ጽማቕ ጸብጻብ ብዕለት 30/6/2012 ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ በይ ኤርያ ምስ ረድኢ መሓሪ (ኣለና) ዝተኻየደ ኣኼባ

ጽማቕ ጸብጻብ ብዕለት 30/6/2012 ረድኢ መሓሪ

 

ህዝባዊ ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ በይ-ኤርያ ምስ ረድኢ መሓሪ ደራሲ መጽሓፍ “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳዳ” ዘዳለዎ ኣኼባ፡ ትማሊ ቀዳም ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ እዚ ኣገዳሲ ነይሩ ዘብሎ፡ ኣብ በይ-ኤርያ ብዝሒ ሰብን ብዝሒ ሕቶታትን ርእይቶታትን ካብ እተራእየሉ ኣኼባታት ሓደ ብምንባሩ እዩ።

እቲ ኣኼባ ብመንእሰይ መድሃኔ ኣቦ መንበር ህዝባዊ ሽማገለ በይ-ኤርያ ተኸፊቱ። ኣቦ መንበር ምስጋና ንረድኢ መሓሪን ኣዳለውትን ተኻፈልቲ ኣኼባን ድሕሪ ምቕራብ፡ ሓጺር መግለጺ ህሉው ኩነታት ሃገርናን መንእሰያትን ሂቡ። ከምኡ እውን ንኩነታት ተቓዉሞ ደምበ ብምምልካት፡ ሰለሰተ ሰነዳት ዝሓዘ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምምስራቱ ዓቢ ታሪኻዊ ፍጻሜ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ። ስደተኛ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ባይቶ ዘርእዮ ዘሎ

ስክፍታን ዘይምትእምማንን፡ በብኹርንዑ “ስለምንታይ ባይቶ ክሰርሕ ዘይከኣለ? ስለምንታይ ከምቲ ህዝቢ ዝተጸበዮ ክስጒም ዘይከኣለ?” ብዝብሉ ሕቶታት ይቐርብ ከም ዘሎ ኣብሪሁ። እዞም ሕቶታት እዚኦም ክምለሱ ዘለዎም ሕቶታት እዮም ብማለት፡ እዚ እግሪ ተኽሊ ባይቶ እዚ ግና፡ ስርሑ ከርኢ ግዜ ከምዘድልዮ ኣስሚርሉ።  መእተዊኡ ብምድምዳም፡ ህዝባዊ ሽማግለ በይ-ኤርያ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዝገበሮ ንጥፈታት ጸብጺቡ። ንረድኢ መሓሪ ምስቲ ኣኼበኛ ድሕሪ ምልላዩ ኸኣ፡ ህዝባዊ ሽማግለ ከምዚ ሎሚ ምስ

 

ረድኢ መሓሪ ገይርዎ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባ ወይ ከኣ ሰሚናር፡ ዝተፈላለዩ ክኢላታት እንዳኣምጽኣ ክነጥፍ ከም ዝኾነ ተማባጺዑ።

መደረ ረድኢ ኣብ ታሪኽ ኢሳያስን ጉጅልኡን ዘተኮረ እዩ ዝነበረ። እቲ መሰረታዊ ቴማ ናይ መጽሓፉን መደረኡን ኢሳያስ ልኡኽን ሰላይን ናይ ባዕዲ ከምዝኾነ እዩ። ኣብዚ ርእሰ-ነገር እዚ ተሞርኲሱ፡ ንኢሳያስን ንጉጅልኡን ሃገርና ኤርትራ ሓንቲ ትብጽሖም ከምዘይኮነት፡ ከም ሃገር እውን ክትቀውም ከምዘይደልይዋ፡ እዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘውርዶ ዘሎን ዝነበረን ኣስካሕካሒ ግፍዒ ኸኣ፡ ዕላማ መልእኽቱ መታን ንኸተግብር ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ጥበብን ሽርሕን በትሪ ስልጣን ጨቢጡ ንኽጒዓዝ ሰለዘለዎ እዩ። ኢሳያስ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝፍጽሞ ጭካነን ኣረሜናዊ ባህርያትን ተግባራትን ኣቃሊዑ። ረድኢ መሓሪ ነዚ ታሪኽ እዚ ብዘይ-ስጋእ መጋእን ብነብሰ-ምትእምማን ዝገልጾ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ከምዚ ኣይኮነን ዝብል ዜጋ እንተ ኣሎ፡ ከምኡ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ንኽብድሆ ይዕድም።

