ብምኽንያት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ሰደተኛታት 20 ሰነ 2012 ዝተዳለወ መግለጺ

20 ሰነ ኣብ ኤርትራዊ ዓውደ-ኣዋርሕ ረዚን ትርጉም ዘለዋ ዕለት’ያ፡፡ ሰውራ ኤርትራ ንዘልዓሎ ነጻነታዊ ሕቶ ኣብ ምምልስ ንልዕሊ ፍርቒ ክፍለ ዘመን ኣብ ዝተካየደ ሰላማዊ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ፡ መተካእታ ንዘይብላ ብልጽቲ ህይወቶም ሱባኤ ሓርነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ንዝኸፈሉ ጀጋኑ ሰማእታትና እንዝክረላ፡ ንዘሰከሙና ሕድርን ዝኣተናሎም መብጽዓን እንሕድሰላ ቃል-ኪዳናዊት ዕለት’ያ፡፡ ጎና-ጎኒ እዛ ክብርቲ ኤርትራዊት ናይ ዝኽርን ሕድርን መዓልቲ፡ ብተፈጥሮን ሰብ-ዝሰርሖን ሓደጋታት ውሕስነት ህይወት ሲኢኖም ካብ መረብ-ቤቶም ዝተመዛበሉ፡ ግዳያት ሰደት ዝኾኑ ንጹሃት ኣህዛብ ዓለምናን ስቓያቶምን ንምዝካር ዝተሰመየት ዓለም-ለኻዊት መዓልቲ ስደተኛታት ዝበዓለላ ዕለት’ያ፡፡

ስማእታትና ብዝኸፈልዎ ረዚንን ኩቡርን ዋጋ፡ ዝተኾልዐ ባና ሓርነት ብህቦብላ ክሕደት ተደዊኑ፡ “ቅሰኑ ሰማእታትና” ብዝብል ሕጫጨ ኢሳያሳውያን ሕልናና ን21 ዓመታት መመላእታ ክደሚ ጸኒሑን ኣሎን፡፡ ኣብ ልዕሊ ዘላታስ ተወሰኸታ ኮይኑ ህላዌና ንተሃንዳዲ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን እናተሳጥሐ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝበጽሕ ዘሎ ስደትን ምስኡ ዝዛመዱ ኩሉ ዓይነት መዘዛቱን ንምጽዋዩ ብዘሰቅቕ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ግዳይ ኣብ ዝገበረሉ ህሞት ንርከብ ምህላውና፡ እቲ ስቓይ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብ ዝበጻሐሉ ኩነትን ብምህላውና፡ 20 ሰነ ንዓና ንኤርትራውያን ብፍሉይ ናይዞም ክልተ ተጻረርቲ ኣምራት ኣብ ሓደ ዝኽሪ ምጥማሩ፡ ትንጊርቲ’ዩ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝገልጾ ቃል ዘሎ ኣይመስለናን፡፡

ብርግጽ ንዝኽሪ 20 ሰነ ከም ህዝብን ሃገርን፡ ሰማእታት ኤርትራ ብዋጋ መስዋእቶም ዘመዝገብዎ ብሉጽ ታሪኽ እናዘኸርና፣ ዘርሓውዎ ሓድሽ ምዕራፍ ሓርነትን ዘውረሱና ታሪኻዊ ዓወትን ተኾሊፉ፡ ሕድሮም ኣብ ምውሓስ ዘይምንፋዕና ንዝፈጠረልና ሕልናዊ ሞጉት እናስተንተንና ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ብሕልና ብምዝካር ኣብዒልናዮ ኢና፡፡ ሎሚ ግን ክንሰግሮ ዘይንክእል ካልእ መልኽዕ ገጻት ዝኽሪ 20 ሰነ ኣብ ቅድሚ-ዓይንና ፈርዩ ኣቓልቦና ይምሕጸን ብምህላዉ ከነስተውዕሉ ንግደደሉ ኩነት ተፈጢሩ’ዩ፡፡ መንፈሳዊ ዝኽሪ ሰማእታትናን ሕድሮምን ክንሓስብ እንከሎና መስዋእቲ ጀጋኑና ንቡርህ መጻኢ ኤርትራዊ ወለዶ ዝተኸፍለ ናይ ውሑስ መጻኢ ዕርቡን ምዃኑ ብምስትውዓል፡ ህልው ኤርትራዊ ቃንዛን ሕሰም ስደትን ምንጩ ስእነት ውሑስ ህይወት ብምዃኑ፡ ክልቲኡ ኣምራት ኣብ ሓደ ህሞት ክንዝኽሮ ዝግባእና ዘይነጻጸል ገጻት’ዮም፡፡ 20 ሰነ ከኣ፡ እንተ ብወዝቢ እንተ ብኣጋጣሚ ነዚ ክልቲኡ ኤርትራውን ዓለማውን ረቋሒታት ኣማሊኣ ንክልቲኡ መንፈሳትን ኣኻውናን ብምጥማር ትበዓል ምህላዋ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ፡፡

ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራ ብሓርፋፍ ገምጋም ጥራይ እንተወሲድናዮ ልዕሊ ርብዒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት’ዩ ዝርከብ፡፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ እዚ ዋሕዚ ስደት’ዚ ንህልውናን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብዝፈታተን፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ብዝኾነ መልክዑ ይቅጽል’ዩ ዘሎ፡፡ ካብ ቀጻላታት ሕ/ሰብ ኤርትራ ዕድመን ጾታን ከይፈለየ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብ 300 ክሳብ 400 ብዝግመት ቁጽሪ ካብዚ ከኣ እቲ መብዛሕትኡ መንእሰይ ወለዶ ምዃኑ’ዩ ዘመልክት፡፡ ናይ’ዚ ኩነት’ዚ ጠንቒ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ብኢደ-ወነኑ ልዕላዊ ስልጣን ህዝቢ ብምምንዛዕ ዘውዲ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ዝደፈአ፡ ጉጅላዊ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸተሎ ኣግላልን በሓትን ፖሊሲታቱ ኣብ ፖልቲካዊ ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን መዳያት ዝተፈጥረ ዓሚቕ ሃገራዊ ቅልውላው ምዃኑ ርእሰ-ግሉጽ ሓቂ’ዩ፡፡

ይኹን ደ’ምበር ኣብ ሓደ እዋን፡ እቲ ኣርሓ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ’ዚ ዋሕዚ ስደትን መሰረታዊ ጠንቑን ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ “ እዚኦም ሓተላን ግለታትን ታሪኽ’ዮም፡፡ ብዘብለጭልጭ ሓይልታት ግዳም ጣዕምን ምቾትን ሰዲዖም፡ ንሃገርን ህዝብን ኪሒዶም ዝኸዱ’ዮም፡፡ እዚኣቶም ምኻዶም ከኣ ፍርቂ ሕማምካ ምፍዋስ ማለት’ዩ…..” ወዘተ ብዝብል ኣነዋሪ ብዱዕን ትምክሕተኛን መልሲ ክህብ’ዩ ተሰሚዑ፡፡ ብርግጽ ካብ ጸረ-ህዝቢ ዕሉል መራሒ ጣቛ ዘለዎ መልሲ ክህብ ክንጽበ ግርህነት’ዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ብወፍሪ ባርነት ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳንሳን ምባሎም፣ ሰብኣዊ ክብርታቶም ተቐንጢጡ ትሕቲ ሰብ ኣብ ዝሰርዕ ወተሃደራዊ እዝን መምርሒታቱን፡ ጊላታት ወተሃደራዊ ሰብ-መዚ ኮይኖም ምኽዳሞም፣ ብተደጋጋሚ ኲናትን ወረ ኲናትን ኣብ ፈቆዶ ጎዶጉዲ ዕድመ ንእስነቶምን መጻኢ ዕድሎምን ቁማር ከም ዝተበልዑ፣ ትንፋሶም ኣብ ኢዶም ዓሚኾም ከም ካልኣይ ዜጋ ሸለብ ገለብ እናበሉ ክነብሩ ምቕሳቦም፣ እታ ብመስዋእቲ ኣእላፍ ሓራ ዝኾነት ዝፈትውዎ ሃገሮም ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተቐየረት…….ኣይኮነን’ዶ ነቶም ዝወዓልዎ፡ ኣሰርቲ ሕሰም ኣብ ልቦም ዝሰምበረ ኤርትራውያን ግዳያት ንኣህጉራዊ ማ/ሰብ ከይተረፈ ጠንቒ ኤርትራውያን ዓይነታትን ሕሰማቱን ዝረዓመሉ ጉዳይ’ዩ፡፡

