ናይ ሓሶት ለቖታ !

ልቢ ወለድ ድርሰት

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

15 ግንቦት 2010

ቀዳማይ ክፋል

ኣብ’ዚ ናይ ሓሶት ለቖታ ዝብል ድርሰት ከስፍሮ ዝደለኹ መልእክቲ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ወርሒታት ኣብ መርበብ ሓብሬታ ክጻሓፍ ዝጸንሐ፡ ጸይቕን፡ በታንን፡ ዘራጊ ሓድነት ዘይሓላፍነታዊ ዝዀነ ቢሂላት ብምጽራር ንምግላጽ እዩ።

ኣብ ሓንቲ ንእሽቶይ ቝሸት ንነዊሕ ዓመታት ብሰላም፡ ብምክብባር፡ ብሕግን ስርዓት ዝካየዱ ሓረስቶት ነበሩ። ኣብ’ቲ ዝዕማም ዘበለ ስርሓት ኣብ መንጎ ሽማግለን ዓበይቲ ዓድን፡  ኣመንቲ፡ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮ ኩሉ ግዜ ብስምምዕን ብምርድዳእን ይፍጸም ነበረ። ኣብ መዓልታዊ ስርሓቶም ይኹን ፡ ውራይ ማሕርስ ፡ መርዖኦምን ደርዖኦም፡ ሓዘኖም ቀብሮም፡ ብምትሕግጋዝ ይፍጸም ብምንባሩ ሓደ’ኳ በዓል ገዛ ተባሂሉ ዝግዳዕ ወይ ከኣ ዝውጻዕን ኣይነበረን። ነዚ ኩሉ ዝገብር ከኣ ካብ ኩሎም ዝተዋጽአ ባይቶ ዓዲ ብዘመሓድሮን ብዝውስኖን ሕጊ ዝካየድ ስለ ዝነበረ እዩ። ዓዲ ትመሓደርሉ ሕጊ እንዳ’ባ ከኣ ብማይ ኣይምረግ፡ ብጸሓይ ኣይሃስስ ወትሩ ኣብ ባይቶ ዓዲ ይቕመጥ ነበረ። ዝዀነ ነገር ተረኺቡ ከኣ ኩሉ ግዜ ናብ ባይቶ ምኻድ ምኽሪ ይኹን ሓገዝ ፍትሕን ዕርቕን ብምርካብ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ፍትሓዊ ፍርዲ ዘይሰኣኖ ቝሸት ነበረ። ምእንቲ’ዚ ጸገም እንተተረኽበ፡ ባይቶ፡ ንዓዲ  ስለ ዘውሕስ እቶም ገባሮ ተዛንዮም ይኸዱን ይመሓደሩን ነበሩ።

ሓደ እዋን ክረምቲ ዝናብ ኣብዩ መሬት ከውሒ ኮይኑ ነቕጺ ኣጋጢሙ፡ ጽምእን ጥሜትን ኮይኑ ዓዲ ሻቕሎት ኣተወ። ዓዲ ብሙሉእ ግምጥል ኢሉ ናብ ባይቶ ተኣኪቡ ነቲ ዝወረዶም ጸገም ክፈትሑ ተኣከቡ’ሞ፡ መራሕቲ ዓዲ ሰነድ ሕጊ ከውጽኡ ሃሰው እንተበሉ ሰነድ ዘየለ ረኸብዎ።

ሽማግለ ዓዲ ብውሽጦም ክተሓማመዩን ሕሹኽሹኽ ክብሉን ጀመሩ፡ ዓዲ ብሙሉኡ ከኣ እንታይ ተረኺቡ ኢሎም ብግደኦም ከዕዘምዝሙ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ እንታይ ተረኺቡ እንተተባህለ፡ ሰነድ ዓዲ ጠፊኡ ተባሂሉ ተዘርበ እሞ፡ እቲ ዓዲ ይኹን ባይቶ ዕብድብድ ኣተዎም። መን ወሲድዎ እንተተባህለ ሓደ’ኳ ዝምልስ ኣይተረኽበን። ሓደ ሓደ ግን ብጥርጣረ ከጸልሙን፡ ከናሽውን ክኸሱን ጀመሩ። ኣብ መንጎ’ዚ ዕግርግር ሓደ ዓብይ ሽማግለ ተንሲኦም ከም’ዚ በሉ፡ እዚ ጸለምን ክስን፡ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዘይልምድናን ባህልናን’ዩ። ሕጂ ዝረኣየ እንተሃለወ ሃየ ዓይኑ ትብራህ መንገዲ ይሓብረና በሉ። ግን ዝምልስ ኣይተረኽበን።

ካብ ጥምየትን፡ ስእነትን ዝተላዕለ ኣብ ገገለ ሸነኻት’ታ ቝሸት ኣብ ንብረትን ጥሪትን ዓመጽ ክረአ ጀመረ። በዚ ዝተሰናበዱ ሰባት ዝሓዙ ሒዞም ካብ’ታ ዓዲ ብለይት ጸልማት ተኸዊሎም ክወጹን ክሃድሙን ነናብ ሰቦም ናብ ጎደቦታት ዓዲ ክጽግዑ ካብ’ታ ቝሸት ክወጹ ጀመሩ።

