ስውኣትና መሊኦም ዝቐስኑን ዝድበሱን ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ጥራሕ ብምርግጋጽ ዘይኮነስ ዝወደቕሉ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት መሊኡ ምስ ተዓወተ እዮም ዝቐስኑ፡

ጀጋኑ ተቃለስቲ ህዝብታት ኤርትራ ምእንቲ ሰብኣዊ ክብሮምን ናጽነቶምን ክብሉ ኣንጻር ተኸታተልቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ንሓደ ምሉእ ክፍለ ዘመን ዝኣክል እምቢ ንመግዛእቲ ኢሎም ንኹሉ ናይ ጭቆና ግፍዕታቶም ዋላ ንሓንቲ ካሊኢት እውን ትኹን ከይተንበርከኹ ክሳብ ሰፍ ዘይብል ናይ ህይወት መስዋእቲ እናኸፈሉ ዝተቃለሱ ሓርበኛታት ህዝብታት እዮም።
ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ስርዓት ሃ/ስላሴን ደርግን ዝተኻየደ ጽዕጹዕ ሓርበኛዊ ቃልሲ እንተወሰድና’ኳ ኣብ ውሽጢ ናይ 30 ዓመታት መስርሕ ሓርነታዊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ዝተኸፍለ ከቢድ ምስዋእቲ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ብኣሻሓት ዝቁጸር እዩ።ስርዓት ሃ/ስላሴን ደርግን ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ኣንጽፍ ብዝብል ባርባራዊ ግፍዕታት ንህዝብታት ኤርትራ ንምጽናት ንሰላማዊ ህዝቢ፡ሰበይቲ፡ ሰብኣይ፡ ቆልዓ ዓቢ ፡ቀሺ፡ ሸኸ፡ መርዓውቲ ከይበሉ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናትን፡ መሳጊድን፡ኣብ ከተማታትን በረኻታትን(ስንጭሮታትን) እናቀተልዎምን ክሳብ ብሓዊ እናኣንደድዎምን ብታንክታት እናረገጽዎምን እናረሸንዎን ብጅምላ ዓድታት እናኣቃጸሉን ጥሪትን ንብረትን እናራሰዩን እናረሽረሽዎን ብነፈርትን፡ ሄሊኮፐራትን እናጨፍጨፍዎምን ብኣሽሓት እናጠፍኡን እናተሰዱን ኣብ ምሉእ መስርሕ ተጋድሎኦም በዚ ፋሽሽታዊ ተግባራት’ዚ ናይዞም ባዕዳውያን ገዛእቲ እዚኦም ርዒዶም ኣይተንበርከኹን።
ካብ ኣብራኽ ጀጋኑ ሓርበኛታት ህዝብታት ኤርትራ ዝወጸ ተጋዳላይ /ስሩዕ ሰራዊትን ህዝባዊ መሊሻን/ ከኣ ኣብ ትሕቲ ዝተፋላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተሰሊፉ ዝተቐለሰን ዝተኽፍለን መስዋእትን ብኣሽሓት ኮይኑ ብጣዕሚ ከቢድ’ዩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ኤርትራ ዝተኸስተ ዘይሃናጺ ውድድራትን፡ ምንጽጻጋትን ሜዳ ኤርትራ መን በሓተ ቁርቁሳትን ዝሰዓበ ምፍንጫላትን ኩናት ሕድሕድን እቲ ሓይልታት ኣብ’ቲ ሽዕኡ ኩነታት ዘፍቀደሉ ወድዕነትን ኣተሃላልዋን ኩሉ በብደረጅኡ ዝኽፍሎ መስዋእቲ ይሃሉ-ደኣምበር ኣብ ምሉእ መስርሕ ናይቲ ተጋድሎ ክንርኢ እንከሎና ብዝዓበየ ሸነኽ ኣብ ተሓኤን፡ ህሓሓኤ /ህግሓኤ/ ኮይኑ ድሕሪ ሰማንያታት ከኣ ብዝዓበየን ወሳንን ሸነኽ ኣብ ህግሓኤ ዝተኽስተን ክሳብ ምርግጋጽ ነጻነት ኤርትራ ዝዘለቐን ኢዩ ነይሩ።
እዚ እኩብ ድምር ናይ’ዚ ተጋድሎታት እዚን እቲ ድሒሩ ብወሳኒ ደረጅኡ ብህግሓኤ ዝተሳላሰለ ብረታዊ ተጋድሎን ናብዚ ሓዲሽ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ነጻን ልዑላውነትን ሃገር ዘሳጋገረ ታሪኻዊ ምዕራፍ ይኹን ደኣምበር ብሰንኪ መላኺ ትምክሕታዊ ገዛኢ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ሓራ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ሕብረተ-ሰብ ናይ ምርግጋጽን ብልጽግቲ ሃገር ናይ ምህናጽን ዝነበረ ዕድል ክረጋገጽ ኣይከኣለን። በዚ ዝኣክል ከኣ ሕድሪ ሰማእታታት ብናይ ውሕዳት ደቂ ዓዲ ገዛእቲ ደርብታት ጭፍራ ህግደፍ ተጠልሙ ህዝብታት ኤርትራ ብዝገደደ ሕሰመ-መከረኦም ክርእዩ ኮይኖም።
