ተራ መንእስያት ኣብ ምህናጽ ሃገር The role of youth in nation building

ብፍስሓ ናይር
ሕቶ መንእሰይ ብኩነታት ትምህርቱን ኣብ ዕዳጋ ስራሕ/ Labour market በብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናይ ስራሕ ስእነት/ unemployment እናጸበቦ ብምኻድ እተን ብመንእስያት ዝግደሳ መንግስታት ቀዳምነት ብምሃብ ነዚ ሕቶዚ ንምምላሽ ይቃለሳ ኣለዋ ኣብ ኤርትራ ግን እቲ መንግስቲ ንመንእስያት ይሃድንን የብርስን ኣሎ።
ሎሚ መንእሰያት ኣብ ኤርትራ ግዳያት ናይ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ሃገር ይህደኑን ይርሸኑን ኣለዉ ካብ ሃገሮም ነፍሶም ንምድሓን ምስ ወጽኡ ድማ ኣብ ሓደጋን ሞትን ይሳጥሑ ብሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ገሊኦም ኣብ ምደረበዳታት ገሊኦም ቀለብ ዓሳ ኮይኖም ሒወቶም አጥፊኦም።
እቲ ዘሕዝን ድማ መንእሰያት ኤርትራ ሎሚ ከም ኣቕሓ ይሽይጡን ይልወጡን ኣብ መጨረሽታ ድማ ብዝስካሕካሕ ኣማውታ ናውቲ ኣካላቶም ተጠቢሖም ኣብ ምድሪ ሲናይ እዚ እውን ክሓልፍ ኢዩ እናበሉ ሕይወቶም ይስእኑ ኣለዉ፣ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ድማ እቲ ኣረመናዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ሸፊቱ ዘሎ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ኢሰብኣዊ ተግባራቱን ኣብዚ ኣቋሪጸ ኣብቲ ቀንዲ ሓተታይ ክምለስ።
ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ብዛዕባ ግደ መንእሰያት/ Youth role in nation building/ ኣብ ምሕናጽ ሃገር ዘበለኒ ምኽንያት እዚ ሕጂ ተበጊሱ ዘሎ ደሞክራስያዊ ማዕበል መንእሰያት ቃልሱ ንምልካዊ ስርዓት ምውዳቅ ጥራሕ ዘይኮነ ድሕሪቲ ምውዳቅ ምልካዊ ስርዓት ዳግመ ሕንጻ ሃገር እውን ዝዓበየ ግደ ከምዘለዎ ንምዝኽኻር ኢዩ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ዓበይቲ ይኹኑ መንእሰያት፣ ደቀተባዕትዮ ይኹኑ ደቀ ኣንስትዮ ብዛዕባ ጉዳያት መዓልታዊ ኣነባብሮኦም ናይ ምውሳንን ምስታፍን ዕድላት ክወሃቦም ግድነታውን ኣድላይን ኢዩ።
ምሕናጽ ሃገር ማለት እቶም ደቀባት ሃገር ኣብኣ ዝነብሩ ዓበይቲ ይኹኑ መንእሰያት ብማዕረ ኣብ ጉዳያቶም ብዘተ ኣብ ጠረበዛ ዝፈትሑሉን፣ ብሓባር ከመይ ገርካ ነቲ ሃገራዊ ምንጭታት/ጸጋታት ተመቃርሕካ ሓደ ፍትሓውን ምዕሩይን ዝተመጣጠነን ኣገባብ ገርካ ሃገርካን ሕዝብኻን ትሃንጽ ማለት ኢዩ። ሃገር ማለት እኳ እታ መረት ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ቐንዲ እቲ ሕዝብን ኣነባብራኡን ኢዩ። ንሃገር ሃገር ዘብላ እቲ ሕዝቢ ኢዩ፡፤
እቲ ጽኑዕ ሓቀኛ ደሞክራስያ/ robust democracy ስርዓት እቲ ኩሉ ዜጋ ዓበይቱን መንእስያቱን ብሓባር ናይ ወከልቶም ምምራጽን ምውራድን መሰል ከዘውትሩ ዘፍቅድ ስርዓት ኢዩ ። ነቲ ሕዝቢ ብዕድመ ይኹን ጾታ ዝፈላሊ ኣይኮነን።