ህጻናት፡ ኣደታት፡ መእሰያት፡ ገገለ ንዋራ ዝወጹ ጥሪት ሒዞም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ስደት ጀመሩ። ኩሉ ከኣ በቲ ዝመስሎ መንገዲ ክኸይድ ጀመረ። ገገለ ንምብራቕ፡ ገገለ ንምዕራብ ተጓዕዘ። በብሓደ ሰብ ወሓደ ከም ዝበሃል ዓዲ ፍትሕን ሰላምን፡ ህውከት ኣትይዋ ዳርጋ ውሑዳት እንተዘይኮይኖም ምስ’ቲ ዝነበረ ነቕጽን ጥሜት ዓዲ ሰብ ዝነበረት፡ ኣብ ሓጺር እዋን በረውሮ በለት። ዓዲ ጋኒን ወሪስዋ፡ ኦኣዲ ሰላም ዓዲ ሕግን ለባማትን ከም ዘይነበረ መሰለት።

ካብ’ቶም ንስደት ዘምርሑ ብዙሓት እግሮም ናብ ዝመርሖም ተጓዕዙ፡ ካብ’ቶም ንስደት ዘምርሑ ዝተበታተኑን ሓደ ሰብኣይ ካብ ነብሱ ዘይፈልያ ሎቆታ ነበርቶ እሞ፡ እቶም መኻይዱ፡ ነታ ካብ ነፍሱ ዘይፈልያ ሎቖታ ርእዮም ብዙሕ ይግረሙን፡ ይድንጽዎምን ነበረ። ገገለ መኻይዶም ከኣ እንታ እዚ ኮይንዎ ነዘ ለቆታ ኣይትብላዕ ኣይትስተስ እንታዩ ውትሩ ተሓንጊጥዋ ዝኸይድ፡ ክንደይ’ኳ ጥሪታ ገዲፋ ነብሳ ከተውጽእ ትኸይድ ዘላ እንዳበሉ ይሓምይዎ። እቶም ዝሓምዩ ሰባት ተማኺሮም ካብ ምሕማይስ ዘይንሓቶ ተባሃሂሎም ይሓትዎ። ቀሪቦም ከኣ እታ ለቖታ ዝብልዓ እንተሃለዋስ ከማቕሎም ይሓትዎ’ሞ፡ ንሱ ከኣ ኣይ እዝስ ዝጠቕም ነገር የብሉን ዘይስቕ ኢለ’የ መዳኸሚ ጸይረዮ ዝኸይድ ዘለኹ ቢሉ የታልሎም። ይኹ’ምበር ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት እቶም ገባሮ ኣብ ሓንቲ ልምዕቲ ሩባ ይበጽሑ’ሞ፡ ዘይንዕርፍ ኢሎም የዕርፉ። ዝነበሮም ድኻምን ጽምእን፡ ጎሮሮ ኣተርኪሶም፡ ነፍሶም ተሕጻጺቦም ከዕርፉ ምስ ወሰኑ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣግራብ ፋሕ ኢሎም ደቐሱ። ዝኣኽሎም ኣዕሪፎም ከኣ ካብ ድቓሶም ተበራቢሮም ተበገስ ምስ ተባሃሃሉ፡ ሓደ ሰብ ጎደሎም፡ መን’ዩ እንተተባህለ እቲ በዓል ለቖታ ኮነ። ኣብ’ቲ ዝነበሮ ቦታ እንተኸዱ ብዘይካ ሎቖታ ሰብ ዘየለ። ኣብ’ቲ ከባቢ ንደገ ከይዱ ከይኸውን ሃሰውሶ እንተበሉ ሰኣንዎ። እቶም ሰብ እምነት ሓደራን ደቂ ዓዲ ተሻቐሉ። ኣብ መወዳእታ ይመጽእ ይኸውን ቢሎም ተስፋ ብምግባር ነታ ለቆታ ንሓደ እሙን ሽማግለ ሰብኣይ ብሕድሪ ሃብዎ።

ስደቶም ክቅጽሉ ኣብ ምድላው እንከለዉ፡ በዓል ለቖታ ሓንደፍደፍ እንዳበለ መጺኢ፡ ኣብ’ታ ኣዕሪፍሉ ዝነበረ ቦታ ከይዱ ለቖታይ እንዳበለ ከዕገርግር ጀመረ፡ እቶም ብጾቱ ኣንታ ቀስ በል ኦኣዲ ተፊኡስ ለቖታይ ትብልስ እንታ ኮይኑ’ዩ፡ ደሕር ከኣ ዘለዋ የብላን ዶ ትብል ኣይነበርካን እንዳበሉ ከዛሓሕልዎ እንተፈተኑ ክሳብ ዘላታ ቦታ ዘርእይዎ ምስ ብዙሓት ተላኸፈን ተባኣሰን፡ ክሳብ ብሓይሊ ጀመረ። እቶም ዓዲ ከኣ ንዓ ደኣ ኣይፋልካን፡ ንብረትካ ብሕጊ ትወስድ፡ ዝጠፍአ የልቦን። ደሓር ከኣ ኩሉ ቀስ ኢላ’ዩ ነገር ዝፍታሕ ኢሎም ከተሃዳድእዎ እንተፈተኑ ሰብኣይ ክሳደይ ንኻራ’ሉ፡ ኣዕገርገረ። ኣብ መወዳእታ ናብ’ቶም ብሓደራ ዝተዋህቦም ሽማግለ መሪሖም እዚ’ዩ ንብረትካ ህንካ ውሰዶ ይብልዎ።