ነውራም ቶታሊታርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ መብጽዓ ሰማእታትና ረጊጹ፣ ባህጊ ህዝብታትና ኣበርዒኑ፣ ንትስፉ መጻኢ ኤርትራ ብምኹላፍ፣ ንሃገር ናብ ምድራዊት ሲኦል ዜጋታታ ብምቕያር፡ ምንጪ ስደትን ሓደጋ ብርሰትን ብምዃን ጥራሕ ዝግለጽ ኣይኮነን፡፡ ከም ስርዓት ዜጋታትና ብምሒር ዲክታቶርያዊ ግፍዕታት ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ብምግባር፡ ተመሊሱ ከም ምንጪ ኣታዊኡ ከም ስርዓትን ጉጅለን ዝጥቐም እቲ ማፍያ ህግደፍ’ዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ትሕቲ ሕዛእቱ ንዘሎ መንእሰይ እንተሃዲሙ፡ ንሱ ተሓታቲ ክኸውን እናተገብኦ ጠዋሪ ንዝሰኣኑ ወለዲ ክሳብ 50 ሺ ናቕፋ ክፈሉ ብምባል የስገድዶም’ዩ፡፡ ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን ኣርካናት ናይቲ ስርዓት ብዘለዎም ስልጣንን ተሰማዕነትን እናተሞኹለዪ ኣብ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ንሓደ ሰብ ክሳብ 100 ሺሕ ናቕፋ ብምሕታት ማሕፉዳታቶም ንምህጣር ብህይወት ሰብ ዝንግዱ እቲ ስርዓት’ዮም፡፡ እዚ ረቂቕ ናይ በለጽ ሰንሰለት መሳፍንቲ መኮንናት ኤርትራ፡ መርበባቱ ካብ ኤርትራ ጀሚሩ ንሱዳን፣ የመን፣ ኣንጎላ፣ ግብጺ፣ እስራኤልን ኣውሮጳን ብምዝርጋሕ፡ ኣብ መጻወድያታቶም ንዝኣተዉ የዋሃት ዜጋታትና ውሽጣዊ ኣካላቶም ኣብ ዕዳጋታት ከም ተራ ንብረት ብምሻጥ፡ ኣብ ቅድመ-ግንባር ዝተሰለፈን ኣብዚ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ኢዱ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታትና ብምጽያቕ ዝዓበየ ብርኪ እቶት ዘኻዕብቱ ዘለዉ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣናት እዚ ስርዓት መሻርኽቶምን’ዮም፡፡

በዞም ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣናት ህግደፍ ዝውጃህ ሰንሰለታዊ ጉጅለ ማፍያ፡ ካብ ኤርትራ ክሳብ በረኻታት ሲናይ ኣብ ዝዘርጎሖ ህቡእ ዋህዮታቱ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ልዕሊካ ክበጽሕ ዛንትኡ ምስማዕ’ኳ ንባዕሉ፡ ልብኻ ዘድሚ ንሕልናኻ ዝኹርዂሕ ዘሰቕቕ ፍጻመ’ዩ፡፡ እዚ ፍጻመ’ዚ፡ ሕልንኦም ብዘራኽሰ ናይ ታሪኽ-ርዃናት ዝኾኑ ኤርትራውያን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣናትን መጋበርያታቶምን ዝዋደድ፡ ዝውጃህ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከኣ ዝትግበር ምስ ምዃኑ ከኣ ሕልና ንዘለዎ ቃንዝኡ ዓጽሚ ዝሰብር’ዩ፡፡ ካብዚ ብዝዓበየ ከኣ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣምሰለ ጽዩን ጉጅለ ወዲቖም ምህላዎም፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ህጹጽ ምላሽ ዝጠልብ ጉዳይ’ዩ፡፡ 20 ሰነ ዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ብሓደ ሸነኽ መዓልቲ ዓለም-ለኻዊ ሰደተኛታት ከኣ ብካልእ ሸነኽ፡ ብድምር ዝመስጠረቶ ኤርትራዊ ምስልን ቃንዛን እምበኣር እዚ’ዩ፡፡

