መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ቅድሚ ቻርተር !

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

9 ግንቦት 2010

ሃገራውን ህዝባውን ጉዳያት ኣብ ፍትሓውን ርትዓውን፡ እዋናዊ ፖለቲካዊ ንጥፍታት፡ ብሕጊ ክምእዘዝ ዝጠልብ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንዝፍጸሙ ጌጋታት ከኣ ብሕጊ መሰረት ይእረሙን መንገዶም ከም ዝሕዙ ይገብር። ሕጋዊ መስርሕ ህዝባዊ መኽሰብ ኣለዎ። ናይ ዘተ መኣዲ ዝኸፍት’ዩ። ፍረ ዘለዎ ውጽኢት ዝርከቦ’ዩ።

ደቂ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብረተ ሰብ፡ ሃገር ከም ሃገር፡ ፖለቲካውያን ይኹኑ ዘይፖለቲካውያን ማሕበራት ኣብ ዘካይድዎ ናይ ሓባር ስርሓት፡ ካብ ውሳኔታቱ ጀሚሩ ኣፈጻጽምኡን ትባሬኡን ንዝምልከት ኩሉ ግዜ ብሕጊ ዝተገደበ እዩ። ብሕጊ ተወሲኑ ከኣ ይፍጸም። ብሓባርዊ መርሓ ሕጊ ዝተተኽለ ከኣ እቲ ማሕበር ብሕጊ ናይ ሓባር ይኸውን።

ኤርራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ናይ ሓባርዊ ጽላል ተቃውሞ ሓይልታት’ዩ። ይኹንም’በር ኣብ ህንጻ ውድብ ኪዳን፡ ኣብ ህንጻ ስርዒታዊ ቅርጻ ኪዳን፡ ኣብ ተሳትፎን ኣገባብን ዝጎደሎ ብዙሕ እንተሃለወ፡ በቲ ክሳብ ሕጂ ክኸይድ ዝጸንሐ ምጥርናፍ ናይ ሓባር’ዩ። ኪዳን በቲ ዝተሰማማዕሉ ሕጋታት ክቅየድ ግዱድ’ዩ። ቀይዲ ወይ ሕጊ ዘይብሉ ምትእኽኻብ ኩሉ ሰንኮፍ’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ኪዳን ክስራሕ ናይ ዘለዎም ጉዳያት በቲ እዋናዊ ወይ ህልዉ ስምምዓት መሰረት ዝጸደቐ ቻርተርን ቅዋምን’ዩ ክዕመም ዝግባእ። እዘን ኣብ ኪዳን ኣባላት ዝዀን ውድባት ብዘይካ እቲ ናይ ብዊንተአን ምድግጋፍን ምሕዝነት ከርእይኦ ዝግብአን ከም ኣብ ናይ ሓደ ዕላማ ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት መጠን ብሕጊ ዘሕትተን’ዩ።

ምድግጋፍ ይጽናሕ እንተደኣ’ልና፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ይረፍ ማለት ኣይኮነን። ወይ’ውን ኣብ ሓድሕድ ምድግጋፍን ምትብባዕን እንተዘይሃልዩ፡ ነቲ ደገፍ ዝተነፍጎ ሓይሊ ብሕጋዊ መሰሉ ኣብ ኪዳን’ውን ክትዕምጽጾ ማለት ኣይኮነን።ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል ሓደ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ኣመልኪቱ ዝሓተቶ ሕቶ እዋናዊ ኣሰራርሓን ጠለብ ናይ ዋዕላ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሕጋዊ ኣሰራርሓ ባህሪ ክተኣታቶን፡ ክንዮ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ’ውን ዘቛመተ ሓሳብ መትከላዊ እዩ።

እስከ ካብ’ቲ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ሕጋዊ መስርሑ ንዝምልከት ካብ ቻርተር ኤ.ዲ.ኪ ገገለ ዓንቐጻት ወሲድና እንታይ ከም ዝብል ንመልከቶ።

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ

ዓንቐጽ 8

ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ብቑዕ ኮይኑ ንዝረኣየኦ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ክውንናን ህዝቢ ኤርትራ ንምዕጋብ ክንቀሳቐሳሉን ቅዋማዊ ምክልኻልን ሓርነትን ይህልወን “።