ረድኢ መሓሪ ናብ ሜዳ ክወጽእ እንከሎ 10 ክፍሊ እኳ እንተነበረ፡ ተሞክሮኡን ልቦናኡን ሓቦኡን ሃብታም እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ እዚ ታሪኽ እዚ ናይ ኩላትና ታሪኽ ብምዃኑ ሓቢርና ነሀብትሞ በሃላይ እዩ። ንሱ በታ ዘላቶ ዓቕሚ ዝኣከቦን ብዙሕ ጻዕሪ እውን ዘካየደሉ፡ ሓቅታት እዩ ኢሉ እኳ እንተ ኣቕረቦ፡ ታሪኽ ኢሳያስ ታሪኽ ስለያን ምስጢራቱን ሰለዝኾነ፡ ስለያ ኢሳያስ ድማ ንዝፈልጡን ክምስክሩ ዝኽእሉን ደቀ-ባት ዜጋታት እንዳኣጥፋአን ሰነዳትን እንዳኣሕረረን ዘካየዶ ምስጢራዊ ስራሕ ብምዃኑ፡ ኣብዚ ታሪኽ እዚ ጉድለታት ከምዝህሉ እንዳኣመነ ብግዱሳት ዜጋታት ንዝቐርብ ምስክርነትን ጭብጥታትን መኣረምታን ተቐባላይ ከምዝኾነ ይነግር። እዚ ኣርእስቲ እዚ እቲ ዝበዝሐ ወይ ብምልኡ ግዜ ናይቲ ኣኼባ ስለዝወሰደ፡ ረድኢ መሓሪ ንዝተረኾ ታሪኽ ምስ እዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ቃልሲ ተቓዉሞ ደምበ ኣዛሚዱ፡ ከም ሓደ ኣርስቲ ብምልዓል ክዛረበሉን ንኣኼባኛ ክምህረሉን፡  ከምኡ እውን ንምንቅስቓስ ደምበ ኣለና ምስ ኣኼባኛ ንኸላልዮ ግዜ ኣይረኸበን።

ኣብ ግዜ ሕቶን መልስን ግና ዕድል ረኺቡ፡ ንህሉው ኩነታት ቃልስና ዝምልከት፡ ስለስተ ሓጸርትን ኣገደስትን መግለጺ ኣቕሪቡ። ንሳተን ከኣ ጉዳይ ተኻፋልነት ህዝብን፡ ጉዳይ መንእሰያትን፡ ጉዳይ ሃገራዊ ባይቶን እየን። ረድኢ፡ ንሕሉፍ ታሪኽና ምስ ዘሎናዮ ንምዝማድ፡ ካብ ዝሓለፈ ቃልሲ ዘዋህለልናዮ ተሞክሮ ክንጥቀመሉ ይግባእ ይብል። ኣቲ መፍትሒ ናይ ግድልና፡ ኣብ ተሞክሮና ስለዘሎ ምልስ ኢልና ንርኣዮ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ይወደብ ይንቃሕ ይዕጠቕ ዝብል ኣተሓሳስባ ክውን ገይሩ እዩ ሃገራዊ ነጻነት ከምጽእ ክኢሉ። ሓርነታዊ ቃልስና ክዕወት ድማ፡ ነዚ ፍቱን ኣተሓሳስባን ተሞክሮን እዚ ከም እንደገና ተኸቲልናን ኣባራቢርናን፡ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ክንቅይሮ ምስ እንበቅዕ እዩ ይብል።