ብርግጽ ሎሚ 20 ሰነ 2012 ክነብዕል እንከለና፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መጻኢ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር እራናዮ ዝመጻና ጸላም ዝተጎብዐ ዘይስገር ዝመስል ጽንኩር መድረኽ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ቅድሜና ዘሎ፡፡ ድሕሪ’ዚ ህልዊ ጸላም፡ ነቲ ጽንኩር ኩነት ዝተረደአ ብኡኡ ዝሓለፈ፡ ኣብ ቃልሲ ዝጸነሖ ብኩራት ብምፍዋስ ነቲ ጸላም ኣብ ምግልሁ ክዋሳእ ቅሩብ ዝኾነ፡ በዓል-ቤትን ወሳንን ሓይሊ መንእሰይ ብምህላዉ፡ ብድሙቕ ዝልለ ባና-ሓርነት ብማዕዶ ከነለልዮ ኣብ ንክእለሉ ድርኪኺት ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኢና ዘሎና፡፡ ደሞክራሲያዊ ቃልስና ብዘገምታዊ ጉዕዞ ዘመዝገቦምን ዘማዕበሎምን ኣወንታዊ መኽሰባትን ናይ ለውጢ ረቋሒታትን ብምዕቓብ፡ ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ክድርኽ ዝኽእል፡ ንቑሕን ወሳንን ተሳትፎ መንእሰያት ተስፋ ብዘስንቕ መልክዑ ኣብ ምዕዃኽ ብምህላዉ፡ መጻኢና ብርግጽ ትስፉ’ዩ፡፡ እዚ ህልዊ ምዕባሌታት’ዚ ውጽኢት 20 ሰነ’ዩ፡፡ ብሓደ ሸነኽ ንሕድሪ ሰማእታቱ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ዝጣበቕ ንምልኪ ዘይርዕም ወለዶ ብምህላዉ፡ በቲ ካልእ ሸነኹ ከኣ ንምጽናቱን ብልሑ ንምጉታምን ንዝተገብረ ኩሉ ዓይነት ውዲታት ብምብዳህ፡ ብተሞኩሮ ዝተሳሕለን ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ታሪኻዊ ግቡኡ ክፍጽም ድልው ዝኾነ ናይ ለውጢ ወለዶ ብባህርያዊ መስርሑ ሓሊፉ ኣብ ቃልሲ ምጽንባሩን፡ ብድምር 20 ሰነ ኣብ ትስፍዉን ባህርያዊ ዝኽርታታን ትበዓል ምህላዋ ዝምስክር ክውንነታት’ዮም፡፡

ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር /ኤደግ/፡ ነዚ ብዝለዓለ ናይ ቃልሲ ወንን ሕራነን ሰኑቑ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝነጣጠፍ ዘሎ ውዑይ መንፈስ ቃልሲ መንእሰያት፡ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋርን ስጡም ውዳቤ ብምርግጋጽ ኣቢሉ ብሓደ ዉሑድ ኣንፈት ንምውጅሁ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት፡ ብኣወንታ ዝርእዮን ንምዕዋቱ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ቅሩብ ምህላውን በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ’ዚ ከረጋግጽ ይደሊ፡፡ ንድርብ ዝኽርታትን መብጽዓታትን 20 ሰነ ብልቢ ብምጽንባል፡ ትንሳኤ ሓዳስን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ንምውሓስ፡ በዛ ታሪኻዊት ዕለት 20 ሰነ 2012 ቃል መብጽዓና ብምሕዳስ፡ መድረኽዊ ጠለባት ብምምላስ ኣብ ናሕሲ ዓወት ንምሕዃር፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር /ኤደግ/ እጀትኡ ከልዕል ምዃኑ ንመላእ ህዝብን ደለይቲ ደሞክራሲያዊ ለውጥን ዝኾኑ መሻርኽቱን ቃል ከም ዝኣቱ ብወግዒ ይገልጽ፡፡

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስምእታትና!!
ታሪኽ ስደትን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምዕጻፍ ንቃለስ!
ኩሉ ዓቕምታትና ብቀዳምነት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ይኽተት!!

ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር/ኤደግ/
20 ሰነ 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7229

Posted by on Jun 21 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net