ኩሉ መንእስይ ማዕረ ዕድላት ከምቶም ዓበይቲ ሃልይዎ ኣብ መነባብሩኡ ናይ ምውሳን መሰሉ ዝተሐለወ ምስዝኸውን ኢዩ ህንጻ ሃገር እናሰሰነ ዝኸይድ። ኣብ ፖሊቲካዊ ሕይወት ናይ ሓንቲ ሃገር ካብ ስድራበት ጀሚርካ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ውደባ ኣብ ምሕናጽ ሃገር ግደ ስለዘለዎም ኩሎም ክፋላት ሕዝቢ ዓበይትን መንእሰያትን እናተባሃሃሉ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዝኸሰሉን፣ ብዕድመ ኣነባ ንስኻ እሓይሽ እናተባሃሃልካ ዝመጽእ ወይ ዝሕነጽ ሃገር የለን ኩሉ ኤእጃሙ ኣለዎ።
ኣብ ፓልቶክ ስመር ብዙሕ ግዜ ፍትሒ ትብል ቃል ትጋነን ኢያ ግን ንፍትሒ/ Justice ኣብ ግብሪ ከመይ ትትርጉማ ግን ገና ኣይዝረበሉን፣ ምስቲ ምሕናጽ ሃገር ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ሰብኣዊ ክብሪ ሎሚ ኣብዛ ንዛረበላ ዘሎና ሃገረ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መስል ኢዩ። ንሕና ተቃወምቲ ወይ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮናን እንታይ ድኣ ደለይቲ ፍትሒ ኢና፣እቲ ፍትሒ ካብ መን ትደልይዎ፣እቲ ፍትሒ ካብቲ ነቲ ፍትሒ ከሊኡ ዘሎ ትደልይዎ ማለት ንስኻትኩም ነቲ ፍትሒ ገቢቱ ዘሎ ስርዓት ትቃወምዎ ኣሎኹም ዶ ኣየሰምዕን፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ፍትሓዊት ኤርትራ ካብ ፈሸለ ቃልሱኹም ካብ ድልየት ንንየው ኮይኑ፣ ንፍትሒ ክትደልይዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ክትወስድዎ ስለዘሎኩም ንስኻትኩም ተቃለስቲ ንምልኪ ኣልጊስኩም ፍትሒ ንምንጋስ ሰለዝኾነ ግደኹም ምድላይ ጥራሕ ዘይኮነስ ምንጋስ ስለዝኾነ እዚ ድማ ምስቲ ምሕናጽ ሃገር ስለዝተኣሳሰር ግደኹም ናይ ቀረባን ርሑቅን ራእይ ዘለዎ ኢዩ።

አብ ምሕናጽ ደምክራስያዊት ኤርትራ ተሳታፍነት ናይ ኩሉ ዜጋ ኣብቲ ብሕይወቱ ዘገድሶ ጉዳያት ኣብ ምውሳንን ምቁጽጻርን ምስ ዝሳተፍ እታ ሃገር ማሕበራዊ ስኒትን፣ኤኮኖምያዊ ብልጽግናን፣ ፖሊቲካዊ ቅሳንትን ሰላምን ይነግሳ። ሎሚ ኤርትራ ብሽም ኣብቲ መዝገብ ናይ ሕቡራት ሃገራት/UN ከም ሉዑላዊት ሃገር/ Sovereign nation ትፍለጥ እምበር ከም መንግስቲ ናይ መንግስቲ ክብላ ዝኸእል ትካላትን ቅዋማትን ሕግታትን የብላን፣ ካብ ዓለም ተነጺላ ሕዝባ ድማ ረዳኢ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ወይ ማእሰርቲ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን፣ እሞ እዞም ደለይቲ ፍትሒ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፉንፉን ስርዓት ይመስለኩምዶ፣ ድልየትኩም ክህበኩም።

