ጸብጻብ ህጁም መንእሰያት ብአጋጣሚ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት-ለንደን

አባላት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት አብ ዓባይ ብሪጣንያ (EYSC-UK) ብምኽንያት 20 ሰነ 2012 መዓልቲ ሰማእታት አመልኪቱ “20 ሰነ መላገጺ ህግደፍ አይኮነን! አብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ነቲ ሰማእታት በጃ ዝሓፍሉ ብህግደፍ ዝተጠለመ ዕላማ ዘዛኻኽር ተኸታተልቲ ህጁም(storming) አብ ልዕሊ ደገፍቲ ህግደፍ ብብዝሒ ዝእከብሉን ዝጥቀምሉን ንግዳዊ ትካላት አብ ከተማ ለንደን አካይዶም፡ ፡ አብቲ ብቐዳም ዕለት 16/06/2012 ንዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ተባሂሉ ብስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ተወዲቡ፤ አብ ልዕሊ 9 ከተማታት ሰሜን አሜሪካን ኤውሮጳን ብዝተወሃሃደ አገባብ አብ ሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ ፍጻሜታት ብዓወት ተዛዚሙ፡ ፡ እዚ ናይ ለንደን ስርሒት ብተመሳሳሊ ዕላምኡ ህላወ ተቓለስቲ ደቂ ህዝቢ አብ ባይታ ንምርግጋጽ ብምባል መንእሰያት ምሉእ ጸሊም ክዳውንቲ ለቢሶም፤ ዕሙኽ ኢድ (fist) ብጻዕዳ ዝተሳእለ አብ ትሕቲኡ ብሕብርታት ባንዴራ ኤርትራ ” ኤርትራ” ዝብል ቃል ዘለዎ ባዕሉ ገላጺ (self explanatory) ኮይኑ እምቢታ (defiance) ዘመልክት ነይርዎ፡ ፡ እዚ ምስ ርአዩ ከአ ኢዮም ንህግደፋውያን ራዕዲ ዘእተወሎም ንደገፍቲ ለውጢ ድማ ሓበን ዘስነቖም፡ ፡
እቶም መንእሰያት እምበአር ነተን በብሓደ ክወርወን ዘምሰዩ ትካላት ንግዲ ብፈለማ ነቶም ዝረኸብዎም ኩሎም ወነንቲ ኮነ ሰራሕተኛታት እተን ትካላት ብቐንዱ ከአ ነቶም ዓማዊሎም “20 ሰነ መላገጺ ህግደፍ አይኮነን!” ዝብል ነቲ ሕድሪ ሰማእታትና ጠሊሙ ንህዝብና አደዳ ሕሰም፤ ስደት፤ ስቓይን ሞትን ገይርዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ አበርቲዑ ዝኹንን እዋናዊ ጉዳያት ትሕዝቶ ሓዘል ዘለዎ ዝብተኑ ጽሑፋት (leaflets) ዓዲሎም፡ ፡ እቶም ዝብተኑ ጽሑፋት ብትግርኛ፤ ዓረብን እንግሊዝን ዝተዳልዉ ኮይኖም እቶም ዝተዓደሎም ዜጋታት ዳርጋ ብምሉኦም ድሕሪ ምንባቦም ነቲ መልእኽቲ መብዛሕትኦም ከም ዝሰማምዕሉ ድሕሪ ምእማቶም፤ ነቲ ንጥፈት ክቕጽልዎ ተማሕጺኖም፡ ፡
ካብ ዘገርም አብቲ ምሉእ ምሸት ዝተኻየደ ስርሒታት ዋላ አብ ከም በዓል ህብብቲ አዱሊስ ቤት መግቢ ዝአመሰላ ዓበይቲ ዕርድታት (strong hold) ዋላ ሓንቲ ተቓውሞ አየጋጠመን ጥራይ ዘይኮነ ሕሉፍ ምቑልልነት ዝተራእዮ ‘ውን ነይሩ፡ ፡ ከምቲ አብ ኩለን ትካላት ክንገብሮ ዘምሰና ወረቓቕቲ ዓዲልና ክንወጽእ ከለና ዓው ኢልና ብሓባር” ሕድሪ ሰማእታትና፡ ንሓርነት ህዝብና!” እናበልና ናይ መዛዘሚ ጭርሖ እናስማዕና ብድፍረት ግን ከአ ብሰላም ንለቅቕ ነይርና፡ ፡
