ጋዜጣዊ መግለጺ ዕዉት ሰላማ ሰልፊ

[cincopa AYKAQ_qulg3x]

ኣንጻር ናይ ሓሶት ፈቲቫል ምልካዊ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከተማ ስቶክሆልም

ካብ ሰዓት 10ናይ ንግሆ ምትእኽኻብ ዝጀመረ፡ ልክዕ 1100 ኣብ ምዱብ ቦታ ሰላምዊ ሰልፊ ዝበጽሐ ምዑት ተቃላሳይን ተቃወማይን ኤርትራዊ ካብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ኖርወይ ጀርመን ስዊዘርላንድ ሆላንድ ከምኡ ድማ ካብ ኩለን ከተማታት ስዊደን ኣስታት 500 ዝኾኑ ዝበዝሑ መንእስያት ዝተሳትፍዎ ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ዕለት 4 ነሓሰ 2012 ግቡእ ተልእኾ ኣብጺሑ፡ እቲ ንኣስታት 11 ሰዓት ዝወሰደ መደብ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓወት ተዛዚሙ።

እቲ ናይ ስነ ስርዓት ክብርን ናይ ተቃውሞ ሰልፊ፡ ኣዝዩ ዝምስጥ ኤርትራዊ ተጸዋርነት፡ ዓቓልን ምንባሩ ክዝከር ዝግበኦ ክብርን ዋጋን ናይ’ቲ ሰላምዊ ሰልፊ ዘንጸባርቕ’ዩ። ከምኡ’ውን እቶም ስነ ስርዓት ናይ’ቲ ሰላምዊ ሰልፊ ንምኽባር ዝተመደቡ ናይ ፖሊስ ሰበ ስልጣን፡ ነቲ ሰላምዊ ሰልፊ ልዕሊ ፈስቲቫል ህ.ግ.ዲ.ፍ ሰሪዖም ክብሪ ከም ዝሃብዎ ኣብ ምንቕስቓሶም ይረአ ነበረ። ብሓቒ ከኣ ኣኽበርቲ ሕግን ስርዓትን፡ ምዃኖም ክምስገኑ ዝግበኦም’ዩ።

ሰላምዊ ሰልፊ ካብ’ቲ ቆዋሚ ናይ ሰልፊ ቦታ፡ እናተንቀሳቀሰ ነቶም ኣብ ፈስቲቫል ክሳተፉ ዝሓልፉ ዝነበሩ ብህድኣት መልእኽቱ የመሓልፍ ነበረ። ናብ ሓጹር ፈስቲቫል ህ.ግ.ዲ.ፍ ብምጻሕ ደሌቱን ድሌት ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ፍትሕን መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ኤርትራ ክኽበር ኣለዎ ኢሉ ደጋጊሙ ምስ’ቲ ኩሉ ናይ ፖሊስ ብርቱዕ ምክልካልን ምድፋእን መልእኽቱ ከብጽሕ ክኣለ።

 

እቲ ተሳታፊ ሰልፊ ሒዝዎም ዝወፈረ ጭርሖታት ከም’ዚ ዝስዕብ ነበረ፡

ስመር ሕቈ ህግደፍ ክስበር!

እወ ንኤርትራዊ መንነት!

እምቢ ንህ.ግ.ዲ.ፋዊ ኣንነት!

እወ ንሕጊ!

እምቢ ንምልኪ!

ኤርትራዊ መንነት ይንገስ!

ህ.ግ.ዲ.ፋዊ መንነት ይደምሰስ

 

እወ ንሰላም፡ ፖለቲካውያን እሱራት ይፈትሑ፡ ቅዋም ይተግበረ፡ ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ካልኦት ኣገደቲ ኣገደስቲ ጭርሖታት ነበሩ። ንመንግስቲ ስዊደን ድማ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ዝተውሰነ እገዳ 1907 ከምኡ ድማ 2023 ኣብ ግብሪ ከተውዕሎን ሓያል ጽቅጢ ንክትገበር ምሕጽንታኡ ይቅርብ ነበረ፣ ከም ኡ ድማ ምስዛ ሓጻር ጸብጻብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣተሓሒዝና ነቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ይኹን ስዊደን ዘመሓላልፍናዮ ምሕጽንታ ን ኣንበበትና ክትዘርጉሑልና ንሰድልኩም ኣሎና