ካልኣይ ምዕራፍ ዕላማታት

ዓንቐጽ ወይ ቁጽሪ 3 ፡

ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ትሕዝቶ ሓፈሻዊ መትከላት ኤዲ.ኪ ባህሊ ዲሞክራስን፡ ሰላም፡ ሓባራዊ መንብሮ ሃናጺ ዘተ ምዝርጋሕ።

ሳልሳይ ምዕራፍ

ኣገባብ ቃልሲ ዓንቐጽ 3 ወይ ቁጽሪ 3፡

ኣብ መንጎ ውድባት ዝኽሰት ፍልልያትን ግርጭታትን ንምፍታሕ መሓ ዘተ ምጥቃም።

ቀዳማይ ምዕራፍ

ዓንቐጽ 8፡

ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ብቑዕ ኮይኑ ንዝረኣየኦ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ክውንናን ህዝቢ ኤርትራ ንምዕጋብ ክንቀሳቐሳሉን ቅዋማዊ ምክልኻልን ሓርነትን ይህልወን “።

ኣብ ዝሓለፈ ቀሩብ ዓመታት ኣብ ብዘተፈላለየ መዳይ፡ ኣብ ክሊ ኪዳን ይኹን ብተምሳል ኪዳን ናይ ዝንቐሳቐሱ ሓይልታት፡ ክሳብ ናይ ዋዕላ ብሩስለስ ዘሎ እዋን ክንደይ ተዘሪቡን ተጻሒፉን’ዩ። እስከ ገገለ ነተን ኣባላት ኪዳን ዝዀና ውድባት ኣብ’ቲ ስምምዓት ብዛዕባ ክኸድኦ ዘለወን መስርሕ ቃልሲ ዝፈቕደለን ቅዋማት እንታይ ይመስል፡ ቸርተር ኪዳን ይብል ውድባት ብቁዕ ኮይኑ ንዝረኣየኦ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ክውንናን፡ ህዝቢ ንክዓግብ ክንቀሳቐሳሉ ዘፍቐደ ስምምዕ፡ ጉዳይ ብሩስለስ ብዝለዕለ ደረጃ መሪሕነት ኪዳን ኣብ መነጻጸሪ ነቐፈታ፡ ቀጺሉ ከኣ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝተገብረ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንገገለ ውድባት ከዋስን ተራእዩ። ምእንቲ’ዚ እቲ ኣብ ብሩስለስ ዋዕላ ዘካየደ ሓይልታት፡ ነቲ ብቁዕ’ዩ ኢሉ ዝወነኖ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ፖሊሲ ተመሊሱ ናብ ኪዳን ከርክቦ ነይርዎ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ናይ’ቲ መሪሕነት ሕቶ ንሱ’ዩ ነይሩ። ብካልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ናይ’ተን ሰልፍታት ኣብ ኪዳን ክስርሓሉ ዝግባእን ዘይግባእን ገደብ ክገብረሉ ነይርዎ’ውን ከስምዕ ይኽእል። ንኣብነት ምስ መንግስቲ ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራት ኤውሮጳ ብዘይካ ብመሪሕነት ኪዳን ብኻልእ ክፍጸም የብሉን ዝብል ተወሳኺ ዓንቐጽ የድሊ ነይሩ ማለት ኽኸውን ኣለዎ ናይ’ቶም ካብ ኪዳን ክሲ ዝቐረበሎም ሓይልታት ቅቡል ክኸውን።

ካልእ’ውን ካብ’ዚ ኣካይዳ፡ እቲ ኣባላት ውድባት ብቑዕ’ዩ ዝበልኦ ኣብ ኪዳን ንገገለ ዘየዋስእን፡ ተቐባልነት ከይረክብ እንተደኣ ዝገብር ኮይኑ፡ እዚ ወይ እዚ ዓንቐጽ ኣብ ውሽጡ ዘይንፈልጦ ምስጢር ሓቑፉ ክህሉ ዘይክእል ኣይኮነን። ንሱ እንታይ’ዩ፡ እተን ውድባት ብቑዕ’ዩ ዝበልኦ ብዝል ኣበሃህላ ብመንጽሩ ኩሉ መዳያዊ ዘይሓቕን ዘይክውንን፡ ጭብጢ ዘይብሉ ክስታት ኣሎ። ብፍላይ ካብ’ቲ ዓበይቲ ክስታት ክርስትያናዊ፡ ከበሳዊ ይበሃል።

