንተተመልከትና፡ ማዕረ ክንደይ ናይ ስራሕ ኣሳልጦ ከም ዝተኻወነ ጥራሕ’ዩ ክንምልከት ዝሕግዘና።

እቲ ዝተረፈ ክምላእን ክስዕብን ከኣ ክንዲ ዕጽፍ’ዚ ዝተሰርሐ ስርሓትን ጻዕርን ከም ዘድልዮ ዝሰሓት ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ ስርሓት ኣብ ልዕሊ ስርሓት፡ ጻዕሪ ኣብ ልዕሊ ጻዕሪ፡ ቀጻልነት እከይ ተግባራት ምልካዊ ተግባራት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተወሲኽዎ ቃልስና ከይምንምን፡ ተተመሊስና ናብ’ቲ ዝሓለፍናዮ ማዕረ ከይንምለስ፡ ሓድነታዊ ኮንፈረንስ ታሕሳስ ደገፍ ኩሉ ደላይ ሰላም ሃገራዊ ከይፍለዮ እምሕጸን።

ኣብ መስርሕ ሓድነት ዘይበርሃሉ ክሓትት ኣይጽላእን። ኣብ መስርሕ ሓድነት ጌጋግ ዝረኣየ እንተሎ ክነቕፍ ኣይጽላእን። ሙሉእ እምነት ዘይገበረ ክጠራጠር’ውን ኣይጽላእን።

ግን ነዚ ሓድነት ዝዅንን፡ ነዚ ሓድነት ዝውግዝን ካብ’ቲ ሒዝዎ ዘሎ ሃገራዊ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ መስመር ብምውጻእ ዝካየድ ናይ ጸለመን ክስን ወፈራ ኣብ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ከኣ ብፍላይ ፈውሲ ኣብ ዘይርከቦ ሓደጋ ከም ዘውድቆ ርዱእ’ዩ።

ክበርሃሉ ዘይሓትት፡ ጌጋታት ብዝግባእ ነቐፈታ ዘየቕርብ፡ ጠርጠራታቱ ከወግድ ብኣዋጅ፡ ብኣኬባ፡ ንዝወሃቦ ሓበሬታ ኣተሓሳስብኡ ኣህዲኡ ኣርጊኡ እምነት ዘይገብር እንተሃለወ፡ ድሕሪ ሕጂ እውን ካብ ናይ ወትሩ ነቐፈታ፡ ካብ ናይ ጸለመን ክስን ዘይገላግል፡ ብጽልእን ቅርሕንትን ኣተሓሳስባ ዝተለበደ፡ ደስ ከም ዝበሎን ዝሰሚ፡ ዘጠምቕ ንተስፋ ግፉዓት ዘብንን፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም ንበይኑ እንዳዅደደ ንህዝቢ እንዳሻቐለ ክነብር ዝመረጸ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።

ኣብ ኣድራሽን ስምን ዘይብሉ፡ መለለይ ፖለቲካ ዘይብሉ ንዘዋፍሮ ጸለመን ክስን ዝኣምኑ መዳኸርቲ ባእታታት ሓቕን ቅንዕናን ዘይብሉ ምኳኑ፡ ኣብ’ቲ ኣርማ ዘርጊሑ፡ ፖለቲካዊ መደባት ሓንጺጹ፡ ውሳኔታቱ ኣጽዲቑ ብርኡይ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኮይኑ ንዝንቀሳቐስ ሓይሊ ክኣምኑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል እዮም ዕግበት የብለይን።

በቲ ዝረአ ዝስራሕን ዝተጨበጠን ክንዲ’ዚ ጸገማት ካብ ዘጋጠመ፡ በቲ ዘይረአን ዘይጭበጥን ክህሉ ዝኽእል ሻቕሎት መወዳእታውን ኣይክእልዎን’ዩ። ምእንቲ’ዚ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ንርእዮን ንጭብጦን፡ ንጸጋማትና ክንፈትሓሎም ንኽእል ከኣ ብኡ መሰረት ንእነቕርቦም ፍታሕ እንተሓሰብን ዝያዳ ተቐባልነት ዘለዎ ምኽንያት ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ እስማዓኒ።

ርሑስ በዓል ልደት

ርሑስ በዓል ሓድሽ ዓመት

ዮሃና ህዝቢ

ዮሃን ኤ.ዲ.ኪ

ዮሃና ደላይ ሰላምን ፍትሕን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=72

Posted by on Dec 14 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net