ጋዜጣዊ መግለጺ ጉባኤ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ደብረ ዘይት

ንሕና ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ኣብ ደብረ ዘይት፡ ካብ  7-17 ሓምለ  2012  ተኣኻኺብና፡ ዘተን ልዝብን ዘካየድና፡ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን  ተቓለስቲ መንእሰያት “ኩሉ ዓቅምታት መንእሰያት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ይቕናዕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ግሉጽን ክፉትን ክትዕ ብምክያድ ነዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው፡- ማለት

ሀ – ብሰንኪ እቲ ንሃገርና ናብ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ ለዊጡዋ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ይርከብ ኣሎ። እዚ ድማ ንመንእሰያት ሃገርና ካብ ጭቆና ንምርሓቕ ዓዶም ገዲፎም ከም ዝስደዱን ግዳይ ምድረበዳታትን ባሕርን መሸጣ ክፋላት ኣካላትን ከም ዝኾኑ ብምግባር ነታ ሃገር ናብ ፍጹም ውድቀት ይመርሓ ብምህላዉ፣

ለ – ናይቲ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝዕምብብ ዘሎ ምንቅስቓስ መንእሰያት፡ ኣወንታውን ኣሉታውን ገጻት ብምግምጋም፡ ብቑዕ ርክባትን ምትእስሳርን ብዘይ ምህላወን ከኣ ናይ ግዜ ምብኻን የኸትል ብምህላዉ፡

ሐ – ነቲ ናይ ህግደፍ ገባቲ ስርዓት ክምክት ዝኽእል ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ብሓፈሻ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ከኣ ብፍላይ መደባትን ትልምታትን ብምግንዛብ ነቲ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ከምኡውን ንብዙሓት መራሕቲ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ  ኪዳን ካልኦት ፖለቲካውያን ውድባት ብምስማዕን፡ ዘተ ምክያድን፡ ሃገርና ኣብ ገምገም ጸድፊ ከምዘላን ኣብቲ ምህላውን ዘይምህላውን ማለት ካብ ዝኸሰረት ሃገር ናብ ውድቕቲ ሃገር ትሰጋገር ምህላዋ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጉዳዩ ህጹጽነት ኣለዎ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝሰፈረ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ከምዚ ዝስዕብ ወሲንና፤

1. ብስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፡ ብዝብል መጸውዒ ስም፡ ናጻ ዝኾነ ማሕበር መንእሰይ መስሪትና።

ናይዚ ማሕበር እዚ ሕመረት፡ ንግዚኡ እተን ኣብ ኣኼባ ደብረዘይት እተሳተፋ ማሕበራት መንእሰያትን ውልቀ ሰባትን  ይኸውን። ናይዚ ማሕበር እዚ ቅርጽን ኣካላትን፡ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ዓመት ዝካየድ ኣብ ውሽጢ ሃገርን (እንተተኻኢሉ) ካብ ኩሉን ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝጠርነፈ ሓፈሻዊ ጉባኤ ይካየድ።  እዚ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ናይ መንእሰያት ጉባኤ፡ ነቲ ናይ ህዝብና ብዙሕነት ዘንጸባርቕ ኪኸውን፤ እቲ ማሕበር ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣልዩ ንድሌትን ክብርን ህዝብና ዘዕግብ ዲሞክራሲያዊ ኣማራጺ ንምምስራት ኩሉ ዝከኣሎ ይገብር።

2. ናይቲ ማሕበር መሪሕነት፡ ምስ እቲ ንኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተሓዝአ ሓደ ቦታ ወሲካ፡ ብዕስራ ኣባላት ይቐውም። ነቲ ሓፈሻዊ ኤርትራዊ ጉባኤ መንእሰያት ንምድላው ከኣ ሓላፍነት ይወስድ። ነዚ ንምግባር ከኣ ምስ ኩለን ናይ መንእሰያት ማሕበራት ርክብ የካይድ፡ ጨንፈራት ይምስርት፡ ፋይናንሲያውን ሞራላውን ደገፍ ንምርካብ ይንቀሳቐስ፡  ንምዕዋት መጻኢ ጉባኤ ዝሕግዝ ኣድለይቲ ጽሑፋት  ከኣ የሰናድእ።

ኣብ ልዕሊዚ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታትን መከራ ናይቶም ኣብ ግብጽን ሊብያን ካልኦት ሃገራትን እተኣስሩ ግዳያት መሸጣ ክፋል ኣካላት ዝኾኑን መንእሰያት ንጡፍነት የርኢ፤ ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ድማ ኩሉ ዓይነት ቓልሲ ማለት ብመራኸቢ ብዙሓን፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ዲፕሎማስን ወተሃደራዊ ኣማራጽን ይጥቀም።
3. እዚ ማሕብር እዚ፡ ናይቶም ገዳይም ተቓለስቲ መቐጸልታ ብሙዃኑ ብሓፈሻ ነቲ ቓልስታት ተቓውሞ ብፍላይ ድማ ንቓልስታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከም መመላእታ ይኾኖ። እዚ ማሕበር እዚ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብኽብ ዝበለ ደረጃ ይተሓባበር። ከምዚ ምግባሩ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣልጊስካ ዲሞክራሲ ንምምስራት ኣብ ዚግበር ቓልሲ ንምሕጋዝን ንቕድሚት ንምድፋእን ኢዩ።

በዚ መሰረትዚ ንኹሉ ክፋላት ህዝብና፡ ነዚ ማሕበር እዚ ብሞራልን ብንዋትን ኪድግፉዋ ንጽውዕ። ከምኡውን ነቶም ኣብ ካልእ ማሕበራት መንእሰያት ንዘለዉን፡ ነቶም ኣብ ተቓውሞ ዚነጥፉን ኩሎም ነዚ ማሕበርዚ ኣብቲ ውሽጣውን ዞባዊ ጻዕርታቱ ብምሕጋዝ፡ ነቲ ዚመጽእ ንኹሉ ዘሳትፍ ጉባኤ ንምዕዋት ኪተሓባበሩዎ ንጽውዕ።

ኤርትራ ናይ ኩሉ ዜጋ ብማዕረ እትብጽሖን እትጽበዮን ሃገር ሙዃና ከነዘካኽር ንፈቱ። ነቲ ስርዓት ምእላይን ዲሞክራሲያዊ ኣማራጺ ምምስራትን ከኣ፡ ንጻዕርታት ኩሉ መንእሰይ ከይኣስመርካ ኪብጻሕ ኣይከኣልን። እቲ ዝሓለፈ ወለዶ ተራኡ ተጻዊቱ ጌና ይጻወትን ኣሎ።

ንሕና ድማ ኣሰሮም ኪንክተል ይግባእ። ንሳቶም  ናጻ ሃገር ኣምጺኦሙልና፡ ንሕና ከኣ ድልድልትን ዲሞክራሲያዊት ዝኾነት ሃገር
ንምምስራት ሓላፍነት ኣሎና።

 

ኣብ መደምደምታ፡ እዚ ጉባኤ፡ ኣብዚ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ንምምስራት እንገብሮ ዘሎና ቃልሲ፡ ኩለንተናዊ ደገፍን ምትሕብባርን ንዝገበሩልና፡ ከምኡውን ንስደተኛታት ህዝብና ዘዕቐቡልና ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፡ ኣመስጊኑ።

 

ቴድሮስ መንግስቱ

ኢትዮጵያ

07/17/12

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7372

Posted by on Jul 18 2012 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net