ካብ’ቲ ዝገርም ድማ ኣብ ኪዳን እስላማዊ ሃማኖታዊ ሰልፍታት፡ ኣውራጃውያን ሰልፍታት መደብ ዕዮታቶም ኣዊጆም ንሃማኖታትን ንኣውራጃታትን ነዲፎም፡ ኣጽዲቖም እንዳተቃለሱን፡ ኣብ ኪዳን ሓደ ዝዛረቦም ዘይብሎም ክነሶም፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ብክርስትያናዊ፡ ብከበሳዊ መልክዕ ተወዲቡ ክቃለስ መደብ ትልምን ዘይብሉ ሓይልታት፡ ባዕላቶም ጠንቝሎም፡ እዚ ከበሳዊ’ዩ፡ እዚ ክርስትያናዊ’ዩ ክብሉን ክጽሕፉን ይርከቡ። እቲ ክሲ ብኡ ኣይውዳእን፡ ነቲ ሓድነት ዝፈጸመ ውድባት፡ ዝሓሸ ፍታሕን ኣማራጽን፡ ንሓድነት መሬትን ህዝብን ዝዕቕብ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ እንዳሃለዎ እዚ ናይ ጽገና ሰልፊ’ውን ይብልዎ። እዚ ዕልመናዊ ዝዀነ ሰልፊ፡ ካብ’ታ መጀመሪያ ፊደል ንድፊ ቅዋሙ ብቀለም ዘስፈራ፡ ክሳብ ሙሉእነት ቅዋም ኮይና ብእውጅ መልክዕ ናብ ህዝቢ ትበጽሕ፡ እቲ ክትኸዶ ዘለዎ ሙሉእ መስርሕ ዝሓለፈ፡ ናይ ጽገና፡ ናይ ክርስቲያን፡ ናይ ከበሳ እንዳበሉ ዝጽሑፍን፡ ኣብ ኪዳን ብዓብዩ ከም ናይ ካልእ ዓለም ወይ ናይ ጓኖት ፖለቲካ ርእዮም ዝሓልፉ እዮም።

እቲ ክሲ ጥራሕ ከም ክሲ፡ ሞጎተን ሓቕን ክቐርበሉ ዝኽእል እዩ። እንተዀነ ነቶም ምስልምና ሃይማኖት ዝኣምኑ፡ ናይ ዝተፈላልየ ሕብረ ብሄራዊ ጉጅለታት መበቆል ዘለዎ ጀጋኑ ኤርትራውያን ብሃይማኖቶምን ብመበቆሎሙ ዝኸሓደ ክሲ’ውን እዩ ነይሩ። ካብ’ቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ነቲ ኣንጻር ምልኪ ንወጽዓታት ህዝቢ ኣመልኪቶም ዘልዓልዎ ጭርሖታት፡ ተመሊሱ ናብ’ቶም ሙሉእ ግዜኦም ኣብ ቃልሲ ዝበለዩ ጀጋኑ ሃገራዊ ዋዕላ ዝየደገፉ ብጾት ዘቕነዔ ክስታት’ውን እዩ።

ብቑዕ’ዩ ዝበልኦ፡ ተባሂሉ ከብቕዕ፡ እዚ ሰልፊ እከለ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክኸይድ’ዩ ዝብል ክሲ ኣሎ። መተካእታ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክኸውን’ዩ ይብሉ። እዚ ኣብ መዝገብ ክሲ ሰፊሩ ዘሎ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘለዎ መርገጽ ካብ ናይ ኩለን እንተዘይተነጺሩ እንተዘይሕሹን ከም ዘይሓምቕን፡ ነቲ ክሲ ከም ዘየዳምቕን ርእዩ’ዩ። እሞ ደኣ ኸ እዚ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ዝብል ሚዛን ዝበጽሐ ኪዳን፡ እዚ ናይ ጽገና ሰልፊ’ዩ ኣብ ዝብል ሚዛን ዝበጽሐ ኪዳን ንስለምንታይ ነዞም ሓይልታት ህ.ግ.ዲ.ፍ ሓቅፎም ይኸዱ ኣለዉ። እዚ ባዕሎም ክምልስዎ ዘለዎም’ዩ።