ልክዕ ኢዩ ገለ ናይ ተመራመርቲ/ Researchers ከምዝብልዎ መንእስያት ኣብ ፖሊቲካዊ ስራሓት ኣይሳተፉን፣ ምክንያቱ ድማ ሓደ፣
መንእሰያት ከም ክእለትን፣ ዓይነትን ዘይብሎም ኮይኖም ስለዝግመቱ፣
ካልኣይ ድማ ፣ መንእሰያት ምስ ዓበይቲ ኣብ ስልጣን ከወዳደሩ ዕድል ኣይወሃቦምን ዝብሉ ኢዮም።
ብሓጺሩ መንእሰይ ሕዝቢ እቲ ዘድሊ ክእለት የብሎምን ዝብል ብሂል ኣብቲ ናይ ዝጽንሔ ባህሊ ኣተዓባብያ ዕብየትን ቈልዑት ዝተመርኰሰ ሳይንሳዊ መርትዖታት ዘይብሉ ኢዩ ኢሎም ዘቅርቡ ተመራመርቲ እውን ኣለዉ። መንእሰይ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ምስ ወለዱ ከሎ ዕድላት ናይ ምውሳንን ምቁጽጻርን፣ ነቀፈታዊ ኣተሓሳባን ከጥሪ ኩሉ መስላት ክንፈጎ የብሉን። እምበኣር ሃገር ምሕናጽ ካብ ገዛ ስድራበት እዩ ዝጅምር፣ ስድራበት ንእሽቶ ኣሓዱ መንግስቲ ኢያ፣ እቲ መንእስያት ብቅዓትን ተመክሮን የብሎምን ዝብል ኣበሃህላ ሓቅነት የብሉን። እቲ ሓቂ መንእሰያት ምስ ዓበይቲ ኮይኖም ምስ ዝውስኑን ምስ ዝካፈሉን ህንጻ ሃገር ዝተረጋግኤን ዝተረጋገጸን ይኸውን። ተበግሶ ምሕናጽ ሃገረ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ንመንእስያት እቲ ዝዓበየ ክፋል ሕዝብና ንምጥፋእ ተዓጥቀ፣ እንሆ ሎም ድማ ድሕሪ 21 ዓመታት ኤርትራ መንእሰይ ዘይብላ ሃገር ኮይና ትርከብ።ሓንቲ ሃገር ከምሃገር ክትህሉ ዝገብራ እቲ ሰብኣዊ ምንጭታታ እምበር እቲ ባህርያዊ ምንጭታታ ኣይኮነን፣ ኤርትራ እታ ድሕሪ ኩሎም ሃገራት ናጽነታ ዝተጓናጸፈት ክነሳ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ተማሂራ ኣብ ሰብኣዊ ዓቅምታት ማለት ንመንእስይ ከም ናይ ጽባሕ ኣፍራዪ ኣብ ትምህርትን ትክኖሎጅን ትኹስኩሶ( investing in education and technology/ ኣብ ማህበራዊ መኽሰብ/ social benefit ዘይብሉ ግዱድን ገደብ ዘይብሉን ዕስክርና ብምኽታት እንሆ ሎሚ እታ ዝደኸየትን መንእስይ ዝስፍረላ ዘይኮነስ ዝሃድመላ ኮይና ኣብ ዓለም ኣፍራዪት ስደተኛታት/ refugee producer ኮይና ትርከብ፡፤
እምበኣር ሎሚ ሕቶ መንእስይ ኣገዳሲ ሕቶ ሕዝብናን ሃገርናን ስለ ዝኾነ ኣቃልቦን ክሕገዝ ዘለዎን ሰብኣዊ ርእሰማልና/ human resource ኢዩ፡፤ ኣብ ዳግመ ምሕናጽ ኤርትራ ድሕሪ ምውዳቅ ምልካዊ ስርዓት ካብ ብሕጂ ክሕሰብሉ ዘለዎ ናይ ማእከላይ መደብ ቃልስና/ middle term ኢዩ እንተበልኩ ሓሶት ኣይኮነን። ካብ ብሕጂ ንመንእሰያት ዘሳትፍ ዕድላት ክንከፍትን፣ ነቲ መንእሰያት ብቅዓትን ተምክሮን የብሎምን ዝብል ተረድኦ ወጊድና፣ ምስዚ ሕጂ ተበጊሱ ዘሎ ማዕበል መንእሰያት ንሰላም፣ ደሞክራስያ፣ ፍትሒ፣ ምኽባር ሰብኣዊ መስላት ንክትከልን ነባሪ ክኸውንን ኤእጃምና ነበርክት። ተበግሶ ስመር ምስ መንእስያትና ክድንፍዕ ብኩሉ ዓቅምታትና ንደግፎም።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7200

Posted by on Jun 17 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net