አብ መወዳእታ ናብታ ለይታዊ ትልሂታት ዝካየደላ ዕምርቲ ቤት መግብን ክላብን ዳህላክ አቕኒዖም፡ ፡ አብኡ ብእዋኑ አቐዲምና ስለ በጻሕና ክሳብ ብብዝሒ ዓማዊል/ጨፈርቲ ዝበጽሑ ብምባል ድራር ሒዝና ክንጽበዮም እናበልና ገዛ ሻቡ ብቕጽበት ክመልእ ጀመረ፡ ፡ ሽዑ ገና መደባትና ብኸመይ አብቲ ገዛ ብአድማዒ መንገዲ ነካይዶ እናተላዘብና ከለና፤ ገለ ድሮ ብዛዕባ ተቓውሞ ዝግደሱ ዜጋታት ነቲ ምንቅስቓሳትና ከስተብህሉሉን ክከታተልዎን ስለ ዝጸንሑ ምስ ካልኦት ዓማዊልን ሙዚቀኛታትን ከዕልልሉ ጀሚሮም፡ ፡ ካብ ኩሉ ዘደንቕ ግን እቲ ህቡብ ድምጻዊ ካሕሳይ በርሀ ነዚ ምስ ተዓዘበ ንኽብሪ ቃልሲ ተቓለስቲ መንእሰያት ክብል “ዘመን” ትብል ናይ ነፍስሄር ባህር (legend) ድምጻዊ የማነ ባርያ አብ መኽፈቲ ደርፉ ናይቲ ትልሂት ጋቢዝና፡ ፡ መንእሰያት ነቲ … ዘመን ተቐይርካኒ ስደተኛ ኮይነ…. ብስክፍታ ዝነብር ክሳደይ አድኒነ….ሓሳብ ልቡ ዘይፍጽም ሰነፍ መስተማሰሊ…..እናተጎድኣ ዝነብር አሰኪምካኒ ቁስሊ.. ክሓተካየ ኢየ አነ መልሰለይ ዘመን፣ ስለምንታይ ከሊካኒ ስኒት ፍቕሪ ሓበን…ሰብአዊ መሰለይ ክብረይ ቀንጢጥካዮ፤ ንሓሳርን መከራን ንዕዳጋ አውሪድካዮ፡ … መሬት ከም ዘይናቱ አትሪሩ ዘይረግጽ፤ ርኢይቶ ዘይብሉ አይመርጽ አይምረጽ…አይመርጽ አይመርጽ……. መሬት ከም ዘይናቱ አትሪሩ ዘይረግጽ፤ ስደተኛ ጌርካኒ አይመርጽ አይምረጽ፤ አይምረጽ አይመርጽ
ክብል ብስሚዒት እናደረፈ እንከሎ እቶም እምቢታ ዘመልክት ዕሙኽ ኢድ ዘለዎ ጸሊም ማልያ ለቢሶም ዝነበሩ መንእሰያት ብጣቕዒትን ጨብጨባን ነቲ ትአምር ዝሰርሐ ድምጻዊ እናሰነዩ ነቲ ገዛ አድመቕዎን ነቕነቕዎን፡ ፡ በዚ ዝተገረሙ ገለ ደገፍቲ ህግደፍ ከም ቀደም ይመስለክን፤ ውሕጅ ይወስደክን ኮይንዎም ነገሩ ብምግራም ተዓኒዶም ሱቕ ኢሎም ተረፉ፡ ፡ ዝርዝር ስእላዊ ጸብጻብ ናይቲ መዓልቲ ፍጻሜ አብ ቀረባ ግዜ ክዝርጋሕ ኢዩ፡ ፡
እምበአርከስ እዚ ብዉሕሉል መንገዲ ተወጢኑ አብ ትግባሬኡ ‘ውን ብጥበብን ጽፉፍ ኣወዳድባን ምውህሃድን ዝተፈጽሙ ስርሒታት ሽቶኦም ወቒዖም እካ እንተለዉ ግን በዚ ዓጊብና አይንዛነን ኢና፡ ፡ እንተኾነ ግን እዚ ስርሒታት ንቕሓት ክብ አብ ምባል፤ አማራጺታት አብ ምምዕባል (ምህናጽ)ን ምብዳህን ሓጋዚ ብምንባሩ ንዓቕምታትናን ሓፈሻዊ አብ ባይታ ንዘሎ ኩነታትን አብ ምግምጋም ሓጊዙና ኢዩ፡ ፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7222

Posted by on Jun 21 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net