ካልኣይ ምዕራፍ ዕላማታት

ዓንቐጽ ወይ ቁጽሪ 3 ፡ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ትሕዝቶ ሓፈሻዊ መትከላት ኤዲ.ኪ ባህሊ ዲሞክራስን፡ ሰላም፡ ሓባራዊ መንብሮ ሃናጺ ዘተ ምዝርጋሕ።

እዚ ብክሲ ተጠቒዑ ዘሎ ሰልፍታት፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋኑ፡ ብዝያዳ ተጸሪፉን፡ ተኸሲሱ ክነሱ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ውድብ ብኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ንዝዀነ ዘየተጸንዐን ዘይተፈልጠን ክሲ ሕንጡይ መልሲ ከይወሃብ፡ እቲ ጉዳይ ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከይዝርግ ብዓቕሊ ምርኣዩ እንዳበለን፡ ኣብ ዝኸዶ ሃገራት ከኣ ብዛዕባ ኪዳን ልዕሊ ኩሎም ኮይኑ ክጣበቕን ክኸላኸልን ተራእዩ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኤውሮጳ ብኣካል ዝነበርክሉ ኣኼባታት ስውእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝመርሖ፡ ኣቦ/መ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ዝመርሖ፡ ናይ ዜናን ባህልን ቤ/ጽ ሓላፊ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ፡ ኣብ ሱዳን ይኹን ኢትዮጵያ ከም ፖለቲካዊ ቤ/ጽ ሓላፊ መሓመድ ኣርትዓ፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ጀምዕ ኣሕመድ፡ ም/ ኣቦ/መ ብጻይ ማሕሙድ ድራር፡ ብጻይ መሓመድ ኑር ኣሕመድ ብተመሳሳሊ ኣኼባ ከዘውትሩ ጸኒሖም’ዮም። እዚ ሓቂ’ዩ።

እቲ ሓድነት ሰልፍታት ዝለገሶ ጸጋ ከኣ ከም’ቲ መጠን ሰፊሕ ዝርጋሐ ኣባላቱ፡ ኣብ ዝከደ ከይዱ ዝገብሮ ኣኼባታት፡ ካብ ሕቶ ኪዳን ከምልጥ ስለ ዘይክእል፡ ነቲ ጉዳይ ኪዳን ዘልዕሎ ሕቶታት ብዘይካ ንሓድነት ብሓባር ክንሰርሕ ዝብል መምርሒታቶም እንተዘይኮኑ ካብኡ ወጻኢ ካልእ፡ ቁስሊ ዝትንክፍ፡ ጥርጣረታት ዘሕድርን ቢሂል ክዛረቡ ክዛረቡ ኣይሰማዕኹን። ብኣንጻሩ ንሓድነታዊ ኪዳን ንምሕያል ንኣባላቱ ጽሮት ክገብሩ፡ ኣብ ሓባርዊ ስርሓት ተጸሚዶም ዝከኣሎም ዓቕምን ክእለትን ከበርክቱ ምስ ናይ ሓላፍነታዊ ሃገራዊ ክብርታቱ’ዩ።

ኣምባሳዶር ኣድሖኖም ገብረማሪያም፡ ድሕሪ ሓድንታዊ ጉባኤ ንልዕሊ 6 ወርሒ ዝኣክል ብከቢድ ሕማም ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ትንፋስ ረኺቡ ካብ ዓራቱ ምስ ተስኤ ሕክምና ከይወድአ ናብ’ቲ ቃልሱ ተመሊሱ፡ ሂውተይ ጥዕናይ ከይበለ፡ ኣብ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለ ኣትዩ፡ ድሕሪ ቁርብ እዋን ንዑደት ኤውሮጳ ወፊሩ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዝነበረ ሓድነታዊ ጉዳይ ኪዳን ብውሕሉል መንገዲ ከርብን ንህዝቢ ከዕግንብ በቒዑ፡ በቲ ኣድሓኖም ብዛዕባ ኪዳን ዝገበሮ መግለጺ ከኣ ንመጻኢ ናይ ሓባርዊ ስርሓት ኪዳን ዓብይ ተስፋ ተነበረሉ።