 

ብተወሳኺ ካልእ በቶም ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ውፉያት ባእታታት ዝቐርብ ዝነበረ እዋናውያን ኣገደስቲ ጭርሖታት ነቲ ስልፊ ዝያዳ ድምቀት ሃቦ። ኩሉ እቲ ኣካባቢ ፈስቲቫል ኣውያት ብ ኣውያት ኮነ ክሳብ ብሰማይ ብሀሊኮፕተር ብመረት ድማ በቶም ውርያት ሓይሊ ጽጥታ ፖሊስ ብመካይን መሊኡ እቶም ኣብ ፈስቲቫል ዝሓልፉ ዝነበሩን ኣብ ውሽጢ ዝነበሩን ራዕዲ ኣትዮም ከምዝሓደረ ካብ ውሽጢ ኣትዮም ዝነበሩ ብጾትና ተፈሊጡ ኣሎ ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፍልይ ዝበለ ሰላምዊ ሰልፊ ካብ ዝገበሮ ዓወታት፡ ቀዳማይ ንመደብ መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዓቢይ ቁጠባዊ ክሳራን ፍርሓትን ከምዘስዓቦም፣ ንምሕላዉ ክሳብ ሓለውቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓ ተኻርዮም ከምዝነበሩ ወላ እቲ ናይ ስዊደን ፖሊስ ተሓቢሮም፣ ይከታተልዎም ነሮም ኢዮም። መንእሰያት ስመር ካብ ስዊስን ኖርወይን ክሃጅሙ ደልዮም ግን፣ ንኽጻወሩ ኣወሃሃድቲ ሰልፊ ለሚኖም ኣትሪፎሞም።

ኣቶ የማነ ገብረኣብ ከምቲ ልምዱ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ኣስተምህሮ ከምዝሃበን ሓደ ኣማረ ዝበሃል ድማ ብርዕና ካብቲ ብግዜ ብረታዊ ቃልሲ ክብርትዕ ኣለዎ ኢሉ ንተሳተፍቲ መዲሩ፣ ስመር ግን ብብርዒ ጥራሕ ዘይኮነ ብግብሪ ንምልካዊ ስርዓት ክድምስሱ ተበጊሶም ከምዘለዉ ኣብቲ ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተገብረ ኣኼባኦም ኣረጋጊጾም።

መጉልሕ ሰላምዊ ሰልፊ ዘዳለዎ ኣነ ዝበለ ትሕዝቶ መጕልሒ ድምጺ፡ ንፈቲቫል ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ምቁጽጻሩ ኣእትይዎ ውዒሉ። ሰላምዊ ሰልፊ ከኣ በቲ ዝመደቦ ግዜ ብስነ ስርዓት መልእክቱ ኣብጺሑ።

እቲ ዝገርም ነገር፡ ሰላምዊ ሰልፊ ካብ ቦትኡ ናብ ሓጹር ፈቲቫል ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝበጽሕ፡ ኩሉ እቲ ናብ ፈቲቫል ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝኸይድ ብፖሊስ ተዓጊቱ ጠጠው ከም ዝብል ይገብሮ’ሞ፡ ከይፈተዉ  ነቲ ሰላምዊ ሰልፊ ክዕዘቡን ክርእይዎን ሓቕነት ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጡ ተገዲዶም እዮም።

ሰበ ስልጣን ፖሊስ ንሰላምዊ ሰልፊ ብዝግባእ ክብሪ ምብሃቦም፡ ተወሳኺ ቆላሕታን ጥመተን ክረክብ ክኢሉ።

ሰላማዊ ሰልፊ ስቶክሆልም ብመራኸቢ ብዙሓን ስዊደን ከም ኤክስፕረሰን ተሸፊኑ ኢዩ፣ ክምኡ ድማ ብ ኤርትራውያን ማዕከናት ከም ኣሰና ረድዮ ኣረና  ከምኡ ድማ መቃልሕ ካብ ዝጅምር ክሳብ መጨረሽታ ሽፋን ረኺቡ ኢዩ

 

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ሰላማዊ ሰልፊ

4 ነሓሰ 2012 ስቶክሆልም

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7475

Posted by on Aug 7 2012 Filed under News, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net