ሰማእታትና ዝቐስኑን ዝድበሱን ከኣ ስርዓት ህግደፍ እናሻዕ ብስሞም እናነገደን እናቖዘመን ንብዓት ሓርገጽ እናነብዐን ብ20 ሰነ ይኹን ብኻልእ ኣጋጣሚታት ብዝዝክሮ ዘይኮነስ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መንጋጋ ጨፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ ተናጊፉ፡ ሰብኣውን ደሞክራስያዊ መሰላቱ ተኸቢርሉ መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ክውስን ብስርዓተ ሕጊ እትመሓደር ሃብትን፡ ስልጣን ሃገር ብማዕርነታዊ መንገዲ እትመቃራሕ፣ናይ ብሄር ናይ ሃይማኖት ናይ ጾታ ወዘተ መዓርነት እተታኣናግድ፡ ምስ ጎራባብቲ ህዝብታት ስርዓታትን ብሰላም እት-ነብርን ሃገር መስሪቱ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ክትናገፍ እትበቅዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምስ ዝረጋገጽ ጥራሕ’ዩ፡ ሰማእታትና ናይ ሕልና ዕርፍቲ ዝረኽቡ።ብዝተረፈ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ጸረ ህዝቢ ናይ ግፍዕን ዓፈናን ቀንጻሊ ስርዓተ-ምሕደርኡ ኣብ ውሽጢ’ዚ 21 ዓመታት’ዚ ክንደይ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ዘይፍትሓዊ ኩናት እናተጠብሱ ዘይተሰውኡ?ኣብ ቤት ማእሰርትታት ተዳጉኖም ዘይበለዩን ዘይተሰውኡን? ክንደይ ሃለዋቶም ከይተፈልጠ ተጨውዮም ዘይተቐንጸሉን፡ ናይ ፖለቲካን ናይ ሃይማኖትን ላዕሎዎት መራሕቲ ከይተረፈ ግዳያት ናይዚ ግፍዒ ኮይኖም ከቢድ ናይ ህይወትን ሞትን ሃለዋት የሕልፉ የለውን ድዮም?እዚ ግፍዕታት’ዚ ዓለም ዝተዛረበሉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ‘ዶ ኣይኮነን? እቲ ብስውር ዝጠፍእን ዘሎን ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእትን ከቢድ ኮይኑ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ጉድኣት ዝወረዶም ኣካለ ስንኩላን /ናይ ሓርነት ዉጉኣት/ ማይ ሓባር ናይ መናባብሮ ሕቶኦም ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሓሎም ሓቲቶም ብጥይት ተመልዒሶም ኣይተሰውኡን ኣይሰንከሉን ድዮም? ካብዚ ዝኽፍእ ፋሽሽታዊ ተግባር እንታይ ኣሎድ’ዩ? ናይ ዓዲ ኣበይቶ፡ ናይ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ናይ ተማሃሮ ተቃውሞ፡ናይ ዊዓ ማእሰርትን መስዋእትን፡ ናይ ኣደታት ተቓውሞ፡ ናይ ጉጅለ 13ን 15ን ተቓውሞታት ናይ ሰራዊት ምንቅስቃስን ወዘተ እዚ ኩሉ ቃልስታት’ዚን ዝኽፍሎ ዘሎ መስዋእትን፡ ስርዓት ህግደፍ ሕድሪ ሰማእታት ስለ ዝጠለመ ዶ ኣይኮነን?ካብዚ ሓሊፉ ካብ መፈንጠራ ስርዓት ህግደፍ ከምልጡ ክብሉ ካብ ሰራዊት ሃዲሞም ተባሂሎም ዝርሸኑ፡ ኣብ ፈቐዶ ዶባት ብጥይት ዝምልዓሱ፡ ኣብ ፈቐዶ ምድረ በዳን ባሕሪን ዝጠፍኡን ዝስውኡን ዘለውን ብነጋዶ ሰብ ብሓይሊ ኣካሎም እናተጠብሐ ንመሸጣ ዝውዕል ዘሎ እዚኹሉ ኣበሳ’ዚ ሕድሪ ሰማእታት ስለ ዘይተመለሰ ዶ ኣይኮነን? ስለ ዝኾነ ኸኣ ሕጂ ህዝብና ብምኽንያት ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ኣብ ትሕቲ ጨካን ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ክዝክራ እንከሎ ካብ’ቲ ዝቐደመ ክቡር ናይ ደቁ መስዋእቲ እቲ ዝደሓረ ኣብ ትሕቲዚ ጨፍጫፊ ስርዓት’ዚ ዘሕለፎን ዘሕልፎ ዘሎን ሓሳረ መከራን መስዋእትን እናጓሃየ ዘሕልፎ ዝዓቢ ዝኸውን ዘሎ።
ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ደርጋ ካብ ነፍስ-ውከፍ ስድራ ቤት ደቁ ዘይተሰደን ዘይሰንከለን ገሊኡ ሓደ ወዱ ወይ ጓሉ ገሊኡ ከኣ ክሳብ ሓሙሽተን ሽድሽተን ካብኡ ንላዕሊ ዝበጽሕ መስዋእቲ ከፊሉ’ዩ። ብዓድታት ደረጃ ክርአ እንከሎ ከኣ ክሳብ 500-1000 ዝበጽሕ ኣብ ገለ ዓድታት ውን ካብኡ ንላዕሊ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ከምዘለው ናይ ቀረባ ተዘክሮታትና ኢዮም። ሕጂ ውን ኣብ ትሕቲ ጨካን ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብዘይ ፍትሓዊ ኲናት ዝተሰውኡ፡ ዝሰንከሉ፡ ዝተፋናቐሉ፡ ዝተጨውዩ፡ ዝተቐትሉ፡ ዝተኣስሩን ዝተስዱን ደቁ እዚ ተርእዮ’ዚ ዳርጋ ንነፍስ-ወከፍ ገዛ ወይ ስድራ ቤት ዝተንከፈ በዚ እናኣስቆርቆረን እናሓዘነን እንከሎ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ተጋድሎ መስዋእቲ ደቁ ብጸጋ ተቀቢልዎ ዝነበረ እዚ ዝዳሓረ ዘይሓሰቦ ተወሲኽዎ መሊሱ ክጉህን ከስተንትን’ዩ ዝገብሮ ።
ህዝብታት ኤርትራ እዚ ኩሉ ሕሰም-መከራ’ዚ ህይወት’ዚ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝተኸፍለ ሓርበኛዊ ጅግንነታዊ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ርእሱ ኣድኒኑ ክነብዕን ከስተንትን ዘይኮነስ መስዋእትነት ጀጋኑ ደቁ ንኾንቱ ከም ዘይተርፍ ካብዚ ተራጋጊጹ ዘሎ ተራ ሃገራዊ ነጻነት ንላዕሊ ሓርነት ህዝቦም ከረጋግጹ ዝበቕዑ ሕድሪ ሰማእታት ዝተቐበሉ ጀጋኑ ደቁ ኣብ ቃልሲ ጸሚዶም ኩሉሽነኻዊ መስዋእቲ እንከላይ ናይ ህይወት ይኽፍሉ ሰለ ዘለው፡ ተስፋ ከይቆረጸ በዚ ተጻናኒዑ ማዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ሕጂ ውን ዳግማይ ታሪኽ ክሰርሕ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክቃለስ ከም ዘለዎ’ዩ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ ናይ ጽንዓትን መኸተን ጻዋዒቱ ዘቕርበሉ።
ጀጋኑ ሰማእታትና መሊኦም ዝቐስኑን ዝድበሱን ኣብ ልዕሊ መቓብር ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ናይ ሓርነት ሽግ እንተተኾሊዓ ጥራሕ እዩ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ዘለቒ ሰለምን ደሞክራስን ልምዓትን ክራጋገጽ ዝካኣል።
ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ብጽኑዕን ውፉይን ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ክራጋገጽ’ዩ!
ኩሉ ዓቕምታት ሕብረተ ሰብና ብቐዳምነት ንስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ይራባረብ!
ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/
20 ሰነ 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7227

Posted by on Jun 21 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net