ኣብ’ዚ ሓድነት ተጠርኒፉ ዘሎ ሓይልታት፡ ኣብ ኪዳን ዘለዎ ሚዛን ርእዩን ንጹርን’ዩ። ብዘሎኒ ሓበሬታውን ኣብ መጽብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ውድባቶም ወጻኢ፡ ብውድባቶም ጉዳይ ኣብ ዝኸድዎ ሃገራት፡ ጉዳይ ኪዳን ጎስዮምን፡ እዚ ጉዳይ ኪዳን’ዩሞ ንመሪሕነት ኪዳን ሕተቱ ኣይበሉን፡ ብኣንጻሩ ጉዳይ ኪዳን ምስ ዝለዓል ከም መሪሕነት መጠን ንዘለዎም ሓላፍነት፡ ንክብሪ ኪዳን፡ ንክብሪ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ በቲ መምርሒ ኪዳን ዝፈቕዶ ኣገባብ ሙሉእ ናይ ኣኼባ ግዜኦም ብዛዓብ ኪዳን ተዛሪቦም ንህዝቢ ክጉስጉሱን፡ ኣብ ጎኒ ክዳን ጠጠው ክብሉ ከይተሓለሉ ክቃለሱ ጸኒሖም’ዮም። በዚ ኣገባብ ከኣ መትከላት ኤዲ.ኪ ባህሊ ዲሞክራስን፡ ሰላም፡ ሓባራዊ መንብሮ ሃናጺ ዘተ ምዝርጋሕ፡ ብተግባር ኣርእዮምን ፈጺሞምን’ዮም። እዚ ከኣ ኣብ ሰነድ ዝሰፍር ምስጋና ዘየድሎ ሞያ ቃልሲ’ዩ።

ብኣንጻር ናይ’ዚ ልዑላ ሓላፍነት ዝተሰከመ መሪሕነታት፡ ኣብ ኖርወይን ኣውስትራሊያን ብናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤ/ጽ ሓላፊ ብጻይ በሽር ኢስሓቕ ዝተገብረን ዝተባህለን ደጊመ ንሃልኪ ግዜ ክጽሕፍ ኣይደልን። እቲ ዝተባህለ ኩሉ ኣንጻር ኪዳንን ሓድነቱን መጻኢ ጉዕዞ ዝሃሲ’ዩ ዝነበረ። ነዚ ርኡይ ዓመጽን ኣካይዳ ኪዳን ሙሉእ ጸብጻብ በጺሕዎ ዝገበሮ ነገር ኣይነበሮን።

ኣብ ፓልቶል ብኣቦ/መ ፈጻሚት ሽማግለ ኪዳን ብጻይ ተወልደ ገብረስላሴን፡ ኣቦ/መ ማእከላይ ባይቶ ዓብደላ ማሕሙድ ዝበልዎ’ውን ብተመሳሳሊ ዓቕሎም ጸንቒቆም ዝበልዎ ብሂል፡ ምስ’ቲ ንሓድነት ኪዳን ክካየድ ዘለዎ ጎስጓስ ዘሕይልን፡ ዘበርትዕን ከምዘይነበረ ኩሉ ሰማዒ ሚዛኑን ገምጋሙን ሂብዎም ኣሎ።