ቅሩብ ዕረፍቲ ተረኺቡ፡ ንብረቱ ክወስደ ናብ’ቶም ሽማግለ ቀረብ’ሞ፡ እቶም ዓብይን ለባምን ሽማግለ ሰብኣይ ከኣ፡ እንሆ ንብረትካ፡ ኣነ’ኳ ዝጠፍአ’የ ኣብ ቅድሚ ዓዲ ብቍጻሩ ተረኺበዮ። ድሕሪ’ዚ ሕጂ ከኣ ጽልኢ ከይንፈጥርስ እቲ ንብረትካ ክትወስድ ሃየ ዝነበረ ፈትሕኻ ረኣዮ’ሞ ዝጎደለ እንተሎ በልዎ፡ ወዮ ሰብኣይ ዋና ለቖታ ዕንጭ ሓንፈፈ፡ ወዮ ዓዲ ናይ ጥሜቶም ድኻሞም ከይኣኽሎም፡ ኣምባጓሮ ፈጢርሎም ተሸገሩ’ሞ፡ ነቶም ሽማግለ ሰብኣይ ደጊፎም እዚ ዝብልዎ ዘለዉ ሓቒ’ዩ፡ ደጊም ንብረትካ እንሆ፡ ግን ንኣኦም ሓራ ኣውጽኣዮም፡ ንብረትካ ፈትሽ፡ ጽባሕ እዚ ነይሩኒ፡ እዚ ጎዲሉኒ ከይትብል ይብልዎ።

በዓል ለቖታ ሕራይ’ሉ ከብቕዕ፡ ሓንሳብ ዕድል ሃቡኒ ኢሉ፡ ፍልይ’ሉ፡ ኵርባ ክውል ምስ በለ ጠፍአ፡ ተጸበ በል እንተበልካስ ሰብኣይ እንኰ ዝኣፉ ደሃይ ዘይብሉ ጠፍአ፡ ዓዲ ከኣ ኣንቱም፡ እዚ ሰብ እንታይ ወሪድዎ ቢሎም ተሻቐሉ። እንተዀነ ጉዕዞኦም ክቅጽሉ ተሰማምዑ። ክብገሱ እንከለዉ እቶም ዓብይ ሽማገል ሎሚ መዓልቲ ገቢርናዮ ዘይንፈልጥ ጉዳይ ፈጺምና፡ ብውዕል ዘይተቀበልክዎ ናይ ሕድሪ ንብረት ክንደይ ጽልእን ቅርሕንት ገይሩልና ደጊም ሕጂ ነዚ ሕድሪ ክቅበል እንተዀይነ ጉዳይ ፈትሽኩምን መርሚርኩምን ሃቡኒ በሉ’ሞ፡ ዓዲ ነቲ ጉዳይ ክርእዩን ክምርምሩን ኣብ’ቲ ሸካ ሓደሩ። ሽማግል ኣውጺኦም ከኣ ነቲ ጉዳይ ክሪኡ ስምምዕ ገበሩ’ሞ፡ ነታ ለቆታ ምስ ፈተሽዋ፡ እታ ሰነድ ዓዲ ኮይና ጸንሓቶም። እቶም ሽማገለታት ነታ ፋሕፋሕ ዝበለት ዓዲ በብዝኸደቶ ነጋሪት ሰዲዶም ብስራት ኣብጽሕሎም። ኩሉ ከካብ ዘለዎ ተኣኻኺቡ ናብ’ታ ማይን ለምለም ሸኻን ዝዀነት ሩባ ተኣኻኸቡ። ንዓዲ ከኣ እታ ሰነድ ዓዲ፡ እታ ሰነድ ሰላምን ፍትሕን ከም ዝተረኽበት ኣበሰርዎም፡ እታ ዓዲ ከኣ ከም ሓድሽ ኣብ’ቲ ደንደስ ሩባ ተጣይሳ ብፍትሕን ሕግን ተሳንያ ከም ቀደማ ናብራ ጀመረት። እቶም ዝገረሞም ደቂ ዓዲ ከኣ፡ ወይ ጉድ ለቖታ ሓሶ……ት እንዳበሉ ክዛረቡ ጀመሩ ንብለኩም።

ይቕጽል……..

Short URL: https://english.farajat.net/?p=750

Posted by on May 17 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net