እቲ ብተደጋጋሚ መንእሰያት ጥራይ! መንእሰያት! መንእሰያት! ክብል እንሰምዖ ዘሎና ቃና ይጋገ ከምዘሎ፡ ምኽንያቱ ቃልሲ ብዛዕባ መንብሮ ስለዝኾነ። ብሓባር ብሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን መታን ክንበር ክከኣል ዝካየድ ጻዕሪ ስለዝኾነ፡ ወለዶታት ሓሓጹሩ ሓጺሩ ነንበይኑ ክነብር ከም ዘይክእል መጠን፡ ነናይ በይኑ ቃልሲ እውን ከካይድ ኣይክእልን እዩ። ንኡስ ወለዶ ንበይነይ ክዕወት እየ ኢሉ እንተፈተነ፡ ክኾነሉ ከምዘይክእል ንምርዳእ፡ ዝተፈለለየ ኣብነታትን ተሞክሮታት እንዳ ኣምጽአ፡ ንመንእሰያት መሳጢ መልእኽታት ኣመሓላሊፉ።

ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶ ዘቕረቦ ርእይቶ ድማ፡ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ። እዚ ባይቶ እዚ ከም ሓደ መወከስን መሰጋገርን መረጋግእን ንህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ ኣገዳስነቱ ዓቢ እዩ። እንተኾነ ግና “ይሰርሕ ዶ ኣሎ?” ንዝብል ሕቶ ክምለስ እንተድኣ ኾይኑ፡ ኣይሰርሕን ኣሎ እዩ። ኣነ ኣባል ባይቶ ኣይኮንኩን። እንተኾነ ግና እቶም ብ600 ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶ ብፍላይ ድማ ፈጻሚ ኣካል ክእርምዎ ዘለዎም ጉዳይ እዩ። ከምዚ ዘለዎ ደስኪሉ ክቕጽል እንተድኣ ኾይኑ ከኣ፡ ጠንቅን ምኽንያትን  ከምቲ ኣባላትን ህዝብን ዝጽበይዎ ፍጥነት ዘይመስሪሒኡ ብቓልዕ ንህዝቢ ኤርትራ ክገልጹ ሓላፍነቶም እዩ።

እዚ ኣኼባ እዚ ልዕሊ ሚእቲ ዝኸውን፡ መንእሰያትን ዓበይትን ደቂ-ኣንስትዮን ከምኡ እውን ካብ ዝተፋላለያ ውድባት ዝመጹ ኣባላት ዝተኻፈልዎ ኾይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ርጉእ ሃዋሁው ዝምስገን እዩ። ኣብ  ልዕሊኡ ከኣ ረድኢ ንዝመጾ ሕቶታት ይኹን ዘይሰማምዓሉ ርእይቶታት ብኸበሬታን ፍሽኽታን ይቕበሎ ነይሩ። ንዝቐረበሉ ሕቶታት መታን ንኽንጸር ደፋእ ኢሉ፡ እዚአን ድየን ሕቶታትካ ብማለት እንዳደገመ ሃዲኡ ብምምላሱ፡ ኣብቲ ርግኣት ናይቲ ኣኼባ ኣዎንታዊ ተራ ኣበርኪቱ። ጽቡቕ ኣብነት ኮይኑ ኸኣ ውዒሉ።

ኣብ መወዳእታ መንአሰያት ንለውጢ በይ-ኤርያን ረድኢ መሓሪን፡ ገጸ-በረኸት ተለዋዊጦም። እታ ብመንእሰያት ዝተዋህበት ገጸ-በረኸት ስእሊ ናይ ጋንታ ኣለና ክትከውን እንከላ፤ ብረድኢ ንመታባብዒ መንእሰያት ዝተዋህበት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1975 ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት እትገልጽ፡ ኣብ ካናዳ ዝተጻሕፈት ፖለቲካዊት ድርሰት እያ።

 

ዓወት ንሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ!!

 

ህዝባዊ ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ በይ- ኤርያ

ሓምለ 01 2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7286

Posted by on Jul 4 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net