ሳልሳይ ምዕራፍ

ኣገባብ ቃልሲ ዓንቐጽ 3 ወይ ቁጽሪ 3፡

ኣብ መንጎ ውድባት ዝኽሰት ፍልልያትን ግርጭታትን ንምፍታሕ መርሓ ዘተ ምጥቃም።

ጉዳይ ዘተ ኪዳን መዓስዩ ክፍጸምን ክስራሕን፡ ጉዳይ ኣብ ውሳኔ በጺሑ፡ ይደገፍ ኣይደገፍ ኣብ መርስሕ ትግባሬ ምስ ኣተወ ድዩ ክኸውን፡ እቶም እንተደልዮም ይስዓቡ ወይ ይውጽኡ ንዝብሉ ድዩ እቲ ዓንቐጽ ሰፊሩ? ብተረድኦ ዓቕሚ ምስኣን ይኹን ዘይምድላይ እንተዘይኮይኑ ከምኡ ኣይመስለንን። ቻርተር ኪዳን ብቅንዕና ፍትሒ ሕጊ ንምጋስ መባእታዊ ኤርትራዊ ጽላል ዝሃገጎ ካብ ኰነ፡ ናይ ኣቕዋ`ራጭ መነገዲ ክመርጽ ኣይግበኦን፡ በዚ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ከኣ ንይምስለ ደኣ’ምበር ክስርሓሉ ከም ዘቆመ ዘረድኦ ብዙሕ ምኽንያት ክጥቀስ ይከኣል። ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ፍልልያቱ ዘተ ኣከይዱ ዶ ይበሃል ይኸውን ? ሃገራዊ ዋዕላ ንምክያድ ፍልልያት ኣይነበረን ዝብል ዶ ይህሉ ይኸውን፡ ተስፋ እገብር ኣይነበረን ዝብል ከይርከብ፡ ደጊም ፍርልልያት ንምጽባብ ሓደ ኪዳን ካልእ ስርሓት’ኳ እንተሃለዎስ ንጉዳይ ብኸመይ ክፈትሖም ጸኒሑ ስለ ዝፈልጥ ፍታሕ ስኢኑ ኣይብልን፡ ዘይድሌት ግን ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ክረም ዝደልይዎ ሓይሊ ከም ኣጋጣሚ ተጠቒመምሉ።

ኣብ መደምደምታ

ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ስምምዕ ወጻኢ ዝተባህለን ዝተግብረን ዘየሎ ክነሱ፡ ነቲ ስምምዓት ንምድብዛዝ ክንደይ ክስታት ተደራሪቡ ክቀርብ ጸኒሑ። እዚ ግን ትርጉምን ሓቕነትን ዘይብሉ ክስታት’ዩ።

ሃገራዊ ዋዕላ በዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ክፍጸም የብሉን በሃላይ’የ። እተተፈጺሙ ከኣ ብዙሕ ዘሻቕል ነገር የብሉን። ነገሩ ተሃዊኸን ይኽዕዎ፡ ተደቢርተን ከኣ ይኣሪኦ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ናይ ሎሚ ማራቶን ጉያ ሃገራዊ ዋዕላ ከኣ ዘገም’ልና ብዘተን ብልዝብን፡ ብሕጋዊ መስርሑን ኣገባቡን ምስ መላእ ህዝብና ክንጋብኦ ምዃና ዘጠራጥር ነገር የብሉን።

ሃገራዊ ዋዕላ ሓምለ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ደምበ ተቃውሞ ዘግሃዶ ንጹር ጉዳይ እንተሃለወ፡ ናይ ልዕላውነት ሕግን ፍትሕን፡ ተጸዋርነትን ምቕብባልን፡ ምክብባርን ዘሎ ፍልልይ’ዩ።

ህዝብና ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብተሳትፎይ’ዩ፡

ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ውድባት ኣባላት ኪዳን እኹል ተዘሪብሉን ተዘቲሉ በሲሉ ሙሉእ ዕግበት ኣብ ዝተረኽበሉ’ዩ ተኻይዱን ዝካየየድ ዘሎን ዝብሉ፡

ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ መጻኢት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ሰረት ዘንብረን፡ እቲ ሓቐና ኪዳን ዘዘትሮ ኣገባብ መስርሕ’ዩ፡ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ብተመሳሳሊ ክመሓደር ዝብሉ፡ ርእይቶኦም እዩ፡ ኩሉ ከኣ ብዓይኒ መለክዒ ሓላፍነት ክርእዮን ሓላፍነት ክስከመሉን ይግባእ።

ከም ውልቀ ሰብ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተኸተሎ ግጉይ መስርሕ ንዘሎኒ ርእይቶ፡ ካብ ዘሎኒ ተረድኦን፡ ናይ ዝኸይድ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንቻርተር ተጻራሪ ብምዃኑ፡ ብቀጻሊ ንምእንቲ ርትዕን ፍትሕን፡ ምልኣት ዲሞክራሲያን ንይምሰል ዘይኮነስ ብሓቂ ትርጉሙ ክሳብ ዝረጋገጽ ቀጻሊ’ዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=726

Posted by on May 10 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net